‘ተቛጺርኩም’ ስለዘይተባሃልና ኢዩ መስለኒ እነና ድማ ተራኺብና። ከመይላትኩም ከኒ ቐኒኹም፡ ሰናይዶ? ’ምበር ንስኻትኩ ም’ውን ሃገርና ተረጋጊኣ ከምዘላስ ሰሚዕኩሞ ትኾኑ። ስግኣት ስርሒት ፈፎርቶ የለ ድሑር ሳዕቤናቱ ባቃ! ቅንያት ስራሕ ኮይ ኑስ መንግስቲ ብውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ክውደብ፡ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ‘ዝተወሰኸ’ ደሞዝ ሰራዊት፡ ትማሊ ከምዘ ይትግብሮ ገሊጹ ክንሱ ሰናይ ድልየት ክቡር ፕረሲደንትና ኮይኑ ያኢ ሎሚ ከምሓድሽ ብ300% ሰማይ ኣዕሪጉ ደሞዝ ክኸፍ ልን፡ ውህሉል ገንዘቦም’ውን ኣብ ናይ ነብሲ-ወከፍ ናይ ባንኪ ሕሳብ ከምዝኣቱን ክምከር’ዩ ተቐንዩ። ካብ ወጻኢ ድማ ቃሕዝ በለካ ገንዘብ ተተሰኪምካ ክእቶ ተፈቑዱ ኣሎ። እሞ ሸመታ ናቕፋ ብኣኻይሽ ኮይኑ።…….. ድሓር ከኣ ዋላ’ዃ መሸጣ መንእሰያ ትና ይሃሉ ዘይከምዓለምና ኢና! ዝተረፉ ይኣኽሉና ባቃ! ብቀንዱ መንእሰያት ህግደፍ ስለ ዝዓምበቡ ዘሰክፍ የለን።……………... ክንደይ ክንደያት ተሰሚዑ እብለኩም።

ኦይ! ህዝብና  ከምቲ ናይ ዝብኢ ቁስሉ ምብላዕ ስለዝለመደ ቃንዛን ኣውያትን ደቁ ከምዘይስቆሮ ኣምሲሎም ብምሙጓት ኣዕ ኑድ እንዳ ሃገር ዘብርሱ ካብሃለዉስ በሉ ክሳብ’ታ ግዜ ኩሉ ንስማዕ። እምበር መንእሰይ ድኣ ጽቡቕ ትምኒት ወላዲኡ እናተረ ድኦ ከምቲ ኣደ ዝበለቶ ግዳ ኣብ ወላዲኡ ዘደቀሶ ክድቅስ ጥራይ ኣይኮነን ዝምነ። ብዋጋ ሕልና ወለዲ ዝጣላዕ ፕረፖጋንዳ ህ ግደፍ ተታሊልካ እንተኾይኑ’ሞ ዝገደደ ብፍርሂ ተሽቆጥቝጥካ ምርዓሙ’ውን ኣሎ። እሞ ንትጽበዮ ሓቅታት ብዋጋ ካልኦት ክትረክቦ ምእንቲ  ኩለን ህዋሳትካ ደፊንካ ተዓዛቢ ክኽወን ድኣ ባህሊ’ንዶ ኮይኑ። እናሳዕ መሬት ጽሕያ እንተኾይና ሓንቲ ዓ ይንካ ጸጸቒጥካ ትዕዝብቲ ድማ ኣሎ። ኣብዛ ዘላ እዋን ከምኡ ዝባህርያቱ ዜጋና ምርኣይስ ክንደይ ይኸፍእ! ክልተ ግዜ ከምዝ ተራኣናዶ መሲልና ሓቀይ? ብሓቂ ዲዩ ወዲሃገርና ከምኣ?. እንድዕላ’ዛ ግዜ!!

ወይ ግዜ! ግዜ ዘርይዎ’ምበር ዜጋና ፍጹም ኣይከምኡን። ግዜ ኩሉ ኢዩ። ግዜ ጽንዒ፡ ግዜ ክድዓት። ግዜ ፍርሂ፡ግዜ ጀግንነ ት። ግዜ ሃብቲ ግዜ ድኽነት፡ ግዜ መግዛእቲ ፡ ግዜ ሓርነት። ግዜ ምብትታን ዘይስምምዕን፡ ግዜ ልዝብን ምጥርናፍን……..ኮታ ግዜ ኩሉ ኢዩ። ኣጆኹም መንእሰያትና! እዚ እምባ ጸሊም ታሪኽ ስንክሳራት መግዛእቲ’ውን ክስገር ኢዩ።

ብዛዕባ ስንክሳር መግዛእቲ ካብተላዕለ ኩሉ ተቃላሳይ በቢዝመረጾ መልክዕ ብዘይምቁራጽን ዕረፍትን ክዝረብ ከምዝከኣል ኣ ይሰሓትን። ብወገነይ’ውን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 7ይ ክፋለይ ኣብ ብሄረ-ትግርኛ ምትዃረይ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተኻለፉና ገ ዘፍትን ሓፈሻዊን ጠቓቒሰ ኣብዚ ሎሚ እዋን ክኸውን ዘይነበሮ ግን ድማ ዘጓንፈና ንዘሎ ዝኸፍአ ፈላላይ ማሕለኻታት ንም ጥቃስ’ምበር ብሓቂ ንጥበባት መግዛእቲ ዘርዚረ ክውድኦ ኣይሓለንኩን።

ብመሰረቱ ብሄራዊ ይኹን ቀቢላዊ ፍልልያት ባህሪያዊ ጥራይ ኢዩ። ኣቃውማ ሃገራት’ውን  ብውጽኢት ብሄራዊ ምዕባለ ክኸውን ከም ዝነበሮ ይጥቀስ። “ብሄራት ብውሽጣዊ ምዕባለታተን ኢየን ናብ ደረጃ ሃገራት ዝሰጋገራ” ይበሃል ኢዩ። እዚ ማለት እቲ ኣብ መስፍናዊ ሕ/ሰብ ብጸቢብ ኣጠቓቕማ ‘ብሄረ-እገለ’ ዝብል ዝነበረ መለለይ ኢዩ ኣብ ርእሰ-ማላዊ ሕ/ሰብ ብናይ ዕብየት መጸውዒዑ ‘ሃገር’ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ። ስለዚ ’ብሄር’ ማለት ከምቲ ዝመስለና ጥራይ ዘይኮነትስ ‘ሃገር’ /NATION / ንዝብል ዘመናዊ ትርጉም ከጠቓልል በቒ ዑ። ከምትሕዝቶ ከኣ ሃገር ማለት ብመበቆሉ ሓደ ዓይነት ንዝኾነ፡ ብሓደ ቋንቋ ዝጥቀምን ኣብ ሓደ ጂኦግራፊካዊ ከባቢ ንዝቕመጥን  ወዘተን ህዝቢ ዝተዋህበ መጸውዒ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ እዋን መግዛእቲኸ?

ብሄራት ወይ ሃገራት ናብ ግዝኣት ክወፍራ እንከለዋ  ኣጥቓቕማ ኮነ ትርጉሙ ብሄርነት ክቕየረና ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ገዛእቲ ን መሬት ኢዮም ዝቀዳደሙ። መሬት እንተተጎዚዩ ድማ ግድነት ምስ ኣብውሽጡ ዘሎ ትህዝቶ ኢዩ ዝመቓቐል። እሞ ሓደ ዝዓይነቱን መ ፈጠሩን ናይትሕቲ ይኹን ልዕሊ መሬት ትሕዝቶ  ኮነ ህዝቢ ኣብ ክልተ ወይ ክኒኡ ቦታታት ይከፋፈል። ከምኣብነት ብዶባት ዝዋሰን ህዝቢ ኤርትራ ከም ሱዳናዊ፡ ኢቲዮጲያዊን ካልእን ክከውን ይኽእል። በዚምኽንያት መብዛሕትኡ እዋን እቲ ሰብ-ሰርሖ  ፍልልያት ነቲ ናጻን መፈጠራዊን ሓደነት ክጻብኦ ይርአ። ስለ’ቲ ንሱ ጎነጻዊ ምቕሊ ሓደዝዓይነቱ ህዝቢ ምስናይ ባህርያዊ ትሕዝቶ “መግዛእቲ” ይበሃ ል። ንሱ ክፍጸም ዝጥቀመሉ ኩሉ ዓየይነት ፖሊሲታት ካብ ምምስራሕ /ንዘይትመስሎ ምርዓም/ ካሳብ ጽንተት ዘስዕብ ቀጥታዊ ዓመጽ ይእወጅ ኢዩ። ህዝቢ ድማ ብተፈጥሮኡ መንነቱ ናይምዕቃብ ባህሪ ስለዘለዎ ናብ ግዱድ ኲናት የምርሕ። እሞ ሰሚሩ ከይቃለስን ከይ ዕወትን ምእንቲ ንዝጥበብ ኩሉ ብልሓታት ኢየ ብ“ስንክሳር መግዛእቲ” ክዛረበሉ ዝቐነኹ።

መግዛእቲ መሪር ኢዩ። እንተኾነስ ኣይከምዚ ኣጓኒፍና ዘሎ ባዕዳውነትን። “ህዝቢ ኤርትራ መን ኢዩ፡ እንታይ’ዩ ዓይነቱ? እ ንታይከ ይደሊ ኣጽኒዕናዮ ፈሊጥናዮ ኢና” ክብል ከምዝሰማዕኩዎ ኮይኑ ይርደኣኒ። ሓቁ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ!! እታ እናሓንሳብስ ብሰንኪ ቅንዕናኣ “ሃሳስ” እናተባህለት ትጽረፍ፡ እታ ክልተ ኣውራ ነገራት፡ ማለት ነውርን ጀግንነትን ዘጽ ንዐት ኤርትራዊት ገርሂ ልቢ ብልክዕ ፈሊጥዋ ኣሎ። “ክፉእካ ኣይትጽላእ ዝከፍአ ከይመጸካ” ብዝብል ባህላዊ ምስላኡ ዝግ ራህ ህዝቢ ናይ ውሽጡ ገዛኢ ልዕሊ ናይግዳም ከምዝኸፍእ ኣየስተብሃለሉን ውይ ብዓይኒ ፖለቲካ ኣይተጠንቀቐሉን። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምምብርካኽ ፍጹም ዘየኽእሎ ኤርትራዊ ጸላእቱ ኣርቢዱ ክዘናጋዕ እንከሎ ገዛእ መራሒኡ ድማ ብዕሽነት ኤርትራዊ ክስሕቕ መዋእሉ ኣሕሊፉ እንሆ። ፈጺምና ከይንዕሾ ሃገራዊያን! ኢሳይያስ በይኑ ኢዩ ንህዝብና ዘካወሶ ዘሎ። እ ቶም ምስኡ ዘለዉ ዝመስሉና ናይ ትማልን ጽባሕን ጀጋኑ ድማ ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን’.. ከምዝበሃል ካብእምነት ዝተላዕለ ን ርእሳቶም ኣካል ናይቲ ገበን ዝኾኑ ኢዮም። ዘይተርፎም ክንሱ እንተተመሰለሎም ፍጹም ካብ ኤርትራዊ ባህሊ ወጻኢ ብፍር ሂ ዝጀሮቑ’ውን ኣይሳአኑን።

እቲ ስዉርን ሰባብን ጥበብ ገዛእቲ እምባአር ካብ ማዕዶ ካብእንዳ ሂትለራት ኮነ መሰልቱ ከይኣናደናዮ ብሓቂ ሎሚ ብህግደፍ ንሪኦ ኣለ ና። ታሪኽ ከይመሓላለፍ፡ ሃገራውነት ከይሰርጽ ከይስርት እንተደሊኻ ነቲ ምንጪ ኣድርቆ” ኢዩ’ቲ ፍልስፍና እኩያት።ምንጪ ወይ ፈል ፋሊ ከተድርቕከ እንታይ ኢዩ ዝግበር?

“ምድፋን ዒላ” ክትብሉ ትኽእሉ። ነገር ተፈጥሮ ንሱ እንተዘይተኻእለ ድማ ነቲ ዋሕዚ ኣንፈቱ ናብ ዘርባሓካ ምቕያር ክፍተን ይከኣል።  ምንጪ ሃገራውነትን ዓወትንከ  እንታይ ኢዩ? ኢሉ ንዝሓትት ድማ  “ሓፋሽ” ኢልኩሞ እንተኾንኩም ብርግጽ ሓፋሽ!  እሞ ንሓፋሽ ከተ ጽንት ይካአልዶ? ኣምላኽ’ሞ ንሃገርና መስዋእቲ ድኣ ኣዚዝላ’ምበር ክትድምሰስ ኣይበየነን። ኮይኑ’ውን ሰብና ልዕሊ ንቡርዃ እንተተሰው አ ኣይበረሰን። መንእሰያትና’ውን ኣብ ዘዝኸድዎ ኣኻውሕ የቃልሑ ብምህላዎም ውዲት ገዛእቲ ኣይክሰምርን ኢዩ። ተኻእለ ኣይተኻእለ እቲ ፈተነ ከመይ ይመስል?

ስንክሳር ገዛእቲ ገሊልካ ዝውዳእ ዒላ ካብዘይኮነ ኣብነት ጥራይ ኢዩ ዝጥቀስ። ንኣብነት ህግደፍ ነቶም ናይ ትማሊ መርሃውቲ ጸበባ ሃገር ዝነበሩ ተጋደልቲ ከከምዝጠዓሞ ኣመራሲሑ ከምቀንዲ ዕንቅፋት ሃገር ኣቑጺርዎም። ህዝብን ተጋዳላይን ድማ ወይ ረኻቢኦም ክሳብ ዝ ፈልጡ ወይከኣ ክሳብ ዝሰማምዑ ከብድን ሕቖን ኮይኖም። ኮይኑ ድማ ተጋዳላይ ናይ ለውጢ ሓሳቡ ክገብር ኣብዝተበገሰሉ እዋን “ኣበይ ነይርኩም”? ዝብል መኻልፍ ወረዶ።

“ወቐሳ መጋዕዘይ ነገር ኢዩ” ኢዮም ዝብሉ ወለድና ንቕድሚት ክምርሹ ምእንቲ። ብኣንጻሩ “ኣበይነይሮም”? እታ ሰራውር ለውጢ ትቐራ ራድድ ጎዘሞ ገዛእቲ ምዃና ነስተብህል። ”ኣበይድኣ ኔርኩም እዚ ኩሉ ጉድለት ክግበር? ኩላህና’ኮ ገበነኛታት ኢና” ማለት ኢያ ተስምዕ። ብወገነይ ነቲ ተተሰዊርካ ካልእ ረመጻት እናነስነስካ “ሓዳሩ ዘይኣለየ፡ ደቁ ዘየዕበየ፡ ንፋጠ - ልዛዩ ዘየጽረ፡ ዓጋመ ….. እናተባህለ ዝተጎና ደበ ደላይ ለውጢ ማእለያ ከምዘይብሉ ደጋጊመ ከምዘእወኹሉ ጋና ድማ ክብሎ ኢየ። እምበርከ “ኣበይኔርኩም”ሲ ጌጋኻ ኣይትኣርም፡ ህዝብኻ ኣይትኽሓስ ማለት ዲዩ? ኣብሃገርና ንምነዮ ለውጢ ምስናይ ድኽመታቱ ብዘይካ ካብውሽጢ ካበይ ኢና ግዲ ንጽበዮ?

ናብ እዋን ፍርሰት ፈደረሽን ተመሊስና ተግባራት ናይቲ ግዜ ቀዳማይ ጀነራል ተድላ ዑቕቢት እንተርኣና ንሱ ንለውጢ ኣብዝተበገሰሉ እ ዋን ገለ ሓለፍቲ መሳርሕቱ “ኣበይኔርካ” ብማለት ስለዘይሰዓብዎ ዝሓሰቦ ከይገበረ ንሞት ተቓሊዑ። መሳርሕቱ ደጊፎሞ ሽዑ ናጽነት ኤ ርትራ መጺኣ እንተትነብርከ? እቶም ኩሎም መራሕትና ነበር ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ናይ ህ.ግምባር ምስኩሉ ጉድለታቶም ንለውጢ ኣብዝተበገስሉ እዋን “ኣበይኔርኩም”? ተባሂሎም እንተዘይካለፉ ኣበይ ምሃለና? ትማሊ ኣብ ስርሒት ፎርቶ በዞም ቁንጣሮ ተባዓት መሃንኑ ዝሰሓተ ውልቀ-ምልኪ፡ ክንድኦም ጥራይ ተወሲኸሞም እንተዝነብሩስ እንታይ ምተፈጥረ? ሓራይ ትማሊስ ሓ ሊፉ፡ ንጽባሕከ ክንጣለም ዲና ሓቢርና ሽግ ለውጢ ከነንበልብል?

ዝኾነ ኮይኑ ሓደ ሐቂ ኣሎ። ተቓላላይ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ግዳይ ናጽነት ተጋዳላይ ሕጂ’ውን ንለውጢ ይብጀወላ ከም ዘሎ እሙን ኢዩ። ከምሳዕቤን ቃልሲ ሎሚ’ውን ከምቀደሙ ተበታቲኑ፡ ተረሺኑን፡ ኣብ ኣድራሻኡ ዘይፍለጥ ቤት-ማእሰርትታት ተሓይሩ ን። ክሳብ’ቲ ቀንዲ ጽዩፍ ስማዕ ምንጪ ሓራጅ ኣካላትናስ ቤት-ማእሰርትታትና ከይኸውን እንታይ’ዩ ዋሕስነትና? ንምዃኑ ኣብ ግዜ ፕ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝእሰር ሰብ ሃለዋቱ ይፍለጥ ዲዩ? ቃልሲ ናይ ኣብውሽጢ’ቲ እኩይ ቤትማእሰርቲኸ እንታይ ይመስል ይከውን?

“እንድዒ፡  ኣብኡ ዝታአሰረ ዘበለ’ሞ መዓስ ኣድሚጹ”! ትብሉ ትህልዉ። ሎሚ’ሞ ሳላ ቆራጻት ተቓለስቲ ምስጢር መዓስ ሃልዩ። ብወ ገነይ’ዃ ሳላኦም ነገር ናይ ሓደ ተጋዳላይ ከቕርብ እኽእል። ንሱ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ብዛዕባ ምኽንያት መእሰሪኡ ዘቕረቦ ጉዳይን በቶም ሰብግዜ ንህዝቢ ዘስለኹዎ ለኽበጣን ከተነጻጽሩ ክጠቕመኩም ምእንቲ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብራሃ ካብዝሰነዶ ገለ ከቕርብ ፍቐዱለይ።

ሰናይ ቅነ።

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...