ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ምውህሃድ ወተሃደራዊ ክንፍታቱ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጒሙ፡
ኣብ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንጉዳይ ወተሃደራዊ ክንፍታት ብዝምልከት ዝተወሰነ ውሳኔ ኔሩ። እቲ ውሳኔ ድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ናይ ኩለን ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለወን ውድባት ሰሚናር ብምግባር ኣብ ምውህሃድ ወተሃደራዊ ክንፍታተን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይደን ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ተግባራዊ ውሳኔታት ምውሳን እዩ ኔሩ።
ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ብምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት (ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ)ዝምራሕ ኮሚቴ መዚዙ ስራሕ ከቃላጥፍ ጸኒሑ። መዚ መሰረት ኣብ ዕለት 18-19 ለካቲት 2013 ንኽልተ መዓልቲ ዝወደኤ ወተሃደራዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ዕድመ ዝተገበረሎም ወድባት ኩሎም ንጡፋት ኣባላት ኤሃባደለ ክኾኑ ከለው ክልተ ውድባት ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)ን ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብደግሓሳኤ) ኣይተረኽቡን። መደፍኤ ኣብ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ናይ ኣባልነቶም ሕቶ ግቡእ ፍታሕ ክሳብ ዘይረኸበ ኣብቲ ዝተገብረሎም ዕድመ ክርከቡ ከምዘይክእሉን ብደግሓሳኤ ድማ ብመሰረት እቲ ክልቲኦም ውድባት ኣትዮሞ ዘለዉ ሓባራዊ ግንባር ስምምዕ ንበይኖም ዝገብርዎ ውሳኔ ስለ ዘይብሎም፡ ስለዚ ንሶም እውን ከም መደፍኤ ኣብቲ ዝተገብረሎም ዕድመ ክርከቡ ከምዘይክእሉ ድሕሪ ምሕባር እቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ውድባት ጥራሕ ነቲ ዕድመ ኣኽቢሮም ኣብ ሰሚናር ተረኺቦም።
ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ምይይጥ እቲ ንሕጂ ንኹለን ውድባት ከሰማምዕ ዝኽእል ውሳኔ፡ ካብ ኩለን ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ውድባት በቶም ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ወይውን ሓደ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ውድብ ብዝተዋጽኡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ሓደ ሰብ ጌርካ ሓደ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ኮማንድ (ኣዛዚ) መስሪትካ፡ ክንተሓሳሰቦ እንኽእል ንጹር ስራሓት ሂብካ ብቕልጡፍ ኣብ ስራሕ ምውፋር ብዝብል ውሳኔ ወጺኡ። እዚ ዝፍጠር ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ኮማንድ ኣብ ትሕቲ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ዝመሓደር ክኸውን፡ ንዕኡ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ዝተሰለዔ ባጀት ስለ ዘየለ ድማ ኣብ ጽባሕ ምምስራቱ ሓገዝ ካብ ህዝብናን ፈተውትናን ሓቲትና ኣብ ግብሪ ንዋፈረሉ መንገዲ ምፍጣር ብዝብል ዕግበትን ስምምዕን ወጽኡ። እቲ ዝምረጽ ኮሚቴ መሪሕነቱን ሓላፍነቱን ዕማሙን ንምንጻር ድማ ድሕሪ ወርሒ ቦኽሪ ኣኼብኡ ክገብር ወሲኑ ተፈላልዩ።
በቲ ስምምዕ መሰረት እቲ ኮሚቴ ዕለት 21 መጋቢት 2013 ተራኺቡ መሪሕነቱ መሪጹ። ኣቦ መንበር፡ ምክትል ኣቦ መንበር ከምኡውን ጸሓፊ ድሕሪ ምምራጽ እቶም ዝተረፉ ኣባላት በብእዋኑ ብኣቦ መንበር ናይቲ ኮሚቴ ዝወሃቦም መምርሒ ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝነጥፉ ክኾኑ ወሲኑ። እቲ ሰለስተ ዝኣባላቱ ሰክረታርያ ኣብ ወወርሒ ዝእከብ ኮይኑ ብሙሉኡ እቲ ወተሃደራዊ ኮማንድ ድማ ኣብ ክልተ ወርሒ ሓንሳብ ዝእከብ ክኸውን እዩ። ኣብ መንጎኡ ኣገዳሲ ርኽክብ ምስ ዘድሊ ድማ ብህጹጽ ጻውዒት ዝራኸቡ ከምዝኾኑ ተጌሩ ኣሎ። እዚ ወተሃደራዊ ኮማንድ ነቶም ክሳብ ሕጂ ወተሃደራዊ ክንፊ እናሃልዎም ዘይተጸንበርዎን ገና ኣብ ምምስራት ወተሃደራዊ ክንፍታት ዘለዉ ሓይልታት እውን መታን ክሕውስ ዕድሚኡ ንሹዱሽተ ወርሒ ክኽውን ድሕሪኡ በቲ ሽዑ ዝረኤ ምዕብልናታት ዳግመ ስርርዕ ዝገብር ክኽውን እውን ተወሲኑ ኣሎ።
ዕማም ናይዚ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተነዲፉ ዝነበረ ናይ ኤደኪ መምርሕን ዕማምን ኣገዳሲ ምምሕያሻት ጌሩ ክብገስ ተሰማሚዑ። ኣብቲ ሰሚናር ይኹን ኣብ ቦኽሪ ኣኼባ ናይዚ ወተሃደራዊ ኮማንድ ዝነበረ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መንፈስን ምትሕብባርን ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ተራእዩ ኣሎ። እዚ ቅኑዕ ተበግሶ ብኣዎንታ መታን ክምዕብል እቲ ኩሉ ደላይ ለውጢ ህዝብና ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጠለባቱ ኮይኑ ዝጸንሔ ምውህሃድ ወተሃደራዊ ክንፍታት ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ግብራዊ ደገፋቱ እናሃበ ንቕድሚት ክደፍኦ ዘለዎ ኣገዳስነት ከየዘኻኸርና ክንሓልፍ ኣይንደልን።
እታ ነዚ ዕማም እዚ ንምዕዋት ተመዚዛ ዝጸንሔት ሽማግለ እዚ ወተሃደራዊ ኮማንድ ካብ ዝቖመሉ ሰዓት ጀሚራ ዕማማ ከምዝወደኤት ድሕሪ ምፍላጥን ጸብጻባ ድሕሪ ምቕራብን ህላዌኣ ኣቚማ ኣላ።
ወተሃደራዊ ኮሚቴ
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ