ዋእ፡ መቸም እንተተሃሊዩስ ብዙሕ እንድዩ ዝስማዕ፡ ሓደ ግዜ ድማ ሚኒስተር መስፍን ሓጎስ በቲ ውዑይ ኩነታት ‘ጉጅለ ኮረይቲ ንዘጥ ፍኦም ብጾቱ’ ላዕለዎት ተቓወምቲ መንግስቲ ክረድእ ክብል ካብ ጀርመን ንዓዲ ክምለስ ደልዩስ፡ ህግደፍ ከኣ ኣብ ውሽጣ ኣትዩ ‘ከይሕ ምሳ’ ሰጊኣ ከይኣቱ ከምዝኸልከለቶ ተጣቢቦም ኢዮም ኣብዚ ተመዲብሉ ዘሎ ቦታ /ጀርመን/ ኮዲሞሞ ሰሚዕና ነበርና። ንኣባላት ጉጅለ ከካብዘለውዎ /ካብ ጀርመን ከይተረፈ/ ክቐራርሙ ከምዘይተራእዩስ መስፍን ዝኣክል ኣርካን ‘ብጻይ ጠላማት’ ተቐቢልካ ክንዲ ምቕፋዱ ስ ክንድቲ ዝኣክል ‘ተቓዋሚ መንግስቲ’ ፈንጢሱ ከይኣቱ ሰጊኦም ከልኪሎሞ! ሰሚዕና ድማ ተዓጀብና ሽዑስ። ዎይ’ዛ ስማዕ’ዚኣ፡

ግዜ ብነብሳ ኣንቂዳ እንድያ፡ ሻቐሎት ንመንከ ዘየቐለሎዎ። ከምቲ እስቲፋኖስ ወደያተመልሶ ካብ ርሑቕ ምድሪ /ኖርወይ/ ዝበሎስ፡ ኩሉ ዜጋ ብተስፋ ብርሃን ለውጢ ክነትዕ ደልዩ እናሃለወ ዓዶም ዘይምለሱ ደቂ-ሃገርና ድማ ገና ኣብሽርሕታት ዝተዋሕጡ ኣለዉና። ዝኾነኮይ ኑ ዋላ’ኻ ልብኻ ዝመልሕ ይኹን ክሳብ ዝተሃለወ ዕግርግር ዕዳጋ ንመልዓል ቅሙጥ ግሩም ጽቡሕ እንጌራ ኢዩ። ብምዃኑ ሎሚ ቅነ’ው ን ወዮ ድራማታት ህግደፍ ዎጮ ተኸዲኑ ገመል ብምስሓብ ክሕባእ ርኢናዮ። ሓድሽ ከይመስለኩም፡ በየን ዝመጸ ሓድሽ! ካብቲ ኣረጊት መኽዘን ዝተጎምጎሙዎ ጠስጣስ’ምበር!

ሰሙን ትገብር፡ ኣመሪካዊት መርበብ ሓበሬታ ሲኤንኤን ኣብ ግዝኣት ኒውጀርሲ ሰላሳ ዝኾኑ ኣብ ንግዲ ኣካላት ደቂ-ሰብ ዝተዋፈሩ ሸቃ ጦ ከምዝተታሕዙ ኣቓልሐት። ተቓሊሑ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ እስራኤል ኣብ ዝተዘርግሐ ሸረኽ ዝተዋፈሩ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ከይ ተረፉ ዝተዋስኡሉ ብቪዲዮ ዝተቐርጸ ምርኢት ነበረ’ቲ ዝተራእየ ማእሰርቲ። ነዚ ዘዝሰምዐት ኤርትራዊት ስድራ ክንደይኮን ልባ ተሰቒላ ትኸውን? ኣፍሪቃዊያን ኮና ካልኦት ማዕከናት ዜና ድማ ብሃለዋት ሃገርና ዘይተሻቐለት የላን። ህግደፍከ።

ክሳዕ መዓስ’ዩ ከምዚ እናልካ ድኣ እንድዕሉ’ምበር ልቢ ህግደፍሲ ብኣንባኣ ስቱኽ በለት’ሞ ብወገና’ውን ኣብ መሸጣ ደቂሰባት ካብ ዝተ ዋፈሩ ክልተ ኮለኔላት ከምዝኣሰረት ተቓልሐ። መቓብር ደም ከምገለ እንተዝዒጉ ሰራም ብምኻኑ ንምድፋኑ ህግደፍ ዘይፈንቀለቶ እምኒ ዘይጎነኾቶ ሓመድ የለን። ገለ ካብኡ እስከ ከምኣብነት።

ቲቪ-ኤረይ ኣከታቲላ ብዛዕባ’ቲ ‘ደም ዘንባዓ’ ሃገራዊ ዶባት ንዝምልከት ሓተታታት ኣውሓዘት። ኣስዒባ ፕረሲደንት ቀጠሩ ከምተዓዘረ ኣቃልሐት። ብኡ ንብኡ ገለ ካብ ሰበስልጣን ቀጠር ናብ ኢቲዮጲያ ከይዶም ንጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ክሽምግሉ ከምዝተበገ ሱ ተወረየ። ብምቕጻል ብነገር ፈለግ ኣባይ ዝተላዕለ ሃገረ- ኤርታራ ምስምስራውያን ደው ከምዝበለት ተቓልሐ። ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰል ሃገርና ከይረግጹ ምእጋድን ካልእ ብዙሕ’ውን ክትውስኹ ትኽእሉ። ብዝኾነ እዚ ምድርራብ ብላይ ወጮታት ንምንታይ? ንበልሕጂ።

1-፥ እቲ መከሓሓሲ ዝኽፈል ዘሎ ዋጋ ሰብና መቸም ኣብ ገዛእ ከተማናን ንበላዒና መንግስትን ኢዩ። ናይ ማዕዶ ሸየጥቲ ከየናደና ድማ ሎሚ መስሓትያን ከምሓደ ዓቢ ሞያ ተቖጺርሎም ብዕሊ ስለዝተዋፈሩ፡ ዝጠፍኡ ቆልዑ ብምብዛሖም መናድቕ ከተማና “ዝራአየ ኣይኑ ይብራህ….፡” ብዝብል ወረቓቕቲ ምልክታታት ጋዕዝዩ ኣሎ። ወያ ህዝባዊ ሰራዊት ትምዝግቦም ዘላ ተቖጸርቲ ህዝቢ ድማ ክንደይ ዝኣኽ ል ንዕዳጋ ዝወርድ ፍርያት ኤርትራ ከምዘሎ ንምጽናዕ ምዃኑ ድሮ ሓያለይ ተባሂልሉ ኣሎ። እዝን ከምኡን ከይጋለጽ።

2-፡ ምስ ኢቲዮጲያ ንዝተጻወደት መፈንጠርያ ሕጂ’ውን መኖም ይሕለፋ ክትመስል ምእንቲ፡ ህግደፍ ድማ በቲ ሓደ ከምቀደሙ ክሳብ ኲናት ዝበጽሕ ከጉባዕብዕ’ሞ ድጋፍ ሓፋሽ ክሓፍስ፡ እንተሓመቐ ድማ ተደናገጽቲ ክረክብ።

3-፡ ዝዓበየን ግን ነቲ ዝተናፈሰ ውዕሎ መሸጣ ሰቡ ንምኽዋል ክብል ኢዩ’ዚ ኩሉ ምዕልባጥ። ድሮ’ዃ ‘ተረስዒሉ’ እንሆ።

ህግደፍ ምስግብጺ ዘመሓዝዋ ነገር ክንዲ በቶም ከምድስቲ ኩስኩስቲ ክሽየጡ ዝውዕሉ ዘለዉ ዜጋታታስ በሉ ብዛዕባ ካልእ ክኸውን’ ዶ ምተገብኦ? ንሱ ስለዘይእንታያ መሓልፎ ብዘይሕማማ ወሓዚ ማይ ካብተራሰነት ብሓቂ ህግደፍ መን’ያ? እዚ ዲፕሎማሲያዊ ጽግዕግዓት ክልተ ነገራት የዘክረና። በቲ ሓደ ግሩም ሽፋን ናይቲ ዝተቓልዐ መሸጣ ደቂሰብ፡ በቲ ካልእ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ናይቲ ዝተዋህቦ ረቂቕ ስለያዊ ስራሓት ክጥቀመሉ ከውደልድል ይርአ ኣሎ። ወይለኻ ሞርሲ!

እምበር ነገር ህግደፍ ሎምስ መጎልበቢ’ዃ የብሉን። መንከ ኣልዩ ሎሚ ነገራት ዝምስርሕ? ፕረሲደንት ኣብ ቀጠር ተዛዊሩ ከምዝመጸ ተቃልሕ ድምጺ ዓሊ ዓብዱ ሃጢማ እንድያ፡ ድምጺ ደቂ-ኤረይ ግን ኣይሃጠመን ኣይዕበስን’ውን ኢዩ’ሞ ኣሰና ድማ ነቲ ልሙድ ዋሕዲ ጥዕና መራሒና ኣቃሊሕዎ ኣሎ። ኢሱ ደጋጊሙ ካብዛ ዓለም ክዕዘር ከምዝተራእ መጠን፡ መመሊሱ ካብምድቃሱ ምትንስኡኸ ምስክር ጽድቅነትዶ ወልኢ እኪት ተግባራቱ ንተዓዛቢ ገዲፍና ነቲ ሕማቕ ነገር ክገጥሙ ዝግብኦም ከም’ኒ ዓርከይ ሰመረ ገና ኣየድሃዩን ዘለዉ። ገለዶኾን መዘንተዉ ማለት እንተዘይኮይኑ ብዘይካ ተተጎሪቶም ክጉነኹ እንታይሲ ክገብሩ ኢሎም! እንተኾነ ‘ታ ቡርኩታ ግዲ እምኒ ኣል ያታ ነገር ትኸርር ኣላ ክቡራት ኣሕዋት። ብሓቂ ብዝሃውተተ ኣእምሮና ንምነዮ ዘይኮነስ እዛ ፈቃር ልብና ብትእዝዞ ሓድነት ንተሓቛቖፈ ላ ዕለት ትደናናዕ ኣላ። ቁራዕ ሓምሊ ክወጽእ መሳርዕ ጋዓት ጠስሚ ክኣቱ ማለተይ ኢየ።

ከምኣ ኢያ ዓለም! ገለን ዋና ጽባሕን ድሕሪኡን፡ ገለ ድማ ናይ ትማሊን ቅድሚኡን! ሃየበሉ ነንነብስኻ ምሕታት ኮይና። ሚ/ር መስፍን ሓጎስ ድማ ‘ ንዳግማይ ሓርነት ’ ኣብ ሱዳን ክዓርድ ዝወጠኖ ኣይስለጦ’ምበር፡ ሎሚ ነቲ ንሱ ዝፈልጦ ፍጻመታት ከምቲ ዝጥዕሞ መስ ሪሑ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ተቐዲሙ ጭልፋ ካብቲ ባሕሪ ከይሲ ፍጻመታት እንሆ ተቓሊዑ። ንመኣዲ ሰላማዊ መስርሕ ምስግጋር ካብ ዝተሓሰመ ሰልፊ ህግደፍ ንመአበዲ ዝንጉዓት ዝኸውን ተዳልዩ ዝመጾ ዝመስል ቃለ-መሕትት እናገበረ ኢዩ’ውን ነቲ ባዕሉ ኣነጺሩ ዝፈል ጦ ታሪኽ ቅዝፈት ተጎናንዩ ምቕራቡ ኣቖጢዕዎ ክሳብ ንተረኽቲ፡ ራዲዮ ወጋሕታ ምስ ኣባላታ ኮነ ምስ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ከጉባዕብዕ ተሰሚዑ። ይኽደን! እምበር ብኤርትራን ህዝባን’ሞ እንታይከ ዘይሽራሕ። ወይ ትጽቢትን ስማዕን ! ነገር ትጽቢት ኮይኑስ ናህና ድማ ገዲ ዱ። ሚ/ር መስፍን ሓጎስ ነቲ ብኣካል ዝፈልጦ ታሪኽ ቅዝፈት ብዘይሕብእብእ ከዘንትወልና ምጽባይና!

ግንቦት ትመጽእ ኣላ። ተጠቃሚ ዕግርግር ዕዳጋስ ድማ ክሳብ ዝውገን ኢዩ። ወዮም ሰብግዜ ወገንቲኸ ኣለኹምዶ? ከመይናብራ?

ሰናይ ቅነ ይግበረልና!

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...