ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ናይ መሪሕነት ምቅይያር ጌሩ
ቦርድ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ (EYSC-NA): ነዚ ምንቅስቓስ ካብ’ዚ ዘለዎ ንቕድሚት ንምስጓም ዘኽእሎ ናይ መሪሕነት ስርርዕ ኣካይዱ ከምዘሎ ፡ ብሓፈሻ ንኩሎም ደለይቲ ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ ንኩሉ ኣባል እዚ ምንቅስቓስ ይገልጽ።
ቦርድ፡ ብቀዳም 2 መጋቢት 2013 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ: ብመሰረት ዓንዲ ሕጊ እቲ ምንቅስቓስ ንኣቦ-መንበር ኣቶ ዳንኤል ገብረሚካኤል ካብ መዝነቱ ኣውሪድዎ ኣሎ።
ብመሰረት ዓንዲ-ሕጊ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ፡ ቦርድ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎ። ፈጻሚ ኣካል ከኣ ነቶም ቦርድ ዘሕለፎም ውሳነታት ምትግባርን መዓልታዊ ንጥፋታት ማሕበር ናይ ምክያድን ሓላፍነት ይስከም። እዞም ክልተ ኣካላት ማሕበር ሓቢሮም ብምዝታይን ኣብ ዘየሰማምዖም ነጥብታት ብኣብዝሓ ድምጺ ብምውሳን ስርሖም የተግብሩ። እንተኾነ ግን: ኣቶ ዳንኤል ነዞም ክልተ ኣካላት ብሓንሳብ ኣምጺኡ ነቲ ምንቅስቓ ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ኣዛትዩ ኣብ ውሳነታት ንኽበጽሑ ኣየኽኣሎምን። እቲ ብዓርቢ 1 መጋቢት 2013፡ ብስም Eri-Eysc ኣብ ፈይስቡክ ዝወጸ፡ በቢመንገድና ክንቃለስ ከምዘለና ዝጽውዕ ከፋፋሊ መግለጺ ከኣ፡ ህያው ኣብነት እዩ ነይሩ።
ቦርድ፡ ናይ’ዚ ምንቅስቓስ ምሕደራ ንክመሓየሽ፡ ንዝተፈጥሩ ጸገማት ብዘተ ንኽፍትሑ፡ ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ ግን ከም’ቲ ዝተበግስዎ ኣውንታዊ ውጺት ከምጽኡ ኣይከኣሉን። ብዙሓት ካብቶም ንኸምዚ ዕላማ ተባሂሎም ዝተጸዉዑ ኣኼባታት ከኣ ብዘይ ፍረን ሓባራዊ ውሳኔን ተዛዚሞም እዮም። ስለዚ ከኣ እዩ ቦርድ፡ ነዚ ምንቅስቓስ ንምድሓን፡ መሪሕነቱ ንምምሕያሽ፡ መኣዝኑ ንምንጻርን ናይ መሪሕነት ስርርዕ ኣካይዱ ዘሎ። ኣብ’ቲ ብቀዳም 2 መጋቢት ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ 13 ኣባላት ቦርድ፡ ዳኒኤል ካብ ሓላፈንቱ ክወርድ ከድምጹ ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ሓላፍነቱ ክጸንሕ ድምጹ ዘስምዐ ሰብ ግና ኣይነበረን። 2 ድምጸን ክዕቅባ ከለዋ፡ 4 ሰባት ከኣ ክመርጹ ኣይደለዩን። ቦርድ፡ በቲ ዝተረኸበ ናይ ኣብዝሓ ድምጺን፡ ሕጊ-ህንጻ ብዘፍቅዶን መሰረት፡ ምክትል ዝነበረ ሰለሙን ኣሰፋዉ ነዚ ምንቅስቓስ ንኽመርሕ ንዝቐረበ ሓሳብ፡ ስለ ዝተቐበሎ፡ ከም ኣቦ ወንበር ናይ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኤርትራ ኰይኑ ክመርሕ ተወሲኑ። ዳኒኤል ኣባል ቦርድ ኰይኑ ክቕጽልን ዓቕሙ ከበርክትን ቦርድ ይላቦ።
ቦርድ፡ በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዘሎ፡ ኩሉ ኣባል ናይዚ ምንቅስቓስ፡ መብጽዕኡ ኣሐዲሱ፡ ብተወፋይነት ቃልሱ ከሕይል ይላቦ። ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንዝካየድ ኩሉ ቃልሲ፡ ብመትከል ይድግፍ። እዚ ምንቅስቓስ፡ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናይ መንእሰያትን ማሕበራትን ማሕበረ-ኰማትን፡ ብዝሓሸ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደጊሙ ቃል ይኣቱ።
ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ 19 ሰባት፡-
ኣይፋል፡ ዳኒኤል፡ ካብ ሓላፈነቱ ክወርድ የብሉን ዝበሉ
0
እወ፡ ዳኒኤል ክወርድ ኣለዎ ዝበሉ
1. በረኸት ዮውሃንስ፡ ካብ ጨንፈር ዊኒፔክ ካናዳ
2. ገዛኢ ሓጐስ፡ ላብ ጨንፈር ዊኒፔክ
3. ጌቱ ጸጋይ፡ ካብ ጨንፈር ቶሮንቶ
4. ጆርጅ ገብረስላሴ፡ ካብ ጨንፈር ደላወር
5. ሓበን ብርሃነ፡ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ
6. ኣማን ልኡል፡ ካብ ጨንፈር ናሽቬል
7. ገዛኢ ሰርኢሰናይ፡ ካብ ጨንፈር በይ ኤርያ
8. ኢሰይያስ ስዩም፡ ካብ በይ ኤርያ
9. መድሃኔ ኣፈወርቂ፡ ካብ በይ ኤርያ
10. ዶክተር ጽጋብ፡ ካብ ጨንፈር በይ ኤርያ
11. ዓብዱ ሲዒድ፡ ካብ ጨንፈር ላስ ቬጋስ
12. ዳኔኤል ኣስራት፡ ካብ ጨንፈር ህይስተን
13. ቴድሮስ መንግስቱ፡ ካብ ህይስተን
ድምጸን ክዕቅባ ዘድመጻ
14. ኣለም ሃብታይ፡ ካብ ካሊፎርንያ
15. ትዕግስቲ መሓሪ፡ ካብ መሪላንድ ቨርጂንያ
ክመርጹ ዘይደለ
16. ሰለሙን ኣሰፋው ጨንፈር በይ ኤርያ
17. ዮናስ ሓጐስ ጨንፈር ሎስ ኣንጀሎስ
18. ኣማኑኤል ፍስሃየ ጨንፈር ሎስ ኣንጀሎስ
19. ኣሮን ሃይለ ጨንፈር በይ ኤርያ
ቦርድ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ
8 መጋቢት 2013።