ብሄረ ትግርኛ፡

ብሄረ-ትግርኛ ካብተላዕለ ግድን ኢዩ ነገር ጀበርቲ ክለዓል። እቲ ቃልሲ ንኩልና ከምዝኣከበ መጠን ሓደ ግዜስ ኣብ ጋን ታና ‘ወልዕ‘ ንብሎ መድፋዓጂ ብሬን ነበረና። ንሱ ብሓጺሩ ብኩሉእንትናኡ ቅቡል መንእሰይ ነበረ። ኣብተኹሲ ዝነበሮ ምልከት ብረትን ቆራጽነትኑ ኢዩድማ ምኽንያት ሳጓኡ። ሓንቲ መዓልቲ ሰብ ስለዝወሓድና መራሕ መስርዕና ንሓደ ኣባል ና ጸዊዑ “ንመሓመድብርሃን ቀይሮ“ ቦሎ።እቲ ብዋዛኡ ዝልለ ኣብርሃም ጋን ተሰርሐ።ንኣብላዕሊ ኣብርሑቕ ዘለዉ ዋርድ ያታት ሓይልና ፈታትሹ ድማ እቲ ትእዛዝ ኣይተጋጠመሉን። ነዚ ዘስተብሃለ ሃይለ መስአ / ኣስናኑ ፈያር ስለዝነበረ ኢዩ መስአ ተባሂሉ/ “ኢሂድኣ ተዓኒድካ፡ ንወልዕ ኢዩ‘ኮ ዝብለካ ዘሎ። ወልዕ‘ኮ ዓዃር ኢዩ“ ክብል ብገዛእ ቃላቱ ሸምተጦ።

“በስመኣብ ወወልደ መንፈስ ቅዱስ“ ክብል ኣማዕቲቡ ዝን ድሕሪ ምባሉ ሓንቲ ቃል ሰዓረቶ።“ ዋይ፡ ወልዕሲ ካን መሓመ ድብርሃን!! ድሕሪኣ ወልዕ ከምቀደሙ ነቲዋዛታት እናተረድአ ክንሱ ኣብርሃም‘ሞ ንዋዛ‘ውን ትኹን ወይከ ‘ዓዃር‘ ክብሎ!

ጸኒሐ ምስ ኣብራሃም ብዙሕ ኣዕለልኩ። ንሱ ንርእሱ ብዛዕባ ጀበርቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ኣውራ‘ዃ ምስቲ ጀግንነት ምስናይ ከምዝኣበዮን፡ ብፍላይ ድማ ምስታ በይኑ ዝውንና ዘይርግእቲ ኣጠማምታ ስሒቡ ክተዓረቕ ክብል ክቱር ጣዕሳኡ ኣዕለ ለኒ። ኣነ ድማ ዓብዱ-ሰመድ ወዲሞቶ ኣለቃ ተጋዲሉ እንተኾይኑስ ልክዕ ከምወልዕ ኮይንለይ ሓደ መዓልቲ  ክንራኸብ ዝነበረኒ ሃንቃሃንቃ ገለጽኩሉ። ምስዓብዱ ሰመድ ዘሕለፍኩዎ ሕውነት ክሳብሎሚ ክገልጾ ኣይክእልን። መሰረት ፍቕርና ወለድና ነበሩ። ብሓጺሩ ፍታውናስ ፍታዎም ኢዩ ዝነበረ። ንኣብነት ኣደይስተል ንዝሓረድናየን ረጋቢት ኣብገዝአን ከሺነን በቢናየቦና ጾሊትና ክንበልዐን ይቕርባልና ነበራ።ዝነቐጸ ቛንጣ ጠቢስካ ወይብዘለዎ ምሕያኽ፡ ጸብሒ ስጋ ዘዘቝቑካ ምስ ጓዱ ናይወትሩ ልምድና ኮይኑ እቶም ምንኣስና ከኣ ይስዕቡ ነይሮም። ከምኡ ድማ ኣብ ገዛና። ስኽፍታ ወላዲተይ ኣነ ንሓ ፍቱ ከምገለ ከይተናኽፋ ብምንባሩ ‘‘ኣይትሰምዕን ግዲ ትኸውን“ እናበልና ኢዩ ኩሉ ነገር ዝኸውን ዝነበረ። ዝኾነ ኮይኑ ኣነን ዓርከይን ነቲ ኣብ ካልእ ገዛውቲ ኬድና ከምኡ ንከይንገብርን ዝወሃበና ምኽሪ ነቕልበሉ ዝነበርና ኣይመስለንን።

ጀበርቲ ኣብኩለን ኣውራጃታት ኣለዉ። ብመሰረት ዛንታ ኣብርሃም ኣብ ዓዶም /ሰራየ/ ዘሎ ናብራ ጀበርቲ ኣዘንተወለይ። ኣነ‘ውን ንናይገጠር ተመኩሮኦም ብኣንክሮ ተኸታተልኩዎ። ቀጸለ ኣብራሃም። ንሳቶም ብሞያ ማእለማ ዝፍለጡ ኮይኖም እንተዘርኡ ምድሪ ዝቕበሎም፡ እንተሸቀጡ ንግዲ ዝኾነሎም፡ እንተተማህሩ ዝኽሰተሎም ቡሩኻትን ሉዙባትን ብምንባሮ ም ምስ ደቂዓዲ ስጡማት ነበሩ። ክሳብ ድማ ብክልቲኦም ወገን ውራይ መርዓ‘ዃ ክግበር እንከሎ ናይ ኣስላምን ክርስስቲ ያንን ይቕረብ ከምዝነበረ ኢዩ ኣዘንትይለይ። ከምኣበሃህላኡ ምስዋሕዶም ኪኖ ምክት ይሓልፉ ኣይነበሩን። ንሶም ከመርዕ ዉ እንከለዉ ነበረ‘ቲ ጥፍኣት።ንሙሉእ ዕዱም ህዝበ-ክርስቲያን ዝኸውን ኩሉዘድሊ ትሕዝቶ ባዕላቶም ቀሪቦም ኣንስቲ ክርስቲያን ድማ ኣብ ገዛእ ቤቶም ተዓጠቕቲ ሕሩድ ኮነ ስዋ የዳልዋ ነበራ። እቲ ኩሉ እናኾነ ኣብ ገሊአን ዓድታት ግና ሓ ንቲ ኣበር ነበረት ትፈልዮም። ብሄረ ትግርኛ ክንሶም ተኸተልቲ ምስልምና ብምዃኖም ከምደቀባት ንምቑጻሮም ኣብ ዓዶ ም ዋጢጥ ከምዝነበረ ኣዘንተወለይ።

እናሓደርናስ ‘ፖለቲካ‘ ድማ ከነኮማስዕ በቓዕና። እሞ ለካስ ንሳቶም ካብቅድሙ ካብ ኢቲዮጲያ ትግራይ ዝፈለሱ ህዝቢ ብምዃኖም መሰል ደቀባት ተሓሪምዎም ከምዝተጓነዩ፡ ክሳብ ድማ ‘ኣስላማይ ዓዲ ሰማይ ዓንዲ የብሉን‘ ዝተባህለ ካአ ንዓዓቶም ንምንጻል ተባሂሉ ከምዝተመሰለ ክንርዳእ ከኣልና። ብተወሳኺ ከምሳዕቤን ዘይደቀባትነቶም ሃገራውነት ከኣ ስ ለዘይስምዖም ኣብቃልሲ ንጡፋት ከምዘይኮኑ ተመሲሉ ዝልሑኽ ዘረባ ኣርከብናሉ። ኣብ ተሓኤ ዝነበረ ተሳትፎኦም‘ውን ከምመሰጋገሪ ብልሓት ጥራይ ምንባሩ ዝተወረየሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። እናሓንሳብ ኣሻማጣጥ ክገሃድ እንከሎ በቲ ውሩይ ድምጻውን ተጻዋታይ ጭራዋጣን፡ ብመልክዕ ወሃብን ተቐባልን ምኽሪ “ኣደይ ስዓዳ ጓልክን መዓዳ፡ ጓለይ ምዒደ ጅዳ ሰዲደ“ ፡............ ምስተባህለ ስዑድያ ክሰፍሩ ከምዝወሰ ኑ፡ ኣብኡ ድማ ኣብርእሲ ስደተኛታት ክርስቲያን ትግርኛ ብዙሕ ሕማቕ ከምዝገበሩ ክውረ ሰማዕና። ክውስኸሉ፡ ንሓደ ጎበዝ ወዲጀበርቲ“........ ወደቦይ ሕማየ ፡ ንዓኻዶ ይብሉኻ ኣስላ ማየ “........ ምባል ድማ ካብኦም ወዲኣይተ በሃላይ ከምዘይተፈጥረ ንምምሳል ጠቒሙ ኢዩ።

ኣነ ብዛዕባኦም ዝኾነ ኣሉታ ዝፈለጥኩዎ ኣይነበረንን። ምስተነግረኒ፡ ብፍላይ እታ ከምዜማ ጥራይ ሰሰሚዕናያ መንኮብና ነንፈርፍረላ ዝነበርና “ኣደይ ሳዓዳ“......ትብል ዜማ ካአ ክጸልኣ ጀመርኩ። ግናኸ ብሄረ-ትግርኛነት ጀበርቲ ተጠራጢርሉ ኣይፈልጥን። እቲ እስላማዊ ኣገባባት ድማ መበቆላዊ ዘይኮነስ ብሃይማኖታዊ መልክዕ ክመስሉ ክብሉ ዝጠበቖም ባህሪያት ገይረ ተቐበልኩዎ። እንተ ካልኦት ኣስላም ንርእሶም ብእስልምና ጀበርቲ ምእማኖም ዘጠራጥር ኩነት ከኣ ነበረ። ምኽንያ ቱ ገሊኦም ብግህዶ “ ዕንደብሌንቶ“ /ንእሽቶ ትግርኛ/ ክብሉ ይጽውዕዎም ብምንባሮም ኢዩ።

ናጽነት ኮነት። ሂወት ድማ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢያ‘ሞ ኣነን ኣብራሃምን ኣብታ ከተማ ተመደብና። መቸም ከምቲ ንሱ ዝብሎ ዝነበረ “ኣባት ጦር“ ግዲ ተቐይርናስ ንናይታሪኽ ነበርነት ንገድፈላ ኣይነበረትናን። ንነገሩ ዓርከይ ሽዑስ ተለዊጥኒ ነበረ። ቅዱም ናየባት ኮይናቶ ን“ዓዃራት‘ ዘላግጽ ዝነበረ ኣብራሃም ደምበላስ ሽዑ ቀንዲ ተሰካም ኣብሪቕኮይኑ ጸንሓኒ። እሞ ክልቴና ኣብንዘናግዓሉ እዋን ወልዕ ክንዝክር ስለንግደድ ስድራ ዓብዳት ዓርከይ‘ውን ዓዲ ብምርሓቖም ከምዘይረኸ ኩዎም የዕልሎ ነበርኩ። ንሱ‘ሞ ከምበዓል ጽሩይ ሕልና ብታሪኽ‘ውን ኣዝዩ ስለዝሃብተመ ኣብ በዓል ምስያምን መሰልቱ ን ኣብልዕሊ ተወለድቲ ጀበርቲ ዝወረደ ግፍዕታት ኣዘንተወለይ። ልቦናን ተመኩሮን ኣብራሃም ከኣ ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብፈላሚት ዓመተ-ዓወት ሓንቲ መዓልቲ ደቂ ጀበርቲ ድማ ከምቲ ብበረኻ ጉቡኦም ዝፈጸሙ፡ ንጽምብል ናጽነት‘ውን ናይ ደስደስ ጐደናታት መንደፈራ ጎብእዎ። ዘርኣይዎ ናይ ኣባቶም መግለጺ ስምዒት ግን ተፈልየና። ንሃይማኖታዊ ነገር ኣላጊብናሉ ድማ ሓለፍና። እንተኾነስ ብዙሕ ኣይረሓቐን፡ ንሳቶም ናይ ቢሄር ጠለብ ከምዘቕረቡ፡ ክቡር ፕረሲደንት ድ ማ ኣብ ዝሓትሉ ቦታ ከይዶም ክሓትሉ ከምዝመለሰሎም ሰማዕና።

ሕጂ ድማ ኮነ። ሎሚ ኣብራሃም ዓርከይ ብሂወት የለን። ንሱ ኣብጎናይ ሳግላ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከምዝተፈለየና ኣውጊዐ ኩም ነይረ። ስለዚ ሎሚ ናብ ጠንቛሊት ዘካይደኒ የብለይን ፡ ግን ድማ ንሳ‘ውን ሓሊፋ ኢያ ኢሎማ። እሞ መብዛሕትኡ ግዜ ንኩሉ ዝሓለፈ ንብሕተይ ኢየ ዝሓስቦ። ንበል “ኤርትራ ብፈደራልዶ ብምእኩል ትመሓደር“?ዝብል እዋናዊ ዛዕባ ከ ምቲ ካልእ ተወንዚፉ ተሪፉ ክንሱ ሎሚ ገለ ክፋል ህዝብና ኣብ ፋሽን ብሄርነት ተሰኽቲቱ ንርኢ ኣለና። ጀበርቲ ድማ ሓ ንቲ ካብኣቶም ኢያ። እቲ ቀንዲ መበገሲ ብሄርነቶም ከኣ ንራሻይዳ ካብተኣመነ ጀበርቲኸ ብሄርዶ ኣይኮነትን? ዝዓይነቱ ኢዩ እቲ ውዕይዕይ። ነዚ ምኽኑይ ንምግባሩ ዝቐርብ እዚ ህዝቢ‘ዚ ብ1432 /ብልክዕ ዓመታት ኣይፈለጥኩዎን/ ካብ ስግር ባሕሪ ንመሓመዳውያን ኣሰንዮም ከምዝመጹ ገይሮም ታሪኾም ዝገልጹ ኣለዉ። እንተኾነ “ኣነስ እዚ ታሪኽ‘ዚ ሃይማኖታ ዊ እንተዘይኮይኑ መበቆላውነቱ ዝተመስረሐ ከይኸውን ምጥንቃቕ ይሓይሽ“ እብል። ኣብራሃም እንተዝሰምዕከ እንታይ ኮን ምበለ?

ነገር ንምሕጻሩ “እቲ ሓቀኛ ሕቶ ህዝቢ ጀበርቲ እንታይ ኢዩ“? ምባል ይቐልል እብል ኣነስ። ምግሃስ ሰባዊ መሰል እንተ ኾይኑ‘ቲ ምኽንያት፡ንመሰል‘ሞ ናይኩላህና ቃልሲ ኢዩ ዝድለ።“ላም ፍርቂ ጎድና ኣይትሰብሕን ኢያ“ ኢዩ‘ኮ ምስላ ወለ ድና። ንማዕርነት ኢዩ ድማ ሕቶ ህዝባውነትን ቕዋማውነትን። ብሄራውነት እንተኾይኑ‘ቲ ሕቶ ከኣ ከምዚ ከኣ ኣሎ።

ብቐዳምነት እቲ ሕቶ ናይ ኩሉ ህዝቢ ምዃኑ ምፍላጥ ተመራጺ ይመስለኒ። ህዝባዊ ሕቶ ድማ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ብህዝ ባዊ ባይቶ ኢዩ ዝምለስ። ክስትውዓለሉ ዘለዎ ነገር እንተኣልዩ መለለይ ብሄርነት ዝኾኑ ሮቛሕታት የማልእ እንተኾይኑ ም ፍትሑ ይሓይሽ። ምናልባሽ ከምዝስማዕ ጉዳይ ራሻይዳ ኣብ ሕቶ ብሄርነት ህዝቢ ጀበርቲ ጠንቂ ኮይኑ እንተኾይኑ ብሄር ነት ራሻይዳ ኢሳይያስ ተጠቒሙሉ ድኣምበር ንሱ ኣየምጽኦን። ኣብ ቀዳማይ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ድማ ኢዩ ዝነበረ። ዝ ኾነ ኮይኑ ‘ጎዲልና‘ ኢልካ ዝሕተት መሰል እንተኾይኑ ሕጂ ውልቀሰባት ስለዘዳምቕዎ ዘይኮነ ብቐንዱ ሃገራዊ ዛዕባ ኢዩ። ሎሚ ብዘይምግናን ቡርኩታት ሰብቅኑዕ ሕልና ተረኽቲ ኣለዉና ። ይኹን እምበር ደቂ ጀበርቲ ነገራቶም ባዕላቶም ከጣ ልሉ ይግባእ። ብዛዕባ ሃገራውነቶም እንተኾይኑ ሰንዓ መግዛእቲ‘ምበር ባህሪያዊ ጸገም የለን። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ወ ይ ዓዳዊ ጉዳይ ኣልዩ ከኣ ናቶም ካብቲ ካልእ ሃገራዊ ዛዕባ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ሓባራዊ ቃልሲ ጥራይ ድማ ኢዩ መፍት ሒኡ። እንተድኣ ብሄራዊ ሕቶ ኾይኑ ጠለቦም ግን ብቐዳምነት ደጋጊሞም ይሕሰቡሉ። ብሓቂ መበቆል ህዝቢ ጀበርቲ ብ መሰረት ገለ ኣሽሓት ዓመታት ብሃረር ዝኣተዉ ህዝቢ ምዃኖም ብምእማን ጠለብ ፍሉይ መንነት እንተኣቕሪቦም ግን ከም ዚ ዝስዕብ ድማ ኣሎ፡-

1፡ መበቆል ህዝቢ ኤርትራ ኒላዊያን፡/ኩናማን ናራን/ ሓማውያንን ሴማዊያንን ክንብል ከምዝጸናሕና መጠን ሕጂ ድማ ግቡእ መጽናዕቲ ዘድልዮ ሓድሽ ታሪኽ ክንመራመር ኣለና ማለት ኢዩ።

2፡ እዞም ክፋልና ህዝቢ ጀበርቲ ብሃረር ምእታዎም እንተድኣ ርጉጽ “ኮይኑ፡ኣብ ዝሓቱሉ ቦታ ከይዶም ይሕተቱ“ ማለት ዘኽፍእ መልሲ ኣይነበረን ክበሃል ይካአል ።

3፡ ብሃረር ካብኣተዉስ ሰዓብቲ ግራኝ ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ዋና ቤተ እምነቶምን መዕረፊቶምን ድማ ኣብ ትግርይ ነጋሽ ዝተባህለት ቦታ ከምዝኾነት ክንርዳእ ንኽእል። ኣብኡ ኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት መበቆለ ኣግኣዚያን ተዛረብቲ ትግርኛ ኢዮም ዘለዉ ይስማዕ። እሞ በቲ ግዜ‘ቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ተዛረብቲ ትግርኛ ነይሮምዶ ይኾኑ? ህዝቢ ነጋሽከ ከምዞም ጀበርቲ ደቂዓድና ዶኾን ይኣምኑ?

5፡ ሕቶኦም ከምዚዝተጠቕሰ እንተኾይኑ ብርግጽ ክምለስ ኣየጸግምን።ተቐላጢፍካ ብጠባይ ውዕይዕይ ክሓጽር ምስዝፍ ተን ድማ ሓቆም ኢዮም ገዛእቲ ክጥቀሙሉ። ምኽንያቱ ኣሕዋቶም ደቂ ዓዲ ነጋሽ ኣብ ኢቲዮጲያ ሕቶ ብሄር ዘይብሎም ኣብ ኤርትራ በየናይ መዐቀኒ መሰል ብሄርነት? ዶስ ንብዘላ ጀበርቲ ናብ ኤርትራ ክስሕቡዋ ወይ ክኸድዋ ኮይኖም?.........

ከምብውልቀይ ዓኼላይ ብምዃነይ ጸጋማይ ጁባይ ይሰልጠኒ ማለት እንተዘይኮይኑ ኣብ ክልቲኡ ዘሎ ንብረት ናተይ ስለ ዝኾነ ኣይጽገመሉን። እሞ ጀበርቲ ድማ ብሄረ-ትግርኛ ኮኑ ካልእ ብሄር ንዓይ ፍልልይ ኣየምጻኣለይን ኢዩ። ከምመበቆል ድማ ክንድኡ ፍልልይ ከምዘለና ሓሲበሉ ስለዘይፈልጥ ካልእ ምዃኖም እንተኾይኑ ንዓይ ሎምስ ዝጓነዩኒ ኮይኑ ጥዒምኒ፡ ማለተይ ንሳቶም ትግርኛ ኣመንቲ እስልምና ጥራይ ይሓስቦም ብምንባረይ ኢዩ። ገለ ከምዚ ከማይ ድማ ብዙሕ ክብሉ ይ ኽእሉ። ጀበርቲ ብክልተ ብልሑ ሴፍ መሓመዳውያን ተገዲዳ እስልምና ከምዝተቐበለት ኢዩ ዝትረኽ ። ስለንሱ ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ ተባህለ ሽዑ። እሞ ቃላት ዓረብ ብዘይምፍላጠይ ኣባላሽየዮ እንተዘይኮይነ ስሞም ካብቲ እጅባር ዝብል ቃል ዓረብ ኢዩ ተዋሂቡዎም እሰምዕ። መጅቡር ማለት ድማ ግዱድ ማለት ኢዩ ይብሉ ካባይ ዝሓሹ ተረኽቲ። ብ ኣውራኡ ድማ ዝኾነ ይኹን እምነት ምርጫ‘ምበር መበቆል ኣይኮነን። ንበል ብሄረ ትግርኛ  ኣብ ብዙሕ ዓይነት ሃይማኖ ታዊ እምነታት ተሰዃኺዑ ንርእዮ ኣለና‘ሞ ከምኡ ክመስለኒ ብምጽንሑ ብሓቂ ተጎዲአ። ዝኾነ ኮይኑ እቲ መፍትሒ ንህ ዝቢ ገዲፍና ኣብጉዳይ ሃገርና ሓድነትና ነነጽር። ኣብዚ ካብዝሓለፈ ታሪኽና ተመኩሮ ህዝቢ ጀበርቲ ሃብታምን ዕዙዝን ከምዝነበረ መጠን ክዓቢ እምበር ከንቆልቁል ኣይግባእን። እቲ ነንሕድሕድና ምዝንጣል ድማ ብዘይካ ክግደየና እምበር ምንም ኣየርባሓናን ኢዩ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...