25 ግንቦት 2012 ኣሃዱ ክ/ሰ 525 ካብ ማእከላይ ቦትኣ (ከባቢ ዓላ) ናብ ጸጋማይ ክንፊ ማእከላይ ግንባር ከባቢ ሰንዓፈ ሃንደበት ተጓዒዛ፡ ን3 ለይቲ ከኣ ካብ ደቀምሓረ፡ ናብ ሰንዓፈ፡ ካብ ሰንዓፈ- ንደቀምሓረ፡ ካብ ደቀምሓረ ናብ ሰንዓፈ ተመላሊሳ፡፡ ዕላማ እቲ ምምልላስ ንመናውራ ይንበር ንኻልእ ዝተፈልጠ ኣይነበረን፡፡ ውጽኢቱ ግን ከምቲ ማይ ሓቑንካ ጠስሚ ዘየውጽእ ምምልላስ ለይቲ ለይቲ ድኻምን ዝያዳ ጽላኣት ኣብ ሰራዊትን ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣይነበሮን፡፡ የግዳስ ጭንቀት መራሕቲ”ዛ ሃገር ጋህዲ ዝገበረ ኩነታት ምንባሩ እየ ዝዝክር፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዓዲተኽላይን ላ/ዴዳን ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ድሕሪ’ዚ ፋይዳ ዘይነበሮ ገልጠምጠም ኣሃዱ 525 ካብ ከባቢ ሰንዓፈ ንኸባቢ ሰገነይቲ ወሪዳ፡ 3ይን 4ይን ብርጌዳት ንኣስመራ ቀሓውታ ክምለሳ ብሃንደበት  ተኣዚዘን፡ ዕረፍቲ ኣብ ኣብ ማእቶት ኣቲና፡፡ 1ይን 2ይን ብርጌዳት ግን ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ (ሓላይ) ክሳብ 21 ጥሪ 2013 ጸኒሐን፡፡

ዕለት 21 ጥሪ 2013 ምሸት ሰዓት 9፡00 ኣብ ሓላይ ዝነበራ 2 ብርጌዳት ሃንደበት ብ4 ዓበይቲ በጠሓት ብቅጽበት ንደቀምሓረ ሓሊፈን ኣብ ምድማር መገዲ መንደፈራን ደቀምሓረን ኣብ ዝተደኮነ ዓበይቲ ሆላት ኣትየን ክሕበኣ ተኣዚዘን፡፡ ን2 መዓልቲ (ለይትን ቀትርን) ከኣ ኣብቲ ሆላት ተሰዊረን፡ ምስዋር ንምንታይ ኣድለየ? ነቲ ብመልሓሶም ከቆናጽብዎ ዝሃቀኑ ስርሒት ፎርቶ ዘይ ከምመልሓሶም ከምዝነበረ፡ ኣብ ባሕሪ ከብዶም ዝኣተወ ሰለሎ ፍርሒ ዛጊት ከምዘይወጸሎም ዘረጋግጽ ሓቂ ኣሎ፡፡ ስለዚ እቲ ምስዋር ኣሃዱ 525 ንፍርሖም ክሓባብኡ ወይ ከኣ ነቲ ኣሃዱ ስለዝሰግእዎ”ውን ክኾውን ይኽእል፡፡

ብዝኾነ ንመዓልታት ዝተሰወራ ክልተ ብርጌዳትን ኣብ ቀሓውታ ምስ ዝጸንሓ ክልተ ብርጌዳትን ብሓባር ወጋሕታ ንጉሆ ቅድሚ ቁርሲ ን4ቲኤን ብርጌዳት ብሓባር ህጹጽ ኣኼባ ተኻይዱለን፡፡

ኣካቢ መጀር ጀነራል ፍሊጶስን ብ/ጀ ሓዱሽ ኢፍሬምን እዮም ነይሮም፡፡ ፍሊጶስ ከም ዝእክብ ኣቐዲሙ ተወሪዩ ስለዝነበረ፡ ፍሊጶስ ምስ ፕረዚዳንት ተጻሊኡ፡ ምስ ጀነራል ወዲ ኢፍሬም (ስብሓት) ከምዚ ኮይኑ ናተብሃለ ይዕለል ምስ ምንባሩ፡ ሰራዊት ሓዱሽ ነገር ክሰምዕ ትጽቢት ነይርዎ፡፡ እንተኾነ ግን ትሕዝቶ’ቲ ኣኼባ ስዒቡ ከምዝቐርብ ብምንባሩ ካብቲ ልሙድ ዘረብረበና ዘረብኦም ወጻኢ ዝሰማዕናዮ ሓዱሽ ዘረባ ኣይነበረን፡፡

ሪፖርታዥ ኣኼባ ክ/ሰ 525

· ዕለት ኣኼባ፡- 26 ጥሪ 2013 ሰዓት 07፡00- 08፡20 ንጉሆ ቅድሚ ቁርሲ

· መራሕቲ ኣኼባ፡- መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወ/ዮውሃንስን ብርጋዴር ጀነራል ሓዱሽ ኢፍሬምን፡፡ ፍሊጶስ ቅድሚኡ ተዓዚብናሉ ዘይንፈልጥ ብ3 ዕጡቓትን ካልኦት ሲቪል ዝለበሱ ወታደራትን ተዓጂቡ መጺኡና እቲ ኣኼባ ጠጠው ኢሉ ስለዝመርሖ ከኣ ዓጀብቱ እውን ከቢቦምዎ ጠጠው ኢሎም ወዲኦምዎ፡፡

· ተኣከብቲ፡- 4ቲአን ብርጌዳት ክ/ሰ 525 ምስ ክፍልታት ክ/ሰራዊት የጠቓልል፡፡

· ንኣገባብ ኣካይዳ ኣኼባ፡- መጀመሪያ ካብ መራሕቲ ጋንታ ንላዕሊ ንኩሉ ኣዛዚ ሰራዊት ንኣስታት 30 ደቓይቕ ተኻይዱ ስዒቡ ንኹሉ ኣባል ክ/ሰራዊት ብሓበራ ንተመሳሳሊ ደቓይቕ ተኻይዱ፡፡

· ኣጀንዳ፡- ብዛዕባ ስርሒት ፎርቶ፡ መንግስቲ ንሰራዊት ዝወሰኖ ህያብ ምግላጽ ዝምልከት ነይሩ፡፡

ዝርዝር ትሕዝቶ መግለጺ ፍሊጶስ ፡- እቲ ዝነበረ ኩነታት ብዝተፈላለያ ራዲዮታት ክትሰምዕዎ ቀኒኹም ኣለኹም፡፡ እቶም ሰባት መንግስቲ ንምግልባጥ ሓሲቦም ነይሮም፡፡ ሳልሕ ዑስማን ዝመርሖም ናብ እንዳ ዜና ደይቦም ዝሓሰብዎ ነገር ኣይተዓወትሉን ፈሺሉ’ዩ፡፡ ቀንዲ ዘፈሸሎ ምኽንያት ብልዕሊኦም ዝውድብዎም ዝነበሩ ሰባት ክገብርዎ ዝግበኦም ብዘይምግባሮም’ዩ፡፡

ፎርቶ ምስ ደየቡ ንሳልሕ ዑስማን ‘ታይ ትገብር ኣለኻ? ኢልናዮ ነይርና፡፡ ከምቲ ንሳቶም ዝገበሩዎ መን ኢኻ? ታዋይ ኢኻ? ‘ታይ ትገብር ኣለኻ? ኢልና ናብ ተኹሲ ክንኣቱ ኣይደለናን፡፡ ሳልሕ ዑስማን ዘርባዕባዕ ኢሉ፡፡ ኣኪቦም ዘምጽእዎ ሰራዊት’ውን ምስኪናይ ዝፈለጦን ዝተሓበሮን ስለዘይነበረ እቲ ኩነታት ደንጺይዎ ነይሩ፡፡ ሙሽሙሻት! እንተ ክቕበሎም ወይ ከኣ ክነጽጎም ኣብ ክንዲ ዘረድእዎ፡ ኣታሊሎም ፎርቶ ኣሕኹሮምዎ፡፡

ካብዚ ተበጊስና ’ዞም ሰባት ተኹሲ ክገብሩ ከምዘይደልዩ ደምዲምና፡ ኣብ መወዳእታ ንሳቶም ክወጽሉ ዝኽእሉ ቦታታት ተኸታቲልና ክንሕዞም ወሲና፡፡ ኣብ ፎርቶ እንዳሃለው ታዕታዕ ክንፈጥር ግን ኣይደለናን፡፡ ንሳቶም’ውን ምሳና ክዛተዩ ኣይደለዩን፡ ህድማ መሪጾም፡፡ ካብ ፎርቶ ምስ ወጹ ድማ 2 መራሕቲ ክ/ሰራዊት፡ 2 ኣዘዝቲ ብርጌድን 2 መራሕቲ ቦጦሎንን ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም፡፡ ካብኦም ሓደ ባዕሉ ቀቲሉ፡፡ ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ዘለዎም ካብኦም ንላዕሊ ይኹኑ ካብኦም ንታሕቲ ብጽፉፍ ኣጺኒዕና ኣብ ቀጻሊ ርክብና ክንሕብረኩም ኢና፡፡

ዘበጋገስዎ ሕቶታት፡-

1. ፕረዚዳንት ካብ ስልጣን ይውረድ ዝብል ነይሩ እንተኾነ ኢሳያስ ክነውርድ እንተደሊና ብምዝርራብ ክነውርዶ ዝጽግመና የለን ክነውርዶ ንኽእል ኢና፡፡ ኣቐዲሞም ምሳና ክዘራረቡ ነይርዎም፡፡

2. ደሞዝ ሰራዊት ይወሰኽ (መነባብሮ ሰራዊት ይመሓየሽ) ኢሎም፡ ንሶም ኣዘዝቲ ብርጌዳትን ክ/ሰራዊትን ብምንባሮም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ መነባብሮ ዝነበሩ እዮም፡፡ ሓመድ ድፋጭኡ ዝበልዕ ዘሎ ታሕተዋይ ሰራዊት፡ ንስኹም ኢኹም፡፡

3. እሱራት ይፈትሑ

4. ቅዋም ይተግበር ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት’ውን ነይርዎም፡፡ እዚ’ውን እንተኾነ ብምዝርራብ ክፍታሕ ዝነበሮ’ምበር በቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ዝፍታሕ ኣይነበረን፡፡

ብዝኾነ ዘዝቐደመ እንቋዕ መስሓቕ ሸራፋት ኣይኮና፡፡ ድሕሪ ሕጂ ንዝለዓል ሕቶ ምናልባት ብካልእ መገዲ ንምእላይ ዝሕሰበሉ ኩነታት ይመጽእ ይኾውን፡፡ እቲ ድራማ  ፎርቶ ግን ንግዚኡ ሃዲኡ ኣሎ፡፡ ብምባል ምስ ወድአ ኣስዒቡ

ካልኣይ ክንዛረበኩም ዘምጸኣና ኣጀንዳ ንሕና ሕጂ እቲ ኩነታት ስለዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ንስኻትኩም’ውን ትፈልጥዎ፡ ፎርምታት ክንመልእ ጸኒሕና ኢና፡፡ ሕጂ ኣፍና መሊእና ክንዛረበሉ ኣብ እንኽእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ እቲ ውህብቶ ንሰራዊት ኣብ ኢድና ኣትዩ ኣሎ፡፡ ንነብሰ-ወከፍ ሰራዊት 10,000 ናቕፋ ክዕደሎ’ዩ፡፡ ምስኣ ኣጽግዕ ኣቢልና ድማ ንነብሰወከፍ ኣባል ሰራዊት ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ዝነበሮ ክልተዕጽፊ ደሞዝ ክንውስኸሉ ኢና ክብል ገሊጹ፡፡

ድሕሪ’ዚኣ ኩሉ ሰራዊት ብሓደ ሻዕ ድዋሕ ኢሉ ሰሓቖ፡፡ ብሰሓቕ ሰራዊት ተደፊረ ብዝመስል ገጹ ዝተጸዋወገ ፍሊጶስ ትም በሉ! ትም በሉ! ሕቶ ሪእይቶ እንተለኩም ቀጽሉ በለ ገና ዘረብኡ እንከይመለአ ከኣ ኣእዳው ሰራዊት ሽግ መሰለ፡፡ ካብ ተኣከብቲ ሓደ ነቲ ዕድል ከይተጸበየ ንሕና ህጻናት ኣይኮናን፡፡ ቅድሚ ሕጂ ወዲዓከር ክንዕድለኩም ኢልኩም ኣዕሺኹምና፡፡ ሕጂ ድማ 10 ሺሕ ትብሉና ኣለኹም፡፡ ትጽቢትና ካብኡ ንላዕሊ’ዩ፡፡ እንተኾነ ንሱ’ውን ማንም ፈቲዩ ዝምጽውተልና ኣይኮነን ንሃገር ተኸላኺልና ደምናን ራሃጽናን ኣፍሲስና ክንረኽቦ ዝግበኣናን እንጽበዮን እዩ፡፡ ኣብ ኢድኩም እንተሊኡ መብጸዓኹም በዚሑና ኣሎ ሕጂ ኣብ ኢድና ሃቡና፡፡ እንተዘይኮይኑ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ እንዳበልኩም ኣይተታልሉና!! ምስ በለ ኩሉ ሰራዊት መወዳእታ ዘይብሉን ሓለፍቲ ዘሰንበደን ጣቒዒቱ ኣንጓድጓዶ፡፡ ወሃቢ ሪእይቶ ክሳብ ምውዳእ ጣቒዒት ተጸቢዩ ኣስዒቡ ካልእ ሕቶ ኣቕሪቡ፡

- እዚ ኩሉ ሰራዊት ክ/ሰ 17ን ታንክታትን ካብ ጾሮናን ድፋዕትን ተበጊሰን እንዳ ዜና ሓዅረን ክሳብ ዝቆጻጸራ እቲ እንዳ ውሽጣዊ ጸጥታ ዶ ካልእ ዶ ትብሉዎ ትካል እንታይ ይሰርሕ ነይሩ?ካልኦት ተኸታታሊ ሕቶታት ዘቕረቡ ኣባላት

- ስርሒት ፎርቶ ዕላምኡ ግልበጣ መንግስቲ እንተነይሩ፡ ቀዳምነት ምቁጽጻር ሚኒስትሪ ዜና ስለ ምንታይ ኣድለየ፡ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ስለምንታይ ዘይቆጻጸር ፡ እዚ ከመይ ትግምግምዎ?

- ሃገር ንልዕሊ 22 ዓመት ብኹሉ መዳይ ብፎሎ ትጓዓዝ ከምዘላ ፕረዚዳንት ባዕሉ ከይተረፈ ገሊጹ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዜጋ ካብ ሃገር ይወጽእ ኣሎ፡ መነባብሮ ህዝብን ሰራዊትን ኣዝዩ ሓሲሙ፡ መፍትሒ ክርከበሉ ኣይከኣለን፡ ብልሽውና፡ ምምሕዳራዊን ማሕበራዊን ጸገማት፡ ሳዕሪሩ፡ ፍትሒ ተሳኢኑ ኣሎ፡ እዚ ንዓኹም’ውን ዝተኸወለ ኣይኮነን እንተ ብዘተን ብልዝብን ክትፈትሕዎ ትኽእሉ ኮይንኩም ደኣ ክሳብ ሕጂ እንታይ ትጽበዩ ኣለኹም?

- ካብ 2002 ጀሚሩ ንሕድሕድ ኣባል ሰራዊት ንዋርሳይ 5 ሺሕ፡ ንይከኣሎ 7 ሺሕ፡ ክሕሰበልካ’ዩ ተባሂሉ ተገሊጹልና ነይሩ ሕጂ ተስሙዑና ዘለኹም ግን ናይ 2 ዓመት ጥራይ 10 ሺሕ ናቕፋ’ዩ፡፡ ናይ ልዕሊ 10 ዓመት ከ እንታይ ትሓስቡ ኣለኹም?

- ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ጽቡቕ ይነብሩ ንስኻትኩም ሓመድ ድፋጫኹም ትሰትዩ፡ ኢልካና እዚ መርገጽ እዚ ናይ መንግስቲ ድዩ ካብ መዓዝ ከ ከምኡ ተባሂሉ?…ወዘተ ዝብሉ ኣዝዩ ብዙሕ ሓታታይ ከምዘሎ ዝተዓዘበን ኣንፈት እቲ ሕቶታት ዘሰከፎን ፍሊጶስ በቃ! በቃ! ይኣክል! ብምባል ንኩለን ሕቶታት ጎስዩ እታ ካብ ድፋዕ ክሳብ ፎርቶ ዝድይብ ኣበይ ኔርኩም ትብል ሕቶ ኩሉ ዝምልከቶ ሰብ ነናቱ ከልዕል’ዩ፡፡ ናይ ካልኦትኩም ግን ተመሳሳሊ እዩ እቲ ሰልዲ ምስ ዝዕደለኩም ዝፍታሕ ይመስለኒ ብምባል ጎስዩ ሰጊርዎ፡፡

ቀጺሉ ብ/ጀ ሓዱሽ ኤፍሬም ነይሩ፡፡ ዝተብሃለ ኩሉ ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፡፡ ናይ ጀብሃ ነበሩ ናይ ቀደም ርእሲ ዝሓዙ ዝዛረብዎ ሓጅጅ ኣይትስምዕዎ፡ ድኻም’ዩ፡፡ እዛ ብዙሕ ክውንን ዘይክውንን ሓበሬታ ተመሓላልፍ በዓለገ ራዲዮ ወጋሕታ’ውን ኣይትስምዕዋ፡፡ ማንም ሰብ ራዲዮ ከይሰምዕ ብምባል ኣዚዙ፡፡

ድሕሪ ሓውሲ ተወሳኺ ዝዓይነቱ መደረ ሓዱሽ ኤፍሬም፡ ኩሉ ሰራዊት ብሓደ ድምጺ “ኣብ’ዚኣ ብዛዕባ’ታ ሰልዲ! ኣብታ ሰልዲ!” ብዝብል ጫውጫው ዝተሰናበደ ሓዱሽ ኤፍሬም “ሓፍ በል! ተጠንቀቕ! ዝኽረ ሰማእታት! ዕረፍቲ! ዓወት ንሓፋሽ! ካልኦት ስራሕውቲ ኣለውና ኣሃዱታት ነናብ ቦታኽን ተበገሳ!” ብምባል ፋሕ ክብላ ኣዚዙ፡፡

ድሕሪ’ዚ 1ይን 2ይን ብርጌዳት ብ2 በጣሓት ናብ ዓላ ግዒዘን፡ 3ይን 4ይን ብርጌዳት ግን ናብቲ ዘይተወደአ ምስራሕ ቤ/ጽሕፈት ተወርዋሪ እዝ ቀሓውታ ተበጊስና፡፡

መንፈስ ሰራዊት ድሕሪ ኣኼባ፡-

ንስርሒት ፎርቶ ኩላትና ብራዲዮ ወጋሕታ ኢና ሰሚዕናዮ፡፡ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ብቐረባና ንሪኦ ኩሉ ሰራዊት ኣዝዩ ሕጉስ ነይሩ፡፡ ምሉእ መዓልቲ ከኣ ነታ ራዲዮ ክጸናጸን ውዒሉ፡፡ ለውጢ ክመጽእ’ዩ ዝብል ብሩህ ተስፋ ኔርዎ፡፡

ጽንሕ ኢሉ ናይ ኣስላም ዶ ገለ ዶ ክብልዎ ጀሚሮም፡፡ ብ/ጀ ሓዱሽ ኢፍሬም እውን ናይ “ጀብሃ፡ ሓጅጅ” ብምባል ብዓቕሙ ክገልጸልና ዝፈተነ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይመስለናን፡፡

ልኡኻት መንግስቲ (ካድረታት) ኣብ ከተማ ኣስመራን ካልኦት ዓድታትን ንህዝብን ሰራዊትን ኣኪቦም እስላማዊ መንግስቲ ንምትካል ዝደልዩ ዝገበርዎ’ዩ ታይ ዶ ከመይ ዶ ብምባል ብስውርን ብግህዶን ንህዝቢ ጎስጊሶም ’ዮም፡፡

ህዝቢ ግን ዝተብሃሎ ሰሚዑ ጥራይ ትም ኣይበለን ኣይነበረን እዞም ኣስላም ትብሉዎም፦ ዘለኹም

1) ኣብ ባራት ክሰትዩ ክሰኽሩ ዝሓድሩ’ምበር ኣብ መሳጊድን ቤተክርስትያናትን ክጽልዩ ሪእናዮምን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን

2) ገለገሊኦም’ውን ክርስትያን ኣንስቲ ዘለውኦም ምኻኖም ኢና ንፈልጥ፡፡ ንኣብነት ስውእ ወዲ ዓሊ ካልአይቲ ሰበይቱ ክርስቲያን እያ ወሊዱላ ከኣ እዩ፡፡

3) ደቆም ንናይ ምስልምና ቤት ትምህርታት ሓዲጎም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ ዘምህሩ ከምዝነበሩ ንፈልጥ

4) ዳርጋ ኩሎም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩን እሞ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ሃይማኖታዊ እምነት ዝበሃል ኣብ ዘይፍለጠሉ ውድብ ዝዓበዩን ሰባት መዓስ እዮም እስልምና ኣሚኖም፡፡

5) ተሳተፍቲ እቲ ስርሒት ተኸተልቲ ምስልምና ጥራይ ኣይነበሩን ፍርቂ ወይ ልዕሊኡ ኣመንቲ ክርስትና እውን ከምዝነበሩ ኢና እንፈልጥ፡፡

6) ሕቶታቶም ዋላ ሓንቲ እኳ ናይ ምስልምና ምልክት ኣይረአናሉን፡፡ ኩሉ እቲ ሕቶ ናይ እስላም ወይ ከኣ ናይ ክርስትያን ዘይኮነ ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሕቶ ከምዝነበረ ኢና ንኣምን፡፡

7) እዚ እንተኾይኑ እቲ ሓቂ ኸ ናይ ኣስላም ዶ ጡሩፍነት ዶ ዝብል ንምንታይ ዕላማ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ዝብሉ ኣዝዮም ብዙሓት ሕቶታትን ርእይቶትን ብግልጺ ኣብ መድረኻትን ድሕሪ መድረኻትን ክለዓሉ ንሰምዕ ኣለና፡፡ እዚ ሓበሬታ’ዚ ናይ ሓደ ኣባል ክ/ሰ 525 ጥራይ ዘይኮነ ናይ ብዙሓት ኣባላት”ቲ ኣሃዱ ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ፡፡

ሰናይ ቅነ!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...