ስለያዊ ትካል “ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ብመሪሕነት በዓል ወዲ ሰሎሞን ኣድማዒ  ውጽኢታት የረጋግጽ ከምዝነበረ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ዝፈልጥዎን ዝሕበንሉን ኣሃዱ ምንባሩ ይዝከር፡፡

ድሕሪ ናጽነት ግን ኣሃዱ ክፍሊ ስለያ ብድሌትን ሃምን ኢሳያስ ልክዕ ከም ኩለን ካልኦት ኣካላት ውድብን መንግስትን ናይ ምብትታን ዕጫ ጎኒፍዎ፡ መራሕቱ ንዓመታት ካብ ዝተሞኮርሉ ሞያ ወጻኢ ተወዚዖም ፋሕፋሕ ኢሎም፡፡ እቲ ትካል ከም ትካል ካብ ንጡፍ ናብ ልኡም ምንቅስቓስ ተለዊጡ (ደስኪሉ)፡፡ ሓደ ግዜ ምስ ሚ/ሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፡ ካልእ ግዜ ንበይኑ ክውደብን ክፍንጣሕን እንዳተገብረ ነይሩ፡፡

እቲ ምንታይ ኢሳያስ ኣብ ሓደ ሓያልን ውዱብን ስለያዊ ጸጥታ እምነት የብሉን፡ እቲ ዘይምእማኑ ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን ስለዘስግኦ ጥራይ እዩ ነይሩ፡፡ ካብ ተወዲቡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣማዕቢሉ ዝቕጽል፡ ብጉጅለታት ተበታቲኑ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ እንዳተጠማመተ፡ ነንርእሱ እንዳተነሓነሐ፡ ጎኒ ንጎኒ ተመዓዳድዩ ክነብር እዩ ተገይሩ፡፡ ብዛዕባ ሃገርን ሃገራዊነትን፡ ንልዕልና ሕጊ ብዘየገድስ፡ ንኢሳያስ ብዝጥዕም ዝተቐርጻ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ኣጣይሱ፡፡  እንተደልዩ ይእክበን እንተደሊዩ ይብትነን ከኣ ጸኒሑን ኣሎን፡፡ እዘን ነንርእሰን ዘይሳነያ ኢሳያስ ዝፈጠረን ጉጅለታት ወግሐ ጸብሐ  በቢኣንፈተን ብቀጥታ ንዑኡ ጸብጻባተን ከቕርባ ይግደዳ፡፡

ዝርዝር ናይተን ጉጅለታት፡ እቲ ብወዲ ካሳ ዝምራሕ ስለያዊ ትካል “ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ንሽሙ እቲ ዝዓበየ ትካል’ዩ፡፡ እዚ’ውን ግን ኣብ መወዳእታ 2010 ኣብ ክልተ ተገሚዑ ተፈናጢሑ ነይሩ፡፡

§ እቲ ሓደ ስለያ ወጻእ፡ ኣሃዱ ጠለፋ፡ ስለያ ምክልኻል ዝበሃሉ ጨናፍር ዝሓዘ ብወዲ ካሳ ዝምራሕ “ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ነቲ ናይ ቀደሙ ስም ሒዙ ንበይኑ ተወዲቡ ቀጥታ ምስ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ክራኸብ ተገይሩ

§ እቲ ካልኣይ ካብ “ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ንበይኑ ዝተፈንጨለ ውሽጣዊ ስለያ፡ ፖሊስ ኤርትራ፡ ኢሜግረሽን፡ ድጓናን ካልኦት ብ“ተሃድሶ” ዝተሰየማ ዝተፈላለያ ወታሃደራዊ ቤት ማእሰርታትን ሒዙ “ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ” ብዝብል ተጠሚቑ ብብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል ክምራሕ ማዕረ ስልጣን ከም ወዲ ካሳ ተዓዲልዎ ቀጥታ ምስኢሳያስ ክራኸብ ተገይሩ ነይሩ፡፡

እዚ ምጉዝዛይ’ዚ ንምንታይ ኣድልዩ? ዝብል ሕቶ ብኣባላት’ዚ ትካል ተላዒሉ ነይሩ፡፡ ኣብ እዋን እቲ ምጉዝዛይ ባዕሉ ኢሳያስ ንሓለፍቲ እቲ ትካል ኣኪቡ ዝገለጾ “ዳግመ ውዳበ (ምትዕርራይ) ዕላምኡ ንምሕያል’ቲ ትካል እዩ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወዳድባ ኣብ ካልኦት ሃገራት ይንበር ኣይንበር  ብዘየግድስ ንሕና የርበሓና’ዩ ንዝበልናዮ ኣወዳድባ ክንኽተል መሰልና’ዩ፡፡ ነቲ ንሕና ዝጀመርናዮ ክትኽተሎ ዝደለየት ሃገር እንተሊኣ፡ ካባና ትመሃር፡ ንሕና ተምሃሮ ጥራይ ክንኾውን ዝበየነልና የለን፡ መማሃራን ዘይነኾነሉ ምኽንያት የብልናን” ክብል በቲ ልሙድ ናይ ብደዐ ቃላቱን ቋንቁኡን ገሊጹ ነይሩ፡፡

እንተኾነ እቲ ፈልሲፈዮ ዝበሎ ሓዱሽ ውዳበ ዓመት ኣብዘይመልአ ግዜ (ኣብ 2011) ኣፍሪሱ ናብ ዝነበሮ ሓደ ትካል ኣኪብዎ፡፡ “ወኪል ሃ/ድሕነት ኤርትራ” ዝብል ስም’ውን እታ “ወኪል” ትብል ቃል ሓኺኹ  “ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ብዝብል ሰይሙ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ወዲ ካሳ ክመሓደር ኣዚዝዎ፡፡ Merit ዘይብሉ ባዶ ምትሕሙዛቕ ኢሳያስ ከም መስትያት ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ ተግባር’ዩ፡፡

በዚ በለ በቲ ስለያዊ ትካል ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ሰባት ዝተኣኻኸብሉ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን ዘይነጥፍ፡ ንባህግን ድሕነትን ኢሳያስ  ኣብ ምስራሕ ግዚኡ ዘሕልፍ ብኡኡ ጥራይ ዝዝወር ትካል ኮይኑ እዩ ክቕጽል ጸኒሑን ዘሎን፡፡

ካብቲ ዝተገልጸ ትካል ስለያ ወጻኢ ካልኦት ንልኡኽ ኢሳያስ ዝፍጽማ ነንበይነን ፡ ጉጅለታት ስለያ ኣለዋ፡፡ እተን ጉጅለታት ንሃገር ዘይኮነ ን “ፕረዚዳንት” ኢሳያስ Loyal ዝኾኑ ሰባት ከም በዓል ብ/ጀ ጠዓመ ጎይቶኦም ክንፉ (መቐለ)፡ ኮ/ል ፍጹም፡ ኮ/ል ዮናስ ብጹእ ኣምላክ፡ ኣብ ከም በዓል Track-B ን ካልኦት ናቑጣታትን ኣብ መርበብ ጠላፋ ነንበይኖም ዝነጥፉ መራሕትን ጉጅለታትን እየን፡፡ ኣብ ዘን ጉጅለታት ዝርከቡ ሰባት ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦምን ዘይርድኦምን ንሃገር ናብ ሓደጋ ዘእቱን ንዜጋታት ዘጽንትን ሽርሒታት ዝፍጽሙ፡ ናይ ሎሚ’ምበር ናይ ጽባሕ ዘይሓስቡ ባእታታት’ዮም፡፡

ኢሳያስ ሓደ ዓይነት ስራሕ ንዝሰርሓ ትካላት ትካላዊ ኣሰራርሓታተን ብምፍራስ ንዕኡ ብዝጥዕሞን ብዘየስግኦን ብጉጅለታት ምምቕቓል ጥራይ ኣይኮነን ዝሰርሕ፡፡ ኣብ ውሽጢ ተን ጉጅለታትን ትካላትን ከይተረፈ ሰንሰለት ጥርናፈ ጥሒሱ ኢዱ ብምእታው  ብተናጸል ንውልቀሰባት ብምርካብ እውን እንተኾነ ኣብ ውሽጠን ኣትዩ ኣብ ምዝራገን ዓብይ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ንኣብነት ኣብዚ ኣነ ዝሰርሓሉ ብወዲ ካሳን ስምኦንን ዝምራሕ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝሰርሑ ነቶም ብወግዒ ዝፍለጡ ሓለፍቲ ዘይምእዘዙ ባእታታት ኣለው፡፡ እዞም ንሃገራዊ ድሕነት ከም ከውሊ ተጠቒሞም ፍሉይ ልኡኽ ኢሳያስ ዝፍጽሙን ብዓይኒ ኢሳያስ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑን ገበርቲ ሓደግቲ ዝኾኑ ሰባት ሕድሕዶም ዝመርሕዎን ጨናፍር  ኣለውኦም፡፡  ንስምኦን ይኹን ንወዲ ካሳ ኣይምእዘዙን ቀይዲ ጥርናፈ ጢሒሶም ብተናጸል ምስ ኢሳያስ ይራኸቡ፡፡ ኣብ ምፍራስ ትካላዊ ኣሰራርሓና ጉልሕ ኣሉታዊ ተራ ዘለዎም መጋበርያታት ኢሳያስ ከኣ እዮም፡፡ ኢሳያስ እኮ ኣብ ኩሉ መዳይ ካብ ቀደሙ ባዕሉ ኣትዩ ዝፍጽሞ ዋላ ሓንቲ ዝፍለጥ ታሪኽ ይኹን ዳህሲስካ ዝርከብ ተግባር የብሉን፡፡ እንታይ ደኣ መጋበርያታቱ ዝኾኑ ሰባት ወዲቡ ብትእዛዝ ጥራይ’ምበር ንሱ ብኣካል ዝፍጽሞ ይትረፍ ሎሚ እቲ ቀደም ኣብ ሜዳ’ውን ኣይነበረን፡፡

እግረ መገደይ ኢሳያስን መጋበርያታቱን ግዚኦም የብቅዕ ስለዘሎ፡ ጽባሕ ንጉሆ ቀዳሞት ተሓተቲ ካብ ምዃን ከምዘየምልጡ ብኣግኡ ክርድኡ ይግባእ፡፡ ኩሉ ዜጋ ግርም ገይሩ ከስተብህለሎም ኣለዎ፡፡

መንነት ናይዞም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዝነጥፉ ኣብ ውሽጢ እዚ ኣነ ዘለኹዎ ትካል ዝርከቡ ገለገለ ሰባት ክረቁሕ፡- ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ፡ ኮ/ል የማነ ኣፍወርቂ፡ ኮ/ል የማነ (ሶኮሎቭ)፡ ኮ/ል ኣማኒኤል ልጃም (ወዲልጃም) ኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲመርጋኖ)፡ ኣብ ቀረባ ካብ እንዳ 84 ዝተስሓበ ሌ/ኮ መንግስትኣብ ማርቶቭ፡ መጀር ገነት ጸጋይ (ጓል ጸጋይ) …ወዘተ ዝኣመሰሉን ካልኦትን እዮም፡፡ እዚኦም ብዓይኒ ኢሳያስ ልዕሊ ስምኦንን ወዲ ካሳን ከምኡ’ውን ልዕሊ ኣብ ዞባታትን ወጻኢን ዝርከቡ ሓለፍትን ገዳይም ተጋደልቲ ኣባላት ጸጥታን’ዮም፡፡ ካብኡ ናብኡ ግን ልዕሊ በዓል ብ/ጀ ጠዓመ ጎይቶም ከምዘይኮኑ ግን ንካልኦት እውን ክዝንጋዕ የብሉን፡፡ እዞም ሰባት ኣብ ጸረ ለውጢ ዘለዎም ተራ ዕሽሽ ክበሃሉ ዘይግበኦም ምዃኑ ደለይትን ተቓለስቲ ንለውጥን ክነቕልበሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ምዕንቃፍ እዚ ክሳብ ሕጂ ዝተረኣየ ቃልሲ ዝነበሮም ተራ እንታይ ምዃኑ ብቐረባ ስለዝርዳእ፡፡

እዞም ሰባት ብተናጸል ምስ ኢሳያስ ብምርኻብ እንታይ እዮም ዝገብሩ? ኣብ ኩላትና ዝመላለስ ሕቶ እኳ እንተኾነ ብጽጹይ ንውሽጣዊ ስራሕቶም  ንምፍላጥ ንዓኣቶም መሲልካ ኣብ ውሽጦም ክትኣቱ ኣለካ፡ ግን ኣብ እከይ ተግባር ክትዋፈር ከኣ ንሕልናኻ ይኸብድ፡፡ እንተኾነ ኣብ ዕለታዊ ሂወቶም ሓድሓደ ግዜ ካብ ዘዝርቁዎ ሓበሬታታትን ምንቅስቓሳቶምን ተበጊስካ ሓርፋፍ ገምጋም ንምውሳድ ኣጸጋሚ ኣይኮነን፡፡ ብልዕሊኦም፡ ኣብ ጎኖምን ብትሕቲኦምን፡ ናይ ዘለው ሓለፍቲ ኩነታት ይከታተሉ፡ ነንርእሶም ይተሓላለዉ፡ ንኢሳያስ ብስውር ይሕልው፡ ኣብ ከተማ ብዛዕባ ዝውረ ንኢሳያስ የገድስ እዩ ዝበሃል ኩሉ ናይ ላዕለዎት ሰበ-ሰልጣን መንግስቲ ወረ ኣጸናጺኖምን ዘጸናጽኑ ወዲቦምን ኣኪቦም የቕብሉ፡፡ ካብዚ ዝሓለፈ ኢሳያስ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሉ ንዝውስኖን ኣዝዮም ንዘስግእዎ ሰባት ብኣዝዩ ስውር ዝኾነ ኣገባብ ናይ ምእላይ (ምውጋድ) ልኡኽ ኣብ ምፍጻምን ይዋፈሩ፡፡ ንኣብነት ከም ኣብ ነጋዳይ መሓመድ ኦሞ፡ ነጋዳይ ፍቕረ፡ ህቡብ ደራፋይ ኣብርሃም ኣፍወርቅን ካልኦት ዜጋታትን ጸሊም ጭንብል ኣጥሊቕካ ብስውር ናይ ምውጋድ ስራሕቲ ኣብ ምፍጻም ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ኢድ ከምዘለዎም ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

እቲ ዝገርም ኢሳያስ ብዋጋ እዞም ናቱ ተኣመንትን ልኡኻቱን ንይምሰል ካልኦት ሰባት ይኣስር ጥራይ ዘይኮነ ዋላ የጥፍእ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኩነታት ነጋዳይ ፍቕረን ማህረምቲ ስምኦን ገብረድንግልን ንዓመታት ዝተኣሰሩ ብዙሓት ዜጋታት ኣለው፡፡ ዘይተኣሰሩ ጥራይ ዘይኮነ ዘይተሓተቱ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ኩነታት ድማ ኣብ ስርሖም ኣብ ጽፍሖም ኣለው፡፡ እቶም ተኣሲሮም ስድራቤቶም ኣበይ ኣለው ዘፈልጥዎምን ኣጋር ስልጣንያ ዘይመላለስሎምን ካብቶም ብዙሓት ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል

1. ኮሎኔል ኣስመሮም ገረወልድ (ወዲገረወልድ) ሓላፊ ገበን ምክልኻል ፖሊስ ኤርትራ

2. ኮሎኔል ሰሎሞን ብርሃነ ምምሕዳር ፖሊስ ኤርትራ ነበር

3. ኮሎኔል ጎይቶኦም ገብረትንሳኤ (ወዲ በኺት) ሓላፊ ገበን ምርመራ ፖሊስ ኤርትራ ነበር

4. ሌ/ኮሎኔል ኢሳያስ ዮሴፍ ሓላፊ ምርመራ ካርሸሊ

5. መጀር ፍረዝጊ ሃብታይ ሓላፊ ምጽራይ ድራግ (ሓሽሽ) ዕጸ ፋሩስ

6. ካፒቴን ተኪኤ ምክትል ሓላፊ ምጽራይ ሓሽሽን ክትትልን ዝነበረን ካልኦት ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታትን ቅድምን ድሕርን ማህረምቲ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ተታሒዞም ምስተኣሰሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ተኣሲሮም ይርከቡ፡፡ እዞም ሰባት ዘሕትት ገበን ኣለዎም ዶ ኣይብሎምን ኣይኮነን እቲ ዘረባ፡ እቲ ዝሕተትሉ ገበን መን ፈጺምዎ? ልዕሊኦም ክሕተት ዝግበኦ ስለምንታይ ዘይሕተት? ስለምንታይ ከ ናብ ሕጊ ዘይቀርቡ?ዝብሎ ግን ናይ ኩላትና ሕቶ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን ፈጸምቲ ንሶም ድዮም?

ብሓፈሻ ትካልና ብባህግታት ኢሳያስ ዝምራሕ፡ ቅዋማዊ ሕጊ፡ መምርሒን ተልእኾን ዘይብሉ፡ ሰባት ጥራይ ዝተኣኻኸብሉ፡ ውልቀ ሰብ ከምዝደለዮ ዝሓማዝቖ ትካል ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ሎሚ ግና ከም ትማሊ ኣይኮነን እሞ ዕድመ ንዘደፋፈረትና ስርሒት ፈርቶ፡ መብዛሕትና ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ንሃገርን ህዝብን እምበር ንድሕነት ኢሳያስ ኣይፋል ምባልን፡ ንትእዛዛት ኢሳያስ ምሕንጋድን ጀሚርና ኣለና፡፡

ድሕሪ ፎርቶ ኣብ ትካልና  “ሃገራዊ ድሕነት” ዝተጋህዱ ሓደስቲ ተርእዮታት ፡-

ብገለ ገለ ጀጋኑ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 21 ጥሪ 2013  ድሕሪ ዝተፈጸመ ስርሒት ካብ ተሓተቲ ትካላት ሓደን ቀንድን ትካል ሃገራዊ ድሕነት እዩ እንዳተብሃለ ካብ ገሊኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ  ክዕለል ይስማዕ ኣሎ፡፡  እቲ ዕላል ኣብ ውሽጢ ትካልና በጺሑስ ብዘይወግዓዊ ሰሚዕናዮ ኣሎና፡፡ ካብቶም ነዚ ዘኮማስዑ ሓለፍቲ መንግስቲ ገለ በዓል ተኽለ ማንጁስ፡ ሓሊባይን የማነታት (ቻርልን ማንኪን) ከምዝኾኑ ፈሊጥና ኣለና፡፡ ኢሳያስ ባዕሉ’ውን እንተኾነ ኣበይ ነይርኩም ይብል ከምዘሎ ምስኡ ተራኺቦም ካብ ዝመጹ ሓለፍትና ዝልሕኹን ካብ ገጾም እንዕዘቦ ነጸብራቓትን ኣሎ፡፡ ምስኡ ውዒሉ ዝመጸ ወዲ ካሳ ገጹ ተደዊኑ እዩ ዝመጸና፡፡

እቲ ዘይሓፍር ወዲ ካሳ ገጹ ካልእ መልእኽቲ የንጸባርቕ፡ መልሓሱ ግን ካልእ ይዛረብ ነይሩ፡፡ እቲ ዝዛረቦ “ነዚ ኩነታት ቅድሚ 4 ዓመት ጀሚርና ክንከታተሎ ጸኒሕና” ክብል ኣብ ማእከል ንዓና ገሊጹልና፡፡ ናብ ዞባታት እንዳዘረ ከኣ  ነተን ጉጅለታት ስለያ ምክልኻል እንዳተብሃላ ዝፍለጣ ዝመርሑ ሓለፍቲ፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲኡ ዝጥርነፋ ጉጅለታት እንዳዘረ ኮን ደኾን ይዕዘቡኒ ብዘይብሉ፡ መንትግ ብዘየውጽእ ድፍረት ክልፍልፍ ቀንዩ፡፡ ዝኾነ ተኣካቢ ሕቶ ይኹን ርእይቶ ከየቕርብ ብግለጺ ተኣጊዱ እዩ፡፡ ክለዓል ዝግበኦ ሕቶ ገን ብዙሕ እዩ፡፡ ወዲ ካሳ ነዚ ኩነታት ኣቐዲሙ ይፈልጦ እንተነይሩ ስለምንታይ መኮማስዒ ሓለፍቲ ኮይኑ? ብ10ታት ታንክን ዱሩዓት መካይንን ብማእከል ከተማ ብጸሊም ጽርግያ ኣንዳዕዲዐን እንክሓልፉን ፎርቶ ክሳብ ዝቆጻጸሩን ደኣ እንታይ ይጽበ ነይሩ? ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዘዋዓውዕዎ ስርሒት ትም ኢልካ ምርኣይ ንረብሓ መን ስለዝጠቅም እዩ? ንረብሓ ህግደፍ ዝብል ለዋህ ሰብ እንተሊኡ ፍጹም ዘይመስል እዩ፡፡

ብዝኾነ ድሕሪ ኩነታት ናብ ትካልና ስዒቡ ዝወረደ መደብ ኣሎ፡፡ እቲ መደብ “ካብ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ንላዕሊ ዘሎው ኹሎም ሓለፍቲ ኣብ ዓንኬል ክትትልኩም ኣእቲኹም መዓልታዊ ኩነታቶም ተኸታተልዎም፡፡ ዕለታዊ ጸብጻባቶም ከኣ ክተቕርቡ ንጽበየኩም” ዝብል’ዩ፡፡

እዚ መደብ ንሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነት ብፍሉይ ምስ ቀረበ፡ ገለ ላዕለዎት ሓለፍትናን ዝበዝሑ  ዝምልከቶም ናይ ሞያ ሰራሕተኛታትን ከም ቀደም “እሺ!” ኢልና ኣይተቐበልናዮን፡፡ ዘቕረብናዮ ርእይቶታት፡ “ትካልና ከም ትካል ቀንዲ ልእኹ ንጸላእቲ’ዚ ሃገር ዝኾኑ ከም በዓል ወያነ፡ ሃይማኖታዊ ጥርፉነት፡ መሳርሒ ጸላእትና ዝኾኑ ሃሱሳትን ምክልኻልን ምጥቃዕን ደኣ’ምበር፡ ነቶም ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ምእንቲ’ዛ ሃገር ብጠያይቲ ጸላኢ ኣካላቶም ዝተበሳስዑን፡ ሕጂ’ውን ማእለያ ንዘይብሉ ጸገማቶም ተጻዊሮም ኣብ ምክልኻል ሃገር ዝርከቡን ሓለፍቲ ብጃምላ ክንከታተል ኣይግባእን፡፡ ልኡኹና ’ውን  ኣይኮነን፡፡ ብተናጸል የስግኡ እዮም ዝበሃሉ ሓለፍቲ እንተሊኦም ይተሓበረና ፡ ከም ውልቀ ነጺልና ንከታተሎ እንተሎ ብንጹር ይገለጸልና ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግን ሓድሓደ ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈጺሞምዎ  ካብ ዝበሃል ገበን ተበጊስካ፡ ኩሎም ኣይሓድጉን እሞ ንኹሎም ብጃምላዊ ንከታተሎም ዝብል መደምደምታ ኣብ ዝኾነ እዋን ቅቡል ክኾውን ዘይብሉ ግጉይ ኣካይዳ እዩ፡፡ ምስ ኩሎም ጃምላዊ ጸገማት እንተሎ ከኣ መንግስቲ ፖለቲካዊ መፍትሒ ጥራይ እዩ ክውሰደሉ ዘለዎ” ዝብል ቅዋም  ኣስሚዕና ፡፡

እዚ እምቢታ’ዚ ካብ ገለ ላዕለዎት ሓለፍትና ጀሚርካ ናይቲ ዝበዝሐ ዝምልከቶ ኣባል’ቲ ትካል ጽኑዕ መርገጽ ኮይኑ፡ ብገለ ካብቶም  ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎም Pro PIA ዝኾኑን ትካላዊ ደገፍቲ ኢሳይያስ ኣሰራርሓና ኣብ ምፍራስ ልዑል ተራ ዝነበሮምን፡ ጽባሕ ንጉሆ ተሓተቲ ዝኾኑ ውልቀ-ሰባት ኣንጻር እዚ ተቓውሞ  “ምድሓን መንግስትና ማለት ምውሓስ ሃገር ማለት ስለዝኾነ፡ እቲ ዝተረኣየ ዕሸላዊ ተግባር ከኣ ናይ ኣሸባሪ ሽርሒታት ከምዘለዎ ምልክታት ይርከብ ስለዘሎ ፡ እሞ ከኣ ሕጂ’ውን እዛ ሃገር ኣብ ዘይርጉእ  ኩነት ስለእትርከብ ፡ ኣብ እዋን ጽልግልግ ሰፊሕ ምድንጋራት ክፍጠር ስለዝኽእል ኣቐዲምና ክንፈልጦ ትጽቢት ዝግበረልና  ንሕና ኢና፡፡ ስለዚ መንግስትና ዝዓደለና ልኡኽ ተቐቢልና ክንዓሞ ጥራይ እዩ ዘለና፡፡ ካብዚ ወጻኢ ንመደባት መንግስቲ ምዕጻፍ ዕድኡ ከቢድ እዩ” ክብሉ መጉባዕብዒ ሓሳባት ኣቕሪቦም፡፡ ነዚ ካብ ተደናገጽቲ ኢሳያስ ንዝቐረበ ሓውሲ መፈራርሒ ሓሳባት፡ በቲ ዝበዝሕ ነቲ መደብ ዝነጸገ ኣባል ቅጭጭ ከይበሎ፡ “ደሓን፡ ደሓን፡ ሕጂ ብዙሕ ዘዛርብ  የብልኩምን፡ ኣፋላላይና ናብ ዝምልከቶ ይብጻሕ ስዒቡ ዝመጽእ ከኣ ሓቢርና ንሪኦ!” ብምባል ዛጊት እቲ መደብ ተንጠልጢሉ ኣሎ ፡፡

ኣስዒብና ዝገለጽናዮ ሓሳብ “እንተ በቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ተሓታቲ መን ብዛዕባ ምዃኑ፡ መድረኽ ይከፈተልና  እሞ ምስቶም ዝሓምዩ ገጽንገጽ ተራኺብና እንተ ንሶም ወይ ንሕና መን ይሕተት ሽዑ ንርእዮ” ዝብል ለቦዋታት ካብ ኣባላት ቀሪቡ፡፡

“እቲ ፊልሚ ሲዝን ዋን ተወዲኡ ሲዝን ቱ ግን ድሕሪ መብራህቲ ምምጻእ ክቅጽል’ዩ” ድዮም ዝብሉ ዘለዉ መንእሰያት ኣስመራ እምበኣር ኣነ’ውን ኣብ ፊልሚ ሲዚን ቱ ንምስታፍ ቀጻሊ ሓበሬታይ ክሳብ ዘስዕበልኩም ንሎሚ ወዳሓንኩም

S.T ቤት ገርግሽ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...