ኢዚ ኣኼባዚ ካብቲ ቅድም ዝካየድ ዝነበረ  ኣኼባ ፉሉይ ዝገብሮ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብዝብል ስያመ ኹሉ ኣንጻር ህግደፍ ዝኾነ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብና ጠጠው ኢሎም ንቐዳማይ ተጻኢ ጸላኢ ህግደፍ ኣብ ርእሲኡ ብዝያዳ ሓይልናን ዓቕምታትናን ኣጻሚድና በታ ትንፋስ ዘይ ረኽበላ ቅልጽም ማዕበል ሓፋሽ ሓቢርካ ምስራሕ ስለ ዝኾነ፤ ብሓንሳብ እንሰርሓሉ መድረኽ ንምፍጣር እዋኑን፥ ስዓቱን ስለ ዝ’ኣኸለ ነዚ ኣኼባ ንዕለት 16/3/2013 ኣብ ኦኩላንድ ስዓት 2፡30 PM  ኩላትና ክንሳተፎ ብ’ኣኽብሮት ንዕድም።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን የሕዋት ዝኸበርክን ኣሓት እዚ ኣኼባዚ ንዕድሞ ዘለና ኣቦታትናን ኣዴታትና ኣያታትናን ኣብሻታትናን መናእሰያት የሕዋትናን ደቅናን ብህግድፍን፥ ብረሻይዳን (በደዊን) ኣብ ምዓልቲ ብ’ኣማኢታት ዝሓቁሉን ዝርሸኑሉን ኣብ ትሕቲ እዚ ኩነታት እዚ ኢና ኣኼባ ንጽውዕ ዘለና ።

ኤርትራዊ’የ ዝብል ከም ሰብ ሕልና’ና ክቐስን እቲ ዝግበር መድሕን ታራ ክንገብር ምእንቲ ኣብዚ ኣኼባዚ ክንሳተፍ እንደገና ኣትሪርና ካብ በይ ኤርያ ደለይቲ ፍትሒ ክተርፉና ከምዘይ ቡሉ ንዕድም። ከም ቦኽሪ ናይ ሓባር ስራሕ  ንዕለት 24/5/2013 ናይ ሙሉእ  ሃገራት ኣመሪካን ናይ ሙሉእ ሃገር ከነዳን ዒቅ ዝበለ ሰላማዊ ሰልፊ ተመዲቡ ንምዕዋቱ ክኣ  በቢ ዞባታት ከተማታት ሺማግለ ኮስጓስ ተመዚዞም ይሰርሓሉ ኣሎ። እሞ ንሕና ኽኣ ናይ ዞባና ክንገብር፤ስለዚ ተቐማጦ በይ ኤርያ  ንቐዳም ዕለት 16/3/2013 ኣብ ቆጸራና ክንርከብ ሓደራ ንብል።

Good Hope Temple (610 55 st Oakland, Ca 94609) 55 st and Shattuck Ave Oakland, ግዜ ስዓት  2፡30

ብድሓን ምጹ

ሽማግለ ደለይቲ ፍትሒ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...