ብሄረ-ትግርኛ፡

ኣይትጉጠዩኒ ኣይትጎጣጥዩኒ‘ንዶ!  ኣቐዲመ‘ኮ “ንታሪኽ ብምንታዩ ኢኹም ትርእይዎ“? ክብል ተወኪሰኩም ነይረ ኢየ። እ ንተድኣ ንታሪኽ ብተፈጥሮነቱ ርኢኹሞ ከፋቕረና፡ ብጠመተ ፖለቲካ ጥራይ እንተቖናጭልኩሞ ግን ከናቑተና ከምዝነብር ምርዳእ ንርእሱ ብልጸት ኢዩ። ብዛዕባ ብሄረ-ትግርኛ ምልዓለይ ድማ ካን ሲኦል ምድረ-ሰማያት ከምዝዃሕዃሕኩ ወይ ካብቲ ካልእ ኣብሊጸ ብምርኣየይ‘ኮ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ኣብውሽጡ ስለዝርከብ ኣብክንዲ ንሸፋፍኖ ክገሃድ ስለዘለዎ ጥራ ይ ኢየ። እንተድኣ ‘ዓጋመነተይ‘ ‚ኣምሒዩርልኩም ካኣ በለጸ። እቲ ጸርፊ መቸም ክሳብ ህግደፋዊ መቧኹዕቲ ዘሎ ስለዝኾ ነ ሎምስ ኣብዘፍነቱ ኢዩ‘ሞ ኣይንህመለሉን ነንሕድሕድና ድማ ኣይክንፈላለን ኢና። እምበር መዓስ ንበይነይ ጥራይ! ንእ ሽቶ ኣብነት‘ንዶ ሃየ። ራዲዮ ሳሊና ወጋሕታ ትግራወይቲ፡ ንዓዓ ዝሰምዕ ትግራዋይ፡ ኣብኣ ቃለ-መሕትት ዝገበረ ትግራዋ ይ፡ ንኢቲዮጲያ ዝተሰደደ ትግራዋይ፡ተቓዋሚ ህግደፍ ብኣስማቱ ትግራዋይ፡ ......ትግራዋይ......ትግራዋይ።....... ዓጃይብ!! እዚ ኩሉ ዘጋልጽ ዘሎ ሰብ ወገንነት ዘጥቀዖ ወይ ንገንዘብ ዝወናወን ውቃበ ኣሽካዕሊልሉ ተባሂሉ ዝግበር ድማ ኣይኮነን። ከምኡ ካብዘይኮነ እቲ ግዜ ብነብሱ መድረኽ መንነት ተቐይሩ እንሆ። ኣነ ድማ ክንዲ‘ዞም ሎሚ ዘለዉና ነበልባል ጸሓፍ ቲ ኮነ ተረኽቲ ዘዳርግ ዝና‘ዃ ኣይተዓደሎ‘ምበር ብውሑዱስ ከምቲ ቃል ጋዜጠኛ ነፍሲ-ሄር ኣርኣያ በላይ ዝበሎ ሰብን ዕንጸይትን ተሰባሪ ብምዃኑ ክሳብ መዓስኮን ክጸሓፍ ኢሉ። ክሳብ ዝኸኣልና ገለ ምባል ግና እንታይ ሕማቕ ክህልዎ ኢሉ! እሞ ሓደራኹሙ ከይጎጣጠኹም ተጸመሙኒ‘ ሞ ንኺድ፡-

ወዲሓማሴን! ኣብማእከል ዝሰፈረ፡ ተሃራፊ ድማ ከምሓኸለ።...... እናተባህለ ብዙሕ ብዙሕ ኣሎ። በቲ ዝበሃል ድማ እቲ ገርሀኛ ተወላዲ ብሓቂ‘ዩ በይኑ ዓይነት መሲልዎ ዝደናገር። ከምገለ ትውልዲ ዓዱ እንተተሓቲቱ ብትዕቢት ክትርጋእ ክሳ ብ ዝደሊ ኢዩ ጨዋነቱ ክገልጽ ዝፈቱ ይበሃል ሓማሴናይ። እሞ ነገር ናይተን ክልተ ኣውራጃታት ቅጭ ከምጻኣሉ እንከሎ ነጢሩ ብምስጋር ተበርጢጡ “ትግራይ ዘይውለድ ነይጭዋ“ ብማለት ማእከልነቱ ንውሽጢ ኢቲዮጲያ ከስፋሕፍሕ ዝህቅ ን ይርአ ኢዩ። እናሓንሳብ ድማ ከምዚ ናይ ዘመነ-ትርቡሊ ዝነበረ መለሊኹ ዓቲሩ “ሰማይ ሰማይ ትኸይድ ገረወይና፡ ከ ም ሓማሴናይ ዝትኩስ ነይራና“.....እናበለ ክፍክርን ነብሱ ከህጥርን ይርአ። ዓድኻ፡ ስድራኻን መሰልካን ምኽባር ንቡር ነገ ር‘ዃ እንተኾነ መልክዑ እንተስሒቱ ወይ እንተተገሪሁ ከኣ ዕሽነትካ ምግላጽ ብምዃኑ ምዕሻው ካብ ኣምሓረሉ እምባኣር ንሓማሴናይ ጠቕሊልካ ብተምሳል ኣንበሳ ምምሳሉ ከይተረፈ ተራእዩ ኢዩ። እቲ ዝገደደ ግን ናይቶም ኣጸቢቖም ውሽጥና ዝፈለጡ ጎራሓት ሰረቕቲ ልቢ ገዛእቲ ነበረ።

ንምዃኑ ሓማሴናይ ምዃንስ ኣብምንታዩ ኢዩ ተፈጥሮኣዊ ሓለፋኡ? ካብቲ ካልእ መበቆልናኸ እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ? መልስኹም “ ዋላ“! እንተኾይና ግርም። ካልእ እንተሎ ግን ድኽነት መበቆልካ ዘይምፍላጥ ጥራይ ይመስለኒ።

“ብመበቖል እንተኾይኑ ሓንቲ ዓዲ ንበይና ብሓደ ትውልዲ ተንጠልጢላ ኣይተፈጥረትን“ ኢዮም ዝብሉና ተረኽቲ። ብዛ ዕባ ነገር መዋሰብትን መጓንይትን ዝመጸ እንተኾይኑ ግን ከምዚሎሚ ከይበለየ ቀደም‘ሞ ከከምሕጊ እንዳባኡ ነበረ። ዝኾነ ኮይኑ ኪኖ ማይቤታዊ ጉዳይ ክሳብ ኣውራጃ ዘብጽሕ ኣይነበሮን። ከመይሲ ሓንቲ ዓዲ‘ኮ ማይቤታት ተኣኪበን ኢየን ዝ ምስርታኣ። ንበል ሳቐይቶት ደምበላስ እንተርኢና፡ ኣብዛይደኮሎም፡ ደቂ ጽልማን ዓንሰባን ክንዝክር ኢና። እቶም ሳቐይቶ ት ዓዲቀይሕ፡ መስሓልወደከለ፡ ኣብ ሎጎሳርዳን ሽመጃናን ዘለዉኸ ንርስዖም ዋላስ የለዉን? ከምኡ ከኣ ሎጎቶት ሰፍኣ፡ጽ ልማን ሎጎሳርዳ ኣከለጉዛይን ኣለዉና። ኣብ ሽከቲ ዘለዉ ገዛጎመዳይ ምስ ኣብውሽጢ ሕምብርቲ ዘለዉ ሎጎቶት ገዛጎመዳ ይ እንታይ ፍልልይ ኣለዎም? ብተመሳሳሊ ኩሉ እንዳታት ኣብኩለን ዓድታት ጥራይ ዘይኮነስ ንውሽጢ ኢቲዮጲያ‘ውን ክ ሓልፍ ከምዝኽእል ምጥቃስ ግድን ይኾነና። እንተኾነስ ሓደ ሃገር ኢና ማለት ኣይኮነን። ሓድነት ህዝቢ እምባአር ብብከላ ፖለቲካ ኢዩ ዝተሓማተኽ። ንበል ጭዋ እንታዋይ ኢዩ? እንተበልና እዚ ወለዶ‘ዚ ካብ በጌምድር በለሳ ዝመጸ ነገደ ኵሽ በለው ከለው፡ ሶባን ኖባን ኢዩ። ካብ ኢቲዮጲያ ስለዝመጸ ኢልኩም ከኣ ኣይትሸገሩ። ብዓንተቦኡ‘ኮ ካብዚ ቦታና ኢዩ ና ብኡ ከይዱ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብምልእታ ተዘርጊሑ ከምዘሎ‘ውን ታሪኽ ይምህረና።። ክዋሰብ እንከሎ ድማ ከም ንኣ ብነት ሎጎ ጭዋን /ህዝበ ጭዋ ምስ ሎጎቶት ስለ ዝተዋሰቡ፡ ከበሳ ጭዋን / ጭዋ ምስ ደቂሜሮን ስለዝተሓናፈጹ ዝተዋህ ወበ ኣስማት/ ተባሂሉ ተሰኒድልና ኣሎ። ሓማሴነታይ ግን ጭውነት ናይ በይኑ ጥራይ ኮይና ስለትስምዖ እናሓንሳብ ልዕሊ ሃገራውነቱ ክንዲ እምባ ክጀሃረላን ክሕበነላን ይርአ። ንሱ ከይኣክል ንርእሶም ኣብ ውሽጢ ከምዝተዳቐሉን ክሳብ ኣማዕ ድዮም እናተመጣጠሩን ምዃኖም ከይገመቱ ጭውነት መግለጺ ጽሬት ትውልዲ ተቖጺሩ ንገለ ካልኦት ስድራቤታት ‘ብር ነት ኣለዎም ዲዩ‘ እናተባህለ ልባቶም ክምላሕ ክትርኢ የሰክፈካ። ብሽፋን ጭውነት ኢቲዮጲያዊያን ምሕቛፍ ከምዘሎኸ ንሰማማዓሉ ዲና? ከም ኣብ ዓዲሰጉዶ እምባደርሆ ወዘተ ዝኣመሰለ ላሕዂ ሕሜታ‘ኮ ኣሎ። እሞ ዘመናት ዘቖጸረ ነገር መበቆል ንሃገራውነትና ክጻባእ ስቕ ኢልና ንርኣዮ ዋላስ ንፈውሶ? እናሓንሳብ ድማ ህዝበ ጭዋ ኣብሓማሴንን ኣከለጉዛይን ጥራይ ከምዘሎ ከምስልዎ ዝህቅኑ ኣይተሳእኑን። ዝኾነ ኮይኑ ደቂሜሮን ካብ ዓዲ በለሳ በጌምድር ከምዝመጹ ንሰማማዕ እንተኰንና ናይደቂ ሰራየ ደቂ-ጓልነት ካበይ ነጠበት?

እንተ‘ቶም ናይቲ እዋን‘ቲ ኢቲዮጲያዊያን ንኣብነት ንሓደነት ኤርትራዊ ዝካለፍ ጥረ-ነገር ሸማሚቶ ብምንባሮም ከምቲ ላ ም ብኢዳ እናቐረባ ብዝጥዕማ ማለት ብእግራ ትሓክኽ ከምስልዎ፡ ነቲ ንቡር መበቆላዊ ሓረጋት ጠዋውዮም ህዝቢ ሓማ ሴን ማለት ደቂ ጫሉቕ ማልቕ ፋሉቕ ዝያዳ ሴማዊ፡ ምስ ‘መንዚ‘ ዝተባህለ ዓይነት ኣምሓራ ትውልዳዊ ሓድነት ከምዘለ ዎ፡ ንግስቲ ሳባ ድማ ኣብማይበላ ከም ዝሓረሰትን ካልእን እናኣዘንተዉ፡ ብመንጽር ናይቲ ከምሓለይቲ መንነትና ዝስሕል ዎ በለው-ከለውነት እናሸሓሓጡ ከስክርዎን ከጻርድዎን ተጋደሉ። ንሱ ንክኸውን ክሳብ ራእሲ ወልደሚካኤል፡ ራእሲ ስ ዒሮም ዝተሸሙ ክንሶም ዳሕራይ‘ሞ ናብ ትግራይ ዝኸዱስ ብኩሉ ነገሩ ኢቲዮጲያውነቶም ብምእማኖም ስልጣኖም ክም ረቐሎም ምእንቲ ንኣማኸርቶምን ኣሕዋቶምን ጸማም እዝኒ ሂቦም ብኣማላድነት ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ምስድዖም ዝገልጹ ኣ ይተሳእኑን። መዓስንሱ ጥራይ። ኩሉኹም ኢቲዮጲያ ትፈልጡ ከምትዝክርዎ ንሳቶም ንመበል 14 ጠቕላይ ግዝኣቶም ብስ ማ ‘ኤርትራ‘ ኢሎም ይጽውዑዋ ኣይነበሩን። ልብና ፈሊጠሞስ  ከምዚ ናይ ቅብጥሮሽ ከኣ‘‘ሰሜን‘‘ ይብሉና። ኣብ ውሽጥ ና ዘሎ ድኽመት ክምዝምዙ ድማ ንብኤርትራኣ “ሓማሴን“ ክብሉዋ ንሰምዖ ነበርና። ኮነ ኢሎም ንብትግራያ ንምድቓቕ እናተጣበቡ ከኣ ከምዚ ምጥቃሳ ዝጸገሞም “ ትግሬ“ ክብሉዋ እንከለዉ መጸውዒ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝኾነ መዓስ ጠ ፊእዎም። ኩሉ ነንህላወኡ ክብል ክጸቓቐጥ ክጠቓቓዕ ተዓሊሙ ዝተገብረ ነበረ።ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ግዜ ዓደይዓደይ ዋላ‘ዃ ንሓማሴናይ ምሒር ‘እንተፈተዉዎ‘ ኪኖ‘ቲ ብመገዲ ሓረጎት ዝተዓደሎም ዘይተጠቕሙሉ ቤት-ጽሕፈታት ኮነ ስራሕ ሚ ኒቺቢዮ “ካልእ ቅንጣብ ኣይተሸምሉን“ ዝብሉና ድማ ኣለዉ።

ጎራሕ ህግደፍከ እንታይ እናገበረ ኢዩ? ንሱ ድማ ከም መቐጸልታ መግዛእቲ መጠን ልባቶም መዛሚዙ ነታ ንደቂ ኣከለጉዛ ይ ዝተሓዝአት ትመስል ዝነበረት ወተሃደራዊ ጸብለልትነት መንጢሉ ንደቂሓማሴን ከምዝዓደላ ኣምሲሉ ከረጋግኦም ከ ዝተጣበበ ንርኢ ኣለና። ኮታ ኩሉ ነገር ኣብሓማሴኖት ከምዝተጠቓለለ፡ ከምገለ ነጥሪ እንተኣልዩም ድማ ክምየቑ ከምዝ ሓድሩ ኢዩ‘ቲ ሓቂ። ወዮ ገርሀኛ ህዝቢ ዞባ ማእከል እምባአር ስልጣን መንግስቲ ሓማሴን ከይትመልቆ ክብል፡ ካብኡ ዝ ሓይሸ ከምዘይርከብ ከምዝኣመነ ነዚ ‘ ምእንትኡ ዝተፈጥረ ጉዳመኛ ፍጡር ሓማሴነታይ‘ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከይሽረፎ ከይጉረፎ ከይመቶ እናተማህለለ ንትሰሓግ ዘላ ምንግስቱ ከሕገብግበላ ተራእዩ። ኣሳልጦ እንተኣልይዎስ ግርም!!

ጎደፋ፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...