ፕሮፓጋንዳ ብዛዕባ ትካላት

ዓዲ ዘየሎ ኣራቢሕካ ብሓሶት

ኣገርህ ኣቢሉ ክእክብ ዶላራት

ይኣክል በልዎ ንማፍያ ስርዓት

ንጻዕዳ ሓሶት ናይ ሸፈጥ ወፍሪ

ቅድም ሕሰበሉ ከይኣትወካ ቁሪ

ሽርክነት ህግደፍ ንምሸቱ በትሪ

ልቐቕ ብኣግኡ ሕማም ከይተጥሪ

እንዳ ሜስ ትካላት ካብ በልዎ

ዕዳጋ ከብቲ ኣድጊ ተወሲኹዎ

ከደናግሩ ነኣስመራ ዘይፈለጥዎ

ነዚዮም ፋብሪካታት ዝጽውዕዎ

ዝጠፈሸ ትካል ዓያሹ ክተኽልዎ

እንዳ መሎቲ ቦኽቢኹ ዝኣረገ

ሎሚ ጽባሕ ዝብል ዘሎ ዝሃጎገ

ይጎሓፍ.ምበር እዝዶ ምተዓደገ

ተሰሪዮም ድኣ ብህግደፍ በዓለገ

ባራት እንዳ ስዋ እንዳ ኣመንዝሮ

ዋናጩ ከም ፍርያት ሃገር ዝቖጽሮ

ምዕባለ ክራር ሳዕሲዒት ብኾቦሮ

ፋብሪካ ብዕልግና ዓለም ዘይገበሮ

ኣሓት ተበላሽየን መሲለን ሓሮሮ

ድኽነት በዲላተን ከላእ ትዋፈሮ

ብዕሱባት ህግደፍ ብወቓዕ ኮቦሮ

ደቅና ተደፊረን ንጸላኢና ይግበሮ

ቱሪስቲ ህግደፍ ዓመታዊ መንሽሮ

መላገጺኹም ኮይኑ ድኻ ዝሸገሮ

ከምጽጉብ ህዝቢ ጌሮም  ዘውሪዩ

ሓሰውቲ ገያሾ ተጠውዮም ዘእውዩ

ብሓለንጊ ህግደፍ ዝላደዩ ዝሰልከዩ

ፈራሓት በቲ የጣቕዑ በቲ ይበኽዩ

ክዋጡዩ ክትሰምዖም የሕዝኑኻ

ንሽጉር ህዝቢ ጸጊቦም ዝብሉኻ

ዘይኮነ ዝምሕሉ ብገዛእ ከብድኻ

ናትናዮም ክትብሎም የስጉኡኻ

ሰነፋት ከለዉ ዝብሉ ማዕቢልና

ንድኻ ሃገር ከም ሃብቲ ብልጽግና

ዘይ ራኣይዎ ወርቂ ኣእዛና ጸሚምና

ትቕንጠጥምበር ትሽለምሲ ነይራአና

ብተንተንቲ ህግደፍ ዓይንና ነቝርና

ሙሁራቲና ሊቃውንቲና ካብ በሉና

ዚኣስ ሓቆም ንሲንጋፖር በሊጾማ

ፈጣን ሰረገላ ሰሪሖም ብዘይ ጎማ

ሓዳስ ንDream line  ትቕድማ

ዓለም ደንጺዩዋ ብህግደፍ ተገሪማ

ጠፈር በጺሖም ንኣመሪካ በሊጾማ

ህግደፍ ሓሳቦም ተዝሰምረሎም ኔሩ

ዓለም መጥፍኡዋ በይኖም ክዕንድሩ

ዋላ ነቶም ኣለናካ ዝብልዎም ወኻሩ

ቅድመና ሓመድ ኩዒቶም  ምቐበሩ

ብዛዕባ ዞም ጎሓፋት ክዓጹ ይኣክል

ናብቶም ሰብ ቅያ ጀጋኑ ክዝምብል

ታኣምር ዝሰርሑ ንህዝቢ ዘገልግል

ብስራት ዓወት ዘይርሳዕ ንመዋእል

21 ጥሪ  ናይ ወዲ ዓሊ ጅግንነት

ብስራት ዓወት ዓለም ዘቃልሐት

ከቢድ ቅያ ዘይውዳእ ብጽሕፈት

ንዓና ኣሐጒሳ ንህግደፍ ዘሕዘነት

ታሪኽ ነባሪዩ ትውጋሓልና መሬት

ብማዕዶ ንተጣራጠርቲ ዘበራበረት

ንህግደፍ ዘሰምበደ ታሪኻዊት ዕለት

መንእሰይ ሰጉም ህዝብኻ ከተዐውት

ዕድመ ዝደፋእና ድማ ብሕልና ጸሎት

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...