“ ንፍቕሪ ኮስኳሲት ”
ቅድሚ ኩሉ ንኹልኽን ደቂ እንስትዮ ኤርትራውያን እንቋዕ ነዛ ዕለት መሰልክን ትኽበረላ መዓልቲ ብሰላም ኣብጻሕክን። ከምቲ ኩሉ ልሙድ ዓመታዊ ናይ ደቂ እንስትዮ መዓልቲ ዝኽበር፣ ሎሚም ተዘኪሩ ይበዓል እምበር፤ ኣብ ሃገርና ብሓቂ መሰል ደቂ እንስትዮ ናብ ውልቀ ከደምትን ናይ ዕቡዳት ሓለፍቲ ህግደፍ መዘናግዕቲ ካብ ዝቕየር ነውሕ ኮይኑዎ። እቲ ዝገደደ ዘየድሊ ዓመጽን፣ ናይ መጻኢ ህይወተን ዘበላሽው ተግባራት ስለዝፍጸም ብዙሕ ዘሕዝን’ዩ። መሰለን ንማዕርነትን ምዕባለን ብውሑዳት ተቖጽዩ ኣብ ዘይደለይኦን ዘይሓለምኦን ጥንስን ውላድን ብዓመጽ ይጋሰስወን አለዋ።
እዚኸአ ብዘይ ሐደ ሓላፊነት ንእስነተን ጥራይ ከይኮነስ ሙሉ ህይውተን ንድኽነት ናብራ ብዘይ ናተን ገበን ይፍረዳ አለዋ። በዚ ተግባራት ዘይሓዝንን ዘይትሓዝን ዜጋ እንተሎ ካብቶም ገበን ፈጸሚቲ ዝፍለይሉ መገዲ የሎን። ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ኣብ ወጻኢን ዝርከባ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣብ ሊዕሊ ደቂ ኣንእስትዮ ኣሓትን እታይከ ይብላ ይኾና? እንታይከ ይስምዐን ይኸውን? ኢልካ ምሕሳብ ንቡር ኢዩ። እታ ኣጣቃዒት ግፍዒ ወላ ንሳ ኣይትኹን ተበዳሊት እምበር፣ ሓፍታ፣ ጓል ሓፍታ፣ ጓል ሓትንኣ፣ ጓል ኣሞኣ፣ ጓል ኣኮኣ፣ ጓል ሓውብኣ፣ ጓል ዓርካ ክትኸውን ትኽእል። ብዓቢኡ ግን ኤርትራዊት ሓፍታ፣ ጓል እንስተይቲ ከምኣ ምኻኑ’ዶ ዘንጊዓቶ ትኸውን። መሰል ደቂ እንስትዮ’ኸ ብኸመይ ይርድኣን ተብዕሎን? ብጓይላን መደረን ጥራይ ክኸውን ይኽእል።
እንተኾነ መልኽተይ በዛ ሓጻር ግጥሚ ንምግላጽ ክፍትን። ከምቲ ንነብስኺ ትሓስብያን ትግምትያን ነቲ ግፋዓዊ ተግባር ክትኣምንሉ ከሸግረኪ ይኾውን። ብቦታኺ ነታ ውጽዕቲ ሓፍቲኺ ተኪእኺ፣ ንስኺ ኣብ ቦተአ ከምዘለኺ ማዕረ ማዕረ ሕሰብሉ እሞ፣ ብዛዕባ እታ ትግፋዕ ዘላ ኤርትራዊት ሓፍትኺ፣ ኩሉ ዝወረዳ ግፍዒ ተረዱኢኪ ንነብስኺ ትምነይላ’ዶ? መሰልን ማዕርነት ደቂንስትዮ ክኽበር’ከ እንታይ ጊደን ሕላፊነትን ከምዘለኪ ትርድእዮ’ዶ ይኸውን። ንስኺ’ውን አደ፣ ሓፍቲ፣ ብጻይ ብምኻንኪ ዓይንኽን ኣእምሮኽን ክኽፈት ተስፋ እገብር።
“ ንፍቕሪ ኮስኳሲት ”
ጓል ሃገረይ መዘና ዘብላ
ቅጭን ዲየ ክብል ወለላ
እርግቢት ሰላም መንጣሊት ሽላ
ኩሉ ዘይንሳ እንድአላ።
ቅጭን ብመልክዕ ብቑመና
ወለላ መዓር ምቁር ከናፍራ
እርግቢት ሰላም እድብቲ ጸባያ
መንጣሊት ሽላ ንዘፍቀራ ኣለልያ
ቃላ እንድዩ ዘይዕጸፍ ማዕተባ።
ክትስሕቕ ክትጻወት ትዕገስ
ኩራ ዘይትፈልጦ ለጋስ
ዕድመ ዘይድልዮ ናታ ዳስ
ንኹሉ ትእክብ ብታሕጋስ
ቀያሲት መገዲ ጽቡቕ መንፈስ።
ቅጭን ጓል ሃገረይ ኪኢላ
እርግቢት ሰላም መንጣሊት ሽላ
መጋቢት ፍቕሪ ኣካቢት ስድራ
ጸባይ ድዩ መልክዕ ዝጎድላ
ለዛ አንደበታ መዓር ወለላ።
አደ እንተኾነት ተኹርዕ
ሓፍቲ እንተኾነት ተሕብን
ስድራ ኣካቢት ዘይትብትን
ኮሪዓ ተኹርዕ ብሚዛን
ክብሪ ሃገር ደጀን ሓየት
ውላድ ህዝቢ ሓላይት
ንሰላም ንፍቕሪ ኮስኳሲት።
ጓል ሃገረይ መዘና ዘብላ
ቅጭን ዲየ ክብል ወለላ።
ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ ሕልና - 03/08/2013 ”