ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ እዩ።ነዊሕ ኣይገበረን ፡ ገለ ቀረብተይ ማለት ኣብ ስደት ከኣ መናብርተይ ፡ "ሓንቲ ኤርትራዊት ሓብተና ሓዋ ተጎዲእዋ ኣሎ እሞ፡ ኣራኽቦ እንተ ረኸብካስ ቅልቅል ደኣ በል ።" ምስ በሉኒ እየ ናብታ ቤት ዘበልኩ። ምብጽጻሕ ሓደ ካብልምዲታትና ምኻኑ መጠን ዓይነይ ከይሓሰኹ ተበገስኩ።።

ኣብታ ቤት ብዝአተኹ መዕረፊ ቦታይ ኣቃሚተ፡ ኣብ የማናይ ከፋል ናይቲ ቤት ነበርኩ። ክበጽሓ ዝተሓበረኒ ሓዘንተኛ ፡ኣብ ጸጋማይ ኩርናዕ ናይቲ ቤት ርእሳ ብመንዲል ሸፊና፡ ነጸላ ቴሸፊና ትኾርምያ ኮፍ ኢላ ተዓዘብኩ። ኣብ ጎና ኮፍ ኢለን ዝነበራ ደለይቲ ጽቡቓይደባብስኣ ፡ ምብጻሕ ወዲኡ ዝምለስ ከኣ ጽንዓት ይሃብኪ እናበለ ይፋኖ። ከምቲ ልሙድ ፡ ኣነ ከም በጻሒ ዕላል ንመኽፋት ነቶም ኣብ ከባብየይ ዝነበሩ በጻሕቲ ፡ ተጸሊእዎዶ ድኣ ኔሩ ክብል ሓተትኩ። "ኣይ... ኣይፋሉን ።"ኢሉ ጎረርኡ ድሕሪ ምጽራይ፡ ርግጸኛብዘይመስል ኣዘራርባ ፡ "ኣንታ ከምቲ ዝዕለል ዘሎ እኮ በዚ ሲናይ እዮም ረኺቦሞ እዮም ክብሉ ጸኒሖም "በለኒ። እዋእ ካብዞም ናይ ሲናኢ ድዩ ድማ ፧በልክዎ ከረጋግጽ። ኣብ ጎኑ ዝነበረ ካልእ ጎበዝ ዝርርብና ክከታታል ከምዝጸንሐ ብዘስምዕ ኣገባብ ፡ "ይገርመካ እዩ"ክብል ኣብ መንጎ ዕላልና ኮሊፉ ብምእታው ዘረባ ጀመረ።በቲ ሃንደበት ኣብ ዕላልና ምሕዋሱ እኮ ቁሩብ ስክፍ አንተ በለኒ፡ ክሰምዕ ተሃንጥየ ስለዝነበርኩስ ገለ ኣይበልኩን። "እቲ ዛንታ መሪር እዩ በጃኩም ፡ኢሉ መኽፈቲ ዕላል ድሕሪ ምግባር፡ኣብ ሲናይ እዩ ተታሒዙቀንዩ ፡ ኣብኡ ጅሆ ብዝሓዝዎ ሰባት ገንዘብ ተሓቲቱ። እዛ ተርእይዋ ዘለኹም ሓፍቱ ክኣ፡ ነቲ ዝተሓተቶ መጠን ገንዘብ ክትእክብ ዓቕሚ ስለዘይነበራ፡ ከርተት ኢላ ዘሓተትዎ መጠን ገንዘብ ከተትኣኻኽል። ሓግዙኒ እናበለት ከንደይ ኮሊላ ፡ ዘይበጽሓቶ የለን ፡ ካምፓላ፡ጁባ(ደቡብ ሱዳን) ኮለል ኢላ መስኪነይቲ፡ ዝተሓተተቶ መጠን ገንዘብ ከይኣከበት ካኣ አንሀልኩም አዚ ሞት ኣርኪቡ" ኢሉ ዘረብኡ መዕረፊ ገበረሉ።

እዚ ስማዖ እዚ እናተለምደዶ ይመጽእ ኣሎ ሓቀይ ፧ ወዲ ኣዳም ፍጡር ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ዝሽየጠሉ እዋን ፡ ካብ ታሪኽ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብዚ ምዕቡል እዋን ኣብ ኣእዛን ኤርትራዊ ልሙድ ዝኾነሉ እዋን ሪኢና።ቀደም ነበረ እዩ ዝበሃል ኣብ ታሪኽ፡ ሰብ ከም ጊላ ይሽየጥን ፡ከም ጊላ ኮይኑ ከኣ የገልግል ነበረን። ሎሚ ግና ፡ካቡኡ ሓሊፉስ እታ ትንፋሱ ውን ኣብ ዋጋዕዳጋ ትወረድ ንሰምዖን ንመስክሮን ኣለና። ወረ ኣብ ገሊኡ እዋናትሲ ፡ካብ ባኣካልካ ክዋገዩልካ፡ ናውቲ ዉሽጣዊ ኣካላትካ ስለዝኸብር ፡ንዑኡ ሸይጦም ዝያዳ መኽሰብ ምግባርእውን ስለዝመርጹስ፡ ካብ ገንዘብ ከፊልካ ካብ ኢዶም ክትወጽእ፡ ክኸፍል ኣይክኣልኩን ፡ክትብሎም ዝያዳ ይብርሆም ምኻኑ አዩ ዝሕብር። ዝያዳ ገንዘብ ካብ መሸጣ ናውቲ ኣካላትት ወዲ ሰብ ስለ ዘኻዕብቱ።

ካብቲ ዘደንጹ መልክዑ ፡እዚ ዕድጊ ወዲ ሰብ እዚ ፡ብኤርትራዊ ዘርኢ ንኤርትራዊ ዘሪኢ ይፍጸም ምህላው እዩ። ብትግርኛ ገንዘብ ክትከፍል ትሕተት፡ ደዊሎም ብትግርኛ ትእዛዝ ናብ ቤተሰብ የመሓላልፉ።ኣብ ዝደለኻዩ ቦታ ክትከፍሎም ከምትኽእል ድማ ይሕብሩኻ።ኣስመራ እንተኾነ ዝሓሸ። ዱባይ እንተመርጽካ ዝማእሜአ። ጁባ(ደቡብ ሱዳን) እንተመረጽካ ውን ከምዘየሸግር። በዛ ትግርኛ ዓድና ይዛረቡኻ። እዚ ኹሉኸ ኣብ ልዕሊ መን፧ እንተበልና ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንእሰይ። ዎየ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ዓድኻ ከምጊላከተገልግል ነቢርካስ ፡ነዊሑኒን መሪሩንን ኢልካ ፡ገለ እንተረሃወካ፡ ናብ ፈቖዶኡ ፋሕ ክትብል ኣብ ዝወሰንካሉ ሰዓት ክኣ፡ ኣብ ምድረበዳታት ሲናይን ሊብያን ኣውያትካ እኳ ኣብ ዘይስማዓሉ፡ ሰፈር ወላሓደ ዝኾነ መሬት ትቕህም ኣለኻ፧

ካብቲ ኣብዚ ግዜ ዘሰክፍ ፡እቲ ስደትሲ ተለሚዱ። ተለሚዱ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ካብቲ ዝበለጸ ብጽሒት ወይ ትዕድልቲ ኤርትራዊ ቶቖጺሩዩ። ካብ መወልድ ዓዱ፡ ተጮኪኑን ፍትሒ ሲኢኑን ክእለ ስለዝመረጸ፡ ቡኡ ኣቢሉ ኣብ ሃገረ ጓና ስለዝሰፈረን ቁሩብ እፎይእንተበለን ፡ ዕድለኛ እዩ ። ምኽንያቱ ትዕድልቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኮይኑ ስለዝነበርን ስለዝጸንሐን ስለዘሎን ። እቲ ዘፍርሕ ፡እዚ ፍጻመታት ሲናይ እውን ከምዚ ናይ ስደት ፡ ኣብ ኣእዛን ኤርትራዊ ከም ልሙድ ከይንቕበሎን ከም ጽሕፍቶ ከይውሰደን እዩ።

ናብ እቲ እንዳ ሓዘን ክመልሰኩም ። ዕላል ከምቲ ዝግበር ፡ብትሑት ድምጺ ምስ ኣብ ከባብየይ ዘነብሩ ቀጺለ ። ኩሉ እቲ ገንዘብ ክትእክብ ዝሃለኸቶ ፡ ሓዋ ብዕድመ ዝነኣሰ መንባሩ ፡ብዘይካ ሓፍቱ ካልእ ሓጋዚ ከምዘይረኸበ፡ ወዘተ ፡ወዘተ። ከም ሰብና ክኣ፡ ብዛዕባግፍዕታት ሲናይ ኣስተንቲናን ቆዚምናን። ካብቲ ካልእ ዘደንጸወኒ እንተ ነበረ ፡ እቲ መርድእ ዳኣ እዩ ድሒሩ ተነጊርዋ እምበር፡ ሓዋ ኣቐዲሙ ከምዝሞተን ሞይቱ ከሎውን ከይፈለጠት ክትከፍል የገድድዋ ምንባሮም እዩ። ንሳውን ናይ ነገር ሓው ኮይንዋ፡ ካብ ከይፈተንኩሞይቱ ዝብሉኒ ፡እናፈተንኩ ሞይቱ እንተበሉኒ፡ መንፈስይ ይዓርፈልይ ፡ካብ ዝብል ሕልና ዘለዎ ሓሳብ ተበጊሳ ድኣ እምበር፡ ንርእሳ ዕድላ ሓቒፋ ትጽበ ዘላ ፡ተራ ስደተኛ ኣብ ኡጋንዳ ምዃና ምስ እትርዳእ ፡ ሎሚ ብሞት ሓዋ ክሳብ ክንደይ ጓሂ ኣብ ከብዳ ክኣቱከምዝኽእል ይስወጠካ እሞ፡ እዚ ዕጫ እዚ ኣብ ብዙሓት ስድራበታት ኤርትራ ኣትዩ ምህላዉ ምስትዝር ክኣ፡ ነቲ ጠንቂ እዚ ኩሉ ሕማቕ ርኽበት ኮይኑ ዘሎ ርገጻ ኣብ ዓድና ክትምርምር የገድደካ። ሎሚ ናብኣ ወሪዱ እምበር፡ ጽባሕውን ናባና ምኻኑ መዘኻኸሪዘይእንድኣሉ ። ምኽንያቱ እቲ መዓት ፡ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ፡ ብሰንኪ ኣብ ዓድና ዘሎ ድህኻን ምልክን ከም ደመና ኣንሳፊፍሉ ዘሎ ግዝየ ምኻኑ ምኣስ ይዝንጋዕ።

ዎየ እዚ ትዕድልቲ ኤርትራዊ !!!!ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሰብ ተሰዲዱዩ ። ሕጂ ውን እንታይ ግዜ ከም እንብሎ እንድዒ እምበር ፡ምስዳድ ኣይተረፈን።ከምዚ ናይ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ምሕራጅ ኣካላት ወዲ ሰብን መሸጣ ሰብ ብዓቢኡ ግና ዝነበረ እዩ ኣይምበልኩን። እቲ ኣብኣእምሮይ ዝመጸኒ ዘሎ ሕቶ ግና፡ እዚ ውን ከምቲ ንስደት ለሚድናዮ ዘለና ከይልመድ፧ ለሚድና ክኣ ከም ንቡር ከነዕልለሉ ድኣ ከይንጅምር ፧ ዝብልዩ ። በዚ ዝጎዓዞ ዘሎ ሕንባበ እኳ ፡ዳርጓ ዘይተርፍ ይመስል። ምኽንያቱ ኩስቶ ሓወይ ወይ ውን ወደይ ኣብ ሲናይተታሒዙኒ እሞ ሓግዙኒ ፡ኣምላኽ ይሓግዝኩም ። ዝብል ናይ ለበዋ ቃላት ፡ኣብ መብልዒ ቁርሲ ኤርትራዊ ይዝወር ምህላው ህያው ምስክር ናይቲ ዘይተርፍ መጻኢ ይመስል ።ክሳብ ሓላፍነትና ፈሊጥና፡ ከም ዜጋታት ግቡኡናን ሓላፍነትናን ክንስከም ቅሩባት ዘይኮና። እንተእቲ ግዳይ እዚ ኩሉ ኮይኑ ዘሎ ምንእሰይ ኤርትራ እዝጊ ይሓልዎ ። ኣይ ኣብ ዓዱ ከቢሩን ከም ወዲ መሬት ተሓፊሩን፧ ኣይ ስደት ኮይንሉ ፧ የዋኡ ኤርትራዊ መንእሰይ!!!

ካብቲ ዘሕርቕን ዘጨንቕን ካኣ ፡ነዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ክንዲ ምድንጋጽን ነቲ ጠንቂ ክምርምሩ ምፍታኖምን ተግልቢጦም ፡ወረጃታት መሲሎም ፡ብጽጋቦም ዓዲ ጓና ከይዶም ክህብትሙ ተራእይዎም፡ እናበሉ ከቃጭጩ ከትሰምዕ እዩ። የኣይ በረዳድኣ እዞም ጨለታት ፡ንሞትተመንዮም ኣበይ ኣለኺ ኢሎም ከይዶማ እምበር፡ ኣብ ዓዶም ኮፍ ዘይብሉ እንታይ ከፊእዎም እዩ እቲ ምጉቶም። ንሞት ተመንዩን ዓዱ ጸሊኡን ናብ ሲናይ ዝኸደ ኤርትራዊ ከምዘሎ ያኣይ። ኣብ ዓዱ ዝተቐረበሉ ሞት ውሒዱስ ናብ ሲናይ ከይዱ ክሕረድ መሪጹ እንድዩእቲ ውርዙይ ስነሞጎቶም።

ካብ እንዳ ሓዘን ጽንዓት ይሃብ ኢለ ኣብዝፋነወሉ ዝነበርኩ ግዜ፡ ክንደይ ካብ ስድራበታት ሓዚነን ክህልዋ ከም ዝኽእላ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅጅል በለኒ እሞ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ፡ እዚ ገዛእን ረጋጽን ስርዓት ግዳይ እዚ ኩሉ ጌሩ ንህዝቢ ኤርትራ ጁሆ ሕዝዎ ዘሎ፡መዓልቱስ ትቃረብ እባ ትህሉ ክብል ተመነኹ። ምኽንያቱ ንብዓት ኤርትራዊ ዓይኒ ጠጠው ዝብል እቲ ጠንቂዚኹሉ ኮይኑ ዘሎ ሽፍታ ምስ ዝእለ ጥራይ ምኻኑ ስለዝኣምን።

......ጽንዓት ይሃብኪ ዝሓፍተይ ፡ከሙኡ ካኣ ነቶም ዘይበጻሕኵውም ካልኦት፡ ደቆም ኣብ በረኻታት ሲናይ ዝሰኣኑ ስድራቤታት ኤርትራ፡ ኢለ ድማ ተፋነኹ ካብቲ ቤት እንዳሓዘን።

 

ዘካምፓላ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...