ስንክሳር መግዛእቲ (5ይ ክፋል)
ብሄረ-ትግርኛ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዱን ምስ ከባቢኡን ብዝነበሮ መስፍናዊ ወራራት ኣብ ምስንኻል ጉቡእ መስርሕ ሃገራውነቱ ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ ታሪኽ ይምህረና። ግናኸ ምስመራኽብቲ ጸገሙ ብፋላይ‘ዃ ምስ ኢቲዮጲያ ተሻሪኹ ብቀይሕ ባሕ ርን ካልእን ንዝኣትዉ ገዛእቲ ምምካት ዝኣመሰልዎ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝሲ ነይርዎ ኢዩ። ንኣብነት ደቀባትኤርትራ ም ስኦም ሓቢሮም ኣብ ደጎዓለ ገዚፍ ዓወት ኣመዝገቡ። እንተኾነ እዚ ዓወት‘ዚ እናሓደረ ብውጥን ኢቲዮጲያዊያን ከም ም ኽታም ማሕተም እጀታኦም ተቖጸረ። ኣብ ኣተሓሳስባ ትግረ ቀይሕ ባሕሪ‘ውን ፍሉይ ጽልዋታት ፈጠረ።
ጣልያን ንኤርትራ ከምሃገር ምስኣቖማ ቀንዲ መበገሲቱ ገይሩ ንደቡብ ኣርሒቑ ክዘልቕ ኣብዝነቐለሉ ውግእ ዓድዋ ተኸፈ ቶ። ድቂ-ኤርትራ‘ውን ብመሰረት ውጥኖም ኣብጎድኒ ኣሕዋቶም ተሰሊፎም ክሳብ ብልሳን ንጉስ መነሊክ ካብ ሽሕ ኣም ሓራ ሓደ ኣበራ፡ /ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ/ ተባሂሉ ዝምሰለሎም ብፍሉይ ጀግንነት ታሪኻዊ ሓባራዊ ዓወት ሓፈሱ። ሓን ቲ ትጽቢት ድማ ነበረቶም ኤርትራውያን። ንጣልያን ካብሃገሮም ክሕግሕጉ ኢቲዮጲያ ክትሕግዞም። ይኹን‘ምበር ሃጼመ ነሊክ ተዓዊቶም እናሃለዉ ከምኣ ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ፡ እንተኾነ ብዘላ ተዛራቢት ትግርኛ ንግስነት ኣኹሱም፡ ብዝተረፈ ኣውራጃ እንደርታ ናብ ዎሎ ጸንቢሮም ዝዓበየ ክፋል ትግራይ ግሒጦም ንስዑር ጣልያን ኣረኪቦም ክናገፉ ክምዝሓሰቡ ይትረኽ። በዓልቲ ቤቶም እንተዘየጓጥጣሎም ድማ ኣይምተረፈን ኢዩ ዝበሃል። ካብቲ እማመ‘ቲ ዝተላዕለ ክሳብሎሚ ኣ ብ ውሽጢ ስነ-ልቦናዊ ይኹን ትግራያዊ ፖለቲካ /ደቡባውን ሰሜናውን ትግራይ/ ዓቢ ፍልልይ ፈጢሩ ከምዘሎ ይዝንቶ። ብዓቢኡ ካኣ ሽዑስ መነሊክ ከምዝጠለሙ ኮይኑ ኢዩ ዝተወረየ። ንነገሩ ብጠመተ ብዙሓት ጥልመት መነሊክ ሽዑ ሓድሽ ኣይነበረን። ንኣብነት እቲ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ክሳብ ጀነራላት ጥልያን ዝማረኸ ኤርትራዊ ኣበራ ንሽመትን መዓርግን ንሽዋ ምስተበገሰ ብዛዕባ ኣብ ሂወቱን ሰራዊቱን ዝወረዶ ጥልመት ክንጠቅስ ንኽእል። ብተወሳኺ ሃጼ ቴዎድሮስ ኣብ እምባ መ ተማ ኣንጻር ወረርቲ እንግሊዝ ኣንበሳዊ መስዋእቲ ክጭልጡ እንከለዉ ናይ ሽዋ ገዛኢ መነሊክ ከምዝኸድዕዎምን ዝኣመ ሰልዎ ይትረኽ ኢዩ። ከምኡ ካኣ ኤርትራዊ ካብ ዓወት ዓድዋ ከምቲ ዝሓሰቦ ከይተሓገዘ ውዕል መረብ ምላሽ ከምዝተፈ ረመ ይፍለጥ። ዝኾነ ኮይኑ ትጽቢት ትግራይ ትግርኝ ነይሩ እንተኾይኑ‘ውን ተደጒሉ ድኣ ተረፈ።
ምጉዝዛይ ብሄረ ትግርኛ ብኡ ኣየብቅዐን። ካብ ኣርባዓታት ንደሓር ናጽነታዊ መስርሕ ኤርትራ እናተኻየደ ዝበኣሰ ተጻብኦ ድማ ጎልሐ። ኣብ ጽባሕ ፈደረሽን ኣብ ምሕደራ እንግሊዝ፡ በቲሓደ ንውጥን ምቕሊ ሃገርና ክጥዕም ምእንቲ ከምዚ ናይ ሎሚ ውጥን ህግደፍ ሃይማኖታዊ ኲናት ንምእታው ዘይተፋሕሰ ኣይነበረን። እቲ ኣውራ ብከላ ግን ኣብ ሰለስቲአን ኣው ራጃታት ዝተገበረ ሽርሒ ኢዩ ሰራም ዝነበረ። ነዚ ንምትራኽ እኹል ኣፍልጦን መዝነትን ይራኣየኩ ም ይኸውን። ኣነድማ ዝኽእሎ ክገብር ኢዩ ዝራኣየኒ‘ሞ እስከ ቁሩብ-ቁራቦይ ንምፍሳስ ብኣከለጉዛይ ክጅምር።
ከምዝፍለጥ ኣከለጉዛይ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ዝበረኸ ዞባ ሃገርና ከምዝኾነ ብእምባሶይራ ይልለ። ብምብራቓዊ ገ ማግሙ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ስለዘላቶ ድማ ምስ ምብራቓዊ መታሕት ህዝቢ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ሰሜን ደንከልን ከምኡ ድማ ምስምዕባለ ስግር ባሕሪ ሌላ ዘለዎ ቦታ ኢዩ። እታ “ሰንዓፌን“ ካብዝብል የመናዊ ዘረባ ከምዝተሰመየት ዝትረኸላ ከተማ ሰንዓፈ ዝሓቖፎቶም ህዝብታት ትግርኛ፡ ሳሆ፡ ትግረ፡ ደንከልን ኢሮብን ዝነብሩሉ ኣውራጃ ሃገርና ካብ ቅርስታቱ ከም ሓባሪ ፍርስራስ ነበርነት ቆሓይቶ፡ ዑናታት በለው ከለው፡ ተዓቂቡ ዘሎ ህያው መሰል ጥንታዊ ሬሳታት ሃምን፡ /ኣብ ጎሕጨዓ ገዳም እንዳባመጣዕ‘ውን አሎ/ ካልእ መሰሉን ተበጊስና ብድምር ኣከለጉዛይ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ሰነዳት መን ነትና ከምዝኾነት ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ጥንታውነት‘ዚ ሓደ ካብቲ ብዙሕን ዝዓበየን ቅርስታትና ብምዃኑ ከም ቁጠባዊ መስ ሕብ ካልኦት በጻሕቲ ጥራይ ዘይኮነስ ብቐንዱ‘ምበር ንዓና ንኤርትራዊያን ከም ዋና መመንጨዊ ሃገራውነትና ብምዃኑ ክ ንዕቅቦን ካብኩሉ ኩርናዕ ሃገርና ድማ ገና ተመሃሮ እንከለና ብመደብ ክንበጽሖን ክንፈልጦን ዝግባእ ዝነበረ ኢዩ። እንተ ኾነስ ገና ኣይተዓደልናዮን። ብኣንጻሩ‘ዃድኣ ብምኽንያት ዘይሓድነትና ተገዳዲዕና ሽሻይ ማዕዶ ብምዃን ንምብሓቱን ንም ድርቋሱን ክንደይ ዘይተገብረ !
ኣብ ሕሉፍ ጹሑፈይ “ንታሪኽ በየናይ መንጽር ኢና እንርእዮ“? ክብል ተወኪሰኩም ነይረ። ከምኡ መበሊየይ ምኽንያት ኣለኒ። ንኣብነት ንዛንታ ዝኣክል ካብ ኣኹሱም ብውሽጢ ውሽጢ ሰንዓፈ ክትድርገም ከምዝካኣል ዝዝንቶ ታሪኽ ናይ ባዕ ሉ ጽልዋ ነበሮ። ጠመተ ዝንቡዕ ፖለቲካ ነዚ ታሪኽ‘ዚ ንምድንጋር ምስስልጣነን ሓደነትን ኣኹሱም ንምእሳሩ ጥራይ ከይ ኣክል ተሃራፍነቱ ንምዕዛዝ ታሪኽ “ያገኘ ኣዘነ ያላገኘ ኣዘነ“ ዝዓይነቱ ጽውጽዋይ መሰል ዛንታ ተፈነወ። ስለዚ ካኣ ኣከለ- ጉዛይ ብትውልዲ ኮነ ብታሪኽ ከምትብጽሖም ከእምኑ ዝተመጣጠረ ቃልሲ ኣይወሓደን።
ብመሰረት ኣዘንተውቲ ታሪኽና፡ ከምቲ ሕሉፍ ኣብሞንጎ ሓርበኛ ባህታ ሓጎስን ሓዎምን ዝተራእየ፡ ኣብ ኣጠማምታ ገለ መራሕቲ ተወለድቲ‘ቲ ቦታ ንኣብነት ራእሲ ተሰማ ኣስበሮምን ውዶም ኣብርሃ ተሰማን ብዝተፈጥረ ፍልልያት ፖለቲካዊ ምርጫ ብምምርዃስ፡ ገዛእቲ ነታ ተርብሖም እናዘንጠሉ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ንርእሱ ከምቀንዲ ተሓላቂ ትግራይ ትግርኚ ን ምምሳሉ‘ውን ተፈተነ። ድሒሩ‘ሞ ኣብ ምፍራስ ፈደረሽ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣስፋሃ መልደሚካኤል ን‘ኣን ድነት‘ ስለዝፈረመ ንወዮ ሰንኪፉ ዝጸንሐ ሓድነት ሃገርና ኣዝዩ ጎድኦ።ግንከ ህዝቢ ኣከለጉዛይ በቲ ፌርማ‘ቲ ተጠቒሙዶ?
ብረታዊ ቃልሲ ተጀመረ። እንተኾነስ ከምውጽኢት ናይቲ እንግሊዛዊ ትሕተ-ሃገራውነት እታ ንኤርትራ ከተድሕን ዝተመ ስረተት ጀብሃ ከኣ ከምተሓላቒት እስልምና ብዝመስል ባእሲ ጦርዓን ጸንዓደግለን እናተዃተዀት ካብ ተወለድቲ ሳሆ ዝ ተዓብለለ ወተሃራዊ ትምህርቲ ዝጸገቡ “ጀሽ ዓረምረም“ ዝበሃሉ ሰራዊት ኣሰልጠነት። ነገር ሃይማኖታዊ መልክዕ ብምሓ ዙ ግድን ድማ ጸንዓደግለ ናብ ኢቲዮጲያ ምጽጋዕ ኮነ። ኢቲዮጲያ ከኣ ጽቡሕ እንጌራ ኮይንላ ደቂ ኣከለጉዛይ ዝዕብልል ዎ ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ ዝቐንዐ ምልሻን “ፈጥኖ ደራሽ /ኮማንድስ/ “ ዝተባህለ ዘመናዊ ሓይሊን መልመለት። ዕድል‘ታ ኣውራጃ እምባአር ኣብምጭጫሕ ፍሉይ ሰራዊት ብምቕንዑ ወተሃደራዊ ጸብለልታ ከምዘለዋ ከምዝኸውን ተሰርሓሉ።
ወናኒ ባህርያውን ታሪኻውን ጸጋታት ምዃን ክንደይኮን ይጥዕም! ኤርትራ ሃገርና ብሓፈሻ፡ እዚ ታሪኻዊ ቦታ ድማ ብፍላ ይ ኣብ መጣምት ሓያላን ዝኣተወ ስለዝኾነ ቀጻሊ ተጻብኦ ነይሩናን ኣለናን። ጸቕጢ እንተሎ እምባኣር ግድን ድማ ቃልሲ ኣሎ። ስለዚ እቶም ብስም ደቂ ‘ኣኮሎጉዛይና‘ ብትብል ናይ ቃል ታሴራ ዝተኣሳሰሩ ተወላዶ ናይ ልዕልነት ጠባያት ከምዘ ለዎም እናተሓመዩ በቲ ሓደ ዓለማዊ ናብራ ከሰንፉ፡ በቲ ካልእ መንነቶም ክዕቅቡ ምእንቲ ዝያዳ ክተሓላለዩን ክጫነዉን ተራኣዩ። እንተኾነስ ንሳቶም‘ውን ከምግዳያት ገዝእቲ መጠን ነቲ ኣብከባቢ ጸንዓደግለ፡ ድግሳ ይኹን ዓዲቀይሕ ተራእዩ ዝበሃል ኢቲዮጲያዊ ስምዒት ካብቲ ሰንዓፈታይ ኮነ ክኒኡ ዶበዶባት ዘሎ ረሳን ኤርትራዊ ሃገራውነትን ስለምንታይነቱን ከይተሓስበሉ ኩሉ ነገራቶም ብድምር ተጸባጺቡስ ወዲ ኣከለጉዛይ ብዱብዱቡ ‘‘ዓጋመ‘‘! ብዝብል ደንቆሮ ቃል ክዝለፍ ተሰምዐ። ካብ ብንጉኡ ክሳብ ሕጂ ከይተረፈ ከኣ ደቂ ኣከለጉዛይ ብሓፈሻ ከምቀንዲ ተቓወምቲ መንግስቲ ሓማሴን ከም ዝቑጸሩ‘ውን ኣነ ክሕብረኩም ትጽበዩ ኣይመስለንን።
ብዛዕባ ሰራየ ዝመጸ ኣይዝረቦን። ሓንሳብ ብ‘‘ደቂ-ጓል‘‘ ዝተጠመቐ ጥበብ ምግምማዕ፡ ደቂሰራየ ኤርትራዊ መንነቶም ከም ዝተገፈፉ ከየስተብሃልኩም ኣይትህልዉን። ንሱ ሓቂ ንክመስል ድማ ኣብገሊአን ወረዳታት ንስነልቦናዊ መጉዳእቲ ብዝጥ ዕም ተሓሊኑ ብዙሕ ተጠበበ። ንኣብነት ጽልማ እንተርኣና መንፈሱ ሓማሴነታይ ኣካሉ ሰረወታይ ኮይኑ ከምዝቕርቀር ዝ ተፈተነ ህዝቢ ኢዩ። ተኸላ እንተወረድና ልክዕ‘ዩ ጽጋብ ዝነበሮ መሬት ኢዩ። ካብ ብጥንቱ ድማ ኣብቲ ቦታ ምዝምማት ከብቲ ከምዝነበረ ይዝንቶ። መዓአስን ስለምንታይን ከምዝተዘንተወ ከይተጣለለ ጥሉል እንተኾይኑ‘ውን ከምዝጥዕመካ እ ናተጠማዘዘ ደቂ ተኸላ ብታሪኽ ብ‘እግሪ ኣያ ዑቕባይ‘ እናተመሰሉ ‘ብስንፈቶም‘ ከምዝናዓቑ ተፈተነ። እቶም ታሪኽ ትፈ ልጡ ኣያዑቕባይ ብመልመስቲ ሰበረነቱዶ ነቲ ልምሰቱ ተጠቒሞም ነብሶም ብዝዕቅቡ እንድዕሉ፡ “ኣሓስ ከይደን እንተጸር ፊ ዝገደፍና የብልናን“ ዝዓይነቱ ፋጻመ ከምዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም። እዚ ዛንታ‘ዚ ኣብቲ ድሒሩ ዝመጸ ብረታዊ ቃልሲ ብናይ ሕሹኽታ ወረ እናተላብዐ ነቶም ደቂ ተኸላ ብኣሉታ ዶኾን ጸልይዎም ይኸውን?
እንተንሳቶም ከምደቂ ኣድከመ ምልጋእ መጠን ንክፉእ ይኹን ጽቡቕ ብሕጊ ምምጓት ቀዳማይ ምርጫኦም ኢዩ። ናብሕጊ ምጽግዖም መቸም ክሳብ ጻዕዳ ጣፍ ሸሸይጦም ናብ ቤትፍርዲ፡ /ክሳብ ናብቲ “ችሎት“ ዝበሃል ፍርዲ ንጉስ ሃይለስላሴ/ ይቐርቡ ከምዝነበሩ ይትረኽ። ንነገሩ ንብሕጊ ዝመጸ ህዝብና ብሓፈሻ ሃብታም ኢዩ። ‘ዝባን ሕጊ‘ ተባሂሉ ዝተገዘተ ኩሉ ተንከስ ከይበለ ናብ እግሪ ሳግላዶ ዳዕሮ-ጨቐምጠ ኣብ ትእከብ ባይቶ እንዳባ ቀሪቡ ከምዝፍረድ ሓቂ ኢዩ። እሞ ደቂ ኣድከመ ምልጋእ ናብሕጊ ምጽጋዖም ከድኣ ካብቲ ካልእ እንታይ ፉሉይነት ነይርዎ ምስ ‘ስንፍና‘ ዝተጸብጸበ? ብዓይኒ ትጽቢትና ንቅዋም ሃገርከ ከመይ ትርኢዎ?
ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ ነገር ናይ ቆሓይንን ደምበላስን ካኣ ኣሎ። ንሳቶም ልክዕ ከምቲ ናይ ጸንዓደግለ ግዳይ ጀብሃን ኩናማ ን ዝኾኑ ኣህዛብ ኢዮም። ነብሶምን ጥሪቶምን ክከላኸሉን ሕነ ክፈድዩን ድማ ወይ ካብ ንእስነቶም ከይተረፈ ጠባናጁ እና ዓደጉ ኣብጸሊም ቢያራታት ኣብ ግምባር ኣሸብር ኣብርሃን መሰልቱን ውዒሎም ወይካኣ ግድን ናብ ኢቲዮጲያ ተጸጊዖም። እንተኾነ በቲ ኢቲዮጲያ ብውሽጢ ውሽጢ ስርጢጥ እናኣተወት ትገብሮ ምግምማዕ ከምቀንዲ ደገፍቲ ኣንድነት ክጥመቱ ተራእዩ። ማይምነን ዓዲጸጸርን ድማ ከምመበገሲ ምሕደራን ዕስክርናን ኮና። ይኹን‘ምበር ብፍላይ እቶም ኣትሪሩ ንዝሕዞ ም ስለዘይጸዓዱ ከም ከብቲ ብጋይት ዝምሰሉ ህዝቢ ደምበ-ለሰቶት ኢቲዮጲያ ከተስልሎም ተሓሊኑ ኩሉ መሳለጥያ ከም ዝገበረትሎም ይጥቀስ። ኣማስያኡ‘ሞ እታ እንተ ብስልጣን ጀነራል ተድላ ዑቕቢት እንተ ብፍትወተ-ምጉቶም ንግዚኡ ዝ ተመረቐትሎም ስልጣን ቡሉስያ‘ውን ነዊሕ ኣይዘለቐትሎምን። ዝኾነ ኮይኑ ምስ ነገር ጀበርቲ ተደማሚሩ ህዝቢ ሰራየ ኣ ውራጃዊ ስነልቦና ከምዝጎድሎ ተንተኑ ናይቲ ግዜ ፖለቲከኛታት። እቲ ዘሕዝን ግና ክሳሎሚ‘ውን በቲሓደ ኣብ ከረጺት ‘ደቂ-ጓል‘ ቐቛጺሮም ምስ ኢቲዮጲያ ከምዝደናገጽ ከምስሉ፡ በቲካልእ ኣንጻር ‘ መንግስቲ ሓማሴን‘ ኣብዝግበር ቃልሲ ከ ምልኡማት ብምትምያን ኣብ ጽፍሒ ትሕቲ ሃገራውነት ዘሳጥሕዎ ዘመናውያን ፖለቲከኛታት ድማ እነዉለ። ንነገሩ ትማ ሊ ትማሊን ብውሽጢውሽጢን ብዛዕባ ቢተወደድ ኣብራሃ ዝለሓዅ ዘረባ ትፈልጥዎዶ?
ጎደፋ፡