ንዓዲ ጀጋኑ ኤርትራና ምስ ኮነላ ኣርሓ

ወዲ ጓል’ዞም የሓ

ተገሪማ ህዝብና ሰኪሓ፡

ኣንታ ወደርብዓ መወለድካ ተምቤን

ንኣከለ-ጉዛይ ሰራየ ሓማሴን

ንሰንሒት ባርካ ላዕላይ ታሕታይ ተከዘ ዝዋሰን

ንሳሕል ንሰምሃር ደንከል ምድሪ ሰገን

ኣይንታየን ኢኻ ኣይንታየን

ጓና ከም ዝኾንካስ ተግባርካ የእምን

ንህዝቢ ኤርትራ ጻዕራም ዘይልምን

ርዒዱ ክደንን

ጨቍንካ ሒዝካዮ ብጥምየት ብዕርቃን

ምዕይ ከምዘይብል ንጸጋም ንየማን

ኣብ ሜዳ ኔርካ’ኻ ዝነኣሰ ተመን

ብድሕሪ ናጽነት ምስ ጨበጥካ ስልጣን

ንህዝቢ ኰንካዮ ዓቢ ገበል ቀራን፡

ሎምስ ጓንነትካ በሪሃ ደሚቓ

ወያነ! ወያነ! ክትብል ብናይ ቃላት ጣቋ

ምሕዝነትካ ምስ ደምሓት ጠቢቓ

ኩሉ ኤርትራዊ ዘይምርቓ

ነዛ ዓዲ ሕጊ ኣብነት ኣፍሪቃ

ኤርትራ ሃገርና በጻሒ ዘድንቓ

ጨዊኻ ቅዋማ ስርዓታዊ ዕጥቃ

ብዋጋ ጊላነት ረሃጽ ደቃ

ባህርያዊ ሃብታ ናይ ቢሻ ናይ ዛራ ሰሪቕካዩ ወርቃ፡

ተሓታቲ ኢኻ ብጋህዲ ብስቱር

ቅዋም ኣየተግብር

ምርጫ ኣይገብር

ኣይፈትሕ እሱር፡

ኢልካ ካብ ትኣብዮ ንሲቪል ወተሃደር

ንዓኻ ኢሳያስ ናይ ሃገር ዲክታተር

ዘድልያኻ’ለዋ ክልተ ነገር

ፍርድኻ ክትቅበል ኣደልዲልካ ምእሳር

ወይ ድማ ግንባርካ ምፍጋም ብዓረር።

ሃረርታ ፍትሕን ሓቅን ዲሞክራስን ዘለዎ ኤርትራዊ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...