ወየ!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!!

ስዒድ ኮለነል ተወሊዱ ኣብ ኤርትራ

ኣንታ እንታይ ተረኽበ! ኣብ ኣስመራ

ታንክታት ሰሪዒወን መጺኡ ብሓበራ

ኣብ ፎርቶ ተሰቒለን ኣንቓዕረራ

ይብሃል ነበረ ነስመራ መን! ይደፍራ።

ንጉስ ኤርትራ በለ ክንመውት ብሓበራ

ንኹላትና ይብጽሓና በብታራ

ኣንቀጥቂጦም ናይ ህግደፍ ጭፍራ

ኣይፋልካን ክትብሃል ውዒላ ሓዲራ

ተባህለ ወዲ ዓሊ መጺኡ ዝብዓል ጹሩራ

ናይ ጸላም ብዓቲ ከፈተላ ጩራ።

ኣንታ ወዲ ዓሊ ምስመንከ መኸርካ

ኣይፈለጥካዮምን ኣትማን ኣብ ጎንኻ

ነፋሒቶ መርዛም ኣብ ቅድሜኻ

ብዓል ዕንቅርቢት የማነ ጸጋምኻ

ጠጃኢኡ ከይፈለጥካዶ ተገሪህካ ሰተኻ

ክሕደት ዝናብርኦም ዘይእመኑ ኣሚንካ

ክንደይ እዮም ተቐቢሮም ብቕድሜኻ

ብቕንዕና ተበጊሶም ከምዚ ናትካ።

ጩራ ኣእተኻሉ ነቲ  ጸላም

ራዕዲ ኣትዩዎም በዓል ጠላም

መንእሰይ ኣተስፊኻዮ ተቐንጠጠ ሕማም

ኣይክድቅሱን’ዮም ደቂ ኣስመራ ገልዳም።

ኣንታ ኮለነል ኣሚንካ ጠለምቲ

ኣይፈለጥካዮም ደቂ መታለልቲ

ንሓሶት ከም ማይ ሰተይቲ

ኣብሪሶሞ! ሃገርና እዞም ሓሰውቲ

ህውከተኛታት ሓው ንሓው መዋጋእቲ

ታሪኾም ሓተላ ኣይኮኑን ነበርቲ

ዝዝከር ነይገደፉ ንጽባሕ መጻእቲ።

እንተ ንሽኻሞ! ንፍትሒ ኣማቲ

ኣበሲርካና! ኣብ ፎርቶ ብደበልቲ

ሸፋቱ ኣጥፊእና ንገብረልካ ሓወልቲ

ኣፍሪኻ ኢኻ ንዓኻ ዝኾኑ ተካእቲ

መስዋእትኻ ጅግንነት ዝዝከር ንጥንቲ።

ኤርትራዊ ፍለጦም ጠላማት ሃገርካ

ዓድኻ በሪሱ ጠፍኤ መንነትካ

መንእሰይ ዘይብሉ ዓዲ ኮይኑ በርኻ

ናይ ስዉኣት ሕድሪ ይርሸኑ ደቅኻ

ወለዲ ስዉኣት ተደርበዩ ኣብ በረኻ

መርዑት ይበኽያ ተዋረድ ህዝብኻ

ህጻናት ይበኽዩ ኣቦን ኣብ በርኻ

ዝርከቦ ዘይብሉ ባርነት በዝሓካ

ወዲ ዓሊ እንሆ መንገዲ ከፊቱልካ

ተበገስ ዝተጀመረ ዛዝም ባዕልኻ።

ወየ! ወየ! ወየ!

ኮለነል ኣንታ ወዲ ዓሊ

ኣብ ፎርቶ ተሰቂሉ ደባሊ

ካብ ጸሮና ንእምባ ዘላሊ

ኮኾብ ኢኻ መንበሪኡ ላዕሊ

ጨማቲ! ንኸዳዕ ዘለሊ

ብዓል ግምባር ዘይፈሊ

ድምብርጽከ! ዘይደሊ ከውሊ

ሓኔታ ኣብ ፋረ መጽለሊ

ብድሕሬኻ ክብጻሕ ብዓቕሊ

ተፈሊጦም ብዓል መታለሊ

ኣደ ወዲ ዓሊ በጃኺ ዝለሊ

መርዓት ወዲ ዓሊ በጃኺ ዓልሊ

ስዒድ ጅግናዩ ብዕሊ! ብዕሊ! ብዕሊ!!!!!!!።

መስዋእትነትካ ይነብር ብኽብሪ

ተቐቢልናዮ ኢና እትናትካ ሕድሪ

ተላዒሎ ኣሎ መንእሰይ ንጨኮንቲ ቐባሪ

ኣብ ቃሉ ዝጸንዕ! ዘይብለል ዘይሃስስ ሕብሪ።

ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ

ፍትሕን ሰላምን

ንዉጹዕ ህዝብና።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...