ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት እቲ ጎነጻዊ ቃልሲ ምስቲ ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ተሳንዩ ዝኸደሉ መንገዲ ሓቢረ ነይረ። ኣብ ተመክሮ ናይቲ ንህግደፍ ዝወለደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር እንተርኢና፣ እቲ ብዓንቶቦኡ’ውን ጽኑዕ ምትእስሳር ዘይነበሮ፣ ብሳበ ዝምራሕ ሲቪላዊ ጉጅለ፣ ኣብ 1976 ዓ.ም. ብወግዒ ካብቲ ውድብ ከም ዝእለ ምስ ተገብረ፣ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ምሉእ ብምሉእ በቲ ወታደራዊ ክንፊ ጥራሕ ከም ዝበሓት ኢዩ ኮይኑ። እቲ ፖሊቲካውን ወታደራውን መሪሕነት ብሓደ ኣጠሚሩ ዝሓዘ ጉጅለ በዓል ኢሰያስ  ድማ ‘መን ኢኻ’ ዝብሎ ዘይብሉ፣ ንዝኾነ ‘ክብድሃኒ ይኽእል ኢዩ’ ዝበሎ ዜጋ ዝኣስርን ዝርሽንን፣ ፖለቲካዊ ጥርናፈን ሓድነትን ካብ ኣፈ-ሙዝ ብረት ክትቦቕል ዝጽበ ዓንዳሪ መሪሕነት ኮይኑ። ክሳብ ሎሚ ድማ ሕጊ ዘይቅይዶ፣ ዲፕሎማሲ ዘይፈልጥ፣ ንእሽቶ’ውን ትኹን ሰብኣዊ ክብሪ ዘይብሉ “ኣብ ትንሓግ ዝተሸኽለ ዓጽሚ” ኮይኑ የሳቕየና ኣሎ። እዚ ክድገም ስለ ዘይብሉ ከኣ ኢየ ዝኾነ ወታደራዊ ጎነጽ፣ ብሲቪላዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝተማእከለ ክኸውን ኣለዎ ዝበልኩ። ብኸምኡ እንተኸይዱ ጥራይ ከኣ ኢዩ፣ ኣብቲ ህግደፍ ዝእለየሉ እዋን ሲቪላዊ መንግስቲ ክትከል ዝኽእል። ምድልዳል ሲቪላዊ መንግስቲ ድማ ምስ ህላዌ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ምሕያል ነጻ ፕረስን ጥራይ ኢዩ ክዉን ዝኸውን። እንተኾነ ንስርዓት ህግደፍ ኣልዒልካ ብዛዕባ ፕረስን ሲቪላዊ ኣሰራርሓን ምዝራብ ትርጉም ዝህልዎ ኣይኮነን።

ኣብዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ እምበኣር፣ ብዛዕባ ብገለ ‘ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለና’ ዝብሉ ወገናት፣ ንፕረስ ኣመልኪቶም ዝዛረብዎ ዘረባ ኢዩ። ንሳቶም “ነጻን ሓላፍነታውን ሚድያ ክህሉ ኣለዎ” ይብሉ። ገለ ካብቶም ነዚ ዝደግሙ ሰባት፣ ምሁራትን ነቲ ዓውዲ ዝፈልጡን ስለ ዝኾኑ ድማ ዝያዳ ስኽፍታ ዝፈጥር ኢዩ። ነዚኣቶም እዚ ዝስዕብ እብሎም።

ፕረስ ነጻን ከም ኩሎም ናይታ ሃገር ትካላት ድማ ብቕዋም ዝእዘዝ ከኸውን፣ ምስኦም እሰማማዕ ኢየ። እንተ እታ ‘ሓላፍነታዊ’ ትብል ሓረግ ግን ኣዝያ ተኣፋፊትን ውልቀ-መለኽቲ ብመደብ ዝሶኽዑዋን ኢያ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ኩሎም ዜጋታት፣ እንተላይ ጋዜጠኛታት፣ ንዝኾነ ንጸጥታን ርግኣትን ናይታ ‘ናትና’ ዝብልዋ ሃገር ክሰርሑ ሓላፍነት ኣለዎም። ንጸጥታን ርግኣትን ናይታ ሃገር ዝፈታተን ንጥፈታት ኣብ ዘርእይሉ እዋን ድማ፣ ከም ነብሲ-ወከፍ ዜጋ፣ ብሕጊ ናይታ ሃገር ይሕተቱ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ሕቶ “እቶም ንጸጥታን ርግኣትን ናይ ሓንቲ ሃገር ዝፈታተኑ ንጥፈታት ኣየኖት ኢዮም?” ዝብል ኢዩ። እዚኣቶም ድማ ከም ክድዓት፣ ምእንቲ ገንዘብ ክትብል መሳርሒ ናይ ባዕዲ ኮንካ ኣንጻር ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ ስለያ ምውፋር፣ ካብ ሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ወጻኢ፣ ንዘለካ ፖሊቲካዊ ጥሙሕ ብብረት ከተሰንዮ ምፍታን ወዘተ ዝኣመሰሉ ኢዮም። እዛ ንብረት እትምልከት ሳልሰይቲ ነጥቢ፣ ኣብተን ብመብዛሕትኡ ህዝቢ ብዘይ ጽቕጢ ዝጸደቐ ቅዋምን በብእዋኑ ብምርጫ ዝቀያየር ስርዓተ ምምሕዳር ዘለወን ሃገራት እምበር፣ ኣብተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ቅዋም ዘይፈልጣ፣ ብውልቀ መለኽቲ ዝመሓደራ ሃገራት፣ ብረት ከም መከላኸሊ ነብስኻን ወገንካን ዝውሰድ ምዃኑ ክበርህ ይግባእ። ስለዚ እቲ ፕረስ ከም ትካል ይኹን እቲ ጋዜጠኛ ከም ውልቀ-ሰብ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንጥፈታት ብግብሪ እንተ-ተሳቲፎም ከም ኩሉቲ ካልእ ትካላት፣ ብቕዋማዊ ሕጊ ናይታ ሃገር ዝሕተቱ ኢዮም።

ፕረስ ከም ትካል ልሳን ህዝቢ ኢዩ። ንጽቡቕን ሕማቕን ተግባራት ናይቲ መንግስቲ፣ ንተበግሶን ንጥፈታትን ውልቀ-ሰባት፣ ማሕበራት፣ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት እንተላይ ቅርዑይን ብልሹውን ኣሰራርሓ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ስርዓት ወዘተ እናመዝገበ ናብ ሰማዒ የቕርብ።

ንኣብነት ኣብዘን ብተዛማዲ ደሓን ዝኾነ ስርዓተ-ምምሕዳር ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን፣ ንጉሆ ተንሲኦም ስራሕ ቅድሚ ምጅማሮም፣ ነተን ኣለዋ ዝበሃላ ጋዘጣታት ናይታ ሃገር ኣምጺኦም፣ ብዛዕብኦምን ብዛዕባ’ቲ ዘመሓድርዎ ትካላትን ዝተጻሕፈ ከይህሉ ንምድህሳስ፣ ብውሕዱ ነቲ ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረንኦ ዘለዋ ኣርእስታት የንብብዎ ኢዮም። ብርግጽ ዕብይ ዘበለ ነገር እንተልዩ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ሕትመት ቅድሚ ምቕራቡ፣ ነቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ወይ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ይንገሮምን ርእይቶኦም ክህብሉ ይሕተቱን ኢዮም። እዚ ግን እቲ ኣብ ጋዘጣታት ዝወጽእ ጽሑፍ ሚዛናዊ መታን ክኸውን ተባሂሉ እምበር፣ እቶም ሰበ-ስልጣን ይኹኑ ሓለፍቲ ትካላት፣ ጠጠው ከብልዎ መሰል የብሎምን። ንጸጥታን ስለያዊ ሚስጢራትን ናይታ ሃገር ዘቃልዕ እንተኾይኑ ጥራይ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ከቕርብዎን፣ እቲ ጽሑፍ ከይሕተም ክእገደሎም ክሓቱን ይኽእሉ። ቤት ፍርዲ ጥራሕ ድማ ነቲ ጉዳይ ኣጽኒዑ ክእግዶን ከይእግዶን ይኽእል። ቤት-ፍርዲ ድማ ምእንቲ ዝናን ክብርን ናይ ውልቀ መራሕቲ ክብል፣ ንዝዓበየ ረብሓ ህዝቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ኣይኮነን።

እታ ቀጺላ ትመጽእ ሕቶ እምበኣር፣ “ስለምንታይ ኢዮም ውልቀ-መለኽቲ፣ ነታ ‘ሓላፍነታዊ’ ትብል ሓረግ ምስ ፕረስ ኣጸጊዖም ዘምጽእዋ? ዝብል ኢዩ። መልሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። እዛ ሓረግ እዚኣ ብመደብ ነቲ ሰበ-ስልጣን ዝገብርዎ ጸይቅታት፣ ኣብ ህዝቢ ከይቀርብን ከይቅላዕን ተባሂላ ዝኣተወት ኢያ። ንሳ ኣብ ሕጊ ፕረስ እንተልያ ድማ፣ መራሕ ሃገር ወይ ዝኾነ በዓል ስልጣን ኣብ ብልሽውና ምስ ዝኣቱ፣ ወይ’ውን ብዋጋ ናይ ገለ ከባቢታት ንኻልኦት ዘርብሕ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ፣ ዋላ’ውን ንሓድነት ሃገር ብዓቢኡ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ይኹን፣ ብዛዕብኡ ኣብ ጋዘጣታት ክትጽሕፍ ኣይፍቀድን ኢዩ። ከም ገለ እንተ-ተጻሕፈ ድማ “ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጋግ ንምፍጣር ፈቲንካ” ተባሂሉ ይእሰር። ‘ዘይሓላፍነታዊ’ ድማ ይበሃል። ኣባል ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ብሀር ኮንካ “መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብሀር ናተይ እዝን እዝን ፈጺሙ”፣ ወይ ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዝበለ ከባቢ ከምዚ በደል በጺሑ” ኢልካ ኣንተ-ጽሒፍካ፣ ኣብ ክንዲ ሓቅነቱ ምርግጋጽን ምጽራይን፣ ብድብድቡ ‘ብትሕቲ ሃገራውነት’ ተኸሲስካ ትእሰር። ‘ሓላፍነት ዝጎደሎ’ ስራሕ ስሪሕካ ድማ ትበሃል። ስለዚ ንኹሉ’ቲ መንግስትን ሰበ-ስልጣኑን ዝፍጽምዎ ብልሽውናን ጸይቅታትን ብቓልዕ ክትዛረበሉ ዝፍቀደካ ኣይኮነን። ዝኾነ ብቓልዕ ዝዝረብ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፣ ‘ዘይሓላፍነታዊ’ ኢዩ። ውልቀ-መለኽቲ ነዚ ዝምለት ከም መፍትሒ ዘቅርብዎ’ውን ኣለዎም። ንሱ ድማ “ዘለካ ጭብጥታትን መርትዖታትን ስምዒታትን፣ ብጽሑፍ ብዝተማእከለ መንገዲ፣ ብሰንሰለታዊ ኣገባብ ከተመሓላልፎ” ጥራይ ኢዩ ዝፍቀድካ። ኣብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ  ዝረአኻዮ ጸይቂ፣ ብዘይ ኣፍልጦ ናይቲ ህዝቢ፣ ብጽሑፍ ጥራይ ናብቶም እቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘቐመጦም ታሕተዎት ሓለፍቲ ዘቕረብካዮ ክሲ ድማ መልሱ ‘ቅኑዕ ፍታሕ’ ዘይኮነስ፣ መጭወይትን ስዉር ቅትለትን ጥራይ ኢዩ። እታ ‘ሓላፍነታዊ’ ትብል ሓረግ እምበኣር፣ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምእንቲ ጸይቅታቶም ከይቃላዕ፣ ንረብሕኦምን ንረብሓ ናይ ገለ ወገናትን ተባሂላ፣ ነቲ እናፈለጡ ዝፍጽምዎ ብልሹው ምሕደራ፣ ኣብ ቅርዓት ወጺእካ ንኸይትዛረበሉ ተባሂላ ዝኣተወት ምዃና ንሰማዒ ከብርህ እፈቱ።

ፕረስ እምበኣር፣ ነጻን ንቕዋም ዝምእዘዝን ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ብሃገር ደረጃ ዝጸደቐ ቅዋም፣ ኣብቲ ንፕረስ ዝምልከት ዓንቀጻቱ ገለ ሃጓፍ እንተ- ጸኒሑዎ ድማ፣ እቲ ባይቶ ወይ ሓጋጊ ኣካል፣ ብሓገዝ ናይ ሕጊ ክኢላታት ተሓጊዙ፣ ሓፈሻዊ መምርሒ (Guide Lines) ይገብረሉ። እዚ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ ኢዩ። ምኽንያቱ እተን ናይ ፕረስ ትካላት ንባዕለን፣ ነቲ ሃገራዊ ቅዋም ተመርኲሰን፣ ናይ ገዛእ-ርእሰን ውሽጣዊ ሕግታት የውጽኣን፣ ነቲ ዘውጽእኦ ውሽጣዊ ሕጊ ድማ ናብቲ ንኣሰራርሓ ፕረስ ዝከታተል ኣካል ናይቲ ባይቶ ይልእከኦ ኢየን። ነቶም ኣብ ትሕቲአን ዝቑጸሩ ጋዘጠኛታት ድማ ንጹር ናይ ኣሰራርሓ ቅጥዒ (Code of Conduct) ሂበን ኢየን ናብ ስራሕ ዘዋፍረኦም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ፕረስ ትካላት ይኹና ተራ ጋዘጠኛታት፣ ፒሮን ወረቐትን እምበር ካላሽን ዝዓጠቑን ካብ ሕጊ ንምኽዋል ዝዳፍዕሉ ሓይልን የብሎምን።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ንሲቪካዊ ማሕበራት ዝምልከት ኢዩ። ናይ ሲቪክ ማሕበራት፣ ንትካላት ፕረስ ከም ቀንዲ መወዓውዒ ንጥፈታተን ይጥቀማሉ ኢየን። ስርሐን ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ንዝረኣዩ ጸገማት ኣጽኒዐን፣ ንኣፈታትሕኡ ዝምልከት ርእይቶአን ኣሰንየን፣ ናብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ የቕርባ። ንናይቲ መንግስቲ ኣከያይዳን ኣብ ህዝቢ ዝፈጥሮ ጸገማትን ኣጽኒዐን ድማ ምምሕያሽ ንኽግበረሉ ምሕጽንተአን የቕርባ። ብውልቅን ብማሕበርን ዝውነና ዓበይቲ ኩባንያታት፣ ኣብ ትካላት ህዝቢ ንዝፈጥረኦ ጸቕጢ ኣብ ምእላይ ይኹን ኣብቲ ዝነጥፋሉ ዓውዲ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ከም መላግቦ ኮይነን የገልግላ። ብዘይካ‘ዚ ዓበይቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ይኹና፣ ‘ሓይሊ ኣለና’ ዝብሉ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንዝፍጽምዎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፣ ነቲ ህዝቢ ወኪለን ኣብ ሕጊ የቕርበኦምን፣ ጠበቓታት ኣውጺአን ይከራኸራን።

ኣብዚ ብዙሕ እዋን ዝዝረብ፣ ‘ናይ ሲቪክ ማሕበራት ፖለቲካዊ ጽግዒ ክሕዛ የብለንን’  ዝብል ምጉት ይቐርብ ኢዩ። እዚ ክሲ’ዚ ነዘን ኣብ ደገ ኮይነን፣ ስደተኛታት ንምድሓን፣ ብትሑት ዓቕሚ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ኤርትራውያን ናይ ሲቪክ ማሕበራት’ውን ይቐርበለን ኢዩ። ዘይቅኑዕን መደናገርን ክሲ ምዃኑ ግን ክበርህ ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ብቕዋም እትመሓደር ሃገር፣ እተን በብግዜኡ ብምርጫ ናይ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝድይባን፣ በትረ-ስልጣን ዝሕዛን ሰልፍታት፣ በቲ ሃገራዊ ቅዋም ዝቕየዳ’ምበር፣ ክቕይርኦ ወይ ንዕአን ብዝጥዕመን መንገዲ ከመሓይሽኦ ኣይክእላን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝፍቀደን’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዘን ሃገራት ኣዚኣተን ዝነጥፋ ናይ ሲቪል ማሕበራት፣ ‘ጸግዒ ናይ ሓንቲ ስልፊ ሒዘን፣ ኣንጻር እታ ካልእ ሰልፊ ክኸዳ ዘይኮነስ፣ ንቕዋምን ነቲ ብፓርላማ ዝወጸ ሕግታትን ተመርኲሰን ክሰርሓ ኣለወን’ ንምባል ኢዩ። ኩሉ ግዜ ድማ ረብሓ ናይቲ ህዝቢ ማእከል ገይረን ይሰርሓ። ገለ ካብቲ በቲ ፓርላማ ዝወጸ ሕግታት፣ ኣብ ህዝቢ ጸገም ክፈጥር እንተጀሚሩ ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ጭብጥታተን መዝጊበን፣ እቲ ሕግታት ንኽመሓየሽ፣ ርእይቶአን ኣሰንየን ናብቲ ፓርላማ (Recommendation) የቕርባ። እቲ ፓርላማ ድማ ኣድላዪ መጽናዕቲ ገይሩ፣ ምምሕያሽ ይገብረሉ።

ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፣ ዋላ ንስሙ’ውን ብሕጊ ትሰርሕ ሰልፊ ዘይብለን ሃገራት፣ እቲ ክሲ ፍጹም ዝምልከተን ኣይኮነን። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። እቲ ሰብኣዊ መሰል ዝግህስ ዘሎ እቲ መንግስቲ ባዕሉ፣ እሞ’ከኣ ‘ኮነ ኢሉ’ ዝፍጽሞ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ኩነታት ድማ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣካል ናይቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ እምበር፣ ኣብ መንጎ’ቲ ጨፍላቕን ግዳይ ዝኾነ ህዝብን ተቐርቂረን  ዝተርፋ ወይ ዝደናገራ ኣይኮናን። ስለዚ እዘን ዘለዋና ናእሽቱ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፣ ነቲ ሕጂ ዝገብርኦ ዘለዋ ንጥፈታት ከሐይልኦን፣ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምቕላል ‘ክተሓጋገዝ ይኽእል ኢዩ’ ንዝብልኦ ዝኾነ ትካል፣ ስቓይ ኤርትራውያን ከቕርባሉን ፍታሕ ክደልያሉን ቅኑዕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ግቡእ እውን ኢዩ። ንኹሉ ተመክሮታተን መዝጊበን ብምጽናሕ ድማ ኣብቲ ድሕሪ ህግደፍ ዝትከል ስርዓት፣ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ንዝትከላ ዓበይቲ ናይ ሲቪክ ማሕበራት ከም መሰረት ኮይነን ከገልግላ ይግባእ። ብዛዕባ’ዚ ድማ ሓገዝን ናእዳን እምበር፣ እቲ ብገለ መደናገርቲ ባእታታት ዝወሃበን ጸለመ ዝግበአን ኣይኮነን። እዚ ዘሎና ደምበ ተቓውሞ ድኹምን ንጹር ቅርጺ ዘይሓዘን’ኳ እንተኾነ፣ ኣብቲ ህግደፍ ንምእላይ እነካይዶ ቃልሲ’ውን፣ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንዝረአ ሕማቕ ኣሰራርሓ ክነቕፋን ከቃልዓን ከም ዝኽእላ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን።

ኣብ መደምደምታ ናይዚ ተኸታታሊ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ፣ ነቲ ህዝብና ዝሓለፎ መድረኻት ቃልሲ፣ ኣዝዩ ብዝተጸምቈ መንገዲ፣ ነዚ ዘለናዮ መድረኽ ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ከቕርቦ ፈቲነ። ብቐንዱ ናብቶም ብሰንኪ ግናይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ንቡር ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዘይረኸቡ፣ ወይ’ውን መጠነኛ ቀለማዊ ትምህርቲ ወሲዶም፣ ንቕኑዕ ተመክሮ ህዝቦምን፣ ሓቀኛ ታሪኽ ሃገሮምን ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ንኽፈልጥዎ ዕድል ዘይረኸቡ ዜጋታትና ከም መበገሲ ክጥቀምሉ ተባሂሉ ዝቐረበ ኢዩ። ‘ምሉእን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈን ኣይኮነን። መርኣያ ናይቲ ጭቡጥ ተመክሮና ስለ ዝኾነ ግን፣ ነዞም ሕጂ ንቓልሲ ዝበጋገሱ ዘለዉ ‘መንእሰያት’ ከም መበገስን መካትዕን ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢዮም’ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

እዚ ሕጂ ኣብ ደገ እንርእዮ ዘለና ናይ ‘መንእሰያት’ ምንቅስቓስ፣ ብትሕዝትኡ ይኹን ዕላምኡ ምሉእ ብምሉእ ሃገራዊ ኢዩ።ንብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ምንቕስቓስ እንርእዮም ዘለና ኣባላት ብዕምቈት እንተርኢናዮ ግን፣ እቲ ንነዊሕ እዋን ህግደፍ ዝጎስጎሰሉ ናይ ምጉዝዛይ ፖሊቲካ፣ ገና ስምብራቱ ዝሃሰሰ ኣይመስለንን። እቶም ንኤምባሲታትን ወከልቶምን ኣሰንዮም ኣብ ኣኼባታት ህግደፍ ዝሳተፉ ይኹኑ፣ እቶም ኣንጻር’ቲ ኣኼባታት ናይ ህግደፍን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ዝስለፉ ዘለዉ ወገናት፣ ኣብ ንጹር ናይ ፖሊቲካ ስነ-ሓሳብ ጥራይ ዝፈላለዩ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፣ ካልእ ጫለዳ ክሕወሶ ግቡእ ኣይኮነን። ገለ ወገናት’ውን ነቲ ህግደፍ ዝገብሮ ጸይቅታት ካብ ምሕማይ ሓሊፎም፣ ብብዝሒ ኣብ ቅርዓት ክወጹ ዘይረኣዩ፣ ዳርጋ ናብ ምውልዋል ገጹ ዝኸይድ ጠባይ ዘርእዩና’ውን ኣለዉ። እቶም ጸግዒ ህግደፍ ዝወሰዱ ይኹኑ እቶም ደፊኦም ቅርዓት ወጺኦም ክቃወሙ ዘይደፈሩ ወገናትና፣ ንህግደፍ ከም ሓደ ቅርዑይ ስርዓት ዝቕበልዎ ኣይኮኑን። ሓደ ክሰግርዎ ዘይከኣሉ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ስርዓት ንዓመታት ኣብ ሓንጎሎም ከስርጾ ዝጸንሐ ሓድሕድ ናይ ዘይምትእምማን ባህርይ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ሓንጎል ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ ሰፊሩ ዘሎ ደብዛዝ ናይ ዘይምትእምማን ደመና ክእለ ኣለዎ። እዚ ዝእለ ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ፣ ብነጻ ከዘራረበሉ እንተ ኺኢሉ ጥራይ ኢዩ። ብኸምዚ ክንከይድ እንተ-ጸኒሕና ጥራይ ከኣ ኢና፣ እቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ-ተኣልየ እነካይዶ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕርቂ፣ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእን፣ ዕዉትን ዘተኣማምንን ዝኸውን።

እቶም ዶብ ሃገሮም ክሰግሩ ከለዉ ብጥይት ዝተቐዝፉ፣ እቶም ኣብ ሲናይ ኮላሊቶም ዝተሰርቀ፣ እቶም ብኽፉእ ማህረምቲ ኣካላቶም ማሲኑ ተሳቕዮም ዝሞቱ፣ እተን ብበደዊን ዝተዓመጻን ብልዕተን ብሓዊ ዝተተኮሳን ኣሕዋትና፣ እቶም ህይወት ቤተ-ሰብና ንምድሓን ኣሽሓት ገንዘብ ዝኸፈልና፣ ገለ ክፋል ናይ ህዝብና ጥራይ ዘይኮንናስ፣ ኩልና ኤርትራውያን ኢና። ህግደፍ ዘዋፈሮም ሓለውቲ ዶብ፣ ንዝኾነ ዶብ ዝሰግር እምበር፣ ፈላልዮም ይቐትሉ የለዉን። ናይ ረሻይዳ ሸፋቱ ይኹኑ ናይ ሲናይ በደዊን፣ ንዝኾነ ኤርትራዊ ቀቲሎምን፣ ካብ ኩልና ኤርትራውያን ገንዘብ ዘሪፎምን እምበር፣ ኣብ ኣተሓሕዘኦም ፍልልይ ኣይገበሩን። ኣብ ውሽጢ ኢርትራ’ውን እንተኾነ፣ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ብማዕረ በቲ ስርዓት ተገፊዑ እምበር፣ ኣብ ፖሊሲ ህግደፍ ንገለ ዘገድድ ንኻልኦት ከኣ ዝንሕፍ ፍልልይ ኣይረኣናን። ናይ ህግደፍ ግፍዕታት ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስድራ-ቤት በጺሑ ኢዩ። እንተኾነ ማዕረ’ቲ ኣብ ኩልና ዝበጽሐ ግፍዕታት፣ ብምሉእና ኤርትራውያን ምእንቲ ሰናይ ህዝብና ኣንጻር’ቲ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ድምጽና ከነስምዕ ኣይበቓዕናን። ናብዚ ንምብጻሕ ድማ ናይ ኩልና ጻዕሪ እምበር፣ ገለ ወገናት ጥራይ ዝሕመይሉ ወይ ንገለ ወገናት ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን።

እብቲ እንገብሮ ሰላማዊ ስልፍታት፣ በቶም ኣብ ጎድኒ ህግደፍ ኮይኖም ኣንጻርና ዝስለፉ ወገናት፣ እንሰምዖ ዘረባታት’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ከምቲ ንስኻ ንኽትቃወም መሰል ዘለካ፣ ኣነ’ውን መንግስቲ ክድግፍ መሰል ኣሎኒ” ዝብል ኢዩ። ነዚኦም’ውን መልሲ ኣሎና። መልስና ድማ “ጸግዒ ህግደፍ ሒዝኩም ኣንጻር ገዛእ ህዝብኹምን ኣሕዋትኩምን ካብ ተሰለፍኩም፣ ካብቲ ንህግደፍ ዝወሃብ ጽዋእ ንምቕባል ከኣ ድሉዋት ኩኑ” ዝብል ኢዩ። ምስ ቀተልቲ ተሰሊፉ ንግዳያት ከሳጉግ ዝውዕል ዝነበረ፣ እቶም ግዳያት በርቲዖምን ሓይሎምን ምስ ተመልሱ፣ ንሱ’ውን ዝግበኦ ዝቕበል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። እዚ ሓሳብ’ዚ ዘምጽኦ ዘለኹ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዕሉላት መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዝውሰድ ኩሉ ዓይነት ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ንምሕባር ኢዩ። መሰል ካብ ግቡእ ተነጺሉ ዝኸይድ ኣይኮነን። ምእንቲ ወጽዓ ህዝቡን ሃገሩን ድምጹ ከስምዕ ዘለዎ ግቡእ ዘይፈጸመ ዜጋ፣ ምስ ቀተልትን ገፋዕትን ናይ ምስላፍ ‘መሰል ኣሎኒ’ ኢሉ ክጣበቅ ዘይከውን ኢዩ።

እቶም ሕጂ ብስም ‘መንእሰያት’ ትንቀሳቐሱ ዘለኹም ዜጋታትና ድማ፣ ቃልስኹም ካብ ባዶ ክብገስ የብሉን። እቲ ኣብ ውድባት ኤርትራ ማለት፣ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጠርየ ተመክሮታት ኣዝዩ ብዙሕን ሃብታምን ኢዩ። እዞም ሎሚ ንኤርትራ ሃገርና ዝመርሕዋ ዘለዉ፣ እቶም ቀደም’ውን ሃንደስቲ ናይ ኩሉ ጸይቅታት ዝነበሩ ስለ ዝኾኑ፣ ንተግባራቶም ንምቅላዕ ስለ ዝተደልየ፣ ኩሉቲ ክሳብ ሕጂ ክዝረብ እንሰምዖ ዘለና፣ እቲ ከክፉኡ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ ዘለኹ እምበኣር፣ ብዓቐኑ ክረአ ከሎ፣ እቲ ሕማቕ ጭልፋ ካብ ማይ ባሕሪ ኢዩ። እቲ ሕማቕ - ማይ ብማንካ፣ እቲ ጽቡቕ ድማ እቲ ባሕሪ ብሰፊሑ ኢዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፣ እቲ ካብ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝተዋጽአ፣ ሓገዝ ናይ ሃገራት ዘይነበሮ፣ ኣዝዩ ውሑድ ተተኳሲ ዝዓጠቐ ተጋዳላይ፣ ኣንጻር’ቲ ካብ 60 -70 ሚልዮን ህዝቢ ዝተዋጽእ፣ ሓገዝ ናይተን ዝሓየላ ሃገራት ዝነበሮ፣ ክሳብ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ተቓሊሱ ኣይምተዓወተን። ብዙሓት ካብቶም መራሕትን ኣባላት ሰራዊትን ዝነበሩ፣ ተዓዊቶም ዝኣተዉ ተጋደልቲ፣ ምስ ምሉእ ፍልጠቶምን ተመክሮኦም፣ ምስ ስርዓት ህግደፍ በቲኾም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ስለዘለዉ፣ ንቓልሲ ምዕዳሞም ከድሊ ኢዩ። ብዙሓት ካብዚኣቶም፣ እዚ እንርእዮ ዘሎና ግዜ ዘምጽኦ ዘይምትእምማንን፣ ዘይቅኑዕ ኣከያይዳን ስለ ዘየዕገቦም፣ ብጎኒ ኮይኖም ክዕዘቡ ጥራይ መሪጾም ኣለዉ። እቶም ብዘይ ኣፈላላይ ምእንቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምሉእ ዕድሜኦም ዝሰውኡ ተጋደልቲ፣ ኣብ ፖሊቲካ ኤርትራ፣ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክህሉ ዝቕበሉ’ኳ እንተ-ኾኑ፣ እቲ ንዕኡ ተጎዝጒዚ ዝኸይድ ጫለዳን ዘይምትእምማንን ግን ፍጹም ዝወሓጠሎም ኣይኮነን።

ኣብ ተመክሮ ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ጌጋታት ተፈጺሙ ኢዩ። እቲ ጌጋታት ግን ውልቀ-ሰባት ኣታሊሎምን ኣደናጊሮምን ዝፈጸምዎ እምበር ብመደብ ሓደ ብሀር ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሀር፣ ሓደ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ፣ ወይ ድማ ህዝቢ ሓደ ኣውራጃ ኣንጻር ካልእ ኣውራጃ ዝጠጅኦ ጽልኢ ኣይነበረን። እዞም እንዛረበሎም ዘለና ተጋደልቲ ብኣካል ዝፈልጥዎን፣ ገለ’ውን ግዳያት ምንባሮምን ክዝንጋዕ የብሉን። ንሶም እቶም ግዳያት ዝነበሩ ከኣ ኢዮም ንፖለቲካዊ ጥርናፈን ሓድነት ህዝብን ዝጽውዑ ዘለዉ። ንሓባራዊ ቃልስን ሓድነትን ዝጽውዑ ዘለዉ ድማ፣ ከም ሰባት ዘይስምዖምን ረሳዕትን ስለዝኾኑ ኣይኮኑን። እቲ ምኽንያት፣ ንጠንቅን ኣመዓባብላን ናይቲ ‘ተፈጺሙ’ ዝበሃል ገበናት ብዕምቈት ስለ ዝርድእዎን፣ ሓላፍነት ዝስከምሉ ድማ ውልቀ-ሰባት ምዃኖም ኣነጺሮም ስለዝፈልጡን ጥራይ ኢዩ። ስለዚ እቲ ዝካየድ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፣ ነቲ ውህሉል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ተመክሮ ምሉእ ብምሉእ መታን ክጥቀምሉ፣ ምስቶም ነቲ ተመክሮ ብኣካል ዝሓለፍዎ፣ ግን ከኣ ምስቲ ስርዓት ዝበተኹ፣ ብህይወት ዘለዉ ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት እናተመኻኸርካ ምኻድ፣ ንጽባሕ ዘይግደፍ ስራሕ ኢዩ። ነዚ ዘይድግፍ ወይ ዘቆናጽብ ድማ፣ ስለ ዘየዐውት፣ ክእለ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ።

ንሎሚ እቲ ኣብ 10 ክፋላት መቓቒለ ክጽሕፎ ዝጸናሕኩ ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ። ብተመሳሳሊ ጽሑፋት ክሳብ ንራኸብ ድማ ሰናይ ቅነ።

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...