ወየ ወየ ወየ ሓቂ ድዩ ወዲ ዓሊ ዓሪፉ

ሓቂ ድዩ / ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ህይወቱ ኣሕሊፉ

እነሆ ህዝብና ብድሕሪኡ ተጠርኒፉ

ረቢ ይርሓሞ ጽቡቕ ዝና ኣትሪፉ

በቲ ንጹህ ደሙ ሓዲሽ ታሪኽ ጽሒፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ / ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ንውልቀ መላኺ ካብ ትዕቢቱ ኣጽዲፉ

መንግዲ ፍትሒ ከፊቱልና ኣጽፊፉ

መንእሰይ ኩሉ ምእንቲ ፍትሒ ተሰሊፉ

ሰላም ንኸስፍን ንህግደፍ ገሊ'ፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ታሪኹ ንምጽላም ኢሎም ነፍሱ ኣሕሊፉ

ስለ ዝገረሞም ብኸመይ ስልጣን ውልቂ መላኺ ተንኪፉ

ህዝብና ይብል እሉ ይኺደልና ኩርሲ ገዲፉ

ወዮ ተዋስኦ ዝበሎስ እነሆ ዓብዩ ገዚፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ውልቀ-መላኺ ብሕቡእ ዝሕለቁሉ እሰሊፉ

ኣጆኻ እንተበልዎስ ኣይመሰሎን ተተንኪፉ

ደጊም ኣኺልዎ ማህሚኑ ሰኒፉ

ሓቂ ንምሽፋን ንዓመታት ለፍሊፉ

ኩሉ ፎእ ኢልዎ ምስ ደቀኢመዛሙርቱ ተሪፉ

መዓልቱ ይቆጽር ኣሎ ክኸይድ ተገሊፉ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ባዕሎም ዝቀተልዎ ኣቃጽዮም

ተኻሪጁ ኢሎም  በሽካዕላል ኣብ ፓልቶክ ኣውርዮም

መሲሉዎም ዳአምበር እንዳ ንህቢ ተንክዮም

ክኸዱ'ዮም ምስ ምስ ጎይትኦም ብመርገም ተሰንዮም

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

መእተዊኹም ድለዩ ኣንቱም መጣቃዕቲ

ህይወት ጅግና ወዲ ዓሊ ገይርኩምዎ መጻወቲ

ጉድኩም ተቃሊዑ ኣብ ቅርዓት መገዲ

ደጊም ኣብቂዑ'ዩ ናይ ጎይታኹም ዘውዲ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

መልእኽትን ጻውዒትን ንብጾት ወዲ ዓሊ

ይትረፍኩም ምስ ኢሳያስ ምል'ዛብ ብዓቕሊ

ኣይ አመሉን ኣይ ለመዶን ውትሩ መታለሊ

ብስም ስውኣት ሸቃጢ መሽካዕለሊ

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ህዝብና ደጊም ጸላእትኻ ኣለሊ

ኣብ ደይ ሰምዓካ ደብሪ ሱቅ ኢልካ እይትጸሊ

ብትብዓት ግጠሞ ነዚ ጸረ ልምዓት ጸረ ጠሊ'

* * * * *

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?

* * * * *

ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ

ራህዋኺ ቀሪቡሎ

ወዲ ኣፎም ክዕሎ

እዛ ግጥሚ ብዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ (ኤሪትረያን ኣል ሕዋር ኣል ዋጣኒ ሩም) ብኣጋጣሚ ወርሓዊ ዝኽሪ ታሪኻዊት ስርሒት ፎርቶን ዝኽሪ ጅግና ስዉእ / ስዒድ ዓሊ(ወዲ ዓሊ) እተነበብት ናይ ደበስ ግጥሚ ኢያ፡ ሰናይ ንባብ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2013

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...