ወየዶ! ኢለ ከልቅሰልካ!!!!!!

የማነ ሓወይ ባዕለይ ከልቅሰልካ

ዓሪፍካዶ ከምይከ ቀነኒኻ

ለሚድካዮዶ እቲ ሓድሽ ገዛኻ

ኣነስ ኣይከኣልኩን ብድሕሬኻ

ምኽኣል ስኢነዮ ናፍቖትካ

ይሙን ሓወይ እምብዛ ተሃዊኽካ።

የማነ ሓወይ ዓቢ ናይ ገዛና

ዝለዓለ ምሁር ካብ ኩላትና

ታተ እናበል ዘዕበየና

ኣፍ ክንከፍት ሃ ሁ ዘበለና

ከይንስበ እናሓቖፈ ዘታተየና

ብዙሕ ዝተመረቀ ካብ ገዛና።

ፕሮፈሰርዶ! ክብለካ መምህር ሓወይ

ይመስለኒ ነይሩ ዝፈትወካ በይነይ

ብዙሓት መጺኦም ኣብዚ ጎነይ

ዝርዛሕ ዝነብዑ ማዕረ ማዕረይ

ካበይ ከምዝመጹ ዝፈልጦ ነብለይ

የማነ ሓወይ ብርሃን ዓይነይ

ኩሉ እምበር ሓዚኑሉ እዝሓወይ

ከመይ ድዩ ነይሩ ጠባዩ ዝሓወይ

ቡዙሓት ነቢዕም ኣብዚ ቕድመይ።

ዳዕሮዶ ክብለካ መጋቢና

ሳግላዶ ክብለካ መጽለሊና

መሞናዶ ክብለካ ጥዑም ጨና

ጸሓይ ኔርካ ንስድራና

ዓንዲ ማእከል ናይ ኩልና

ብሳላኻ ካብ ጸገም ወጻእና

ብኣኻ ተሓቢኖም ወለድና

ትምህርቲ ክንቀስም መሪሕካና

ክቡራት ኢና ንስኻ ዝሓውና።

ዝነበረ ስንብታኻ ክነግረካ

ብዙሓት መጺኦም ዝፈልጡኻ

ስለ ዝፈትዉካ ስለዘኽብሩኻ

ካብሩሑቕን ቀርባን መሊኦሞ ኣዳራሽካ

ስለ ዘይትሪኦ ኣነ ክነግረካ

ዘይጠዓሞም ጉሃዩ ስል ዘየፋነዉኻ

የማነ ሓወይ ብዙሕ እዩ ፈታዊኻ

ተሓቢነ ኮሪዔ ዝኾንኩ ሓፍትኻ

ኣንቢቦምን ነጊሮምን ዝፈልጡኻ

ጸልዮም ደጊሞም መረቑኻ

ዝተረፈ የለን ኩሉ ሰንዩካ።

ኣንታ ሓወይ ጥዑም ቃሉ

ከዘናግዓክ ከሎ ህድእ ኢሉ

ከረድእ ከሎ ትሕት ኢሉ

ዘይሓርቕ ትዕግስቲ ኣመሉ

ሓወይ እባ ኸደ ሙሉቕ ኢሉ።

ኣብጽሓለይ ደብዳበ ነቶም ወለድና

ንገረልና ድሓን ከምዘለና

ናይ የማነ መገሻኡ ቀልጢፉና

እንታይ ክንገብር ነዚ ታዕዲልና

ኣምልኽ ካብ ፈቐዶ መዋእልና

ከምድላይና ኣይኮነን ከም ጽሑፍና

ዝተርፍ የልቦን ክንስዕበኩም ኢና

ንየማነ ሓወይ ንኸይሻቐል ኣህዱእልና

ብዙሕ እዩ መጺኡ ክድብሰና

ዝተርፈ የልቦን ዝፈልጥ ንዓና

ትዕግስትን ጽሮትን ኣምልኽ ይሃበና

ጽንዓት ክንገብር ኣቦይዝጊ በረኸት ሃበና።

ትፈትወካ ሓፍትኻ

ኣስተር ገርዝጊሄር

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...