ኤርትራዊ መኣዲ ዘተ ደሞክራሲያዊ ለውጢ - (.....) - ቦስቶንን ከባብን

Eritrean Public Forum for Democratic Change (E.P.F.D.C.) Of Greater Boston

590 Shawmut avenue, Boston, massachusetts, 02118

ዘተ ብሓባር ናይ ምሕሳብ ጥበብዩ።”(ዊልያም ኣይዛክስ)

ዘተ ባይታ ሰላም ዘውሕስ፡ ርጉእ ምዕባለ መንገዲ ዚጸርግ ስልጡን ባህሊዩ።

ዕድመ ዳግማይ ትንሳኤ መኣዲ ዘተ - ቦስቶንን ከባብን


 

ኣብ ጥቅምቲ 3፡ 2012 ኣብ ዘካየድናዮ ኣኼባ፡ ኣድላይነትመኣዲ ዘተ ኣዚዩ እዋናዊ ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፡ ንምብርባሩ ስምምዕ ከም ዝገበርናሉ ዚዝከርዩ። ምኽንያቱ ከይዘተኻ ዚትግበር ጉዳይን ዚፍታሕ ሽግርን የለን። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ተሃዋሲ ኩነታት ሃገርናን ሲኦላዊ ህይወት ህዝብናን ኣድላይነት መኣዲ ዘተ ኪጋነን ዚከኣል ኣይኮነን። ልባዊ ዘተ ብውሑዱ ኣብ፡-

· ምዕማቝ ዓቕሚ ጽን ኢልካ ምስማዕን ምርድዳእን፣

· ምክብባር ሓድሕድን ምጽውዋር ናይ ዚተፈላለየ ኣረኣእያን፣

· ምውጋድ ኣሉታዊ ልምዲ ምዝውታር ቅድመ ፍርዲ፣

· ኣብ ክንዲ ናብ ተዛራቢ/ት ናብ ዚዝረብ ነጥቢ ናይ ምትኳር ልቦና ምምዕባል፣

· ምምዕባል ክፉት ኣእምሮን ሓራ ኣተሓሳስባን፣

· ምምስራት ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት፣

· ምድልዳል መትከላዊ ሓድነት፣ወ.ዘ.ተ. . ርግጽ ጥቕምታት ኣሎዎ።

ስለዚ፡ ነታ ትኣልዮ ሽማግለ ንምምራጽን፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ጥሪ 21  ጩራ ተስፋ ዚኸሰተ ስርሒት ፎርቶ ሓይልታት ምክልኻል ቀጻልነት ንኺህልዎ ብወገንና ከነበርክቶ ዝግብኣና ንምንጻርን ኩላትና ኤርትራውያን ንሃናጺ ዘተ ተዓጢቕና ኣብዚ ዚስዕብ ዕለትን ሰዓትን ክንራኸብ ለበዋናን ተስፋናን ነቐድም።

ዕለት፡-    ቀዳም፡ ለካቲት( February) 23: 2013

ሰዓት፡-   6፡00 ድ.ቀ. ***(ኣብ ልክዕ ሰዓት ክንርከብ ሓደራ! )

ቦታ፡- ኣዳራሽ ማ.ም.ኤ፡ 590 Shawmut avenue, Boston

ጊዜያዊ  ኣሰናዳእቲ፡- ብደሓን  ምጹ!

ዕዉት መደብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ቦስቶንን ከባብን

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...