ኣብ ብዓለሙ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ሕ/ሰብና ካብ ብጥንቱ ሓድሽ ፍጻመታት ንምስማዕ “ኣብ ጓይላ እንታይ ይበሃል ኣሎ“? ኢልካ ምጽንጻን እቲ ኣውራ ምንጪ መረጋገጺ ህሉዊ ኩነታት ነበረ። ጓይላ ብባህሪኡ መአከቢ መንእሰያት ስለዝኾነ ንእዋናዊ ፍልጠቶም፡ ብድፍረት ክድርጉሕዎ ይስምዑ። እቲ ቀንዲ ሰራጽነቱ ከኣ ብመሳጥነቱ ኢዩ ዝዕቀን። እዞ ም ነዚ ሞያ‘ዚ ዝተዓደሉ ክፋል ሕ/ሰብ ብድምሩ “ስነ-ጥበበኛታት“ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ስነ-ጥበበኛታት ከም ደረስቲ፡ ድምጻውያን፡ ሰኣልቲ፡ ማሰ-ኣውሎኛታት፡ ተላሃይቲ፡ ወቓዕቲ ከበሮን ካልእ መሳርሒ ሙ ዚቃን.......ዝዓይነቶም ብሙሉኦም ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ኢልና ክንከፋፍሎም ንኽእል። ገለ ካብዞም ነዚ ጥበብ ዝተዓደሉ ከም ሞያተኛታት መጠን ብውልቆም ዝነጥፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ‘ሞ ብእኩብ እናተዋስኡ ኣብ ማሕበር ስነ-ጥበብ ክጥር ነፉ ይኽእሉ። ኣብ ሃገርና ንኣብነት ከም ማሕበር ትያትር ኣስመራ፡ ዘርኣይ ደረስ ባንድ ዝኣመሰላ ጉጅለታት ነይረናና ኢየ ን። ብውልቆም ዝነጥፉ‘ሞ ማእለያ ኣይነበሮምን። ነገር ራዛ ናየቦኡ ከምዝሕዛ ጎሲና ቀንዲ መንቀሊ መቸም ናብራ ኮይኑስ ብኡ ክዝለቕ ኢሉ ዝጅመር ኣይመስለንን። ዝኾነ ኮይኑ ተፈተወ ተጸልአ ዕጫኻ ንምልዓል ዋላ ብብላሽ ኣብ ዕድሎትካ ም እታው ግድን ክዋዓል ዝተራእየ ኢዩ።

ስነ-ጥበበኛታት ንእዋን ብዘለዎም ኣፍልጦን ምልከት መድረኽን ሕ/ሰብ ኣብምቕያር ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ኩሎም‘ዞም ዝ ሓለፉን ዘለዉን እሞ ንርኣዮም። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይኖም ከም ‘ቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ...‘ እናበሉ ዘርኣይዎ ተወፋይነት በዘን ዘይብቑዓት ፊደላተይን ትሑት ናይ ምግላጽ ዓቕመይን ግዜን ከየመራስሖ ምእንቲ፡ ‘ፍጹም መ ዘና ኣይነበሮ‘ ምባሉ ይቐለኒ።ከምኡ ድማ “ክንግምገምዶ‘ሞ ነኽርያ...........መለይ ክንሪኣ“ ምስተባህለ ኣስመራ ክሓድር ክ ውዕል ዝተመነየ መንእሰይ ነይሩ ዲዩ? ኣብ ሰውራኸ? ኣብ ወፍሪ በረኻ‘ውን ብተመሳሳሊ  ብክልቲኡ ጾታ ሓደ ካብቲ ካ ልእ ዘዝሓየለ እናተተክአ ኣብምስራጽ ሃገራውነትን ከምኡ ድማ ንቅሩብነት መስዋትን ዝነበሮ ኣስተዋጽኦ በየናይ ንግለጾ?

............ ኣንቱም ናይ ሕጂ‘ምበር ገዲዱ!!!!  እንታይ እናተባህለ ድዩ ሎሚኸ?

ኣብዚሑ ከምዝርአ ስነ-ጥበበኛ ብድርብ መለክዒ ኢዩ ዝልለ። በቲ ሓደ እቲ ሞያን ውሕልነቱን፡ በቲ ካልእ መልእኽቱን ምህርቱን። ንኣብነት ክኢላ ጋዜጠኛ ምስ ስራሑ ብዘይጋጮ መገዲ ኣብ ትሕቲ “ንመን የገልግል“ ኢዩ ፍርዲ ሓፋሽ ዝወ ሃቦ። ሓደ ክኢላ ሰኣላይ ተዋሳኣይ ወዘተ፡ ካሕዳይ ተጻብኦ ድምብርጽ ከይበሎ ብስዉርን ግሁድን ከምኡ ድማ ጥበበኛ ብልሓታት ተሰንዩ ህዝቢ ብዝጸሉ ርቂ ይዋሳእ። ሓደ ውጹእ ፖለቲከኛ ከኣ ከምኡ ኣብክንዲ ብድሩቕ፡ ብስነ-ጥበባዊ ብ ልሓት ኢዩ ግዜ ስልጣኑ ብብቕዓት ክሰርሓሉ ወይ መግዛእቱ ከናውሕ ዝጋደል። ዝኾነ ኮይኑ ስነጥበብ ዕጥቂ ገዛእቲ ኮይ ኑ ከምዘገልግል መጠን፡ ብኣንጻሩ ድማ ቀንዲ ተልእኾ‘ቲ ሞያ ህሉዊ ኩነታት ብዘይንሕስያ ምግላጽን ጥጁእ ትምኒትን ት ጽቢትን ውጹዕ ህዝብን ንምግሃድ ንርእሱ በዓልሞያ ምስ ሓፋሽ ስለዝውግን ኢሉ ኢሉ መወዳእታኡስ ዳርጋ ኩሉ ኣባል ሞያኡ ንሃገሩ ኢዩ ዘወፍዮ። ብካርቱናት ዝሳአሉ ብላዛ ዘለዎም ዜማታት ዝተቓነዩ ደርፍታት፡ ኣምሲልካ ዝዕየዩ ተዋስኦ ታት ኮታ ሎምሎም‘ሞ ኣብውሽጢ ሃገር ከይተረፈ ብድፍረቶም ሓጹር ከምዝጠሓሱ ንርእዮ ኣለና። እዚ ማለት ነገር ሕ ልና ኮይንዎምሲ ካብቲ ማላዊ እቶቶም ዝያዳ መንፈሳዊ ዕግበቶም ስለዝዓብዮም፡ ብዝጥዕሞም መገዲ ንሕቡእን ክፉእን ተግባራትን ውጥናትን ዓማጺ ዳርጋ ብዘይሽፍንፍን ሽንግላጡ ኣጋሊጾም  ከምቀንዲ ግዳያት መስዋእቲ ብምዃን ክሓልፉ ይመርጹ። ናይ ግዜ ሕቶ ኢዩ‘ምበር ድሕሪኦም ድማ ሳቦያ ተመሃሮ፡ ታክሲስታን ሸቃልን ክስዕብ ከኣ ይርአ ኢዩ።

ምርኣይ መቸም ኣቛራጭ መገዲ እምነት እንድዩ፡ ካብ ውቅያኖስ ሓቅታ ቆናጭልና ንምጥቃስ ንኣብነት ኣብታ “CRY MY BELOVED CTY“ ትብል ፊልም መልቀስ ፍትውቲ ከተማና እንታይ እናተዓዘብኹም ኢኹም? ወያ ኣብ ዝወግሐት መሬ ት ዝደመቐት ወርሒ፡ንዘይተጸበናዮ ድኹዒነት ፍትውቲ ከተማና ክንርኢዶ ኣኽኢላትና ሓቀይ! እሞ ኣብርእሲ‘ቶም ኣዳለ ውቲኸ ትዕዝብትኹም እንታይ ኢዩ? ካብቲ ቁንጣሮ ንምውሳኽ፡ እስከ ኣብ ሕልና ናይታ “ገግዜኻ ኣለዎ ወዲተመንዎ“ እናበለት በስገዳድ ትቆጻጸ ትመስል ንእስቲ ድምጻዊት ብሓሳባትኩም እተዉ። ከምሓቂ ንዓዓ ጉዳይ ወዲተምኖ ወይ ናይ ቲ ዝዓኑ ዘሎ ሰልፊ እንታያ‘ኮ ኣይኮነን። ግደ ሓቂ ንዓዓ ዝዓጣ‘ሞ እቲ ብኣፋ ክትብሎ ዘይትኽእል ተርባጽ ሓልዮት ናይ ቶም ኣካላቶም ተተመዝሒቑ ዝሽየጥ ዘሎ መዛኑኣ ኢዩ። እሞ ንሳ ክትብሎ ዘይካአለት ክንብለላስ ጥራይ ንዓዓን ንመዛኑ ኣን ዝድብስ ግዜ ክመጽእ ንቃለስን ንጸልን። ግሉጽነትን ተወፋይነት ስነ-ጥበባውያንና ድማ ምስጋና ይብጻሓዮ!!

ንምዃኑ ስነ-ጥበበኛታትና እንታይ ኢዩ ጻማኦም? እንታይከ ኢዩ ዕጥቆም?

ከምሓቂ ካብቲ ማላዊ ንላዕሊ መንፈሳዊ ዕግበቶም ከምዝዓቢ ገሊጽና ኢና። ኣብዚ ሞያ‘ዚ ዝተዋፈሩ እምባአር ዋላ‘ቲ ሞ ያኡ ንእዋናዊ ረብሓ ዝሽጠ ከይተረፈ ንሓዋሩስ ንክብረቱ ስለዝቃለስ ህልኸኛ፡ ዘይርዕድ፡ ዘይምብርከኽን ዘይድለልን ው ላድ ዕንቝ ባሕሪ ሃገር ኢዩ። ብዛዕባ ዕጥቁ ዝመጸ‘ውን ሎሚ ንሰውራ ኮምፒዩተር ዘይፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።በዚ እዋን‘ዚ ብውሑድ ወጻኢ፡ ብውልቅን ብቀሊል ግዜን ሓያል ግምባር ክኽፈትን ብርኩት ምህር ቲ ክሕፈስን ተኻኢሉ እን ሆ። ብሓጺሩ እምባኣር ኣብ ንጹህ ሕልና ብዝተገጥመ ዕጥቂ ኮምፒዩተራዊ  ኵናት ስነ-ጥበብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ“ እንተበል ልና ኣይተጋገናን። ዕድመ ንዘመናውነት!!

ንምዃኑ ብደምሳሲ ሚሳይል ምውጋእዶ የድምዕ ብሰላማዊ ኮምፒዩተራዊ ኵናት? ካብ ሰውራ ኮምፒዩተር ምሕባእከ ይካ አል ዲዩ?

ከይነውሓናስ ብዝተወፍረ ይወፈር እቲ ዋና ቅዉም ነገር ዓወት ጥራይ ኢዩ። እንተ‘ቲ ናይ ምሕባእ ፈተነ‘ሞ ንሪኦ ኣለና። እቲ ብምእጋድ‘ተን ጀመርቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጋዜጣታትን ምእሳር ኮነ ምቕታል ንጡፋተንን ዝጀመረ ቅንጸላ ሓበሬታ ሎሚ ከኣ ብዝኾነ ወጻኢ፡ ዋላ ኣይከሰብ ዝተኸፍለ እናተከፍለሉ ጠያይቲ ቫይረስ እናለኣኽካ፡ ንዝኾነ ነገር-መሳለጥያ ሓበ ሬታ ክሳብ‘ዃ ንተራ ናይ ኣባይቲ ተሌፎናት ከይተረፈ ዝግበር ዘሎ ተጻብኦ ምዕፋል ትርእይዎ ኣለኹም። ንሱ ምጥቃም ስኢንዎ‘ውን ሰብማል ብስም ወፍሪ ኣብቲ ትካል ዝነጥፍ ገንዘብ ክምጥዉ‘ሞ ብሓደአፉ ክጥመሙ ይጸዓር እንሆ። ወይ ጉድ ደቀይ!!!!!

ህግደፍ ኣድማዕነት ስነጥበብ ስለዝፈልጥ ክጥቀመሉ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣውራኡ ንክኢላታት ክውንኖ‘ምበር ተጓይዩን ይጓ የን ኣሎ። ይኹን‘ምበር ኣብ ውሽጥስ ንግደፎ ኣብ ስግር ባሕሪ ከይተረፈ ዝነበሮ ጸብለልትነት ማይ ሓቝኑ ከምዝተረፈ ማንም ይፈልጥ። ደጊም እቲ ሓበሬታ እናኸልአ ብናይሐሶት መንነት ዝቆጻጸ ጋኔን መንግስቲ፡ ሳላ ኢደይ ኢድካ ሻምላ ሃገ ራዊያን ስነ-ጥበባዊያን መንነቱ ተኸሺሑን ግርማኡ ተቐንጢጡን ርኣዩኒ ርኣዩኒነ ከምዘይበለ ንሃገርና ዝሓሰቦ ብላዕ መሸ ጣ ከይጠዓመሉ ብዕብራን ይሰሓግ እንሆ። ጠቕሊሉ ክቕበር ድማ ሓንቲ ቅላዕ ናይቲ ምዑት ሰራዊትና ጥራይ እኽልቲ ኢያ። ንሱ ከኣ ክብሕቶም ከልዝቦም ክውግኖም ንዘይካአለ ስነ-ጥበባዊይን “ትንሳዕ ውህብቶ ኣላቶ‘‘ ኢዩ ዝበሃል። ዝኾነ ኮይኑ በዛ እክይቲ ብልሓት ዘዝሓለፉ ሰብሞያ ኣስተዋጽኦኦም ጥራይዘይኮነስ ዓይነት ሕልፈቶም ከይተረፈ ተመዝጊቡ ከ ምዘሎ ኣይትረስዑ። ብሕማቕ ፋለይ ኣይትቀየሙኒ‘ምበር በዞም ጽባሕ ክስዕቡ ዝኽእሉ ኣዚና እናተሰከፍና እቲ ውጽኢት ፍረ-ቃልሶም ዝኾነ ሓድነትን ሓርነት ህዝብናን ግዳ ግድን ከምዝኸውን ኣይንጠራጠርን። ከመይ ዘይኸውን!!

ብወገነይ ኪኖ ነገር ሓለፋ ደጊመ ነቶም ኣብኩሉ ጽንኩር ውዕሎታት ዝወዓሉን ልዑል ተወፋይነቶምን እናነኣድኩ ነቶም ገና ኣብንጡፍ ኣስተዋጽኦ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታትና እምባኣር ኣምላኽ ባዕሉ ኢዱ ከንብረሎም እምነ!

ኣሜን!!

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...