ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ኣትይዎ ካብ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ምብትታንን፡ ከናግፍ ዘኽእል ድሌት ይኹን ቅርቡነት የብሉን።

ኣነ ኸኣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ተሳታፊን ኣባልን ክኸዉን ሕልናይ ኣይፈቐደለይን።

መስፍን ፍትዊ ናይ ሕጊ ክኢላን

ኣባል በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ

27 ጥሪ 2013

ብራስለስ

ንመርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ብምዉካል ኣባል ኮይኑ ዝጸንሐ ምቕማጡ ኣብ በልጁም ዝኾነ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ንዝተመስረተሉ ዕላማ ተልእኾን ምድሓን ሃገር ካብ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቅልዉላው ፍታሕ ከምጽእ ድሉዉነት ይኹን ድሌት ከዘየርኣየን፡ ድሕሪ ሕጂ እዉን ኣሳታፍን ሓባራዉን ናይ ቃልሲ ባይታ ብምፍጣር ሕቶ ህዝብና ክምልሽ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ብዘይምህላወይን፡ ብምባል ካብ ኣባልነት ባይቶ ከምዝሳሓበ ናብ ኣቦ ወንበር ባይቶ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ኣፍሊጡ።

ኣቶ መስፍን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ”መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ካብ ንዉሕ ዝበለ እዋን ደንበ ተቓዉሞ ኤርትራ ምዕሩይን ኣሳታፍን ሰፊሕ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ባይታ ፈጢሩ፡ ኣብ ሃገርና ጠንቂ ኩሉ ጸገማት ኮይኑ ንዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከረጋግጽ፡ ብዝብል መሪሕ ሓሳብን ቴማን ብምዉካል ክንቀሳቐስ ከምዝጸንሐ፡ ድሕሪ ምጥቃስ ”ይኹን እምበር እቲ ነዚ ምእንቲ ክሕግዝ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ሕጂ ይኹን ትማሊ ነዚ መንፈስን ዕላማን ዘንጸባርቕ ድሌት ይኹን ቅሩብነት ከጨብጥ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ከምዘየለን፡ ብኣንጻሩ እቲ ባይቶ ብዘይምዕሩይ ኣገባብ ኣብ ክንዲ ሰፊሕ መስሕብ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ዝኸዉን፡ ኣብዘይ መሰረታዊያን ሕቶታት ግዜን ዓቅምን ዘባኽን ምትእኽኻብ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ኣብቲ ካብ 26 ክሳብ 5 ታሕሳስ ዝተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብጋህዲ ከምዝተንጸባረቐ ገሊጹ።

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ንህጹጽነት ድሕነት ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ነዚ ዝሕግዝ ንጹር ሓሳብን ስትራተጅን ብምሕንጻጽ፡ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ንምስራሕ ዓበይቲ ጻዕርታት ተወፋይነትን እኳ እንተኣካየደ፡ ምስ ኩሉ ተጻይን ነጻግን ፖለቲካዊ ባህሊ ደንበ ተቓዉሞ ኤርትራ፡ ነቲ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ተበግሶን ኣጋጣሚን በርገሳዊያንን ህዝብን ብተደጋጋሚ ብምህራም ብምትንዃልን እቲ ቃልሲ ንለዉጢ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ክስጉም ከምዘይካኣለ ሓቢሩ።

ኣቶ መስፍን ፍትዊ ነቲ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ዝተዓዘቦ ዘሕዝን ኩነታት በቲ ሓደ ወገን፡ ምስቲ ህዝብና ዘሎዎ ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ምብትታንን በቲ ካልእ ገጽ ብምምዝዛን፡ ብኣካይዳን ዉሳነታትን እቲ ባይቶ ተወቃሲ ናይ ታሪኽ ንዘይምዃን ካብቶም 22 ንኣካይዳ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ብምንቃፍ ናይ ተቓዉሞ ደብዳቤ ዝፈረሙ ኣባላት ባይቶ ሓደ ምዃኑ ገሊጹ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣካያዲ ቦርድ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ንዉሳነ ምስሓብ ኣባልነት ወኪሉ ኣብ ኤሃባደለ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ተኸቲሉ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ሓደ ብምርጫ እቲ ሓደ ኸኣ ብኮታ ኣብ ጉባኤ ሃዋሳ ዝረኸቦ ክልተ መናብር ዘጠቓለለን፡ ናይ መጻኢ ኣባልነቱ ከመይ ይኹን ዝብል ሕቶ ኣብ ምምይያጥ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ክፍሊ ዜና

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...