EYSC-Bay Area አብነት አፍሪቃውያን መንእሰያት ተባሂሉ ሽልማት UBUNTU ረኺቡ። እዚ ሽልማት እዚ ዓመታዊ ብፓን አፍሪቃ ማለት (Priority Africa Net work) ዝዳለው ኮይኑ ንህቡባት ማሕበራትን ዉልቀሰባትን ዝወሃብ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ነዚ ሽልማት ክበቅዕ ዝኸአለ አብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽሰፍን ንዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕርን ከምኡውን ንስደተኛታት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ሓያል ስራሕን እዩ። እዚ ካብ ዝምስረት 10 ዓመት ዘቑጸረ ፓን አፍሪቃ ጉዳይ አህጉር አፍሪቃ ቀዳሚ አጀንድኡ ብምግባር ይነጥፍ። ፓን አፍሪቃ ብዙሓት ወለንተኛታት ዘለዉዎ ማሕበር ኮይኑ አብ ምሕጋዝ አፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ አብ ምምሕያሽ ትምህርቲ ንአፍሪቃውያን ስደተኝታት ከምኡ’ውን አፍሪቃውያን ደቂ አንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን አብ ጉዳይ አፍሪቃ ናይ መሪሕነት ተራ ክጻወቱ ዝጽዕር ማሕበር እዩ።

ብተወሳኺ ፓን አፍሪቃ አሜሪካውያን ብዛዕባ አፍሪቃ ሚዛናዊ ስእሊ ንኽህልዎም ዘይተሓለለ ጻዕሪ የካይድ። አብዚ ናይ 16 ለካቲት በዓል አዝዮም ፉሉጣት አብ ጊዜ አፓርታይድ ዘይሕለል ጻዕርታት አካይዶም ንዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ አፍሪቃ ንኸብቅዕ ዝገበሩ ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ተረኺቦም ኔሮም። ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ አብ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓቢ መድረኽ ቀሪቡ ሽልማት ምውሳዱ ብርግጽ ንኹሉ አብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ሞራልን ፍናንን ቃልሲ ዘበራበረ አብነታዊ ሽልማት ክበሃል ይከአል።

እዚ ስራሕ ዝመለልይኡ አብ ጓል መገዲ አቲኻ ሓሸውየ ምልሃይ ንእነካይዶ ዘለና ሃገራዊ ዕማም ከምዘይሕግዝ ብትሪ ዝአምን ማሕበር ሕጅ’ውን ደጊሙ ሓበን ህዝቢ ኤርትራ ንምዃን በቒዑ ንረኽቦ። ኤርትራውያን ነበርቲ ቤይ ኤርያ እዚ ካብ እግሪ ተኽሉ ተኸናኺኖምን ሓብሒቦም ዘደራጀዉዎ ማሕበር ከምዚ ዝዓይነቱ ሽልማት ምውሳዱ ክሕበኑ ይግባእ። እዚ ናይ ትማሊ ሽልማት ንደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ሓቂ ንኸይሰምዑ እዝኖም ዝዓጸው ደገፍቲ ህግደፍ እውን እንተኾነ ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ኔሩ ክበሃል ይከአል። እተን ብስም ኮሙኒቲ ሓዋላ ገንዘብን ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) እንዳበላ ዕማማት ህግደፍ ከሰላስላ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑጸራ ናይ ለይቲ ለይቲ አብያተ መስተ (ሰክሬቶ) ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ አንኳይዶ ከምዚ ዝዓይነቱ ሽልማት ክረኽባስ ከምዘለዋ እውን ዝፈልጥ እቲ ብሽግር ዝኸደን ኤርትራዊ ጥራይ እዩ።

አብዚ ዝተኻየደ ናይ ሽልማት መዓልቲ ንማሕበርና ሓዊስካ ካልኦት ቡሉጻት ስራሕ ብምስራሕ ዝተሸለሙ እዞም ዝስዕቡ እዮም። አይቮሪኮስታዊ ጋዜጠኛ ራድዮ KALW አዳላዊ African mix for African Diaspora አማኑኤል ናዱ፡ ተመራማሪት ታሪኽ ጸለምቲ አፍሪቃውያን ጸላም አሜሪካዊት ዶ/ር ሲሪ ብራውን ከምእ’ውን ማሕበር ስነ ጥበብ ኮንጎ ማሎንጋ ካስከሎርድ (Malonga Casquelourd) ብዝገበሮ ብሉጽ ስነጥበባዊ ስርሓት ክሽለሙ በቒዖም።

አብቲ ናይ ሽልማት ምሸት አዝዮም ህቡባትን ፍሉጣትን ብዙሕ ጽልዋ ዘለዎም ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ምስ አባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ብዝተፈላለየ መንገድታት ምስ ማሕበርና ክተሓጋገዙ ቁሩብነቶም አርእዮም። ንኩነታት ፖለቲካን አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላትን አብ ኤርትራ ዝምልከት ብአባላት ማሕበር ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ነቶም ጉዱሳት ተዋሂቡ። አብ መዛዘሚ ህብብቲ ደራፊት አይቮሪኮስታዊት ፈሊ ትቻኮ (Fely Tchaco) ንዕዱማት አጋይሽ መሳጢ ምርእይት አቕሪባ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(EYSC)- ቤይ ኤርያ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...