ተባህለ ከምዝበሃል፡ ሓደ መንገደኛ ሰብኣይ፡ ጸሓይ ከይመረረት መንገዱ ንኽዓምም ኣንጊሁ ዘብዘብ ክብል’ከሎ’ሲ፡ ንእግረ-መንገዱ፡ ዘገም ዝብሉ ሽማግለ ኣጓነፍዎ። እንተኾነ ግን፡ ኣስጊሉ ግዲኾይኑ ኣየቕለበሎምን። ስለ’ዚ ከም ትጽቢት ባህሊ ዓደ’ቦና ደሓንዶ ሓዲርኩም ከይበለ፡ ክሓልፎም ቀረበ’ሞ፡ ሃንደበት ሓደርካ ዝ’ወደይ! ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ሽዑ ወዮ ሓላፍ መንገዲ ሰንቢዱ፡ ከይደቀሰ ከምዝሓደረ ንምእማት፡ ኣይሓደርናን በጃኹም! ኢሉዎም ሓለፈ። ይበሃል።

ዝኾነ ኾይኑ ከም’ዚ ከማይ እንተኾንኩም’ሲ፡ ኣይሓደርናን ክንብል ዝቐነና ኣይወሓድናን ማለተ’የ። ሓቂ ንምዝራብ እንዳ ዝናን ባህታን ብሓሳብ’ሲ ተቖጻጺሮሙና’ዮም ቀንዮም። ሰኣን ንእሽቶ ማሕጎማ ዝጀመርዋ ክንዲ ግዛዕ ትኸውን ድራማ፡

(ሀ) ህግደፍ፡ ካብ ሰበስልጣኖም ኣስላማይ-ኣስላማዩ መሪጾም ብምእሳር ንሓድሕዶም ክባልዑ ጀሚሮም፡

ኢ………….እ!

(ሁ) ኢሳይስን ዘውዱን ብወተሃደራት ተቓወምቲ ናይ ወያኔ ማለት’ሲ - ብተጋሩ - ይሕለዉ’ለዉ።

ዋ………….እ!

(ሃ) ጓል ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስሰራሕተኛታት ቲቪ-ኤረ ብወተሃደራት ኣራሚ ምንቅስቓስ ተታሒዛ።

ሕ …….ጂ ሕራይ!

(ሄ) መራሒ “ኣራሚ ምንቅስቓስ” ንዓሰብ ካብ ወራር ዘድሓነ ንኢሳያስ ዘይፈርሕ ተባዕ መኮነን’ዩ።

ህ!

ዘብል ናይ ኣእምሮ ቫይረስ ልኢኾም፡ ነታ ዘመን ብጥዑሙ ኣብ እዝንና ዝተኸልዋ ኣንተና ተኣማሚኖም፡ ሃየ በሉ ንቐደም በሉ’ሞ፡ ከም ቃሕታኹም ደምርዎ ክብሉና ቀንዮም። ከም’ዚ ኸማይ እንተኾንኩም’ሲ፡  ሽሕ’ኳ እቲ ድምር-ውጽኢቱ ትኽክል ምምጻእ እንተኣበ፡ ደጋጊምና ካብ ምድማር ድሕር ኣይበልናን።

ዝኾነ ኾይኑ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብዙሕ ክበሃለሉ ዝቐነየ ስርሒት ፎርቶ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ኢሳያስን ህግደፍን እሱራቶም ፈቲሖም፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ለውጢ ክርዕሙ፡ ናብ ዝጠልብ ሰልፍን ጻውዒትን ተጠሚሩ ክስማዕን ክረአን ቀንዩ’ሎ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ እንዳ ዝናን ባህታን ውጽኢት ፕሮፓጋንዳኦም ብቖንቆር እናጠመቱ፡ ምሳኹም’ሲ ኣብኣ ደኣ! እናበሉ ኣብ’ታ ታንኪ ወዲ ዓሊ ዝወዓለታ እግሪ ፎርቶ፡ ከበሮ ሓምሓም ጸሓይ ይጸልዉ’ለዉ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

እቲ ጉዳይ ከም ኣዘራርባ ፕረሲደንት ኢሳያስ እንተኾይኑ ድማ፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ድምብርጽ ዝበሎም ክመስሉ ኣይደልዩን ዘለዉ። እወ ወላ ታንኪ ወዲ ዓሊ ናብ ፎርቶ ተጸጊዓ ምስሰማዕኩ’ውን ምስ ሚኒስትራተይ ዕላለይ ቀጺለ’ዩ ዝበለ ሊንጎ። ታንኪ ወዲ ዓሊ በርሚል ማይን ቆጽሊ’ውሊዕን ጽዒና’ያ  ናብ ፎርቶ ደይባ ዝበሎ መን’ዩ። ወይስ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ነገር ኔሩዎ’ዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ከቆናጽቦ ዝደፈረ።

ካልእስ ይትረፍ ጓሉ፡ ጓል ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ተታሒዛ ዝብል ወረ’ኳ ከም መማቕርቲ ወረ ምስተወረ፡ ወዲ ኣይተ! እንተዘየ’በለ፡ ልቢ ወላዲ ምዩቕ ዘየብል መኣስ ኮይኑ። ክቡር ፕረሲደንትና ግን ብሓፈሽኡ ብዛዕባ’ዛ ኤርትራና ዘይኮነ’ሲ፡ ብዛዕባ ሲናጋፖሮም’ዩ ዝመስል ኔሩ ዕላሎም።

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡  ንውዕሎ ናይ ኣራሚ ምንቅስቓስ፡ ክመዝኖ እንከሎ’ሲ፡ ተጋጊና፡ ኣጋግዮሙና ኢሎም፡ ተናሲሖም። ዝኣመኑሉ ስርሒት ስለዘይነበረ፡ ኣብ እዋን ምሳሕ መሞሊቖም ፋሕ ፋሕ ኢሎም፡ ካብ ምባል ሓሊፉ። ናብ’ቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ድርሰቱ ብምዝላል፡ ሓሰውቲ ንዝበልዎ ሓሶት’ዩ ክትብል ምፍታን፡ ነብስኻ ምፍኳስ ንሓሳዊ ምክብባር’ዩ። ካብ’ዛ ንእሽቶ ፍጻሜ ድማ ብዙሕ ተማሂርና’ለና፡ ክብል ኣይሓፈረን።

ስለ’ዚ እዚ ክውረ ዝቐነየ ሓሶት ነቲ ባህልናን ኣሰራርሓናን መኾሊዒኡ’ዩ፡ ክብል ሓዲሽ ሓሳብ ከምዝንዕቕን፡ ብናይ ቀደም ዝንኡ ከምዝኾርዕን ኣነጺሩ። ብምቕጻል ድማ ቅድሚ ሕጂ እንተኾነ’ውን ሓሚሙ ዝበሉኒ ኣበየናይ ኣስቢዳለ’ዶ ኣመርሚሮሙኒ’ዮም፡ ዝብል መርትዖ ጸብጺቡ፡ ካብ’ዛ ንእሽቶ ፍጻሜ’ዚኣ፡ ነቲ ካብ ሓልዮት ዝነቐለ ስኽፍታ ህዝቢ ዘህድእ መለበሚ ተረኺቡ’ሎ። ማለት’ሲ እቲ ፍጻሜ ኢምዩኒቲ ፈጢሩ’ሎ። እንተ ንሓሳዊ ግን፡ ከም ኣመሉ ንኽሕሱ መሰሉ ዓቅበሉ። ክሳብ ምባል በጺሑ። ሓቂ ንዝዛረብ መሰሉ ዓቅበሉ ክብል ደኣ ኣይደፈረን’ምበር።

ሓቁ’ዩ ፕረሲደንት። ማለት’ሲ ንኣመንቲ ነቶም ብኽትባቱ ተንቀሳቐስቲ እቲ ዝለመድዎ ኢሙኒቲ ከናውሓሎም ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን እዚኣቶም ከምዘይኮኑ ሓጎምቲ ኣይጠፍኦን ፕረሲደንቲ። ከምኡ ደኣ ተረኺቡ ተባሂሉ መቕተሊ መዓልቲ’ምበር።

እወ! ዛጊት ይርአ ከምዘሎ ኣንፈት ወረን ዕላልናን፡ .. ናብ ፍሉይ ዛዕባ ኣዘዝዮሞ፡ … ከምዘለዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ኩነታት’ዚ እንተ ተጠቒሞሙሉ ድማ ዓቢ ዕድል’ዩ። ተሓቲቱ ዝተባህለ ሕቶኮ ናይ ወተሃደራት ሕቶ ኣይመስልን’ዩ። የጸብቆ ጥራይ።

ድሮ’ኳ ናይ ኣራሚ ምንቅስቓስ ውዕሎ ኣብ ጉብኤ ካቢነ ሚኒስትራት ብሰፊሕ ተዘሪቡሉ’ዩ ይበሃል ስለዘሎ፡ ደጊም እንዳ ዝናን-ባህታን ክኣስሩ ድዮም ወይስ ስልጣን ክስዕሩ፡ ሓደ-ኽልተ ስጉምቲ ሰጒሞም እንታይ ከምዝገብሩ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ። ዝኾነ ኾይኑ ካብ እንዳ ዝናን-ባህታን ምእራም’ውን እንተተረኺቡስ ተመስገን ኣኻፊኻ እንታይ በሃላይ። ምቕናይ ጥራይ!

ስለ’ዚ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምዘምጽእ እንድዒ’ምበር፡ እቲ ጉዳይ ዝቕጽል’ዩ ዝመስል። ካልእስ ይጽናሕ’ሞ ደሓን፡ እዛ ‘ኣራሚ ምንቅስቓስ’ ትብል መንቀሊት ሓረግ ንባዕላ’ኳ፡ በየን’ያ ቦቚላ ብዘየገድስ፡ ብጥንቃቔ ዝተደርሰት፡ ንቕድሚት ዝኣንፈተት፡ ለውጢ ብሰላም እትእምት ኮይና፡ ሓዲሽ ናይ ፕሮፓጋንዳ ፈተና/experiment ከፊታ’ላ። ምናልባት እቲ ለውጢ ካብ ላዕሊ ድዩ ንታሕቲ ጥሪቕ-ጥሪቕ ክብለላ፡ ወይስ ሓያል ውሕዥ ኮይኑ’ዩ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከንቃዕርረላ ግን ንእዋን ዝግደፍ’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ እንዳ ዝናን-ባህታን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናይ ኩነታት መልክዕ እና’ተዓዘቡ ምክዋስ ምእንቲ ክጥዕሞም፡ ቅድም’ሞ ሕራይ! እቲ ዝሃብናኩም ኣጸቢቕኩም ኣስተማቕርዎ፡ ቅንይ ኢልና ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ክንውስኸኩም ኢና እናበሉ፡  ኣብ ናይ ባዕሎም ፕሮፓጋንዳ ክሕብኡ’ዮም ተዓጢቖም ዘለዉ።

መን’ፈልጥ ግን ከመ’ተሓሕዛኦም ግዜ እንተነዊሑ፡ ሕማሞም እንተ ጸኒዑ፡ እሞ ሓጓሞ ካብ ዓደ’ቦ እንተዘይተረኸቡ እንታይ ክግበር’ዩ ዝብል ሕቶ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ። ምናልባት ናይ ዓቕሊ ጽበት፡ ሓጓሞ ካብ ጎዶቦዶ ይጥለቡ’ኾኑ፡ ምባል’ውን ምግናን ኣይመስለንን። እነሀ’ኳ ድሮ ፕረሲደንትን ቤተ መንግስቶምን ብተጋሩ’ሕለዉ’ለዉ፡ ዝብል ወረ’ሲ ወረ ተቖጺሩ ንዕላልን ንሕትመትን በቒዑ’ሎ።

ዝኾነ ኾይኑ እስኪ ናብ’ቲ ቐንዲ ዛዕባይ ክምለስ፡ “ብዂናት ዶግዓሊ ጉንደት ጉራዕ ዝምስከር ደምና ዘፍሰስናሉ ዘሐብን ታሪኽ ዘለዎ ግዝኣትና ከመይሉ ብኢድ ነገስታት ሸዋ ንጥልያን ይወሃብ፡” ብምባል፡  “ራእሲ ኣሉላን ተሓጋገዝቶምን ብዛዕባ ናጻ ትግራይ ምስትንታን ጀመሩ።” ይብሉ መዛግብቲ ታሪኽ።

ስለ’ዚ’ምበኣርከስ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ብሸዋ’ቢሉ ዝተኸስተ፡ ሓዲሽ ምዕባለ፡ ካብ ግምቶምን ትጽቢቶምን ወጻኢ ምስኮኖም፡ ፖለቲከኛታት እንዳ ሃጸይ ዮውሃንስ ብግደኦም ዝሓይሽ መሲሉ ዝተራእዮም ሓዲሽ ኣማራጺ ሃሰስ ክብሉ ጀመሩ’ሞ፡

ሀ) ቡቕሊ ፈረንጂ ዝተሓወሶ፡

ለ)  ሸዋ ዝገበሩና ዝብል ህልኽ ዝዓብለሎ፡

ሐ) ልዕልነት ሸዋ ዘንጸርጸሮ፡

----- ካብ ሸዋ/ኢትዮጵያ ------ ንምርሓቕ ዝኣንፈቱ ናይ ትግራይ ትግሪኚ ፖለቲካ ከምዝተጠጅአ ታሪኽ ምስክር’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ እዚ ጥጅእ’ዚ ኣብ ትግራይ፡ ብፍላይ ድማ ምስምምዕባል ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ፡ ክዛመድ ዘይክዛመድ እንድዒ’ምበር፡ ኣብ ርእሲ ሃንደስቲ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ከም በዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ ዘሕደሮ ጽልዋ ዘማትእ ኣይመስለንን። ህሉው ኩነታት ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጹር ሓባሪ ስለዝኾነ።

እዞም መራሕቲ’ዚኣቶም፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ማለት’ሲ ካብ እንዳመዓለ’ቦኦም፡ ከመ’ዓልካ ክሳብ ዘጥፍእ ርሕቀት-ምርሓቕ፡ ከም ሓደ ዓቢ መለክዒ ኣንጺፎም፡ ምስ ምኹስኳስ ኤርትራዊ፡

(ሀ) ዜግነትን፡  (ለ) ፍሉይነትን፡

ኣተሓሒዞም ስለዘንግሁሉ’ዩ እምበኣርከስ፡ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ካብ ምግሃድ ናይ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንጹር መዓልቦ ናብ ዘይረኣየሉ ሕምፍሽፍሽ ተሸሚሙ ዝርከብ ዘሎ። ስለ’ዚ ድማ’የ ስምብራት’ዛ ትግራይ ትግሪኚ ትብል ሕልሚ፡ ምስ ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ኣተኣሳሲረ ከም ሓንቲ ድምቕቲ ረቛሒት ክጽብጽባ ዝደፈርኩ።

እዚኣ ድማ ምስ’ተን ሽዑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ሁር ዝብላ ዝነበራ፡ ናይ ፈረንጅን ናይ ዓረባውነትን ጽልዋ፡ ከም ሳልሰይቲ ተወሳኺት ረቛሒት፡ ትድመር’ያ: ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ’ምበር፡  ትግራይ ትግሪኚ ንበይና ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ወሊዳ ማለተይ ኣይኮንኩን።

ብዘይምግናን እምበኣርከስ እዞም ዝተጠቕሱ መራሕትናን ሓዋርያቶምን፡ መልክዕ ናይ ዜግነት ዝቐርጽን፡ ሃገር ዝሃንጽን ሜላ፡ ንጠለባት ንጉስ ዕዳጋን ንጉስ ሰማይን ኣስተባሂሉ መዓልቦ እግሩ ዝመርጽ ራእይ ከምዝኾነ፡ ጠፊእዎም ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ፡ ዝናን-ባህታን ስለዝኾነ’ምበር።

ምናልባት ሎሚ ነዚ ዛዕባ’ዚ ምዝካር ማለት፡ ናይ ታሪኽ በቐጥ ምሕካኽ፡ መሲሉ ዝረኣዮም ሰባት’ውን ኣይሰኣኑን’ዮም። ብፍላይ’ቶም ጽልዋ ዝናን-ባህታን ዘይበለየሎም፡ ምስ ናጽነትን ሱቕታን ምቕጻል ጥራይ ዝረኣዮም።

ከምርኢቶይ ብኣንጻሩ ኳ’ደኣ፡ ዝህደመሉ ወይ ዝረሓቐሉ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡

(ሀ) ንለውጥን ዕርቅን ዘርብሕ፡  (ለ) ንግድን ዕዳጋን ዘስብሕ፡ (ሐ) ሕምባሻ ናጽነት ዘብኩዕ፡

ናይ ታሪኽ-መሰረት ዕሽሽ ተባሂሉ ከምዝጸንሐ፡ ንምዝካር’ዩ ጻዕረይ። ዕላማ ጽሑፈይ ከኣ፡ ሕጂን ንመጻእን፡ ኣብ’ቲ ተመሳሳልነት ናይ ህዝብታት ዘሎ ዑቕር ርስቲ’ዩ፡

(ሀ) መሓድሮ ዝኸውን ህድሞ ዝህነጽ፡  (ለ) ንጽባሕ ዘርብሕ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዝቕረጽ፡ ንምባል’የ።

እዚ ክብል ክፍትን እንከለኹ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራውያን ምሁራትን ተጋደልትን፡ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ኢትዮጵያዊ መበቆል ዘለዎም፡ ቀንዲ ሃንደስቲ መስርሕ ገድልን-ምግዳልን፡ ከም በዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን’ኳ ዝፈንፈንዎ ናይ ኣንድነት ፖለቲካ ምሕላም ዘተኣሳስር የብሉን። እቲ ዓሚ-ዓሚ እንዳ ዝናን-ባህታን ኣንድነትን ሲኦልን ስለዘመሳሰልዎ፡ እሳተ ነበልባሉ መን ክልለዎ።

ይኹን ደኣ’ምበር ዝሓለፈ ተራእዩ’ሎ፡ ይኣኽሎ። ሓዲሽ ሓሳብ የድሊ’ሎ፡ ንምባል’ዩ ፈተነይ። ምናልባት’ውን ነብሱ ይምሓር፡ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ “ብኢትዮጵያውነቱ ዝሓፍር ኢትዮጵያዊ ኣየድልየናን’ዩ” ክሳብ ምባል ዘብጽሖ ምኽንያት እዚ ወዲ’ዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ንፍልስፍና ዝናን-ባህታን ክትክእ ዝኽእል፡ ሓዲሽ ሓሳብ ካብ ህሉው ኩነታት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣብነት ምጥቃስ እንተተደልዩ ድማ ኣብ ሲንጋፖር ዘሎ፡

(“Despite a “national conversation” many Singaporeans feel the government does not listen.

….. But the government now has to show not only that it can run Singapore’s economy but also that it can answer the question: what and whom is its success for?”  (3 , 33)

(ሀ) ሓያል! ሃብታም! ወይ ድማ “ጸማም” ሲንጋፖራዊ መንግስቲ፡  (ለ) ንደቂ ተባዕትዮ ናይ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝእውጅ ሲንጋፖራዊ ፖሊሲ፡ (ሐ) ሃገራዊ ወርቅን ሃብትን ንደቂጓና ዘርብሕ ሲንጋፖራዊ ምህርቲ ዘይኮነ’ሲ፡

ድሕሪ ኲናት ባድመ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ምስ ከንያ ምስ ጂቡቲ ምስ ሱዳን ከምኡ’ውን ምስ ሶማል ትኹስኩሶ ዘላ ኣነባባርን ናይ ስራሕ ዝምድናን፡ ናይ ኤርትራውነትና ዕዮ-ገዛ ክኸውን ዝግብኦ ከምዝነበረ፡ ዳግመ-ግምት ምሃቡ እኹል ይመስለኒ ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

ምኽንያቱ እዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ (ሀ) ለውጥን  (ለ) ምርጫን  (ሐ) ከምኡ’ውን ናይ ውድድር መድረኽ እናኾነት’ያ፡ ለይትን ቀትርን  ትሕደስን ትልወጥን፡ ትጸብብን ዘላ። በዚ ቀጻሊ ናይ ተሓድሶ  መልክዓ ንዝጥምታ ደላይ ለውጥን ምዕባለን ድማ፡ … መንግስቲ’ፈልጥ ….. መንግስቲ ክሓስበሉ’ዩ፡ ዝዓይነቱ፡ ናይ ዝናን-ባህታን ናጽነትን ሱቕታን፡ (ሀ) ኣምልኾ ስልጣንን፡  (ለ) ተኣዝዞ ንናይ ፖለቲካ “ኣቦ”ነትን፡ ደጊም ቀባሮ ዝጽበ ዘሎ፡ ንጉስ ሰማይን ንጉስ ዕዳጋን ዝኾነንዎ ናይ ታሪኽ ሰኸም ከምዝኾነ ዋሕሰ-ግብእ ዘድልዮ ርኢቶ ኣይኮነን።

ስለ’ዚ ምስ ዝናን-ባህታን ዘሎ ናየ’ተሓሳስባ መን ከማይነትን፡ ምስ ናጽነትን-ሱቕታን ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ድኽነትን ደጊም ምስ’ዛ ድሕሪ ኲናት ባድመ ተፈጢራ ዘላ ናይ ሕጂ-ኤርትራ ዘሳኒ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። ካልእስ ይትረፍ እንዳ ዝናን-ባህታን’ውን፡ ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ኮለል፡ እዛ ኤትርራ’ዚኣ’ሲ ከም’ታ፡ በዓል ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣንን፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዘማዕደዉዋ ሃገር ኣይትመስልን’ያ’ሞ፡ ቃልስና ኣይተወድአና’ሎ፡ ጌና’ዩ፡ ኣጆኹም ድፋዕ’ዩ ርስትኹም እናበሉ’ዮም ኣንፈት ታሪኽን ሃገራዊ ድሕነትን ተደናጊሩዎም ዘሎ።

ስለ’ዚ እቲ ኣብ ዘሎን ዘየሎን ፍልልይ ኣተኲሩ ዝነቐለ ፖለቲካ’ሲ ናይ ሓሳባት መንጸፉን መጽሓፉን እንተተገንጺሉ እንታይ ይብል ኔሩ?

ማለት’ሲ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መልክዕ ናጽነት ክንጸባረቕ ዝፍተን፡

(ሀ) ምፍልላይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡  (ለ) ብመስዋዕትን ረፈረንደምን ዝተረጋገጸ ዝበሃል ልኡላውነትን ክብርን፡

ደሚቑ ክበርህ ዝኽእል፡ ንሕጻን-ሽማግለ፡ ንሰብኣይ-ሰበይቲ፡ ንስንኩል-ንድዉይ፡ ንምሁር-ንሓረስታይ፡ ንጎርዞ-ጎምበለ፡ ንጥሪት-ንቡቕሊ፡ ንታሪኽ ንዝኽሪ ዘርብሕ፡ ንናይ ስልጣን ፍንጥርያዕ ዝገርሕ፡ ናይ ሓሳባት መንጸፍ ኔሩዎዶ? ምናልባት ከም’ዚ ሎሚ ምስጸገመና፡ ንሕጂን ንጽባሕን ዝዓብስ ትምህርቲ እንተተረኽቦ፡ ሃሰስ ክንብሎ ማለተ’የ።

እወ ብኻልእ ኣዘራርባ’ሲ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ኢሳያስን ቅዲ-ኣመራርሕኡን ክሓብእዎ ዝፈተኑ፡ እንተኾነ ግን ኤርትራውያን ንሓዋሩ ምእንቲ፡- (ሀ) ከይጉህዩ  (ለ) ከይደኽዩ  (ሐ) ምእንቲ ክጥዕዩ ዓሊሙ፡ ንቕድሚት ኣንፊቱ ዝተነጽፈ ወይ ድማ ዝተጻሕፈ ራእይ መራሕትና ኣሎዶ? ምባል መንገዲ መስተርሆት ሃሰስ ምባል’ምበር ንታሪኽ ምኽሳስ ኣይመስለንን።

ብዘይምግናን እምበኣርከስ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ፍልስፍና፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝያዳ ነቲ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ’ዩ ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድልን ምህናጽ መልክዕ ኤርትራዊ ዜግነትን ኣደናጊሩ፡ ብልጓም ናጽነትን ሱቕታን ኣግሪሩ ክገዝኦ ጸኒሑ ዘሎ።

ስለ’ዚ ድማ’የ ስምብራት ትግራይ-ትግሪኚ ኣብ ምኹስኳስ ፖለቲካ ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ዘስረጾ ተወሳኺ ግደ’ሎ፡ ክብል ካብ ታሪኽ መራሕቲ ኤርትራ፡ ብዝያዳ ንተራ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ክዝክር ዝደፈርኩ። ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ድማ መለክዒ እንተተረኺቡሉስ ኣብ ኢድና’ሎ!

እወ! እዚኣቶም’ሲ ምስ ናጽነት ይኹን ቅድሚ ናጽነት፡

1. ካብ እንዳመዓለ’ቦኦም ማለት ካብ ኢትዮጵያ እንታይ ይደልዩ?

2. ካብ ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ ይጽበዩ?

3. መኣስ’ዮምከ ምስ ዓደ’ቦኦም ዘሳንዩ፡ ብዛዕባ መንገዲ ለውጥን ዕርቅን ዝቓንዩ ምባል ነውሪ’ብሉን። ስለ’ዚ ትግራይ-ትግሪኚ ጨጉሩ ነዊሕ’ዩ!

ዝኾነ ኾይኑ ሓንሳብ ካብ ተላዕለስ እስኪ ሓደ-ኽልተ ናይ ተንተንቲ  መማቕርቲ  ክውስኸሉ፡

‘ሰነዳት ብሪጣንያ’ውን ብዛዕባ “ትግራይ-ትግሪኚ” ንዘሎ ስእነት ሓበሬታ ከሀብትም ዝኽእል ቁም ነገር ዘለዎ ጭብጥታት ኣይህብን። ኣብ’ታ  Contemporary Politics እትብል ናይ’ቲ እዋን ጽሕፍቲ፡ ካብ 1942 – 1944፡ ናይ “ትግርኛ ሃገራውነት” ገርጊሩ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ግን ጽልኣት ልዕልነት ሽዋ ዘበገሶ ብምንባሩ፡ “ዓቃባውን ድሑርን” (conservative and reactionary) ኢዩ።’ …….   ድሕሪ ምባል፡

‘ነቶም ተገንጸልቲ (Separatists) ዘጠመቖም ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ዝሓቱ ዝነበሩ ዜጋታት’ውን ብምቁንጻብ … ብዘይካ ጽልኣት ሸዋ ካልእ ናይ ሓባር ረብሓ ዘይብሎም፡ እኩባት ናይ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያ እዮም።’(1, 101.)

ስለ’ዚ ታሪኽ ኣበ’ጠቓቕምኡ ክሳብ ክንደይ ክጽሎ ከምዝኽእል፡ ኣብ ላዕሊ ኣቶ ኣለምሰገድ “ቁም ነገር” ትብል ናይ ስምዒት መግለጺት ሓረግ ክጥቀም ዘድፈረቶ ሚዛን፡ ድምቕቲ ሓባሪት’ያ። ታሪኽ’ሲ ዕላማ ናይ ጸሓፋይ ንምርታዕ ክምመ ይኽእል’ዩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ “ብሓፈሻ ኣጀንዳ ትግራይ ትግሪኚ ብድልየት ኤርትራውያን ጥራሕ ዝተበገሰን ድልየት ህዝብታት ትግራይ ዘየሳተፈን ብምዃኑ ጥራሕ ጉጉይን ነዊሕ ዘይከደን መደብ እንተኾነ እኳ ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ግን ኣብ ግዜኦም ዓባይ ሃገር ኤርትራ ንምፍጣር ዝገበርዎ ፈተነ በላሕቲ ፖለቲከኛታት የብሎም እንበር ኣየውቅሶምን ።” (2) ይብል ካልእ ናይ ስምዒት መግለጺ ካብ ትንታነ ኣቶ ኣስገዶም ተወልደ።

ዝኾነ ኮይኑ፡ ሓንቲ ወልደኣብ ካልኣይቲ ድማ ኢብራሂም ተባሂለን ክቑረሓ ብዝኽእላ ናይ ታሪኽ ኣዕይንቲ እናጠመተ፡ ካብ ሸዋ ክሃድም ሓግዩ ዝኸረመ ጉዕዞ ገድልን ምግዳልን፡ ኣብ ጎላጉል ባርካን ጎቦታት ሳሕልን ኢሳይስ ዝዓይነቱ ናይ ጸሓይ ኦክያለ ወድዩ’ዩ፡ ካብ ንፋስን ደሮናን ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተዓሚቱ ዓዲ ኣትዩ፡ ኣብ ገዛ ምሕዳር ኣጊሙዎ ዘሎ።

ሕጂ ግን ወየን ናይ ታሪኽ ኣዕይንቲ ቀትሪ ምድሪ ጽልግልግ ኢሉወን፡ ብፖለቲካ ናይ ሽዋ ከስተማስላ ግዜ ከምዝቐተላ ተሰዊጥወን፡ መጻሕፍቲ ንጉስ ዕዳጋን ንጉስ ሰማይን ኣንቢበን ናብ ዓለመን ክጽንበራ፡ ናይ ጸሓይ ኦክያለ ዘይኮነ’ሲ፡ ናይ ዓይኒ መረጸን የድልየና’ሎ ይብላ’ለዋ፡ ምእንቲ ክጽሕፋ ለበዋ።

ክቕጽል’ዩ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

References:

1. ኣይንፈላለ - ኣለምሰገድ ተስፋይ

2. ኤርትራ ናይ ዓደ’ቦነት ጸገምን ብድሆን ዘይኮነስ ናይ ሰላም ዲሞክርስን ዕብየትን … ኣስገዶም ተወልደ (01/13)

3. The Economist 02/ 02 – 08/ 2013

4. Risky is the New Safe – The Rules Have Changed: Randy Gage

5. Brothers at War – Tekeste Negash & Kjetil Tronvoll

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...