ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል!

እናተጣርዐ ህዝቢስ ክኢልኩሞ ስቕ ምባል!

ገጉድጓድኩም ሒዝኩም ምጽንጻንከ እንታይ ይብሃል?

ካብቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምብኳር ምሕካል!

ንውፉያት ደቂ ህዝቢ ንበላዒ ሰብ መባእ ምኽፋል!

ንበይኖም ድዮም ተወሊዶሙላ’ዛ ሃገር?

ከየርከብኩም ንበይኖም ዝስዉኡ ዓጽሞም ዝስበር?

ንህዝቢ ተስፋ ዘስነቐ

‘ፎርቶ ንህዝቢ ኣበራቢራቶ

እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር!

ይኣክል ውረድ ዝብል ኣዋጅ ዘርግሓቶ’

ዝብል ደወል እናተደወለ ከም ዘይሰማዕኩም ኮንኩም

ኣብ ዘዘለኹሞ ኣጽቅጥ ምባልካም እንታይ’ዩ ጉድኩም?

ሕጂ’ውን ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ጸርኩም ምንባር ድዩ ድላይኩም

ንህዝቢ ደም የንብዖ ከም ዘሎ እናፈለጥኩም

ናብቲ ‘ወፈራ ህዝቢ ምድሓን’ ከየርከብኩም ዝተረፍኩም!

እዛ ህዝቢ እናጸነተ ስቕ ምባል! ኣይነበረትን ምሳኹም

ናጽነት ስለ ዘምጻእኩ ምሳኹም

ከይተፈለኹ ካባኹም

ይፈልጥ’የ ጀጋኑ ምዃንኩም

ምእንቲ ህዝቢ ትኸፍሉ ከም ዝነበርኩም ህይወትኩም

ሎሚ ድኣ እንታይ ወሪዱኩም?

ደንጽዩኒ’ዩ ዘሎ ናታትኩም

እንታይ ኢዩ ዓንዚዙኩም!

ህዝቢ ካብ ምድሓን ድሕርሕር ምባልከ ካብ ምኣስ ተማሂርኩም?

ሕጂ ከኣ እንተ ዘይተላዒልኩም ክተድሕኑ ህዝብኹም

ኣነ ጓሉ! ኢለ ክልዓል’የ ባዕለይ ክመርሓኩም?

ቀሚሸይ ክበኩም ክወስዶ ስረኹም?

ዋዕሮ ሓለፈት! ከብል ክስለፍ ቅድመኹም

ዝመጽእ መዓልቲ ደቂ’ንስትዮ ሾመንተ መጋቢት ከኽብሮ’የ ምሳኹም

ከሓድሶ’የ ቃለይ ክደግመልኩም

ከምቲ ‘ዘየደቅስ ነጊሮምኻስ ድቅስ ይሓድሩ’ ከኣ ከይመስልኩም

ድቃስ የለን እዚ ኩሉ ግፍዒ እናረኣኹ እናረኣኹም

ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት! እንታይ’ዩ ጉዳ እዛ ስቕታኹም

ስቕ ስለ ዝበዝሐ እንዲዮም ዝጭወዩ ዘለዉ ብጾትኩም

ስለ ምንታይከ ትነብሩ ተዘኒብኩም!

ሓቦ ዘይትብሉ ከም ቀደምኩም

መጭወይቲ ‘ናባይ ጥራይ ኣይትምጻእ!’ እናበልኩም ክሳብ ዝዓርበኩም!

ከምቶም ቀዳሞት ክትጉተቱ ትጽበዩ’ለኹም!

ናባኹም ምምጽኣ ዘይተርፍ ምዃና እናፈለጥኩም!

በሉ ካብ ዝሓለፈ ተማሃሩ ግዜ ከለኩም

ሕሰቡ ምኸሩ ምስ ብጾትኩም

ዝመስልኹም ድለዩ ዝቐርብኹም

ሕማቕ ሽም ኣይትግደፉ ንውሉድኩም

ብዓቢኡ ከኣ ካብ ምጥፋእ በበይንኹም

ከምቶም ዝሓለፉ ብጅግንነትእ ምሕላፍ ይሕሸኩም

‘ውፉይ ወዲ ህዝቢ!’ ኣቢልኩም

ግን ነግ ፈረግ እንተብዚሕኩም

ኣነ ጓሉ! ኢለ ክልዓል’የ ባዕለይ ክመርሓኩም!

ስረኹም ክወስድ ቀሚሸይ ክበኩም!

ስለዚ ግደፉ! ተቐላጠፉ! ኣርሙ ጌጋኹም

ንቡር ኣይተጥፍኡ ባዕልኹም!

ኣለናልካ! በሉዎ ህዝብኹም

ንብዓቱ ሓንስስሉ ብመንዲልኩም

ግን ፍለጡ፡ ንኣዳም ገረሞ’ ኮይኑ ዘሎ ስቕታኹም

ናብ ማሕጸን ወላዲት ድኹም ክትምለሱ ደሊኹም?

ግዝኣተ-ሕግን ሰላምን ርህዋን ንህዝብና

ምስሉ ተኪኤ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...