እዚ ገባር ቅያ ኤርትራዊ ህዝቢ

ክስታናይ ኣስላማይ ሓደ ልቢ

ንመግዛእቲ ባዕዲ ዝበሎ’ምቢ

ናይ ሰውርኡ ምስጢራት ዓቃቢ

ስርሑ ዝፍጽም በዋፍራ ንህቢ

ኣብ ኲናት ዝውርወር ነጉዲ-ሰርቢ

ናጽነት ረኺቡ ከይምዕብል ከይዓቢ

ዘይሓሰቦ ወዝቢ

ሓርነቱስ እምበር መንጢልዎ እቲ ስሱዕ ድቢ፡

ተቢዑ ደፊሩ ከይዛረብ

ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ መሪር ጭርሓኡ ከየቕርብ፡

ከይመርጽ ከይምረጽ ሰብኣዊ መሰሉ ተሓሪሙ

ብዓመጽ ብጎነጽ ተኸልኪሉ ከይትግበር ቅዋሙ

ከይጽሕፍ ከይገልጽ  ዉሽጣዊ ጸገሙ

ዓው ኢሉ ከይሓትት ትምበል ተባሂሉ ኣፉ ተሓቲሙ፡

ልዕሊ 20 ዓመት ብሓደ መላኺ ተዳሂኹ

ምዕይዕይ ከይብል ተደሪኹ

ወዮ ዘይጻዓድ ህዝቢ ተምበርኪኹ፡

ብስእነት ዓጸቦ ተባዕ ዝነበረ መያቚ ኮይኑ ጃጅዩ

ኣብ ትጽቢት ልማኖ ኣብ ሸቐልቀል ኣትዩ

ከይቃወም ኣንፈቱ ቀይሩ ናብ ካልእ ተኣልዩ፡

ኣዝዮም ዝሓዘኑ ብኸምዚ ኩነታት

ሓሙሽተ ጀጋኑ ተባዓት ምዑታት

መኮንናት ኵናት ምክልኻል ሓይልታት

ኣብ ወሰኽ ደሞዞም ኣብ ማዕርግ ዕብየት

ከየድሃቡ ከየርኣዩ ድልየት

ተበግሶ ጌሮም ንህዝቦም ሓርነት፡

“እሱራት ይፈትሑ ቅዋምና ይተግበር

መሰል ናይ ህዝብና ይተሓሎ ይከበር!”

ዝብል ኣዋጅ ወሳኒ ርእይቶ

ብዕለት 21 ጥሪ 13 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ’ንዳ ዜና ዝባን ፎርቶ

ዘንበብዎ ጽሑፍ ናይ ሓርነት ሕቶ

ኣብ እዋኑ ስርዓት ኢሳይያስ ነፋሒቶ

ቅልውላው ኣቲዎ ዝገብሮ ሓርበቶ

ነቲ ዜና ከይዝርጋሕ ዓገቶ፡

ዝብሎን ዘመኽንዮን ጠፊእዎ

ነቲ ንጹር ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ዘቕረብዎ

ከም ናይ ሳሕል ልምዱ መልክዕ ናይ ኣውራጃን እምነትን ለኺዎ፡

ኣብ ዕለት 21 ኣርባዕተ ጀጋኑ ህይወቶም ተበጅዩ

ጅግና ሓሙሻዮም ወዲ ዓሊ ከይተታሕዘ ጎዩ፡

ብዕለት 22 ኣባላት ጸጥታ ኣሰሩ ስዒቦም

ተዅሲ ከፊቶሙሉ ንበይኑ ከቢቦም፡

ኢድካ ሃብ ኢሎሞ ኢደይ ኣይህብን ንዓኻትኩም ኢሉ

ምእንቲ ሓርነት ህዝቡ ዝኣምነሉ ተሰዊኡ ባዕሉ፡

ስርዓት ኢሳይያስ ጥልመት መዕበይኡ

ውርዝነት ዘይፈልጥ እንካብ ፈለምኡ

ነቲ ተባዕ ጅግና ናጽነት ዘመጽአ ተቓሊሱ ምስኡ

ብዘዕበዮ ቃላት-ሹቕ ቋንቊኡ

ክንዲ ሞይቱ ዝብል ወይ ክኣ ተሰዊኡ

“ተኻሪጁ’ልዎ ኣብ’ቲ መግለጺኡ”፡

ስርሒት ሓሙሸተ ጀጋኑ ናይ ጥሪ

ክነብር’ዩ ክዝከር ብኽብሪ

ኣብ ኤርትራ ሃገር ምድሪ ባሕሪ

ምስ ኣብቅዐ ናይ ኢሳይያስ ዕምሪ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...