ንዓለም ክንምግባ ንኽእልዶ? ዝብል መበገሲ ሕቶ የልዕሉ ዘመናዊያን ፈላስፋታት ቁጠባ። ካብ ብዓንተቦኡ ወትሩ ተመ ሳሳሊ ሕቶ ይላዓል እንተነበረ፡ መንቀሊ ናይዚ ግዜያዊ ባሕሪ ሓሳብ ግን ብላዕሊ ላዕሉ እንክርአስ መጠን ወሊድ ደቂ-ሰባትን ዓቕሚ ቀረብ ቁጠባን ዝቐመረ ኢዩ ይበሃል። ቃልንቃሉ ክትርጎም ከኣ ንዓለም ስልዖ ዘየወፈዩላ ኣህዛብ ብዓሰርተ ታት እናተፋረዩ ጸገም ኮይኑ ይብሉና። ኣቐድም ኣቢሎም መራሕቲ ማሕበረ-ዴስነት ነዚሕቶ ነገር ወሊድ ዘይኮነስ ጸገ ምሕደራን ምክፍፋል ባህርያዊ ሃብትን ከምዝኾነ ገሊጾም ነይሮም። ሓሳብ ናይዞም ተጣበቕቲ ግሎባላይዘሽን ግን ኣይ ከምኡን።

ንነገሩግሎባላይዘሽን እንታይ ማለት ኢዩ“? ዝብል ሕቶ እንተዘጋጥመኩም እንታይ ምመለስኩም?

እንድዒ ምባል ንርእሱ ጉቡእ መልሲ ምበልኩዎ ኣነስ። ትርጉሙ ብዋዛ ተረካቢ ኣይኮነን። ኣብ ሓጺር ግዜን ብሰን ኮፍ ኣተሓሕዛን ዝምለስውን ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ፈሊጠዮን ክኢለዮን ክኸውን እናተተስፈኹ ቁሩብ ምልስ ኢለ ንመ እተዊ ብዝኸውን ሐሳብ ክጠናበር ኢየ ሓገዝኩም ኣይፈለየኒ።

ሰንሰለታዊ ምዕባለ ስርዓታት ዓለም ንምጽብጻብ ከይርሕቀና ምእንቲ ካብ መወዳእታ 19 ክፍለ-ዘመን ክንጅምሮ ንኽእል፡ እቲ ብነጋውስን መሳፍንትን ዝምራሕ መስፍናዊ /ሰብ፡ ድሒሩስ ደርቢ ቡርዥዋን ሸቃሎን ክፈጥር ብምኽኣሉ ርእሰማ ላዊ ስርዓት ተመስረተ። ንሱ ከኣ ኣብውሽጡ ምስደርቢ ሸቃላይን ኣብ ቡርዥዋታት ነንሕድሕዶምን ብዝተፈጥረ ናይ ብሓ ረጽሚ ብቀጥታዊ ጎበጣ መግዛእቱ ከስፋሕፍሕ ክብል ንቀዳማይ ኵናት ዓለም ወለደ። ቀዳማይ ኵናት ዓለም ድማ ከይደንጎየ ንፍልስፍና ማሕበረ-ዴስነትን ካልኣይ ኵናት ዓለምን ወለደ። ዓለም ካኣ ኣብ ክልተ ደምበ ተመቕለት። እተን ንነፍሰን ልዕለ-ሓያላን ዝሰመያ ስርዓተ ርእሰ-ማል በቲ ሓደ፡ በቲካልእ ከኣ ደምበ ማሕበረ-ዴስነት። ኣብ መንጎ ፍልስፍና ፍልልያት ዝተፈጥረ ሕቡእ ፍሕፍሕ ብወገኑ ንዙሑል ኵናት ወለደ። እቲ ኩሉ ጎድናዊ ቃልሲ ቀሊል ኣይነበረን። እሞ ዝሑል ኵናት ብግዲኡ /ካብ 1980ታት ምዃኑ ኢዩ/ ንፍልስፍና ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓትወለደ። እዚ ሓሳብ ገና ብውል ድኡ እንከሎ ካአ በቲ ሓደ ከም ሕብረት ክልተ ጀርመን፡ በቲ ካልእውን ፍርሰት ናይታ ገዛፍ ሩስያ ዝኣመሰልዎም ዓበይ ዓለማውያን ክስተታት ተራእዩ።

ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓትከ እንታይ ማለት ኢዩ“? ዝብል ሕቶ ዳግማይ ከነስዕብ ንኽእል። ነዚ ንምምላስ ድማ ክልቲኡ ቶታት ብሓደ ንግጠሞ። ግሎባላይዘሽን ማለት ቀጥታዊ ትርጉሙሓድሽ ዓለማዊ ስርዓትማለት ምዃኑ እንተተጋጢምል ዘመናዊ፡ ሓድሽን ዝረቐቐን መግዛእቲ ከምዝኾነ ፍጹም ኣየጠራጥርን።

ብኸመይ? ከምኡ ዝብል ለባም!

ንዓለም ክንምግባ ንኽእልዶ“? ዝብል ሕቶ ዘቐመጠ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ብኡ ንብኡ ከይተማትአ እወ ንኽእል ክብል ንሕቶኡ ቅጽበት መሊስዎ ኣሎ። እንተኾነ ብሽፋን ሓባራዊ ምዕባለ ከም ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራውን መሰላቱን በይቲ ቅድመ-ኩነታትውን ኣቐሚጡ ኢዩ። ኩሉ ዓይነት ወፍሪ ብዘይዶብ ካኣ ቀንዲ መለለይ መንነቱ ኮይና ተሰነደት።

ሓያላን ከምዝብልኦ፡ሃገራዊ ዶባት ንምዕባለ ቁጠባዊ ወፍሪ ዓንቃጺ ኢዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትአን ሃገራት ብዘለወን ስንፈት ምሕደራን ቴክኖሎጂካዊ ድሕረትን ንዘለወን ሃብቲ ብጉቡእ ክጥቀማሉ ኣይኽእላን ኢየን። ስለዚ ሰብ ዓቕሚ፡ ዘይዝኾነ ፍልስፍናዊ ኮነ ካልእ ቀይዲ ኣብ ብዓለሙ እናኸዱ ጸጋ ዓለም ንፍጡራታ ከብጽሑ ናጻ ክኾኑ ኣለዎምኢዩ ነበረ መብጽዓ።

ኣብቲ መጀመርታ እዋናት ህዝቢ ዓለም ነዚ ብሓልዮትተጣበቕቲ መሰል ደሞክራስን ፍትሕንዝተበገሰ ዝመስል ሓድሽ ፍልስፍና ከምዘለዎ ብክፉት ኣእምሮን ሃረርታን ኢዩ ዝተቐበሎ። ምኽንያቱ ዓለም እንካን ሃባን ኢያ ብምክብባር፡ ብስ ምምዕን ብፍትሓዊ መዐቀኒ ምክፍፋል ባህሪያዊ ሃብቲን ክኸውን እምንቶ ኩሉ ውጹዕ ብምዃኑ። እንተኾነስ እናሓደረ ነገ ራቱ ኣይከምቲዝተባህለን።

እዚ ፍልስፍናዊ ፍልልይ ዝደረተ ምህዞ ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ስግረ-ዶብ እናመረሸ ንዝገብሮ ዘይድሩት ምትእትታው ንምሽፋ ኣብ ኣጀማምራኡስ ከምቲ ልሙድ ሰላምን ብልጽግናን እናተመነየ ምእንቲ ረብሓ ውጹዕ ዓለም ኣውራ ምእንቲተን ዘይማዕበላ ተባሂሉ ከምዝነቐለ ስለዝተወርየሉ፡ እቲ ሓቀኛ ዓላማ ንጎድኒ ገዲፍና በቲ ዝበሃል እንተረኣና፡ ውሑድ ህዝቢ ኣብ ገፊሕ መሬት፡ በዙሕ ከኣ ኣብዝጸበበ ምድራቱ፡ ሃገራት ክጥቀማሉ ዘይኽእላ ባህሪያዊ ሃብቲ ንናይሓባር ረብሓ ሰብ ዓቕሚ ክወፍርኦ፡ ዓመጽቲ መራሕቲ ህዝቦም ከይዕምጹ ምጥባቕ፡ ሓያላት ንድኹማት ከይዕምጻ ምሕጋዝ....... እናተባህ ዝጀመረ መብጽዓታት እናሓደረስ ውጽኢቱ ጥሕሳ ሉኣላውነቱ ክንጸር ኣይጸገመን።ኩሉ ወጹዕ ከኣ ኣብ መጀመርታኡ እዃ ተሃሚልሉ እንተነበረ እናሓደረ እንክርአ ግን ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንፍጹም ዕብለላ ባህሪያዊ ትሕዝቶን ጂኦ - ስት ራተጂካዊ ረብሓን ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ከምሳዕቤኑ ብፖለቲካዊ መስፈርቲ ንዝኸረረ ሓድሽ መግዛእቲ ከምዝተወጠነ ተጋ ሂዱ እንሆ። ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት እንበኣር ነቲ ቀስ ብቀስ ኣሳጽዩ ዘላእም ሰላሕታዊ ቅትለት ዝተክአ ሕሉፍ መግዛእታ ሜላ ብምዃኑ እተን ክነብራ ዘለወንን ዘይብለንን ሃገራት ክፈላልየን ተራኣየ። ጽጋብ ንእኪት ካብወለደታ ከክንድኡ ዒላታት ነዳዲ ዘዝፈልፈለሉን ካልእ ባህሪያዊ ሃብቲ ዝተዓደሎ ቦታታትን ከምኡ ከኣ ካልእ ምሩጽ ስትራተጂካዊ ቦታታት ክተሓዝ ተሓጸየ። ከም ሳዕቤኑ ውልቀ-ናጽነት እንተዘይኮይኑ ሃገራዊ ናጽነት ኢልካ ምሕሳብ ፍጹም ሕሩም ኮን። ጎነጻ ተበግሶ ከምዘይተኾነነ ሎሚ ቀንዲ ተመራጺ ምዃኑ ይርአ ኣሎ። እዚ ክፍጸም ደቀባት ክባድሙ ኣለዎም። እዚውን ሊል ኢዩ። ብኣፍ ካልእ እናተወርየ ብጋህዲ ከምዝርአ፡ እተን ንርእሳተን ኣብ ድሞክራሲያዊ ምክብባር ዝነብራ ሓያላን ሃገ ራት ንዘገልግሉወን ሙልሙላተን ናይ ዕድመ-ልከዕ ስልጣን ፈቒደናሎም ይራኣያ። እቲ ሓፋሽ እንበኣር እንተ ብሰሪ ግርህ ናኡ እንተ ብስንፍናኡን ድሑርነቱን መረበቱ ራሕሪሑ ክስደድ ግድን ኮነ።

ደጋጊሙ ንዘስተብሃለ እዚ ፍልስፍና ከምመተካእታ ዝሰዓበ ይምሰልምበር፡ ከም ውሉድ መጠን ልክዕ ከምቲ ዘመነ-ፖለቲካ ዝሑል ኵናት ብሰላሕታ ነቂሉ ከብቅዕ ራኢኡ ንምትግባር ሓያላን ሃገራት ብዘለወን ጸብለልታ ቅጽበት ርኡይ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምፍጻም ብሓይለን ዶብ ልኡላውነት ከዳቕቓ ተራእያ። እዚ ብመሪሕነት ኣመሪካ ዝታአጎደ ባርዕ ብዝተፈላለየ መልክዕን ጥበባትን ምድቓቕ ፖለቲካዊ ዶባት ብወግዒ ተተሓሒዝዎ ኢዩ። ድሮውን ዕማም ናይተን ብቀዳምነት ኣብ ቅድመ-ግምባር ዝተሰርዓ ሃገራትን ገለ መራሕትን ድሮ ናብ ምጽጻይ ገጹ ኢዩ። ሓያለይ ሃገራት ብዘይባ ህሪያዊ ሰበባት ተዳቒቐን፡ ክንደይ ዘይተደለዩ መራሕቲውን ህጣሞም ጠፊኡን ኣሎ። ወዮ ዓምዲ ፍትሕን ደሞክራስን እንባኣር ጭርሖ ሓድሽ መግዛዝቲ ኮይኑ ምትራፉ ተጋሂዱ እንሆ።

ተወሳኺ ኣብነት፡ ኣቀዲሙ ምስ ሃገራት ብመገዲ መራሕተን ብመልኽዕ ዲፒሎማሲ ዝግበር ዝነበረ ልዙብ ርክብ ኣብ ብሓ ክልተ ዝተመስረተ ምስዘይኸውን ሃገራት በመገዲ ሕገ-መንግስተንን መራሕተንን ናይ ምንጻግ ተኽእሎ ነይርወን። ምስ ካልእ ዝሰማምዐን ናይ ምምሕዛው ናጻነትውን ነበረን። ሎሚ ግን ሓያላን ሃገራት /ብፍላይ ኣመሪካ/ ነቶም መራሕቲ ልዑላዊያን ሃገራት ኣብ ደምበ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ከትጽንብሮም ተራእየት። ሓንሳብ ኣብዛ መጽሓፈ-ስንክሳር መግዛ እቲ ዘዝጠቕዐ ዘበለ መቸም ብኡ ንቡኡ መበቆላዊ መንነቱ ረጥሪጡ ኣብ ሓድሽ መንነት ከምዝተጠመቐ ተስተውዕሉ ትህ ልዉ። ድሕሪ ንሳቶም ንዝቖጸረቶም አመሪካ ምእዙዛት ክኾኑ ግዱዳት ኢዮም። ኣመሪካ ከኣ ንሳቶም ከምመራሕቲ ናጻ ሃገራት ዘይኮኑስ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከም ኣምባሳደራታ ጥራይ ኢያ ትሓስቦም።

ኣምባሳደርከ እንታይ ኢዩ ስርሑ?

በሉ ማሕላ ከኣ ቀታሊ ኢዩ እዞም ድሉላት ንይምሰል ቀትረ-ቀትሪ ብባንዴራ ሃገሮም ማዕሪጎም እናወዓሉ ለይተ-ለይቲ ከኣ ምስ ባንዴራ ኣመሪካ ኢዮም ዝሓድሩ። ኣብ ፍልስፍናኩሉ ብዘይዶብዝጠምዐ ዘበለ ድማ ዝደለዮ፡ ዝኣመነሉ ዘይ ኮነስ ዝተኣዘዞ ጥራይ ኢዩ ዝገብር። ከምገለ ዝተጣዕሰ ወይ ብዓንተቦኡ ዘይለዘበ ዘበለ ዝወርዶ ዘሎ ሰላሕታዊ ቅዝፈት‘ ‘ውንኣየርኢኢዩ ዘብል። ዓለም እምባኣር ነዚ ሓድሽ መንነት ክትርዕም ኢያ ትግደድ ዘላ።

ልኡኽ ሓያላን ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ኢሳይያስ አፈወርቂ ኣብራሃምከ ኣብ ማእከል ሃገሩ እንታይ እናገበረ ኢዩ? ኩሉኹም ንጹሃት ደቂ ድንግል ሃገርከ እንታይ እናመከርኩም ኢኹም?

ኣብ ዝቕጽል የራኽበና!

ጎደፋ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...