ብደም ዓዃይ ጓሳ ምስ ሸቃላይ ተቐባል ጸበባ

ኣካላ ዝጨቆ ብደም ተሓጺባ፡

ሓንጎል ምሁር መምህር ተምሃራይ ዝወሓጠት ሃገር

ናታ ታሪኽ ክትዝርዝር እዚ’ልካ ዘይንገር፡

ውጽዕቲ ካብ ዓለም

ን 30 ዓመት ዝጠልቀየት ብደም፡

ብናይ ህዝባ ቃልሲ ወዲ ሓንቲ ሔማ

ናጽነታ ሒዛ ወጊዳ ጸገማ

ኤርትራ ክትጽዋዕ ከም ሃገር ብስማ

ኣብ ርእሳ ክትኣስር ናይ ከብካብ ጋማ

ዓለም ክሻባሸብ ኣብ ናታ ከተማ

እዋን ረፈረንደም ብዋዜማ (ድሮ)

ኣብ ታሪኽ ሻዕቢያ መሰል ዲሞክራሲ ዝሓረማ

ብጉልባብ መሃያ ናይ ሰራዊት ኣድማ

ብግሃድ ተራእዩ ንፈለማ፡

ኣብ ኩሉ ከይልሕም ኣድማ ናይ ሰራዊት

መብጽዓ ኢሳይያስ መጻወድያ ክፍኣት

ብታሕታ’ዩ መርዚ ልኡም ቃላት

ኣልሚስዎ ነቲ ውሁብ ኩነት፡

ናይ ተንኮላት መምህር

ነቲ ምንቅስቓስ ቀልጢፉ ኣእቲዎ ኣብ ናቱ ቁጽጽር

ንገለ ከባርር ንገለ ከሕቅቕ ንገለ ክኣስር

ፋሕ ፋሕ ኣቢልዎ ንሰራዊት ግንባር

ብኽፉት ልቦና ሓድሕድ ከም ዘይሓብር

ሓደ ነቲ ሓደ ክጠራጠር

ብእኩብ መኺሩ ሓንቲ ከም ዘይገብር፡

መርበብ ስለዩኡ ዘርጊሑ ኣብ ውሽጡ

ሓሰውቲ ኣብዚሑ ምስጢራት ዝፈልጡ

ዝኾነ ሰራዊት ኮፍ ኢሉ’ራጢጡ

ከይዝቲ ከይነቅፍ መሰሉ ፈሊጡ

ኣርዒዱ ሒዝዎ መሊኹ ጨቢጡ።

ምእንቲ መሰሉን መሰል ህዝቡን ዝሓለወ

ከም ሕሉፍ ታሪኹ መስዋእቲ ንምኽፋል ነፍሱ ዘይፈተወ

ህዝባዊ ሰራዊት ክሳብ ዘይሃለወ፡

ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ’ዩ ስደት ስቓይ ማእሰርቲ ሞት

ዕዮ ናይ ጊላነት ሕማም ዕርቃን ጥምየት።

ብድሕሪ 20 ዓመት ናይ ሰራዊት ናዕቢ

ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ዕለት 21 2013 ዓ.ም. ዝተራእየ ወዝቢ፡

ሽቶኡ ከይወቕዐ ዋላ’ተበርዓነ

ሓባር ዉድቀቱ’ዩ ንናይ ኢሳይያሰ ቀጻሊ ጭቋነ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...