ኣብ ገጻት ፋይስ ቡክ ኢዩ ካብ ኣነን ንሱን ንካፈሎ ዝነበርና ርእይቶታትን ምቅብባል ጠቐምቲ ወብሳይታትን ሌላና ዝብገስ። ድሒርና ብዝተለዋወጥናዮ መልእኽትታት ክኣ ፡ኣብ ሓደ ከባቢ ከም እንቕመጥ ኣረጋገጽና እሞ ርክብና ብተለፎን ውን ክቕጽል ከምዘለዎ ተረዳዳእና፡ በዚ ክኣ ርከብና ደልደለ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካኣ " ኣብ ከተማ ቶረንድሃይም እንርከብ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ፡ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ናይ ምትእኽኻብን ናይ ምዝንጋዕን መደብ ከንገበር ስለ ዝኾና ምሳና ክትውዕል ትኽእል እንተ ኾንካ " ከብል ስለ ዝተወከስኒ ብቕንያቱ ናይ መገሻ ሓሳብ ኣብ መደበይ ከእቱ ቀሲቡኒዩ ቀንዩ። በዚ መሰረት ከኣ ንመደባት ግዝየይ ከካውን ኔሩኒ። ብዓንተባኡ ውን ኣብዚ ከባብየይ" ኣብ ቶረንድሂም ዘለው መንእሰያት ተቓወምቲ ዉዳቤኦም ሓያል እዩ" ዝብል ዕላል ጥራይ ዘይኮነ እንታይ ድኣ "ከተማ ቶረንዲሂም ናይ ተቓወምቲ ከተማ እያ" ዝበል ወረ ውን ይሰምዕ ብምንባርይ፡ ከላለ ይሕግዘኒ እዩ ካብ ዘበል ሓሳብ፡ ተማዊተ ክሳተፍ ንነብሰይ ኣእመንክዋን ኣፍተኽዋን።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ እየ ናብ ቶርንድሂም ዝበጻሕኩ። ዓዳምየይ ኣብ መዕርፎ ኣውተቡሳት ተቐበለኒ እሞ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ " በል ንዓናይ ኣብ ስራሕ ኢና ዘለና ንጽባሕ ነቲ ኣደራሽ ከነዳልዎ ስለ ዘለና ንሸላልም ኢና ጸኒሕና፡ ብኡ ኣቢልና ከንሓልፍ ኢና " በለኒ እሞ ናብቲ ኣደራሽ ገጽና ኣምራሕና።

ኣብቲ ኣደራሽ ብዝበጻሕና ኣስታት ሓደ ደርዘን ዝኾኑ መንእሰያት፡ ልክዕ ከም ዳሳ ከተጸብቕ ላዕልን እትበል ኣደ ኣደራሾም ኰወጋግኑን ክሸላልሙን ምስ ትዓዘብኩ ለካ ቅሩብነት ዘለዎን ወኒ ዓዱ ዘይተጋደፎ መንእሰይና እናሰሰነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ ብምባል ናይ መጀመርያ ትዕዘብተይ ኣብ ኣእምሮይ ብምስናድ ናብ ሰላምታ ተሰጋገርኩ። ግደ ሓቂ ክኣ ሎሚ መብዛሕትኡ መንእሰይና ጉዳይ ዋኒኑን ማሕበራዊ ሂወቱን መዓልታዊ ጉዕዞኡን ጥራይ ዓጢጥዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብጉዳይ ሃገርና ንዘራረብ ኢሎም ዝተዓጥቁ መንእሰያት እንከትዕዘብ ከንደይ ሞራልካ የዕብን ባህታ ይፈጥርን መችም ርዱእ እዩ።ምናልባት ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣይኮነንዶ ንጉዳይ ሃገሩ ኣልዒሉ ክዘራርብ፡ ኣብ ምምላእ ናብራኡ ጥራይ እናሃልወ ኣብ፡ ምርዋይ ናይ ዋንነት ትምኒታቱ ወልፉን ዋኒኑን ተሓናኒቑን ከም ዘሎ ምስ እትዝክር ክኣ፣ ወኒ ናይዞም ኣደራሾም ኰወጋግኑ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ኣብ ቅድመይ ዝተዓዘብኵም መንእሰያት ተዓዚብካ ሞራል ትሰንቕ ጥራይ ዘይኮነ ንስኻ ውን ዘለካ ዓቕሚ ከተበርክት ይቕስበካ። ይበል ወኒ የመልኣላኩም ጥራይ በልኩ ብውሽጠይ።

ንጽባሒቱ ንከተማ ቶረንድሂም ውን ዘወር ክብላ ስለዝነበረኒ፡ ምስ ሓደ ናይ ቀረባ ፈታውየይ ተራኺበ፡ ናበየ ቦታታት እታ ከተማ በጻሕና። ግደ ሓቂ ባህ ተብል ከተማ፡ ከንደይ እኳ ፈትየያ። የግዳስ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣኺሉ ናብ ቀንዲ መገሽየይ ከብል ኔሩኒ፡ ስለዚ ከኣ ምስ ፈታውየይ ተፈላልየ ናብ ናይ ዕድመ ቦታ ንክኸይድ ንዓዳምየይ ናብ ስልኩ ተደሃዅዎ እሞ መጸኒ።ድሕሪዚ ዓዳምየይ "ኣጋይሽ ምሳና ዝውዕሉ ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ኦስሎ በርገን ዝመጹ ቦታ ክሕብሮም ይጽበዩኒ ኣለው እሞ መሪሕናዮም ክንከይድ" ኢሉኒ፡ ተበገስና። ካብ ኦስሎ ካብ በርገን ናብዚ ምሳኹም ክዉዕሉ መጽዮም? በልክዎ ተገሪመ። "እወ ሞራል ክህቡና" በለኒ፡ ብዙሕ ንሕቶይ ግዲ ከይሃበ። "ንሕና ውን ንበጽሖም ኢና" ኢሉ ከኣ ንመልሱ ኣራጎዶ። ኣብቲ ዝተባህልዎ ቦታ ምስ በጻሕና ሰላምታ ክለዋወጡ ካብ መካይኖም ወረዱ እሞ፡ " ከመይ ኣሎ ቃልሲ?" ከበሃሃሉ ኣእዛነይ መስከራ። ቦኽሪ እዝነይ ኢያ ኤውሮጳ ካብ ዝረግጽ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም እዞም ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት፡ ብኸምዚ ኣገባብ ሰላምታ ክለዋወጡ ክሰምዕ። ክቐጽል ዳኣ። "ቃልሲ ደሓን እዩ" መለሰ ዓዳምየይ። ".. ..!!" በለ ካልእ ካብቶም በጻሕቲ መንእሰያት "ኖርወይ ከመጀማምራና ኣይኮናን፡ ደኺምና ኣለና ፡ከነበራብሮ ኣለና ኣቱም ሰባት!!" በለ እሞ፡ ኩሎም ዝተሰማምዑ ክመስሉ፡ ንኣወንታ መልሲ ርእሶም ነቕነቑ ድሕሪዚ ተመራሪሕና ናብ ቦታ በዓል ኣምራሕና። ዝተዓዘብክዎ ነገር እንተ ነበረ ግና ፡እዞም መንእሰያት፡ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ፡ ኤርትራዊ ኒሕ ዘበገሶ ናይ ምንቅስቓስ ሕውነት መስሪቶም ምህላዎም ከም ጸሓይ ቀትሪ መስካሪ ከምዘየድልየም ጥራይ እዩ። ብሓቂ ክኣ ብስም ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ ተፋሊጦማን ተበጻጻሕቲ ኮይኖምን።

ወናብር ብስርዓት ተወጋጊኑ ጠዋሉ ተሸላሊሙ ንኽትቅመጦ ባህ ዘበል መሲሉዩ ዘነበረ። ቦታይ ሒዘ ዋሕዚ ተሳተፍቲ ክዕዘብ ጀመርኩ። መንእሰያት ገሊኦም ሱፎም ገጥ ኣቢሎም ገሊኦም ነቲ ዕለት ይበቅዕ እዩ ዝበልዎ ዘማዕርግ ልባሳቶም ወድዮም። ደቂ ኣንስትዮ ገሊአን ብዙርያ ወቂበን ምስ ደቀን፡ ገሊአን ድማ ካብ ሕድሕድ ዘይሰናነፍ ዘጸብቐለን ልብሲ ወድየን ክዉሕዙ ምስ ረኣኹ ፡እሞ ክኣ ብብዝሒ እዚ ድኣ ምትእኽኻብ ናይ ብምሉኡ ኤርትራዊ ነባሪ ትሮንድሂም ከይከውን፡ ንዓዳምየይ ክዉከስ ተማታእኩ። ብሓቂ ካኣ ነባሪ ትሮንድሂም ኣብዚ ዕለት ዘይውዓለ ነብሱ በደለ። ኣየ እወ ክንደይ ባህ ዘበል ምትእኽኻብን መትሕቑቓፍን ዝነበሮ ምሸት ከምዝነበረ እንተዝፈልጥ፡ ብዘይምውዓሉ ምጉሃየ።መቸም ብዛዕባ ዘይውዓሉ ኣይዝረብን እንድዩ ናብ ንይቶም ዝወዓሉ ትረኻ ክቕጽል።

እቲ መደብ ብኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ዝኾነ መንእሰይ መድሕን ሕላፉ እዩ ብመደረ ጀሚሩ። ዕላማ እቲ ማሕበር ብምግላጽ መንእሰይ መድሕን፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ስኢና ንስደት ከም ትዕድልቲ ወሲድናዮ ንነብር እኳ እንተለናን፡ ሃገርና ኣይንርስዕን። ብዓቢኡ ኽኣ መንእሰያት ኣሕዋትና ኣብ ዓዲ ፡ፍትሒ ተነፊጕዎም ካብ ዓዶም ነፊጾም ኣብ ዝወጽሉ ድማ፡ ኣብ ዶባት ሱዳን ራሻይዳን መሳርሕቶምን ተቐባቢሎም ኢሰብኣዊ ዝኾነ መግረፍተን መሽጣ ዕድጊ ውሽጢ ኣካላት እናፈጸምሎም ከለውን ፡እቲ መንግስትኹም እየ ዝብል ስርዓት ክማጎተሎም ዘይምህቃኑ ጥራይ ዘይኮነ ፡ንሱ ውን ንባዕሉ ተጣላዒ ብህይወት ንጹሃን ኤርትራውያን ክኸውን ምምራጹ፤ ንሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ፡እዚ ክስተት እዚ ክሳብ ክንደይ መሪር ምኻኑ ዘብርህ መግለጺ ሂቡ። ዓመተ 2013 ድማ ፍትሕን ርትዕን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝነግሰላ ዓመት ክትከውን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተመንዩ ናብ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ኣሰጋጊሩ።

ነቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ካብ ስዊዘርላንድ ተዓዲሙ ዝመጸ ሓው ስነጥበባዊ ዘርእሰናይ ግርማይ (ተዛረብ) እዩ መሪሕዎ። ዘርእሰናይ ውን ኣይሓመቐን ብኽራሩ ሰላም ምሸት ገርዎ ኣምስዩ። ንሱ ኣብ መንጎ እቲ ሂር ዝበል ዝነበረ ጸወታ፡ ነቲ ሃዋሁ ተዓዚቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ዝበዝሕ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ምንቅስቓስ ተኣዲመን ተሳቲፈን እየ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣፍሪቃ ኣብ ትሮንድሂም ግና ሃገራዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ኣይኮንኩን ተዓዚበ ፍቕሪ ውን ርእየልኩም በለ እሞ፤ ነቲ ኣብ ጣውላይ ዝተቐረበ ሽሻይ ምዑግ እናበልኩ፤ ናይ ልበይ እንካ በልካያ ዘርእሰናይ ክብል ምስ ትዕዝብቱ ተሰማማዕኩ።

እቲ ምሸት ብሰላም ተዛዚሙ ጌና ተዘክሮይ ኣኻኺበ ብዛዕባ እቲ ውዕሎ ገለ ክሓናጥጥ ይፍትነሉ ኣብ ዘነበርኩ ግዜ እዩ ፡ዜና ብስራት ፎርቶ ዝሰማዕኩ። ሓሳበይ ተፈራሪቑ እኳ እንተነበረ፡ ምስ ትሮንድሃይም ከተኣሳስሮ ግና ግዝየ ኣይወሰደለየን። ኣንታ እዛ ከተማን ነበርታ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ክንደይ ይጥዕም እዚ ፋሎም ካኣ ኢለ። ብሓቂ ክኣ ትሮንድሂም ጥዑም ፋላ። ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካላኦት ከተማታት ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ኣሰሮም ስዒቦም ከተማታቶም ብጉጅለ ህግደፍ ከምዘይድፈራ ክገብሩ ውን ተመንየ። ብሓቂ ካኣ ጥዑም ፋል ሂብኩምና መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ከተማ ትሮንድሃይም ኖርዋይ።

ዘካምፓላ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...