መቸም ኩልና ከም እንፈልጦ ህግደፍ ባዕሉ አብ ዝሸርጠጦ ኢትዮ-ኤርትራ ኩናት 40,000 መንእሰያት አሰዊኡ ዮሃና በል ህዝብና ብዓወትካ ተዛዚሙ ኢሉና። አቐዲሙውን ንደሴታት ዝቑር ሓኒሽ አሕሊፉ ንየመናውያን ምስ ሃበን እውን ዮሃና በል ህዝበይ ዘይበለና መዓስ ኮይኑ። ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ወዲ ድሙ ከምቀደሙ ኮይኑዎም ህግደፍ ኦክላንድ ብዘይ ሓንቲ ዓወት ዮሃና በሉ ነቶም ዘሸገሩና ጎባልል አብ ፍርዲ አብጺሕና ጉቡእ መቕጻዕቲ ከምዝረኽቡ ጌርናዮም ክብሉ ቀንዮም። ነቶም ካብ አፍንጭኦም አርሒቖም ክጥምቱ ዘይክእሉ ብህይወቶም ዝሞቱ ደገፍቶም እምበር ህዝቢ ኦክላንድስ እቲ ሓቂ ይፈልጦ እዩ።

ንሕና ጉዳይ ፎርቶ ዓዚዙና ሽግ ሓርነት ከነንበድብድ አብ ስራሕ ኢና ቀኒይና እምበር ነዞም ብዕራይ ሸይጦም ንእንቋቕሖ ዝምጉቱ ደአ መልሲ መዓስ ሲኢናሎም። እቲ ዓቢ ጉዳይ ህግደፍን አባላት EYSCን ቅድሚ ሕጂ ተሓቢሩ ከምዝነበረ አብ Hayward Hall of Justice አብ ዝበሃል ቤት ፍርዲ እዩ ተታሒዙ ዘሎ። ዳኛ ቤት ፍርዲ ነቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ብተደጋጋሚ ነጺግዎስ፡ ክስና አመሓይሽና ክንመጽእ እንዳበሉ ብተደጋጋሚ ይመላለሱ ስለ ዘለዉ ስጋብ ሕጂ ዝተዋህበ ብይን የልቦን። ነዚ ንምዕዛብ ድማ ነዚ አተሓሒዝናዮ ዘለና ዶኩሜንት ተወከሱ።

እሞ እንታይ ደአሉ ዮሃና ዘብል ተረኺቡ ንዝብል ሕቶ ብግቡእ ብርእሰ ተአማንነት ክንምልሶ ምስዝድለ፡ ህግደፍ ነቲ አብ Hayward Hall of Justice ዘቕረብዎ ክሲ ንጎድኒ ገዲፎም አብ ኦክላንድ አብ ዝርከብ small claim court ማለት ነአሽቱ ነገራት ዝርእይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስሙ ዝምስክረሉ እንዳ ዳኛ ከይዶም ነቲ ዝተሰብረ መስትያት ዝኸሰርናዮ $ 1,500.00 (ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዶላር) ተኸሰስቲ ይኽፈሉና ኢሎም ሓቲቶም፡ ኮሚሽነር ቤት ፍርዲ ድማ ንክኽፈሉ ወሲኑሎም ይርከብ። ነዚ ውሳኔ ክንቅበሎ ወይ ድማ ይግባይ ክንብለሉ አብዚ ቀረባ ጊዜ ክንውስን ኢና።

እንታይ ደአሞ ዮሃና ዘብል ተረኽበ ዶስ “እተን አሓስ ወሲዶመን እዮም፡ እንተትጸርፊ ግና ዝገደፍናሎም የብልናን” እዩ ነገር ህግደፍ። ምዃንኳ ሓቆም ዮሃና እትብል ቃል ናፊቖማ እዮም። አይ ዓወት ካብዘይሰምዑ ዓመታት እንድዩ ኮይኑ። ልዕሊ 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ) ሰባት አኪብካ “ዳሰይ ወለል በሊ፡ ወለል በሊ ዳሰይ ወለሎ” ትብል ኔርካ አብ 200 ዘይአኽሉ ቆልዑትን የዋሃት አንስትን ሒዝካ ተሪፍካስ እምበአር ዮሃና ተዓዊትና ተብል እያ? መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ኦክላንድ ዝአጎድዎ ሓዊ መጥፊኢ ተሳኢንዎ ዓለም ብ ዓለማ ክትስሕኖ ጀሚራ ክንሱ እንታይ እዩ ዮሃና ዘብል ተረኺቡ።ቀደም ንክላንድ ዝፈልጣ ሕጂ ኦክላንድ ርእዩ ብጥፍሽና ህግደፍ ዘይተገረመ ፍጡር የልቦን። ሕጂ’ውን እንታይ እዩ ዮሃና ዘብል ተረኺቡ።

እሞ ዝኸበርካ ህዝብና ሕጂ ዮሃና ጀጋኑ ፎርቶ፡ ዮሃና ኤርትራውያን መንእሰያት አብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ፈረንሳ፡ እስራኤል፡ አሜሪካ፡ ካናዳ፡ አብ ኢትዮጵያ ወዘተ አብ ዝበሃለሉ ዘሎ ጊዜ፡ ኤምባሲታት ህግደፍ ገበጣ መጻወቲ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኮይኑ እንዳረአና፡ ድምጺ ሓርነት ካብ ስደት ነቒሉ አብ ሕምብርቲ ፎርቶ አብ ዘንጎድጎደሉ እዋን ህግደፋውያን ነዛ ዮሃና እትብል ቃል አብ ባዶ ተመንዮማ። እቲ ዘገርም ሓደ ካብቶም ዕሉላት ገዲም ወይጦ ስርዓት ህግደፍ አልአዛር አብርሃም አብ መሽጎራጉር ኮይኑ ምስ ድምጺ አሜሪካ አብ ዝገበሮ ቃለ ምሕትት፡ ነቶም ምእንቲ ሓርነት ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝቃለሱ ዘለው አባላትና ገበነኛታት ነቶም ስለ ፍትሕን ደሞክራስን ዝቃለሱ ዘለው ኤርትራውያን ድማ ቀደም ብጊሓቱ ዝሸፈቱ እዮም ብምባል ክጥቅን ምፍታኑ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ክንብሎ ንደልይ። ናይ ከተማ ሽፍታ ገንዘብ ህዝቢ አደናጊሩ ናብ ረብሕኡ ዘእተወ መን ምዃኑ ህዝቢ ቤይ ኤርያ አንዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ’ሞ ፍርዲ ናብ ህዝቢ ንገድፎ። ገበነኛ መን እዩ እትፈርድ ጊዜን ነጻ ቤት ፍርድን አብዛ ቅድሜና ስለ ዘለዋ ሽዑኡ የራኽበና ንብል።

እንተ ንሕና አባላት EYSC Bay Area ነቲ መብጽዓና አብ ሸትኡ ከየብጻሕናዮ ወይከ ሰለም የልቦን። ለይቲ ምስ መዓልቲ ምእንቲ ውጹዕ ህዝብናን ምእንቲ እታ ብመስዋእቲ ቀያሕቲ ደቃ ዝተረኸበት ሃገርን ቃልስና ቀጻሊ እዩ። ሕጅ’ውን ከም በዓል ዕልልቲ ወይጦ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝአመሰሉ ብትብዓትና፡ ብብልሕናን ናህርናን ዕረ ዓንዴል ዝጠዓሞም ኮራኩር ሓፍ ኮፍ እንተበሉ ንማሕበርና ከጸልሙን ክጥቅኑን ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ እንተፍሰሱ ከንቱ ፍሽለት እምበር ምስ ዓረ ተራጺምካ ዝርከብ ክንዲ ፍረ አድሪ ዓወት የልቦን። እንዳ ዕኮት ተንኪፉ ዝበኸየ እምበር ዝሰሓቐስ ከምዘየለ ክርስዑ ድማ አይግበአን። እቲ ነጥበ መቐይሮ ናይ ኒው ዮርክ ዓወት አብ ኮምፕሽታቶ ጎደና ሓርነት ስጋብ ዝድገም ምስኩሎም አብ ውሽጥን አብ ስደትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰሚርና ከም እንምርሽ ድማ ደጊምና ቃል ንአቱው።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍ!

ስ.ኤ.መ.ለ (EYSC)- ቤይ ኤርያ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...