ነቲ ብጀጋኑ አባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብ21 ጥሪ 2013 ዓ.ም አብ ፎርቶ ዘልዓልዎ ሕቶ ህዝቢ ደገፉ ንምግላጽ ህዝቢ ቤይ ኤርያ ካሊፎርኒያ ብ 4 ለካቲት 2013 ዓ.ም ዉዕዉዕ ሰላማምዊ ሰልፊ አካይዱ። ብመሰረት አቐዲሙ ዝወጸ መደብ መሰረት ብአማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ቤይ ኤርያ ልክዕ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ አብ ሕምብርቲ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ክተአኻኸቡ ጀሚሮም። ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ሰልፈኛታት ካብቲ መራኸቢ ቦታ ተበጊሶም ጉዕዝኦም ናብ ሲቲ ሆል(City Hall) አቕንዑ።

ሰልፈኛታት ንስሪሒት ፎርቶ ንድግፍ! ሕቶ ሰራዊትና ሕቶ ህዝቢ እዩ! አሸባሪ ኢሰያስ እምበር አባላት ሰራዊት ምክልኻል አይኮኑን! ኢሰያስ ብዘይቅድመ ኩነት ስልጣን ንህዝቢ የረክብ! ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ! ሓርነት ንህዝቢ ኤርትራ! ዲሞክራሲ ንህዝቢ ኤርትራ! ቅዋማዊ መንግስቲ ይተኸል! ስቓይ መንእሰያትና አብ ሲናይ ደው ይበል! ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት እንዳቃልሑ ነቶም አብ መንገዲ ዝረኸብዎም አሜሪካውያን ድማ ንሕሰም ህዝብናን አብ ሲናይ አብ ልዕሊ መንእሰያትና ብበደዊን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ዝገልጽ ጹሑፋት እንዳዓደሉ አብ ስቲ ሆል በጽሑ። አብ አፍደገ ናይ ሲቲ ሆል ኮይኖም ድማ ድምጺ ዉጹዕ ህዝብና ከምዝቃላሕ ገበሩ።

እቲ ብአዳላዊት ኮሚተ ሰላማዊ ሰልፊ ተዳልዩ ዝነበረ ንስርሒት ፎርቶ ዝድግፍን፡ ንፈላላዩ ፖሊሲ ህግደፍ ዝኹንን መልእኽቲ ድማ ብትግርኛ፡ ዓረብን እንግሊዝኛን ንህዝቢ ተነቢቡ። ህዝቢ ቤይ ኤርያ ድማ ብዓዉታ ነቶም ስለ ሓርነት ህዝቦም በጃ ዝሓለፉ ጅግና ተጋዳላይ ወዲ ዓሊን ብጾቱን አድናቖቱን አኽብሮቱን ገሊጹ። ነቲ እቶም ጀጋኑ ዝወልዕዎ ሽግ ሓርነት ድማ ናይ ምቅጻሉ ተራ ናይ ኩሉ ሓፋሽ ምዃኑ ሰልፈኛታት ተሰማሚዖምሉ። ሰልፈኛታት አብ ታቤላታት ሒዞሞ ዝነበሩ ናይ ግዳያት ሲናይ ዝገልጹ ስእልታት አቓልቦ አሜሪካውያን ስሒቦም ዊዒሎም።

ወከልቲ አዳላዊት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ ንህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን፡ ንባርባራዊ ስርዓተ ምሕደራ ዲክታቶር ኢሰያስን ብዝርዝር ዝገልጽ ጽሑፍ ናብ ቤት ጽሕፈት ሴናቶር ዳያን ፋንስታይን (Dianne Feinsteine) አብጺሖም። አብዚ ናይ ትማሊ ሰላማዊ ሰልፊ አባላት ውድባት፡ ማሕበር መንእሰይ፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብዘይ ዋላ ሓደ ዕንቅፋት ብዉሁድ ሓድነት ክሰርሑ ምዕዛብ አዝዩ ደስ ዘብል ምዕባለ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከአል።

ሕቶ ስርሒት ፎርቶ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ!!!

አዳላዊት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ ቤይ ኤርያ-ካሊፎርንያ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...