ካን‘ባ ከምዛ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ሃጢምካ? ኣበየለዉድኣ ወዮም ዝኣመንካዮም መንእሰያትዶ ሰራዊትዶ? ገና ከኣ ማይ ዓሚኹካ ክትተርፍ ኢኻ።........

ኣሻብካ ድኣ ክንድዚ ሃጺጽካ ዳግማይ ድማ ክንድዚ ኣዝኒብካለይ ኣንታ ባዓል ኩሉ ነገር“? ኢለ ኣይሽ ገርን። ጸሓይ ኣብምዕራባ ጉድ ኢያ ክትሰልጥ!

ንስኻ እቲ ድኹዒ ሓቦኻ ብምብናኑ በቲ ክፉእ ሕልናኻ ከተብክየኒ ተመኒኻስ ወትሩ እኪት ዕጥቂ ተተ ሓሒዝካዮ ኣለኻ። ኣነ ካኣ ቀጻሊ ክነብዕ፡ ምስ ሓፋሸይ ኮይነ‘ውን ናይ ‘ርድኡ‘ ኣውያት ከነእዊ ኢና ጸኒ ሕና። ብዛዕባ ዝኸውን ዘሎ ነገር ንዓኻ ኣሚነ ምምኻረይ ድማ ናይ ኩሉ እዋን እምነተይ ኢዩ'ሞ ብዝገበ ርኩዎ  'ጌጋ' ምንም ኣይጠዓሰሉን። እስከ ንኣብነት፡-

ቅድም ቀዳድም ብዘይፍታወይ ኢኻ ብዛዕባ ዓሊ ዓብዱ ገለ ክብለካ ቀሲብካኒ። ብዓቕመይ ዓሊ ኣብ መኽዘን ፖለቲከኛታተይ ኣእትየዮ ኣይፈልጥን። እቲ ምኽንያት ድማ ኣነን ናይሎምን ኣይኮናን።ተጣቢ በ‘ ክብል ''ጽገረዳ'' ክጽዋዕ ምስመረጸ ንዓይ ዓሊነቱ ኣይተራእየንን። ወያ ድሒራ ዝተመጠወትሉ ናጤባ ን ዘይጸደቐትን መዝነት'ውን መንነቱ ስለዘስሓተቶ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ዜና ነበር ዘርኣዮ ቁርቁስ ኣስተ ብሂልናስ ዝገበረ እንተገበረ ካብ ኣመላምላኡ ስለዝኾነ፡ ሃጠረ ዓበረ ዘብል ምኽንያት ኣይነበረንን።

ሎሚ ኮነ። ሎሚ‘ውን ብወገነይ ብዛዕባኡ ዝተላበኹኻ እንተነይሩ ንሱ ኣባል ናይታ 'ሓዳስ ዓለማዊት ስ ርዓት' ምዃኑን ዘይምዃኑን ከተረጋግጽ እንተኽኢልካ ምፍላጡ ሕማቕ ስለዘይኸውን ኢለ ኣጥቢቐ ተላ ብየካ። ማለተይ ካልእ ኣይነበረን። ንሱ ካብቶም ኣብታ መጽሓፈ ስንክሳር መግዛእቲ ዝጠቕዑ እንተኾ ይኑ 'ሃዲሙ' ጥራይ ክሕሰብ ስለዘይካኣል። ንሱ ኣቐዲሙ ነቲ “መንጓድ ዓቢ ቆልዓ“ ብማለት ብወግዒ ዝተኸልኦ መዓርግ ኣምባሳደርነት ሎሚ ብሕልፍኚ ሃዳምነት ተልእኾኡ ተተሓሒዝዋ ኣሎ በሃላይ ኢየ። ክንደይ ናይ ሓሶት ኣምባሳደራት ዲዮም ዘለዉ?  እሞ ብዕጥቂ ነዋሕቲ ኣግማድ ስርሑ እናኣሰላሰለ ክድ ርና ዓለማ ዊ ስርዓቱ ምስወድአ ካአ ብቑዕ መንእሰይ መራሕ ሃገረ-ኤርትራ ኮይኑ ክምረቕ ኢዩ“ ኢየ ኢ ለካ። እዚ ተራ ትንታነ ጥራይ ኢዩ። እንተኾነስ ዓልይዎ ድቃስ ኣፍቂሩ እንተዘይሃልዩ፡ ብሓቒ ድማ ሃዲ ሙ እንተ ኾይኑ ድኣ ክንዲ ዓስቡ ገፋፊጡ ብሰላሙ ኣብ ናጻ ሃገር ዝተደቕደቐስ አብ ውሻጠ ዝውሸበሉ ምኽንያ ት እንታይ ኢዩ? ዶስ እቲ በዓል ፓይሎት ኣሪዶሙሉ ዘለዉ ግምባር ሓርነት ብቀሊሉ ተደፋሪ ኣይኮነን?

ዝኾነ ኮይኑ ንሱ ካን ‘ባው‘.... ኢሉ እንተኾይኑስ ጽባሕ ንሪኦ። ንስኻ ካአ ንባው ተዳሎ ኢኻ። እንተ‘ቲ ንዓኻ ምምኻረይ ጌጋ መሲልካ ኮይኑ‘ውን ኣብ እንግዳዓይ ደንጎላ ተሰኪመ ይቕረ ኣይሓተሉን ኢየ። ብ ሕማቕ ኣጋጣሚ ማለተይን ሕልናይን ካብዘይተኸስተልካ፡ ድሕሪሕጂ ናተይነገር ይትረፍካ ግደፎ ባቃ።

ነቲ ቅንያት ቁጠባዊ ዋዕላ ዝምልከት'ውን ሓንቲ ኣይመለስካለይን። ብወገነይ እናራአየ እናሰምዐ ገንዘቡ ዝጉሕፍ ከይህሉ ተጠራጢረ ኣይኮንኩን። እታ ክትከታተላ ዝደለኹዋ፡ ህግደፍ ኤርትራዊ ነርቩ ስለዝ ተበትከ ኣብምዕራቡ ክፍትና ዝኽእል መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራ ርእሳ ከምዘይትኽእል ንምግባራ ብስም ወፍሪ፡ ነቲ አዚዩ መትኒ ሃገራዊ ቁጠባ ንወጻእተኛታት አውፈርቲ ንኣርባዓ-ሓምሳ ዓመታት መጥይዎም ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። እሞ እቶም ሃገራውያን ኣውፈርቲ ዝያዳ ነዚኣ ከተኩሩላን መድሃኒት ደላልዮም ሃገሮም ከውሕሱን ክትተሓጋገዞም ኢለ ኢየ። እዚኣ'ውን ካብዘይገበርካያ ካባኻ ንሳቶም ይልብሙ ግደፋ ጥራይ።

ብዛዕባ' 'ፈሺሉ' ኢልካ ርእሰይ ከምዘድነነንን ማይ ከምዘዕሞኸንን ዝገለጽካዮ ተበግሶ ደጋጊመ 'ኣይት ጋገ' እብለካ። ኣነ' ሓደ ተራ ኤርትራዊ ጥራይ ኢየ። እሞ ኣይትጓንየኒ። ብወገነይ ከምቲ ካልእ ደላይ ጽ ቡቕ ንምፍላጥ ዝኣክል ጥራይ ኢየ ተወኪሰካ። ብተወሳኺ እኪት ህግደፍ ስለዝፈልጥ ብኣውራኡ ፈጠራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ክኸውን ኣለዎ ካብ ዝብል ኢየ ኣፍኢመልካ። ብወገንካ ገለ ክልተ ታንክታት፡ ቁሩ ብ ቁንጣሮ ሰራዊት ሒዞም ንፎርቶ ከምዝጠነኑ ኣምሲልካ አቆናጺብካዮም።

ኣየ......እ!  እስከ ክሓተካ። ካብመዓስ ኢዩ ከምኡ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሕቶታት ሃይማኖታዊ ወይ ከምቲ ዝጠመቕካዮ ኮይኑ? ከምኡ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ሕቶታትከ ካብመዓስ ብሰላም ተፈቲሑ ይፈልጥ? ናዓኻከ እዞም ተጣበቕቲ ሰላም አጥሒሎሙኻ ዲዮም? በል ሕጂ‘ውን ‘አይትዓሹ‘ ጥራይ ኢየ ክብለካ ዝኽእል። ወተሃደራዊ መዐቀኒኻ ካኣ ዓይሮ። እንተ‘ቶም ዝዋዓሉ ብሓቂ ወተሃደራት ኢዮም። ኣብ ስራሕ ውትህድ ርና ካአ ምፍሻልን ምዕዋትን ዝበለናሉ ተመኩሮና ኢዩ። ብዛዕባኡ ልዕለይ ንስኻ ስለትፈልጥ ንሻናት መ ዓርግ ተዋሂብካ ኣሎ። እሞ እንተዘይጸሊእካኒስ ደጊመ ክውከሰካ። ንፎርቶ ብምጥናን ጥራይ ያኢ ምእራ ም ክትግበር ዝፍጨሙ ዲዮም ሰራዊትና? ልኡኻት ፎርቶስ ሐራይ ደየቡ። እቲ መኻልፍከ ተሓሲብሉ ዶ? ኣበይከ ኣበሉ እቶም ቤተ-መንግስቲ ክቆጻጸሩ ዝተሓበሩ? ናበይ ተሸርቡ ወዮም መዓርፎ ነፋሮን ኣፍ ደገታትን ክዓጽዉ ዝተመደቡ ክፋል? ይኣክል ጥራይ ይኣክል!!!!!

እንተ ንስኻ ስንፈትካ ንምኽዋል ዘመናዊ ፖለቲካ ኣሚንካ ትቃለሰሉ ከምዘለኻ ከተምስል ህርድግ ትብ ል ኣለኻ። ኣነ ካአ ብዓቕመይ እቲ ናይ መንኮብካ ከዋኽብቲ ምንም ከምዘየብለጭልጭ ይነግረካ ኣለኹ። ጽባሕ ድማ ኩሉ ከምኡ ክብለካ ኢዩ። ‘ከመይ‘ ዝንተበልካ ናብራኻ ኩሉ ኤርትራዊ ስለዝፈልጦ። እምበ ርከ ዋላ‘ዃ ንይምሰል ካሕሳን ይቕረታን ኮይኑ ከምስል‘ውን ናይ ልግጫ እናተፈሸኸ ገፊሕ ውራይ እንተ ደገሰልካ፡ ብኢዱ ጉንዲ-እዝንኻ ዝለኽዓካ ጎይታ ሓንሳብ ለሚድካ እንድዩ፡ ንሓዋሩኸ ከመይቢሉ ስብእ ነትካ ክራኣዩ? እታ ተሻሓጢት ስብእነትካኸ ብኸመይ ተመካሓካ?

እንተ‘ቲ ፈሺሉ ዝመሰለካ ፈተነ ግን ደቀሰ ማለት ዘበት ኢዩ። ጠለብ ህዝቢ ስለዘይድፈን!! እቶም ነዚ ዝ ደፈሩ ዜጋታት ድማ ተወፊዮም ኢዮም‘ሞ ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ይግብኦም ኢዩ።እቲ ልቢሰብ ሰማይ ንምዕ ራግ ተባሂሉ ዝጥበብ ዘሎ ልግጫ ድማ ከምቲ ተላሃይ ጓሳ ኣባጊዕ ሓንቲ መዓልታ ኣላታ።

ብዛዕባ መንእሰያት ዝሃብካዮ ሓሳባት መልሲ ኣየድልዮን። ንሳቶም ልዕሊ ኩሉ እዋን ሎሚ ኣብ ብዓለ ሙ ንሸረኽ ኣውራጃነት በናጢሶም መንነቶም ደሚቑ እንሆ። ኣይረኣኻዮምን ዲኻ ቤት ጽ/ት ኤምባሲ ታት ህግደፍ ክሃጅምዎ? ኣይራአኻዮን ዲኻ መንእሰይ ኢሳይያስ ሃብተማሪያም ብውልቁ ነቲ ምኩር መ ንግስታዊ ኤምባሲ ኣብ ቅድሚ እስራኤላዊያን ሰበ-ስልጣናት ከናዝዞ? ኣይሰማዕካን ዲኻ መንእሰያት ን ህግደፋዊ ዕዳጋታት መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላት ኣቃሊዖም ኣሕዋቶም ከናግፉ? ኣየንበዐትካን ዲያ ወያ በቲ ጸያፍ መልሓሳ “.....ደሞም ይምጾ“ እናበለት ትነብዕን ትላቦን ዝነበረት ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ!!

ደጊም ኣብታ ኣውራጃ ኣኮሎጉዛይ ዝተጠመቐት መዓስከር መንእሰያት ሃገረ-ስዊዝ‘ውን ነቲ ስዉር ብከላ ህግደፋዊ ኣውራጃነት ከምዝጸራረግዎ ድሮ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣውራጃነት‘ሞ ኣብ ኣራእስ ህግደፋውያን ጥራይ ኢዩ ዘሽካዕልል ዘሎ። ኣቀድም ኣቢሉ መቸም ንምንታ ነቲ ገዲም ተጋዳላይ፡ ስነ-ጥበባውን ስንኩ ልን እስቲፋኖስ ኣብራሃ /ዘማች/ ኣብ ስዊዘርላንድ ክውቃዕ ከምዝተገብረ ተረዲእኩም ክኸውንእትስፎ።

ገለ ካብቲ ብዙሕ ዝጠቐስካዮ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ብኣኽብሮት ''ፕረሲደንት'' እናበልኩ ብምጽሓፈይ ክንድኡ ናእዳ ክስማዓኒ መዳመቒት ሓንጢጥካለይ ኢኻ። ኢሱ ዳኣ'ሞ መፈጠሩ ኮይና ጥራይ ዘይኮነ መ ዋጽኦ‘ምበር ስለዘየብሉ እቲ ንስኻ መናገፊ ነፍስኻ ትሓስቦ ንዕዑ አይብርሆን ኢዩ። ወየን ቆቆጺርካየን ትኸይድ ዘለኻ ውሽሉኻት ቃላት ካኣ ሓንቲ መዓልቲ ክልክማኻ ምዃነን ተዳሊኻ ጥራይ ጽናሕ።.......

እንተ መናድቕ ዕርዲ ህግደፍ‘ሞ ደጊምሲ ብርግጽ ብቀጸላታት ዘይኮነ ብድርብራብ ክንሕናሕ ይርአ ኣሎ። ጠቕሊሉ ክዓኑ ክንርኢ ካኣ ቁሩብ ጽምም ጥራይ!

ዓወትንውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና!!

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!!

ጎደፋ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...