ፕሮፈሶር ቁሩብ ተሃዊኽካ

ከይ ኣስተማቐርናዮ እቲ ልውሃትካ

ከይ ኣኳማስዕናዮ ልቦናኻ ኮነ እቲ ፍቕርካ

ኣሎና ግዜ እንበልናዶ ምሉቕ በልካ።

ኣታ ወድ ወራዙት! ወዲ እዞም ሓገግቲ

ወዲ ሰፊሕ መርየት ወድ ሰብ ርስቲ

ወዲ ኣድከመ ምልጋእ ወድ ጉልቲ

ኣብኩሉ ትጋላበጥ ከም ለምለም ሰቲ

ወሎዶኻ ሰፊሕ ኣብኩሉ መጋጥምቲ

ኣብ ዝደለኻዮ ትዋሰብ ዘይብልካ ዓጋቲ

ወድ እዞም ለባማት ወድ እዞም ኣመቲ

ወዲ ቤት ገብሪኤል ኣርሒቑ ጠማቲ

ዓዲ ሕጊ ዓድካ! ንሕጊ ተርጎምቲ።

ኣቦኻ! ገረዝጊሄር እዞም ብላታ

ኣብ ግዜኣም ዘይነበሮም መሰታ

ካብቶም ሓሙሽተ! ነበሮም ጸብለልታ

ነገር ምስ ተረረ ኣጽንዕ ቃታ

ቃሎም ዘይዕጸፍ ከም ማሕጸ ኣብልዓታ

ንዋይ ዘየሰንፎም ተሪር ብዓል ዋልታ

ምእንቲ መሰል ዝእሰሩ ብዓል ዛንታ

ሓቀኛ ወዲ መርየት ወዲ ባይታ።

ኣንታ ሓወይ ኣንታ መምህር

ንፍልጠት ከም ምዓር ትብርብር

ቀስ ጌርካ ተህድኦ ንዘዕገርግር

ብጽሙዋ ትሰምዕ ንዝግዕር

ህድእ ኢልካ ትምህር ኣእምሮ ክሰቁር

ብዓል ቤት ገብሪኤል ብዓል ዓድሃብር

እሩም ኔርካ ዘይትብል ግትር።

ሓወዶ! ክብለካ መላዝብተይ

ዓርከይዶ! ይሕሸካ መጓይተይ

ወዲ ዓደይ እባ! መርየት መማቕልተይ

ወዲ ሓወቦ ኢኻ መማጉተይ

ገዲፍካኒ ከድካ ኣብ ስደትይ።

ኣሎዶ! ንስኻ ዘይገበርካዩ

ኣብ ቃልሲ ሃገር ኩሉ ኣልኻዮ

ዝተማህረ ክገብሮ ዘለዎ ጽሒፍካዮ

ቅንዕና ንኽዛርብ ንመሓዛኻ ኮርኮርካዮ

ምእንቲ ሓቂን ፍትሕን ዳሕዲኻዮ

ዝገድፍካ የብልካን ኩሉ በጺሕካዮ

ዝተርፈ የልቦ ዓለምውን ዘርካዮ

ኣቦኻ ዘርኣ ዩኻ! ኣብ ስደት ደጊምካዮ

ስለ መንእሰይ! ሲናይ ኣብ ንዩዮርክ ውዒልካዮ

ልቢ ዘለዎ ወዲ ሃገር ሓቲቱ ይስማዓዮ።

መምህር ሓወይ ኣንታ ጥዑም ቃሉ

ክዛረብ ከሎ ኣብ ጎንኻ ህድ ኢሉ

ክንደይ ከይጥዕም ንስኻ ዘይብሉ

በልኪድ እምበር ሰዓትካ ኣኺሉ

መምህር ሓወይ ወገግ እናበል ተላዒሉ

መጋርጃ እናተቐንጠጠ ሰማይ ተስቒሉ

መርየት ክወግሕ እዩ! ንስኻ ዝደኸምኻሉ

ክርስቶስ ይቀበልካ ኣብ ትሕቲ መስቀሉ

ስድራቤት ኣይትሕዘኑ! ኣብ ገነት ምዓሉ

ኩላህና ንስናበቶ ንሰማይ ቁሊሕ በሉ

ፕሮፈሶር ሓወይ መሰታ ነይብሉ።

ጽንዓት ይሃብ ንወዘሮ ትብለጽ ጽንዕቲ

ደኸመኒ ከይበለት ኣብ ጸገም ብጸይቲ

ንኹሎም ንስድራቤት ብላታ በብሓንቲ

ኣሜን ኢልካ ምቕባልዩ ዝጸንሔ ካብ ጥንቲ።

ካብ ሓውኩም

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

11 ለካቲ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...