ክቡራት ሃገራውያን  ድምጻውያንን መዚቀኛታትን፥ ነዛ እትስዕብ ንደርፊ ዝተዋደደት ሓያል እዋናዊት ግጥሚ፡ ንዂሉ ተቓላሲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ምእንቲ ከተባራብር፡ ብድምጽን ዜማን ሙዚቃን ኣሰኒኹም፡ ናብ ኣድማዒትን ምእዝትን ሰውራዊት ደርፊ ክትልውጥዋ፡ ጆባእ! እብለኩም።

1. ጻውዒት ፎርቶ ይሰማዕ

ናብ  ኲሉ  ስፍራ  ይላባዕ፣

ምሉእ  ሓርነት  ክንጕንጸፍ

ሓሳረ-መከራና  ክሓልፍ።

2.  ጓዝም  ምስ  ኣናብስ  ሓንሕን

ነዛብእ  ውሻጠ   ክንሃድን፣

ነቶም  መሻርኽቲ  ኣረሜን

ነጋዶ-ኵሊት ራሽይዳ በደዊን።

ኣዝማች፥

ክተት-ክተቲ!  ክምለስ  ክብረትና፤

ስመር-ስመሪ!  ክሕደስ  ታሪኽና።

3.  ክምንከሉ  ኣጽነቲ  ዘርእና

ነቕናዓዮ  ናብኦም  ጠበንጃና፣

ካብ  ጥፍኣት  ክድሕን   ህዝብና

ካብ ጸልማት  ክትወጽእ  ኤረና።

4. ህግደፍ መንድፍ፡ ተጻይ  ምድሪ-ቤትና

ሓሕ  በልዎ ሓሕ!   ከብቅዕ  ስቓያና፣

ሕማም   መንሽሮ'ዩ፡    ሓቓዪ    ኣበሳ

ካብ   መግዛእቲ  ባዕዲ፡   ዘይብሉ  መለሳ።

ኣዝማች፥

ክተት-ክተቲ!  ክምለስ  ክብረትና፤

ስመር-ስመሪ!  ክሕደስ  ታሪኽና።

5. ጸበባና  ክቕንጠጥ፡  ራህዋ  ክነግስ

ፎእ በልዎ ፎእ!   ህግደፍ  ይልገስ፣

ዋላ  እንተተኸፍሎ፡ ናይ ህይወት ዋጋ

ቦንቍስካ  ምእላዩ፡  ጸጋ'ዩ  ጸጋ።

6.  ንውሉድ  ወለዶ  ክብሪ

ናይ  ሰማእታትና ሕድሪ፣

ደበስ  ንመስዋእቶም

ጻማ    ዕላማኦም።

ኣዝማች፥

ክተት-ክተቲ!  ክምለስ  ክብረትና፤

ስመር-ስመሪ!  ክሕደስ  ታሪኽና።

7.  ነቲ ሓሶት ዝኣመሉ

ነቲ ዓመጽ ዝመትከሉ፣

ንህደፍ  ነቲ  ጎሓፍ

ደርብይዎ  ናብቲ  ጎድፍ።

8.  ነንባገነን ኣይትንሓፍዎ

ካብ  ስልጥኑ  ሽዓርዎ፣

ድያብሎስ'ዩ   ቀይድዎ

ከምታ  ኢዱ  ፍረድዎ።

ስብራ፥

ፎርቶ! ፎርቶ!   ሰራሒት ቅያ

ፎርቶ!  ፎርቶ!  በዓልቲ ሞያ፣

ድምጽና  ንዓለም  ኣስሚዓቶ

መስርሕ  ሰውራና  ፈሊማቶ፣

ንዅሉ  ዜጋና  ኣሕቢራቶ

ንዘይተርፍ  ዓወትና  ኣበሲራቶ።

ማህደረ-ቃላት፥

ነንባገነን = ውልቀ-መላኺ

ሽዓርዎ = መዓርግ ስልጣኑ ቀንጥጥዎ

ድያብሎስ = እከይ

ጎድፍ = መጕሓፊ

ክምንከሉ = ክቕተሉ

ብያሲን ዑመር


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...