ነዓይ ነንጭዋስ ኣብ ሎቖታ በለት ኣንጭዋ! እዛ ኣንጭዋ ኣይርደኣን አዩ ኢሎም ኣብ ሎቖታ ኣእትዮም ኪወስድዋ ምስ ፈተኑ እታ ኣንጭዋ ከኣ በቲ በሊሕ ኣስናና ነቲ ሎቖታ ቀዲዳ በሎኽ ኢላ ምስ ወጸት ነቶም ሒዝናያ ኣሎና ኢሎም ዝሓስቡ ዝነበሩ ደናቑር ዝበለቶም ዘርባ ኢዩ።  ህግደፋውያን  ንስነ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝ ዘይምህዝዎ ፈጠራን ዘይኩዕትዎ ጉድጓድን የልቦን።  እንተኾነ  ወዮ ደኣ ዘይስቆረኩም ደናቑር ኢኹም እምበር ተዋስኦኹም  ናይ ቖልዓ ተዋስ ኦ ምዃኑ ካብ እንግጥሞስ ዓመታት ኣቝጺሩ ኢዩ።

እቲ ብክልተ ሚኢቲ ዝኾኑ ወተሃደራትን ብክልተ ታንክታትን ይግበር ኣሎ ዝበሃል ዕልዋዶ ንበሎ ፕሮፖጋንዳ ናብ ምንታይ ዝዓለመ ወይስ እንታይ ክግበር ስለዝተደልየ ምኻኑ ጽባሕ ንጎሆ እንርእዮን እንሰምዖን ስለ ዝኾነ ኣይንህወኽን። ኮይኑ ግን እዚ ምንቅስቓስ እዚ ጥዕና ዘይብሉ ካብ ህግደፍ ዝወጸ ንህግደፋውያን ንግዜኡ ከም መሕብኢ ከገልግል ዝተምርጸ ተዋስኦ ምዃኑ ግን ጥርጥር የብሉን።  እዚ ከብል ዝኽእል ዘይሓቀኛ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዘጠራጥር ነገር ብዙሕ ኢዩ፡

ቀዳማይ ንኢሰያስ ንምእላይ ዝዓለመ እንተኾይኑ ኣብ ክንዲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ጥራይ ተወጢሖም ሞቶም ዝጽበዩ ንምንታይ ናብ ቤተ መንግስትን ግብን ከይዶም ን ኢሰያስ ክሕዙ ዘይፈተኑ?

ካል ኣይ ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል ምንቅስቓስ እንዳ ተኻየደ ንምንታይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዘሎ ዘይፈለጠ ?

ሳልሳይ እቲ ሰራዊት ናይ ሓቂ ተቓዋማይ እንተኾይኑ፡  እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ናይ ቅዋምን ናይ እሱራትን  ሽግር ጥራይ ድዩ ዘሎ ንባዕሉ እቲ ብህግደፍ ዝምራሕ ስርዓት ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ንምንታይ ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዘይጠለቡ?

ብሓፈሻ ህግደፋውያን ተዋስኦ ክሰርሑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሰርሕዎ ተዋስኦታት ክዕዘብ ዳርጋ 22 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ህዝብና ልኡም ንምግዝኡ ምቹእ ዝተባህሎ “እወ” ንዝተኣዘዞ “ሕራይ” እናበለ ብዘይ ተቓውሞ ዘተግብር ህዝቢ ምዃኑ ህግደፋውያን ኣዳዕዲዖም ፈሊጠሞ አዮም ።  እዚ ሕጂ ተገይሩዝተባህለ ተዋስኦ እውን ኣካል ናይቲ ንዓመታት ዝቐጸለድራማ  ኢዩ። ሓደ ካብቲ መማቕርቲ  /flavor/ ናይ ትማሊ ዝተገብረ ተዋስኦ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ክግበረሉ ዝተመርጸ  ኤልሳ ጓል ኢሰያስ፡ ኣብቲ እንዳ ዜና ሓንቲ ካብቶም ጂሆ ተታሒዞም ዝተባህሉ ምንባራ ኢዩ ፡ እዚ ውን  እቲ ዜና ተሰማዒ ንምግባር ዝተዋደደ  ምስጢር ቆልዑት ኢዩ። ወዳጄ መሳጢ ዜና! ኣይበል ደራሲ።  ብዝኾነ እቲ ዝተገብረ ተዋስኦ ሓቂ እንተ ዝኾነልና ምተመነኹ፡ እንተኾነ  ሕልሚ ምስ ተበራበርካ፡ ተዋስኦ እውን እቲ ተዋስኦ ምስ ተወደአ ኢዩ ሓቂ ዘይምዃኑ ዝርደኣካ እሞ ሓቂ ኣይነበረን። በዚ ትማሊ ዝተገብረ ተዋስኦ ዝተደናገርኩም እንተ ኣሊኹም ኣሰራርሓ ህግደፍ ክሳዕ ሒጂ ክርደኣኩም ብዘይ ምኽ ኣሉ ዘሕዝን እዩ።  ርግጽዩ ህግደፋውያን ሓደ ተዋስኦ ኪሰርሑ ከለዉ  ስቕ ኢሎም ኣይኮኑን፡ ድሕሪ እቲ ተዋስኦ ከተግብርዎ ዝደለዩ ነገር ከም ዘሎ ርግጽ ኢዩ።  ኩላትና ከም እንፈልጦ ካብ ዝሓልፈ ቅሩብ ኣዋርሕ ቅዋም ክትግበር ኢዩ ዝብል ዳንኬራ ክሃርሙ  ከም ዝጀምሩን ብምስምስ እውን ነታ  ን15 ዓመት ኣደስኪሎማ  ዝጸንሑ “መጽሓፍ ቅዋም”  ክሸጡዋ ጀሚሮም ከምዘለዉን ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ።  እሞ እዞም ጥይት ዘይብለን ታንክታት ሒዞም ፡ ኣብ ፎርቶ ደይቦም “ቅዋም ይተግበር እሱራት ይፈትሑ”  እናበሉ ክምህለሉ ዝወዓሉ ድኣ በዓል መን ይበሃሉ? ነቲ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንይምሰል ንህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ቅዋም ከተግብር እየ ኢሉ ኣብ ዝግዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ቅዋም ይተግበር ዝብሉ ተዋሳእቲ ምምልማል ንምንታይ ኣድለየ?  እዚ ተዋስኦ እዚ ኪሰርሑኸ  መን ለኣኾም?   ይበል ደራስን ተዋሳእትን ዘብል’ዩ ። ኢሰያስ ክገብሮ ደልዩ ንዘሎ መደባት ወተሃደራት ኤርትራ ብተቓውሞ መልክዕ ከምዘምጽእዎ ኣምሲሉ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተሓሲምዎ ዝጸንሐ ምትግባር ቅዋምን ምፍታሕ እሱራትን ከተግብር ከም ዝደለየ ጥርጥር የልቦን።” ኢሰያስ፡ ሕጂ ደኣ እንታይ ሓሲቡ ከምኡ ይገብር ኣሎ”? ንከይበሃል ግን  ድሌትን ጠለባትን ወተሃደራት ከም ዘማለአ ኣምሲሉ  ነቲ ከተግብሮ ደልዩ ዘሎ ሓሳባት ደፋኢ ድርኺት ንምምችቻእ ዝተገበረ ተዋስኦ ምዃኑስ ብዙሕ ምምርማር ዘየድልዮ ናይ ቅርዓት ምስጢር ኢዩ። ወዮ ደኣ ኢሰያስ ነቲ ንሱ ዝብሎን ዝሓስቦን እምበር ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሎ ክርዳእ ዘይኽእል ባዶ ሽክና ተሸኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ደንቆሮ ኮይኑ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ኣሽንኳይዶ ንኢስያስ ዝገብሮ ተዋስኦስ ይትረፍ፡ ንኢሰያስ ዝሓስቦ እውን ከስተውዕል ካብ ዝጅምር ዓመታት ኣቝጺሩ አዩ።

ከም ናተይ ግምት በዚ እዚ ተዋስኦ እዚ ክግበረሉ ዝተደልየ ምኽንያት፡

ቀዳማይ  እቲ ቅዋም ክጅመር ስለ ዝተደልየ ኢዩ። ቅዋም ተተግቢሩ ማለት ግን ኢሰያስ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ ቅዋም ኢሰያስ ናብ ዝጥዕሞ ክቕይሮ ዝኽልክሎ ነገር ስለ ዘየሎ ንባዕሉ እቲ ቅዋም እውን  ብኣብዝሆ ብድምጺ ናይ ¾ ኣባላት ባይቶ ቅዋም ንምቕያር ስለ ዘፍቅድ። ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ብዘይ ቅዋም ትጎዓዝ ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ ህግደፋውያን ድማ ርእሰ ማላውያን  ርእሰ ማሎም ኣብ ኤርትራ ከዋፍሩ ይልምኑ ስለ ዘለዉ፡ ቅዋም ኣሎና ኢሎም ንኣውፈርቲ ንምድህላል ወይ ንምድንጋር ዝዓለመ ስንኩል ፈሊጥ ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ዓላማ ናይዚ ተዋስኦ እዚ፡  እሱራት ናይ ምፍታሕ መደባት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ዝፍትሑ እሱራት ግን በዓል መን ኢዮም? ምናልባት ንኢሰያስ ዘየስግኡ ብሞራል፡ ብዓቕሚ፡ ብኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ስንክልና ዝተዳኸሙ ምቕላቦም ዘጸገሞ  ሰባት ኣውጺኡ ንስድራ ቤቶም ኣደራዕ ከውድቐሎም ሓሲቡ ይህሉ ይኸውን።

ብሓፍሻ እዚ ድራማዊ ተዋስኦ እዚ ከም ብውልቀይ ክርእዮ ከሎኹ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ሽግር ንምግልጋል ዝተዋደደ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን፡ ምኽንያቱ  ህዝቢ ኤርትራ ዝገላገል፡ ብተዋሳእቲ ዘይኮነስ ብሓቀኛታት ተቓለስቲ ኢዩ።  ገባቲ መራሒ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ስቓዩ  ናይ ምግልጋል ሕልሚ፡ ራእይ ይኹን  ድሌት የብሉን። ካብ ሓደ፡ ደም ሰብ እናሓንፈፈ ዝገበለ፡ ማሕደር ጭፍራ ኣጋንንቲ፡ ብቆለን  ዛርን ዝምራሕ ጨካን መራሒ እንጽበዮ ርህራሔ እውን ክህሉ ዘይግባእ ስለ ዝኾነ።

ስለዚ ክቡር  ህዝበይ ኣብ ክንዲ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ገጸባህርያት ህግደፍ ብዝገብርዎ ዘለዉ ተዋስኦታት እናተደናገርና ግዜና እነጥፍእ ስቓይናውን እነናውሕ፡ በብዘለናዮን በብዓቕምናን ስቓይናን ስቓይ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምትንፋስ ስኢኑ ዘሎ ህዝብናን ብቓልስና ከነሕጽር ንበገስ። ብድሌትን ትምኒትን ዋጋ ከየከፈልካ ዝርከብ ሓርነት የልቦን፡ ሓርነት ዋጋ፡ መስዋእትነት የሓትት ስለ ዝኾነ። ነቲ ህግደፋውያን መታን ከይንሓብርን፡ ሓቢርና ክይንዋገኦምን ኣብ ሞንጎ ኣእትዮሞ ዘለዉ ዘይምትእምማን፡ ናይ ወገናውነት፡ ዓሌት ሃይማኖት ፍልልያት ኣወጊድና ከም ደቂ ሓንቲ ኤርትራ መጠን፡ ሰሚርና  ንሃገርና ነድሕን፡ብሓደ ሰሚርና ውዲት ጸልእትና ነፍሽል። ጸላኢ መላእ ህዝብና ሓደ ኢዩ ንሱ ኸኣ ኢሳያስን ስርዓቱን ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም ብቕንዕና ዝብገሱን ምእንቲ ሓቂ ክሳዕ ንመስዋእቲ’ውን ድሕር ዘይብሉ ብጻዮም ኢዩ።

ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ፍሽለትን ከኣ ነቶም ንሰላሙ ዘይደልዩ ተበለጽቲ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...