መጋረጃ ይቀንጠጥ ካብ ኮነ ሰዓት

ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ

ክንደሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ

ይኣክል ናይ ብርዒ ይቀላዕ ኣስማቱ።

ጎበዝ ተላዓል መጋርጃ ቀንጥጦ

ምርኣይ ንዝኸልኤ ቀልጥፊካ ገልብጦ

ኣብዝባና ዘሎ ሕላገት ቅለጦ

ተቓላጠፍ ኣጥፍኣልና ኣስልጦ።

ኣስምዓኒ ነጋሪት ዓድና

ሓቅድዩ ድብንብን ደበና

ደበና ሰሪቡ ኣብ ሰማይ ሃገርና

ነጎዳ ኣንጎድጎደ አብ ኣስመራና

ሓዲሽ ዓመት ሓጎስ ከዝንበልና

ንነዊሕ እዋን ደሪቑ መርየትና

መርገም ስንቁ ምስነገሰ ክገዛኢና

ኣይሹዑንዶ ዝጠፌ ቐልብና

ኣካ ኽንደይ ተበደልና

ኣካ ተናዓቕና ተርገጽና

እዚኹሉ ኣደራዕ ዝረኸብና

ክንዲ ክንእዘዝ ዝበልና

የብቅዕ ምሽቑራር ኣብ ህዝብና

ማእሰርቲ በዚሑ ኣብ ኩልና

ፍትሒ ጠፊእዎ ንሃገርና

ንብዓትና በዚሑ ኣድረቖ ኣዒንትና

መወዳእታ ተሳኢኑዎ ቑዘምና

ካዕካዕ ስሓቕን ሓሪሙና

ወዘራዝር ኣራእሰን ተሽፈና

መራዑት ፈዚዘን ቃዘና

ዓጸቦ ምስበዝሔ ተሳእነ ጥዕና

ሕልፈታት ከቢዱዎ ህዝብና

ባርነት ነዊሑ ሓርነት ጠፊኡና

ዝሓርስ ነይብሉ ግርውትና

ጥራሑ ምስ ኮነ ቖፋፉና

ጥምየት በርቲዑዎ ቤተሰብና

ክንደሻዕ ኣሎ ትም ሰራዊትና

ሕጂስ እንሆ ብስራትካ ሰማዕና

በል ቀልጥፍ ዛዝመልና።

ተለዓል ሰራዊት ናይ ሃገርና

ተዓጠቕ ልጎሞ መዳፍዕና

ምእንቲ መሰል ኣድህየልና

ቖራዲ ሃገር ኣብርሰልና

ዝተጠልመ ሕድሪ ምለሰልና

ንኸንቱ ኣይተሰዉኡን ጀጋኑና

ሓድሽ ኣዋጅ ቀልጥፍ ኣስማዕና

ንገድ ነጋዳይ ኢልካ ኣዝምረልና

ሕረስ ሓረስትይ ባዓል መርየት ዋና

ኣጽንዕ ተመሃራይ ገንጽሎ ብራና

ካህናት ዕጠንዎ መቕደሳትና

መሻይኽ ኣዝኑ ኣብ መስጊድና

ሸቃላይ ሸቅል ኣርስኖ ዕዮና

መምህራን መልምሉ ተምሃሮና

ቀሲኑ ክነብር ህዝብና

እኒሀለ ቅዋም ኢልካ ኣውጀልና

ክንላዘብ ኩላትና ሓቢርና

ሰራዊት ሃገረይ ብዓል ዝና

ኩሉ ኣባኻዩ ትጽቢቱ ህዝብና

ንስኻ ኢኻ ተድሕኖ ዓድና።

ውድቀት ንማፍይ ህግደፍ

ብስራት ንህዝቢ ኤርትራ

ዓወት ንሰራዊት ኤርትራ

ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...