ሓደ እዋን መንግስቱ ሃየለማርያም ምስ ገሸ፡ ጀነራላቱ ካብ ስልጣኑ ከውርድዎ ፈቲኖም ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ። ኣብ’ታ መዓልቲ’ቲኣ ኣብ ማእከል ኮምቢሽታቶ፡ ፊት ካተድራለ ኣብ ስራሕ ኔረ። ሽዑ ድሕሪ ፋዱስ ጸሓይ ብመራራ ኣብ ፊት ስርሐይ እዝግዮ ዝኾነ ጠያይቲ ዘው-ዘበለት ጂፕ፡ ቀይሕ ቆብዕ ጌሮም፡ ናይ ኣየር ወለድ ክዳን ዝተኸድኑ ወተሃደራት ሒዞማ ኣብ ኩርናዕ መንደቕ ናይ ካተድራለ ተጸጊዓ ናብ ማእከል ጽርግያ’ቢላ ብረታ ኣቕኒዓ ደው በለት።

ብዛዕባ ኩነታት ናይ’ቲ ዕልዋ ሓበሬታ ጨኒቑዋ ዝወዓለት መዓልቲ ናየ’ስመራ፡ ኣማስይኡ ብመኻይንን ብኣጋርን ዝተዓብለለ ብዝሒ ምንቅስቓስ ናይ ወተሃደራት ተዓሰለት። አረ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም’ሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ናይ ህንጻታት ከይተረፈ ብረቶም ተኺሎም፡ ብዙሃት ወተሃደራት ምንቅስቓስ ከተማ ክዕዘቡ ጀመሩ። ኣይደንጎየን ድማ እቶም ዓለውቲ ጀነራላት ኣብ ቃኘው፡ ኣብ ኣኼባ እንከለዉ፡ ብመንደፋራ’ቢሉ ዝመጽአ ሰራዊት ስጉምቲ ወሲዱሎም፡ ኣስመራ ብቕጽበት ብተኹሲ ተሃወጸት።

እቲ ዕልዋ ቅድሚ ምፍሻሉ፡ ነቲ ሓዲሽ ኩነታት ዝሰምዑ፡ ቀደም ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ ሻምበል ዝነበሩ ሻምበል ታፈሰ ዝበሃሉ ኣቦ፡ ቅድሚ ፋዱስ ናብ ስርሐይ መጺኦም፡

“በ’ውነቱ ዳንኤል እኔ’ምፈልገው ለውጥ ብቻ ነው። ለምን ውሻ ዙፋኑ ላይ ቁጭ ብሎ ዉ! ዉ! ኣይልም። እኔ’ምፈልገው ለውጥ ብቻ ነው።”

ዝበሉኒ ዘረባ ሎሚ ምስ’ዚ ካብ ፎርቶ’ቢሉ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ተዘኪሩኒ’የ ነቲ ብሂሎም ኣልዒለዮ። እቲ ዕልዋ ምስፈሸለ ብሳሕል ኣቢሉ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ over confidence ለኪሙዎም ክብል በታ ሰሚዕካ ዘይትምኖ ዝነበረት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዘመሓላለፎ መልእኽቱ ከም’ዛ ደወል ካተድራለ ሕጂ’ውን ትዝ ትብለኒ። እሞ ሕጂኸ ደኣ እንታ’ዩ ክበሃል ዝድለ ዘሎ?

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ዛ ሓዳስ ኤርትራና፡ ለውጢ ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ለውጢ የድሊ ከምዘሎ እዚ ሰኣን ንእሽቶ ማሕጎማ ተፈጢሩ፡ ተኸስ ዝብል ዘሎ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን፡ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ድራማ ንጹር ምስክር’ዩ።

ናይ ብሓቂ ግን እንዳ ዝናን-ባህታን’ውን ለውጢ ደልዮም፡ ዝባኖም ቀሊዖም ማሕጎማ ዝጽበዩ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ ኣንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ይፍጠረሎም ጥራይ ሓጓሞ ካብ ዓደ’ቦ። ከም’ዚ ዝመጣልዕዎ ዘለው ብቓንዛ ምልላው እንተቐጺሎም’ሞ፡ መዓልቲ እነተነዊሑ ግን፡ ይኽደነና ደኣ’ምበር ሓጓሞ ካብ ጎደቦ ክዕድሙ ፈረሶም ጽዒኖም ይልእኩ’ኾኑ’ዮም ዘየብል ኣይኮነን። ንምሕረት ይግበረሎም።

እንተ ንኣና ንህዝቢ ግን፡ ዝሓለፈ ግዜ መኣስ ነዊሑ፡ ኢሳያስ መይቱ-ተንሲኡ ተባሂሉ፡ ተወርዩስ፡ ዓቢ ንኡስ ተደናጊሩ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይመስለንን። ሎሚ ድማ ብታንኪ ዝተዓጀቡ ክሳብ 100 ዝበጽሑ ዋርሳይ ናብ ፎርቶ ደይቦም፡ ንንዳ ዜና ተቖጻጺሮሞ። መልእኽቶም ክንብቡ ጅምር ምሰ’በሉ ግን ሉቸ ብሃንደበት ስለዝኸደት መልእኽቶም ኣንቢቦም ከይወድኡ ተኾሊፎም፡ ኣማስይኦም ከኣ ፕረሲደንት ሕራይ ሰሚዐኩም ኣለኹ ደሓን፡ ኢሉዎም፡ ብሰላም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም። እቲ ምይይጥ ድማ ይቕጽላ’ሎ፡ ዝብል ወረ፡ ወረ ተቖጺሩስ፡ ሰማዒ እዝኒ ረኺቡ፡ ሂር ኢሉ ይውረ’ሎ።

ናይ ወረስ ይጽናሕ’ሞ፡ ዕድመ ዝሃቦ እዝኒ እቲ ዝኸውን ክሰምዕ ኢሉ’ሎ። ምናልባት ግን፡ ድሕሪ’ቲ ኹሉ ክጽብጸብ ዝጸንሐ ናይ ግፍዕታት ወረ ሕጂ፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ንዘቕረቡ ዜጋታት ሰሚዖም ወይ ድማ ብቖጸራ ኣፋንዮሞም ክበሃል እንከሎ ቀሊል ለውጢ ኣይመስለንን።

ብወገኖም ምናልባት እንተተረኺቡ ንሳቶም ጡረታ ዝወጽእሉ ለውጢ ዝቕርቡ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ፡ ከም’ዚ ሓዲሽ ተግባሮም እንተኾይኑ።

ብሸነኽ ህዝቢኸ ንሳቶም ንዝምልምልዎ ለውጢ ዝኸውን መለክዒታት፡ ምፍታሕ እሱራትን ምትግባር ኮንስቲቱሽንን እኹልዶኾን ይኸውን?

ከም ተመኩሮ ደቡብ ኣፍሪቃ - ማንደላ፡

ከም ናይ ምብራቕ ቲሞር - ሻናና ጉስማው፡  ወይ ድማ

ከም ተመኩሮ ናይ ሩዋንዳ - ካጋመ፡ ዝመስሉ መራሕቲ ከይረኸበ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ናይ’ዛ ሓዳስ ኤርትራና ናበ’ቢሉ ዝዓልብ’ዩ ዝመስል ዘሎ?

ምናልባት እንዳ ዝናን-ባህታን ምስ ነብሶምን ምስ ህዝቦምን ዘትዮም ናይ ምውሳን ሓዲሽ ብቕዓት ኣጥርዮም ስለዘለዉ ሓደስቲ መራሕቲ ክምልመሉ’ዮም ክበሃል ድ’ዩ ዝድለ ዘሎ? ኝሕናኸ ምናልባት ንሱ’ውን እንተተረኺቡ እንታይ በሃልቲ ኢና? ይርሓሰናዶ ወይስ ካልእ ኣለና?

እቲ ሕጂ ከም ቀንዲ ዛዕባ ዝውረ ዘሎ ስምዒታዊ ህቦቡላ፡ ምልጋስ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ብሓይሊ ወይ ብፍቶት እንተተጋሂዱኸ ኣንፈት መጻኢ ዕድልና ኣብ ኢድና  ማለት ኣብ ኢድ ህዝቢ ይዓልብ ዶኾን ይኸውን? ከምርኢቶይ

1. ከም ናይ ቱኒዝያ ዝመስል ኣይመስለንን። ምኽንያትቱ ኣርባዕተ ሚእቲ መንእሰያት ኣብ ባሕሪ፡ ጥሒሎም፡ ልብን ኩላሊትን ናይ ኤርትራውነት ኣብ ሲናይ ተጠቢሑ ኣብ ግብጺ ናብ ዕዳጋ ይወርዳ’ሎ’ኳ እዚ’ውን ይሓልፍ ተባሂሉ’ዩ ክሕለፍ ተለሚዱ ዘሎ።

2. ከም ናይ ሊብያ’ውን ዝመስል ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ ክሳብ ሚእቲ ዝበጽሑ ዕጡቓት መንእሰያት ን’ንዳ ዜና ተቖጻጺሮሞ ከብቅዑስ ሕቶ ሓቲቶም ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ይበሃል ስለዘሎ።

3. ከም ናይ ኢትዮጵያ’ውን ዝመስል ኣይመስለንን። ሰበስልጣን ኤርትራ ኣግሂዶም፡ ኢሳያስ እንተደለ የባእሰና፡ እንተደለ ድማ የሰማምዓና። ከምኡ’ቢሉ’ዩ ኣጋዲሉና’ዮም ዝብሉ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ እቲ ቐንዲ ዛዕባ ምልጋስ ናይ’ዚ ብሞያ ዝሞተ ኣብ ናይ ህልኽ ኲናት ዝተሳዕረ ቄባዕ ቅዲ-ኣመራርሓ ኢሳያስ ሓዋርያቱን፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ናይ’ቲ ውድቀትን ናይ መጻኢ ዕድልናን - ሓላፍነትን ተሓታትነትን -ብምስካም ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ናይ ሓባር ኣርእስቲ ምኹስኳስ ተተሓሒዝናዮዶ’ለና?

ምስ ገበርቲ ሰናይ ብዓቢኡ ድማ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝዋሳእ ድምጺ ህዝቢ ኣለናዶ? ከመይ’ሲ ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኤርትራን ተዋዲዱ ዝነበረ

Eritrea-Demobilization and Reintegration Program

Project ID ERPE73604 (09/2001)

ዝመስል ተስፋ ከምዝነበረ፡ ሕጂ’ውን ምልዓሉ ሃናጺ ይመስለኒ ንኣይ።

ከምኡ’ውን ካብ ዋዕላ ናይ ኣዋሳ፡ ዋዕላ ናይ ምሁራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ዋዕላ ናይ መንእሰያት ኣብ ደብረዘይት፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝተፈተነ ምትብባዕ ናይ ለውጢ ዝዓመሞ ናይ ለውጢ ዕማማትን፡ ብሕጂ’ውን እንታይ ክውሰኽ ከምዝኽእል ምምላእ ሃናጺ መሲሉ ይስምዓኒ።

ብረድዮታትን ብኢንተርነትን ዝመሓላለፍ ዘሎ ድምጺ ደለይቲ ለውጢ ኣዝዩ ንኡድ’ዩ። እንተኮነ ግን ኩነታት ጽልግልግ ኣብ ዝበለሉ ሰዓት፡ ኣበ’ስመራ እንታይ ይግበራ’ሎ ዝብል ጸብጻብ ጥራይ ከተቃልሕ ምጽዓር’ሲ፡ ንድሕነት ናይ’ቶም ለውጢ ከምጽኡ ብኣካል ዝዋስኡ ዘለዉ ዜጋታት ሰኸም ምውሳኽ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ለውጢ የድሊ’ሎ። እንዳ ዝናን-ባህታን’ውን ናይ ለውጢ መንገዲ ሃሰስ ክብሉ ጅሚሮም ኣለዉ። ሰለስተ ታንክታት ኣምሪሖም ን’ንዳ ዜና ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ዋርሳይ’ኳ ከም ቀደሞም ብጥይት ካብዘይፈርድዎም፡ እንተተረኺቡስ ናይ ምሁራት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ሽምግልና ተቐቢሎም፡ ከም’ቲ ሓደ ምሁር ኤትራዊ ኣብ 2000 ዝበልዎ፡ ስልጣንን ተሓታትነትን ንናይ ህዝቢ ኮሚቴ ከረክቡ እንተተሓቲቶም ብዘይ ምፍሳስ ደም ሕራይ ዝብሉ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ። ይመልኣልና ጥራይ።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...