ዝሓለፈ ሰኑይ 21 ጥሪ 2013 ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልና ብታንክታትኩም ተዓጂብኩም ሃንደበት ንሚኒስትሪ ዜና ብምቁጽጻር ንሓላፊ ቲቪ-ኤረ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ብሓይሊ ብረት ብምስግዳድ “ ቅዋም ኪትግበርን ናይ ፖለቲካን ስግረ-ዶባትን እሱራት ኪፍትሑን” ዝጠልብ ጻውዒትኩም … ጻውዒት መላእ ህዝቢ ከምዘንበቦ ብማዕከናት ዜና ደምበ ተቓውሞ ምስተቓልሐ እታ ንነዊሕ እዋን ኪንጽበያ ዝጸናሕና ዕለተ -ብድሆን እምቢታን ብምምጽኣ ሓጎስና ደረት ኣይነበሮን።

ዋላኳ ኩሉ ጠለባትኩም ብቲቪ ኤረን ድምጺ ሓፋሽን ብዝግባእ ከይቃላሕ እንተተዓፈነ እተን “ቅዋም ኪትግበርን እሱራት ኪፍትሑን!” ዝብላ ዘቕረቡኩመን ጽማቚ መልእኽትኹም ንኹሉ እቲ ካልእ ሕቶታት ስለዘጠቓልለኦ ድምጺ ውጹዓት ኣብ ምቅላሕ ተዓዊትኩም ኢኹም።

ኣብታ ብስለያዊ ቁጽጽርን ውዳበን ዝጸበበት ሃገረ ምልኪ ኤርትራ እትረፍ ከምቲ ንስኻትኩም ታንክታት ኣሰኒኹም ዝወሰድኩሞ በርቃዊ መጥቃዕቲስ ዑፍ እውን ኪትነፍር እንከላ ኪንቆጻጸራ ንኽእል ኢና እናበለ ዝምካሕ ስርዓት ህግደፍ ነድሪ ደቂ ህዝቢ እንተገንፊሉ መሓውራት ምልኪ ከምዝለምስ ኣመስኪርኩም ኢኹም።

ሓቂ ይሓይሽ ኣብቲ መጀመርታ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮሞ ዝብል ወረ ምስ ሰማዕና” ካልእ ኪተሓዝ ዝግበኦ ንቑጣታት ኪስዕብ እናተጸበና፤ ግን ስለምንታይ ንቕድም ቲቪ-ኤረ ኪትተሓዝ ተመሪጻ ንዝብል ሕቶ ስቕ ኢልና ኪንሰግሮ ኣይከኣልናን። እትረፍ ክንዳኹምን ከማኹምን ዓቕሚ ዘለዎ ወተሃደር፡ ዝኾነ ንእሽቶ ንባብ ዕስክርና ዝርዳእ ሰብ እውን እንተኾነ ቅድም ቀዳድም ቤት ጽሕፈትን መአዘዝን መላኺ ምቁጽጻር ከምዝመርጽ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ እቲ ብሽርሕን ኪፋእን ዝተኻሕነ መላኺ ሓቂ ዝመስል ድራማ ኣሊሙ ነቶም ብጋህዲ ኪብድሁዎን ኪገጥሙዎን ዝጀመሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዓቕሚ ንዘለዎም ኪገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ንዝበሎም ዜጋታት ንምእሳር ዝተጠቕመሉ ተዋስኦ ከይከውን ሰጊእና ኢና።

ምኽንያቱ ቕድሚ ሕጂ፤ ብጥልመት መላኺና ዝበርዓነ ኣድማ 20 ግንቦት 1993 (ኣድማ ተጋደልቲ)፤ ብሓይሊ ብረት ዝተቖጽየ ናይ ኣካለ-ስንኩላን ተጋደልቲ ተቓውሞ 1994ን፤ ብውዲት ናይ ወያነ ዝተመሰለ ሰላማዊ ምስግጋር መንግስቲ ዝዓደመ ጻውዒት ምሁራን (ጂ-13) 2000፤ ብሓይልን ዓመጽን መላኺን ውሑዳት መሻርኽቱን ዝበርዓነ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ድምጾም ዘስምዑሉ ጠለባት ሕቶ ትግባረ ቅዋምን ምምስራት ዲሞክራሲያዊ መንግስትን መስከረም 2001፤ግዳይ ሞየኦም ኮይኖም ብጸላም ዝተዓፈኑ ጋዜጠኛታት ደለይቲ ፍትሒን መስከረም 2001 ካልእን ብዙሕ መምሃርን መለበምን ኪኸውን ዝኽእል ኣብነታት እናሃለወ ተቐዳዲምኩም ናብቲ መላኺ ዘየድሃብኩም ዝብል ሕቶ’ኳ ይሃሉ እምበር፤ ድምጺን ጠለብን ህዝብኹም፡ “ጠለብ ቅዋምን እሱራት ፖለቲካን!!” ንህዝብን ዓለምን ስለዝኣወጅኩም እቲ ዝፈጸምኩሞ ጀግነንት ዘደንቕ ኢዩ። ብድሕሪ ሕጂ ካብዚ ቁልዒ እዚ ንዝፍተር ባርዕን ሃልሃልታን ከኣ ዓቢ መመሃርን መሞከርን ኢዩ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብደምናን መስዋእትናን ኣብ ዘረጋገጽናያ ናጻ ሃገር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትና ተጋሂሱ ኣደዳ ምልክን ዓፈናን ስለዝኾንና ኢኹም ነዚ መሰላት እዚ ከተረጋግጹ ህይወትኩም በጂኹም ዝተወፈኹም።

ተለኣኣኽቲ መላኺ ሞያኹም ከቆናጽቡን ከነኣእሱን ደገፍትኹም ቅያኹምን ጀግንነትኩምን ከነጉልሕን ከነድንቕን ኣብ ቅልስ ኣሎና። ኣብታ እንፈልጣ ኤርትራና እትረፍ እዚ መዓንጣ ህግደፍ ዝዝርግ በርቃዊ ስርሒት ኣጋጢሙ ንእሽቶ ነገር ተረኺቡ እውን ደሃይ ስለዘይህሉ፡ ንቕያኹም ኣብተን ደሃይኩም ደሃይ ውፉያት  ደለይቲ ለውጢ እነቃልሓለን መርበባት ሓበሬታ ኪንውርቖን ኪንነድቆን ኢና።

እዚ ብምልክን ሓይልን ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ዝጠለብኩሞ ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቖ ቅዋምን ህዝቢ ዝሓቶን ዝጠልቦን ዘሎ ነገራት ከም ምፍታሕ ፖለቲካውያን እሱራት ምምስራት ዲሞክራሲያዊ መንግስትን ምንጋስ ግዝኣተ ሕግን ዝኣመሰለ ብህጹጽ እንተዘይተግቢሩዎ፤ ዊዒሉ ሓዲሩ እቲ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝኣጎድኩሙዎ መጋርያ ለውጢ ናብ ነበልባል እሳት ተቐይሩ ነድርን ቁጠዐን ህዝቢ ኣለዓዒሉ ካብ መንበሩ ኪዓልዎ ሙዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ንስኻትኩም እቶም ልሳን ህዝቢ ኮይንኩም ኣብታ መሰራሒት ፕሮፖጋንዳ ምልኪን መላኽን ዝኾነት ቲቪ-ኤረ ጠለባት ህዝብን ሃገርን ዘቃላሕኩም ምዑታት ደቂ ህዝቢ፡ ኣብ ልቢ ደላይ ለውጢ ንዘልኣለም ኪትህልዉ ኢኹም።

እታ ዝወላዕኩማ ሽግ ለውጢ ዋላኳ ንግዚኡ ብንፋስ ምልኪ ግንብንብ እንተበለት ውዒላ ሓዲራ ኪትበርህን ኪትደምቕን ኢያ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ተራን መኮንናትን ካብ ዝለዓሉ ኪሳብ ዝነኣሱን ሓርበኛ ህዝብናን ነዛ ተወሊዓ ዘላ ንጣር ቑልዒ እምቢታ ኣምበድቢዱን ኣጒሂሩን መጋርያ ሓፋሽ ኪቕይራ ንጽውዕ፤

ንሕና እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም እንርከብ ደለይቲ ለውጢ ወገንካ ወትሩ ኣብ ጎድንኻ ሙዃንና ተበግሶኻን ፈተነኻን ብኽብርን ኣድናቖትን ከም እንዝክሮ ከነረጋግጸልካ ንፈቱ።  ድሮ እኳ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤውሮጳ ኣመሪካን ደገፍናን ኣድናቖትናን የንጎድጉድ ኣሎ።

ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዜጋታት

ዓወትና ናይ ግድን ኢዩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...