.............. ደሃይ ወዲ ብጫ (ቲፋኖስ) ንምርካብ ናብ እንዳ ብጫ ኣብ ዝከድሉ ግዜ፡ ማዕጾ ገርጋሕ ኣቢሎም ምስ ከፈቱ ኣብ ማእከል ምድሪቤት ዝጸንሖም ተስፋጼን እዩ። መንበሪ ኣንዳማቶም ብሃንደበት ከፊቶም ብምእቶዎም ዝተገረመ ተስፋጼን ደሓን ድኩም ደኣ? ክብል ሓተተ .... ክፍሎም ብስጋ ሓው፡ ብመንፋስ ግን ሕጹይ ምለኑ ዝኮነ በጽሒ ከምዚ ክብል መለሰ፡- ኣያ ተስፋጼን “ደሓን ኢና፣ ደሓን ከኣ ኣይኾናን”። ተስፋጼን ነዚ ቃል’ዚ ምስ ሰምዔ ገጹ መሊሱ ብምንቅዕራር፡- እንታይ ኢካ ዝበልካ? “ደሓን ኢና ደሓን ከኣ ኣይኮናን” “ዓጀብ!  ዘረባ ኣቦካ እምብኣር ግርም ጌርካ ሒዝካያ” እዩ ዝበለ።

ግርማ ኣስጎዶም ፡ ንናይ ዓርቢ-ጥሪ 21-2013  ንምንቅስቃስ ( ፎርቶ ኣስመራ) .... ኣመልኪቱ  ክምልስ ከሎ፡- መጀመርያ ዝተረክበ ነገር ዋላ ሓንቲ የሎን። ዓድና ብእምንቶ’ያ (Trust) ትመሓደር።  ጎይታይ እንተኮይኖም ሙሉእ ጥዕና ኣሎዎም ። ምልስ ኢሉ ከኣ እንተ ኔሩ?..........Stupid. ምዃንኻ  ንከምዚ ዝኣመሰለ “Stupid” ምንቅስቃስ ብትግርኛ ቃል የብልናን ድሕሪኡ.....  ወዘተ ተረፈ።

“ደሓን ኢና ደሓን ከኣ ኣይኮናን”፡ ናይ መን ደኣ ክትወስድ: ዓሊ ዓብዱ ክሳብ ከሎ ዝስወር ከም ኣንዳ በለ እዩ ሓሊፉ።  ጥዕና ጎይታይ ካብ ወዲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ፣ .... ሃው ዝበለ ዘረባን ጓል ዘረባን። ናይ ከምዚ ዝመሰለ ዘረባ ስልማቱ ከኣ ኣገናዕ! ኔሩ።  ድሕሪኡ ግን ኡእ! ኣብዘይ ሓጥያተይ ኣእትይኑ ኢሉ ምስተን ዘይርኡያን ተጸንቢሩ ዘሎ። ናትካ ከኣ ገና፡ ገና፡   ኣታ’ወ......ከምኡ’የ......ባዕላ ክትኹስ”ያ፡  ካብዚ ርሑቅ የሎኻን።

ህዝቢ ንዝርእዮን ዝሰምዖን፡ የሎን። ኣይተረክበን። ኢልካ ምምሓል ናይ መጨረሽታኩም እምበር ናይ መጀመርያኩም ኣይኾነን። ሎሚ ግን ብዙሕ ኣይባሃልን፤ ሰብ ውራይ ኢና።  ሓጺር  መልእክቲ ጥራሕ እዩ ዘሎና።

ኦ! ኸይረሳዕክዎ’ባ፡ ጎይታኩም ደኣ ኣይደንጎየንዶ?፡ እታ ዃሓሊቱዶ ሃዲማ እያ? ወይስ ሳባ’ውን ሎሚስ ደቂሳ? ምኻን’ዃ ንህዝብስ እንታይ ከይተርፎ። መጺኡስ ...”ከምዚ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል ይከውን”...ድሕሪ ካልኤይቲ ቃል “ከምዚ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል ይከውን”.......ዘዳግም..... እንደኣሉ ። በሉ ኣብ ውድቀትኩም የራክበና.......

እዚ ዝስዕብ መልእክቲ ግን ኣይንዓኩምን፡

ኦ!  ህዝቢ ኣስመራ፡ ህግደፍ ዘዕጠቐካ ብረት ካብ ተናከስቲ ኣክላባት ኣስመራ ወይ ገበል ሰማይ ክትናገፈሉ ኢሉ ኣይኮነን።  ሓደን እንኮን ጸላኢ ዘሎካ ህግደፍ ጥራሕ እዩ ።  ብውልቀ ይኩን ብጃምላ-ህዝቢ፡ ዓይኒካ ተደፈን  ዝብለካ የብልካን። ተዓዲልክዮ ዘሎካ ብረት መከላከሊኡ’ምበር መከላከሊ ነብስካ ከምዘይኮነ ሎሚ ተዓዘብ፡። ምስ ደቅካ ይኣክል በል! ጻዕዳ ብዕራይ ኣሎ ኣብቲ ደገ፡ ተጠንቀቅ ኣንታ ህዝቢ ከይትጋገ ! ! !

ኣንታ ንስካ’ሞ ጀግና

ዝግታ” .... ዶ ኢልካኒ (patience) “ተሰማሚዔ”...... በል ንኪድ...

ደላይ ፍትሒ፡ ሰላም ዝኮንኻ

ሃየ ተቀባበል፡ ዘርጋሓዮ ኢድካ

ተነቃኒቑ እዩ፡ ዎ ደላይ ለውጢ

ግዳም ኣጽንዕ፡ ባዕሉ ኣሎዎ ውሽጢ

ይዝንቢ ኣሎ፡ ኤረትራዊ ነስሪ

ኣብ ሕጊ ከቕርብ፡ ነቲ ጠላም ሕድሪ

ኣማዕድየ ሪኤያ፡ ጓል-ኣለም  ጓልማርታ

ሰዓቡ፡  ክትብል   ንመሓዙታ

ወሪሳዶ’ታ ፡ ናይታ ውልዶ ሸዊት

ካልሽን ደርብያ፡ ብሬን ኣነቃዊት

ጀግና እንዳመከተ፡   ገዛ’ዶ ይወዓል

መርዓት እንተዘይኮንኻ፡ ኮፍ ኢላ ትኾሓል

ኢድ.....ንኢድ....ኢድ.....ንኢድ

ንቀልጥፍ ንሰጉም፡ ሃየ ንኪድ

መረጸ ኣስመላሽ    

ጥሪ/ 27/ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...