ተዓገስ ኹኹናይ : ነቑ ኣርሓ ደርሆ

በቲ ረጒድ ድምጺ : ሓባሪ ንግሆ

ንስካ ኣይትስሕትን : ጸኒሕ ናይ ኣቦካ

ሃየ ደጋግሞ : እቲ ጉሩም ድምጽካ

ወጊሓ’ዶ መሬት : ኮይና ከብዲ ኣድጊ

ተዓሪቖምና’ዶ :  ሎምስ ኣቦይ እዝጊ

ተንሲኦም’ዮም በሎ ፡ ዎዮም ሰብ- ቖጽሊ

የንፋሕኽ ብእግሩ ፡ ናይ መን ሰጋር በቕሊ

ዶው ኣይበል  ፡ ኣብ ቅድሚ ጥሕሳ

ከይጻውተሉ ፡  ከም ናይ ልደት ቃርሳ

ጸሓይ ሕዝቢ ፡  ሊኢካ ጨረርታ

ሚስኪን ሓዊ-ለቶ ፡  ጠፍእዋ መስታ

ህግደፍ  ኣሎኹ ፡  ከይብል ከም ቐደሙ

ሕምብርቱ ረጊጾም ፡ ነጋሪት ሃረሙ

ክሳድ ምሓዝ ከሎ ፡ እንታይ ይዓብስ ምኹላል

ጥሩምባ ሃሪሞም ፡ ብኮፉ ጀነራል

ኣብ መንጎ ህዝቢ ፡ እንከሎ ጉሒላ ጠላሚ

ጽባሕ ዝብልሲ ፡ እንታይ ምስ ኮነ ሎሚ

ቃልሲ ኾይኑ ፡ ኣንተበልኩ ሰንከልከል

መኣስ ይወድቕ ፡ ኣነ በዓል መትከል

ኢሉ ነዲሩ ፡ ወዲ ይክኣሎ

ክሕለብ እቲ ፡ ጸባ መኩእዎ ጎሎ

ኣለና ምሳካ ፡ ኣንታ ሰራሕ ቅያ

ፎርቶ ተመሲሕካ ፡ ድራርካ እንዳፍቕያ

ከምኣ’ያ ኢዱ ፡ ደጊምኩም ይፍለጡ

ክትምከቱ እኩም  ፡ ጽጉባት ወጣጡ

ስልጣን ዝሓዘ ፡ ዓራት እንዳማቱ

ምትሓዙ እዩ’ምበር ፡ መገዲ ኣያታቱ

ገለ ሙላቕ ፡ ተረፍ እንተ ሃሊካ

ዘይሕሎ ክትሕሉ ፡ ጸላእ ጸልኢካ

ንሰማይ ተንቃዕርር ፡ ገበል ኣብ እግርካ

ሃጠው ቀጠው ግደፍ ፡ ተጠቀም በትርካ

ጎሪሑ’ዩ ሎሚ ፡  ኩሉ መላኣ ህዝቢ

ኣቲካ ጸኒሕካ  ፡ ዕኾት እንዳ ንህቢ

ምጥፍእካ እንተ’ሒሹ ፡ ዓራርቦ ጸሓይ

ደምሰስትስ ኣሎና ፡ ከይትገድፍ ደሃይ

ኣቱም ካብ የብለይ ፡ ናብ የብለይ ትብሉ

እዝንኩም እንዳ ሰምዔ ፡ ልብኩም ተንዅሉ

ሃገር ሒዝኩም ፡ ሃገር ተጣራዒት

ግደፉ ጽገቡ ፡ ድቓስ ጥንቅልዒት

ኣዕዋፍ ሃግረይ ፡ ተንስኣ ዘምራ

ኣይጨነወክንን ድዩ ፡ ‘ዚ ሰናይ ኣዝመራ

ዕንጭራር ህግደፍ ፡ ድምጻ ተሎጉሙ

ኣበይ ከይጸንሕ ፡’ዚ ዘርኢ መርገሙ

ፍሉይ ኣይነበረን ፡ መዓልቲ ምስ ለይቲ

ቒቕ..ቒቕ ከይሰማዕና ፡ እታ ሳልሰይቲ

ኣበይ ከንድቅስ ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ! !

ኣበይ ከንሳደድ!  “ኣለና” .....................

መረጸ ኣስመላሽ

02. 01. 13


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...