ሒቕታ ዘይብሉ ጎሮሮ

ጽምኢ ዘይብሉ መሮሮ

ጎንጺ ዘይብሉ ቃልሲ

ሞት ትጸልኦ ነብሲ

ኩሉ ሰናይ ትምኒት”ዩ

ኣምላኽ ዝገርሖ

ነቢይ ዝመርሖ

ኣርሒቁ ከይከደ

ባሕሪ ዝጨደደ

ፈርዖን ዘሰንበደ

እዃ ዝተካሕደ

እቶም ተሃወኩ

ቢተይ ዘምለኩ

§§§§§§§§§§

ኣነ ኣይፈቱን’የ ጥውይውይ ዝበለ

ብእግሩ ኣይምጻእ በየን ተቀልቀለ

ጎንጉኖ ጎንጉኖ ኣይትዘራግፎ

ረብሓ የብሉን ግዜ ዝሓለፎ

ዘርግፎ ዘርግፎ ኣይትቖናንኖ

ዋላ እንተኣረገት ኣደ’ዶ ትምኖ

ኣነ ዓራት ንስካ  ቶንኮበት

ኣነ  ቀንዲ ንስካ ጎረቤት

§§§§§§§§§§

ቲም-ቲም ኾቦሮ ግዜ ሓሪካ

መዝሙር ንህዝቢ ዎዎኑ ንዓካ

ገረመና “ዎ” ገሪማ

ግዕዝናስ ክንዲ ገዝማ

ንፋስ ቚሒማዶ ትጸገብ’ያ ከብዲ

ጌጋ ትምኒት ኣሎና’ዩ ግዲ

ምሕራይ ጠፊኡና እታ ማእከለይቲ

ደርሆ’ዃ ዝንቑ ሕላፍ ፍርቒ-ለይቲ

ጉድለት ዘይብሉ ቃልሲ

ቖብዕ ዘይብሉ ፈላሲ

እቱን ነይ ነይትመን

እቱይ ነይእመን

“ኣይትማርሩ  ኣይትራገሙ

ቓልሲ ንባዕሉ  ነጊሩ’ዩ ስሙ”


መረጸ ኣስመላሽ

1/12/2013

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...