ርእሰ-ከተማ ሃገረ ኤርትራ

ጽቡቕ ትርኢታ መዲና’ስመራ

ቅርጻ ሮማዊት መሳጢ ሕብራ

ክፋል ናይ ገነት ጥዑም ኣየራ፡

ጸሓይ በሪቑ ናጽነት ኣትዩ ክዕለለላ

እንከይ ቀጸለት ቅድሚት ኣቢላ

ንድሕሪት ከይዳ ታሕቲ’ንቆልቍላ

ኣብ ርሑቕ ገጠር ኣብ ምዕራብ ዘላ

ንኣዶብሓ ትጽበያ’ላ!!

መልክዕ ህንጻኣ ሕብሩ ሃሲሱ

እምኒ ተሪፉ ቸመንቶ’ልጊሱ

ዚንጎ መሪቱ መንደቕ ፈሪሱ፡

መትረብ ማያታ ኩሉ መሪቱ

ዘይህብ ኮይኑ ኣገልግሎቱ

ፋኛቱራኣ ሓመድ ተደብዩ ጠፊኡ’ዒንቱ

መብራህቲ የለን ዉሽጣ ጸልሚቱ፡

እቶም ጥጡሓት ጎደናታታ

ቅጥራኖም ከይዱ መን ቁሊሕ ክብላ መን ክጥምታ

ዘዐሪ የልቦን ትርፎ ዝኹዕታ።

ናይ መግቢ ስእነት ከይኣኸሎ ህዝባ

ብዝስተ ማይ መብራህቲ ላምባ

ብጋዝ ብፋሓም ኣትዩ’ብጸበባ፡

ንሳ ክትሕደስ

ከመቲ ናይ ጥንታ ኮይና ክትምለስ

ኣብኣ ዝነብር ዜጋ ክሕጎሰ

ነቲ መላኺ ኣይብሎን’ዩ ደስ።

ኣብ ውሽጢ’ስመራ ህዝቢ ዝነብር

መታን ክሻቐል ወትሩ ክሽገር

ብቕድሚ ሕጂ እኽሊ ወዘተ … ዝኾነ ነገር

ኣብኣ ከይኣቱ ኣዚዙ ኔሩ እቲ ዲክታተር፡

ዝጨነቓ’ደ ብቢሑቕ ጌራ

ከተእቱ’ላ ናብ ውሽጢ’ስመራ፡

‘ታ ዝፈተነት ‘ታ ዘይሰለጣ

ብመንነታ ህዝቢ ዘይፈልጣ

መዲርላ’ዩ ዲክታተር ባዕሉ

እኽሊ ብቢሑቕ ይኣቱ’ሎ ኢሉ!!

ናይ ኣስመራና ጥንታዊት ቦታ

ዓበይቲ ትካል ፋብሪካታታ

ከይተታሕዘሎም ከም መተካአታ

ዓንዮም ተሪፎም ኮይኖም ንዛንታ፡

ነባር ጽርግያ ጽቡቕ ቅጥራኑ

ከም ዘይነበረ ኩሉ ክዓኑ

ሓዲሽ ጽርግያ ሎሚ ክህነጽ ሕርሚ’ዩ ኮይኑ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...