(ቶሮንቶ፣15 ጥሪ 2013) – ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Watch) ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ከምዘረድኦ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት ዕደና ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ወፍሪ ንምውፋር ኣብ ዝጓየዩሉ ዘለዋ እዋን፡ ተሪር ናይ ምክልኻል ስጕምቲ እንተዘይወሲደን፡ ኣብ ኣዝዩ ሓያል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተሳተፍቲ ክኾና ከምዝኽእላ ኣሚቱ። ነዚ ሓደጋ እዚ ንምርዳእ፡ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበራ ነቭሱን ሪሶርስስ (Nevsun Resources) ዝተባህለት ናይ ዕደና ኩባንያ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝገበረቶ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕደና ዝሃነጸቶ ትካል፡ ብኣስገዳድ ናይ ሰብ ጕልበት ናይ ምጥቃም ተግባራት ብዘይምግትኣን፡ ኩነታት ናይ ኣስገዳድ ጕልበት ስራሕ ብዝተተሓሓዙ ክስታት ምስተላዕሉ ድማ ድኹም ዝዀነ ናይ ምእላዮም ዓቕምታት ብምርኣያን፡ ኣብዚ ኩነታት እዚ ብሩህ ዝዀነ ሓደጋ ምህላዉ የንጸባርቕ።


እዚ 31 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ኣብ ትሕቲ “እኩይ ነገር ኣይትስማዕ፤ ስራሕ ብኣስገዳድን ጉጅለኣዊ ሓላፍነትን ኣብ ትካል ዕደና ኤርትራ” (“Hear No Evil: Forced Labor and Corporate Responsibility in Eritrea’s Mining Sector”) ብዝብል ኣርእስቲ ኰይኑ፡ ነዘን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊረን ዝሰርሓ ትካላት ከመይ ገይረን ኣብቲ ሰፊሕ ዘመተ ኣስገዳድ ጉልበት ሰብ መንግስቲ ተሳተፍቲ ይዀና ከም ዘለዋ ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ፡ እታ ቀዳመይቲ ዕዉትቲ ናይ ዕደና ትካል ኣብ ኤርትራ ክትሃንጽ ንኸኣለት ኩባንያ ነቭሱን፡ ብኸመይ ኣብቲ ፈለማ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዕቱብ ክትሕዞ ከምዘይከኣለትን፡ ደሓር እውን ብኸመይ ኣንጻር ዝቐረቡላ ክስታት ክትቃለስ ምፍታናን ይስንድ። እዛ ኩባንያ እዚኣ፤ ወላኳ ፖሊሲታታ ተመሓይሽ እምበር፡ ብዛዕባ ሓደ ንሳ እትጥቀመሉ መንግስታዊ ትካል ንግዱድ ጕልበት ስራሕ ሰብ ዝምከቱ ጉዳያት ንዝቐረቡላ ክስታት ከተጻሪ ዘይትኽእል ትመስል።


“ናይ ዕደና ኩባንያታት ኣብ ኤርትራ ክሰርሓ እንተዀይነን፡ ስራሓተን ኣብ ናይ ኣስገዳድ ጕልበት ስራሕ ዝተመርኰሰ ንኸይከውን ብንጹር ክፈልጣ ኣለወን። ነዚ ክገብራ ዘይክእላ እንተዀይነን ግና ንቕድሚት ክስጉማ ከማን የብለንን።” ይብል ናይ ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ንግድን ሰብኣዊ መሰላትን ላዕላዋይ ተመራማሪ፡ ክሪስ ኣልቢን-ላከይ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያን፡ ኣዝዩ ጨቋኒ ስርዓት ዘለወንን ሃገራት ዓለም እያ። ኣብዚ ዝሓለፈ ውሑድ ዓመታት እቲ ድንግል ማዕድናዊ ሃብታ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ቍጠባዊ ዓቕማ ሓፍ ኣብ ምባል ተራኡ ይጻወት ኣሎ። እቲ መብዛሕትኡ ብንእሽቶ ካናዳዊት ኩባንያ ነቭሱን ሪሶርስስ ዝውነንን ዝካየድን ፕሮ ክት ቢሻ፡ እቲ ናይ ኤርትራ ቀዳማይን እንኮን ዝሰርሕ ዘሎ ትካል እዩ። ምፍራይ ወርቂ ኣብ 2011  ሚሩ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዓመቱ ጥራይ ክሳብ 614 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዘይተጻረየ ማዕድን ኣፍርዩ።


እንተዀነ ግን፡ ካልኦት ናይ ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ቻይናን ትካላት እውን ኣብ መስርዕ ወፍሪ ኣለዋ። ብዙሓት ናይ ሃንደሳ ትካላት እውን ኣብ ካልእ ቦታታት እቲ ሃገር ኣብ ምጽራይን ምጽፋፍን ይርከባ።


መንግስቲ ኤርትራ በቲ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝበሃል ፕሮግራም ንኤርትራውያን ኣብ ናይ ዝተናውሐን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ኵነታት ናይ ኣስገዳድ ስራሕን፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣዝዩ ናይ ግፍዒ ኩነታት ጸሚድዎም ይርከብ። እምበኣርከስ፡ ብመንገዲ እዚ ፕሮግራም እዚ እየን እዘን ናይ ዕደና ኩባንያታት ኣብቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ናይ ቀጥታዊ ተሳታፍነት ሓደጋ ዝኣትዋ ዘለዋ። ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወተሃደራት ብኸመይ ብቐጻሊ ከም ዝግረፉን ኣልእ ግፍዕታት ከምዝወርዶምን፡ ከምኡ’ውን ኣሃዱታቶም ራሕሪሖም ኣብ ዝጠፍኡሉ እዋን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታቶም ብኸመይ ሕነ ከም ዝፈዲን ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሰኒድዎ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ ተጸሚዶም ይርከቡ።


መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት እዮም ዝምደቡ፡ ዝተረፉ ከኣ ኣብ መንግስቲ ዝውንኖም ትካላት ከምዝሰርሑ ይግበር። ገለ ካብተን ትካላት መንግስቲ ድማ ናይ ህንጻ ኩባንያታት ኮይነን፡ መንግስቲ ነተን ናይ ዓለምለኸ ኩባንያታት ነዘን ኤርትራውያን ኩባንያታት ከም መኾናትርተን ገይረን ከስርሕአን ጸቕጢ ይገብር።


ነቭሱን ሪሶርስስ ኣብ ብሻ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝውንና ትካል ሃገራዊ ኮርፖረሽን ዕደና ኤርትራ (Eritrea National Mining Corporation (ENAMCO)) ብሽርካ ትሰርሕ። ነቭሱን ንተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘረጋገጸትሉ፡ ኣብቲ ፈለማ ምስቲ ፕሮ ክት ዝኸይድ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ሓደጋ ብዝምልከት ዝዀነ እዋናዊ ቆላሕታ ኣይገበረትን። ብጸቕጢ መንግስቲ ድማ፡ ሓንቲ መንግስቲ ዝውንና ሰገን ናይ ህንጻ ኩባንያ እትበሃል ገለ ናይ ህንጻ ስራሓት ኣብቲ ቦታ ንኽተካይድ ቆጺራታ። እንተዀነ፡ ሰገን ንነዊሕ እዋን ኣብ ፕሮ ክትታታ ብናይ ኣስገዳድ ስራሕ እትኽሰስ ኩባንያ እያ።


ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ብዙሓት ኣብቲ መ መርያ እዋን ህንጻ ቢሻ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ገለ ካብኣቶም ብመንገዲ ሰገን ኣብቲ ቦታ ከም ናይ ስራሕ ዓስከር ከምዝተመደቡ ይገልጹ። ሓደ ዓስከር ነበር ከምዝብሎ፡ ኣብ ናይ መቕርቡ ዝዀነ መዋቲ ሰብ ቀብሪ ንምስታፍ ካብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ናብቲ ቀብሪ ዝተኻየደሉ ቦታ ስለዝኸደ፡ ንሓያለ ኣዋርሕ ከምዝተኣስረ ይገልጽ።


“ነቭሱን ንሓንቲ ንነዊሕ እዋን ስኑድ ዝዀነ ክስታት ዘለዋ ኣብ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ እትምርኰስ ኩባንያ፡ ብዘይዝዀነ ቅድመኵነታዊ ኣገባብ ቆጺራ ኣስሪሓ። ዝገደደ ከኣ፡ ነቭሱን ነዛ ኩባንያ እዚኣ፡ ወላኳ ናይ ዕዮ ኩነታታ ክትቆጻጸራ ፍቓድ ዘይብላ እንተኾነት፡ ክሳብ ሕጂ ንሰገን ከተሳትፋን ከተስራሓን ጸኒሓ ኣላ።” ይብል ኣልቢን-ላከይ።
ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ነቭሱን ኣብ ምስራሕ እቲ ፕሮ ክት ዝዀነ ናይ ግዱድ ናይ ጕልበት ስራሕ ምጥቃም ተኽእሎ ንኸይህሉ ንምርግጋጽ ዘኽእላ ቅጥዒ ኣይነበራን። ካብኡ ንደሓር ግና እዛ ኩባንያ እዚኣ ፖሊሲታታ ዳግመ ግምት ገይራ፡ ብፍላይ ድማ ብመንገዲ ኩሎም ሰራሕተኛታት ብፍቓዶም እምበር ተገዲዶም ከምዘይሰርሑ ብናይ ምቍጽጻር ቅጥዕታት ኣውጺኣ። ነቭሱን እዞም ፖሊሲታት እዚኦም ፕሮ ክትታታ ካብ ተጠቃምነት ግዱድ ናይ ጕልበት ነጻ ክትከውን ከምዘኽእልዋ ትገልጽ።

ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብሻ ናይ ኣስገዳድ ናይ ስራሕ ጕልበት ምጥቃም ከምዘሎ ዘረድእ ክስታት ኣየጋጠሞን። ግን፡ ነጻ ናይ ሰብኣዊ መሰላት መርመርቲ ኣብ ኤርትራ ብነጻ ዝሰርሑሉ ባይታ ኣዝዩ ጸቢብ ስለዝዀነ፡ ነዚ ምጽራይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እንተዀነ፡ ነቭሱን ናይ ኣስገዳድ ናይ ጕልበት ስራሕ ከምዘየለ ብሓቂ ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ምኽንያቱ፡ እተን መሻርኽታ ትካላት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ምጽራይ ኣብ ዝግበረሉ ጻዕርታት ስለዘይተሓባበራ እዩ።


ነቭሱን ሰገን ኣብ ቢሻ ናይ ኣስገዳድ ጕልበት ንኸይትጥቀም ቃል ኣትያ እያ ትብል። እንተዀነ፡ ሰገን ንናይ ነቭሱን ንሰራሕተኛታት ሰገን ቃለ-መሕትት ብምግባር እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ብሻ ብፍቓዶም ከምዝሰርሑ ንምርግጋጽ ዘቐረበቶ ጠለብ ነጺጋቶ እያ። ብተወሳኺ፡ ሰገን ንነቭሱን ሰራሕተኛታታ ዝቕመጡሉ ቦታታት ንኽትበጽሕ ምስ ጠለበት ፍቓድ ከሊኣታ እያ። ኣብ 2010 ነቭሱን ኩነታት መነባብሮ ሰራሕተኛታት ሰገን ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑን እኹል ምግቢ ከምዘይብሎምን ዘርኢ ጸብጻባት ምስረኸበት ንሰራሕተኛታት ሰገን መግቢ ክትዕድል  መረት። ኣብ 2012 ነቭሱን ንሰገን ኣብ ስራሕ ከየሳተፈት ነቲ ዕደና ከተስፍሖ ፈቲና እያ። እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ
ስለዝተቓወመ፡ ነቭሱን ንሰገን መሊሳ ኣብ ስራሕ ኣሳተፈታ። ሰራሕተኛታት ሰገን ገና ክሳብ ሕጂ ኣብ ቢሻ ኣለዉ።


“ነቭሱን ኣብ ልዕሊኣ ባዕላ ብዝቘጸረታ ደገፍ መንግስቲ ብዘለዋ ናይቲ ቦታ ኮንትራክተር ምፍርራሕ ክወርዳ ፈቒዳ። ነዚ ኩነታት እዚ ክትቅበሎ ኣይምተገብኣን። እዚ ድማ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝሰርሓ ካልኦት ናይ ዕደና ትካላት መምሃሪ ክኾነን ይግባእ። ክሳብ ናይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸገም ዝፍጠረሉ ደረጃ ሓደጋ ዝበጽሕ እንድሕር ተጸብየን፡ ብድሕሪኡ፡ ኩሉ ነገር ኣዝዩ ደንጕዩ እዩ ማለት እዩ” ይብል ኣልቢን-ላከይ።


እንተዀነ፡ ካልኦት ኩባንያታት ነቶም ሓደጋታት እዚኦም ብግቡእ ኣብ ግምት ከየእተዋ ናብ ናይ ዕደና ፕሮ ክትታተን ይንቀሳቐሳ ኣለዋ። ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሓላፊ ናይ ሳውዝ ቦውልደር ማይንስ (South Boulder Mines) ኣውስትራልያዊት ኩባንያ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። እዛ ኩባንያ እዚኣ ኣብ ኤርትራ ዳርጋ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት
ናይ ፖታሽ ዕደና ኣብ ምምዕባል ትርከብ። እቲ ሓላፊ ኩባንያኡ ናይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ወላ ናይ ኣስገዳድ ናይ ጕልበት ስራሕ ሓደጋ ብዝምልከት ምንም መጽናዕቲ ከምዘየካየደት ተኣሚኑ።


ካናዳዊት ትካል ሳንሪጅ ጎልድ (Sunridge Gold) ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ዕደና እትርከብ ኰይና፡ ብዛዕባ ናይ ኣስገዳድ ጕልበታዊ ስራሕን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንኽትዘራረብ ዝቀረበላ ሕቶ መልሲ ኣይሃበትሉን። እታ ኣዝያ እዋናዊት ዝዀነት ኣብዚ ናይ ዕደና ባይታ እትርአ ኩባንያ ኣብ ሻንግሃይ ዝመደበራ ናይ ቻይና ናይ ሽርካ ኮርፖራሽን
SFECO እያ። ንሳ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገለ ክፋል ናይ ኣውስትራልያዊት፣ ሻሊስ ጎልድ (Chalice Gold) እትበሃል ኩባንያ ፕሮ ክት ገዚኣ ኣላ።


ብመሰረት ተመኩሮ ብሻ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ግፍዒ ሓደጋ ኣብቲ ምህናጽ ደረጃ ናይዘን ፕሮ ክትታት ከጋጥም ይኽእል። ነቭሱን ከኣ ኣብቲ ከባቢ ብሻ ተወሳኺ ናይ ዕደና ቦታ ረኺባ ኣላ። እዚ ቦታ እዚ እንድሕር ደኣ ንናይ ዕደና ንግዲ ዘዋጽእ ኮይኑ ተረኺቡ፡ ብዙሕ ናይ ህንጻን ትሕተ-ቅርጺ ስራሓትን ከየሳተፈ ኣይተርፍን። ኣብ ኤርትራ ክሰርሓ ዝደልያ ናይ ዕደና ትካላት ንዝኾነ ናይ ኣስገዳድ ጕልበት ስራሕ ዝጥቀም ኮንትራክተር ኣብ ምስታፍ ክነጽጋ ኣለወን። ከምኡ ድማ ኣብ ናተን ናይ ስራሓት ናይ ዝዀነ ግፍዒ ኣብ ምጽራይ መሰል ክህልወን ኣጥቢቐን ክማጐታ ኣለወን ይብል ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት።


ኩለን ኣብ ኤርትራ ዝሰርሓ ናይ ዕደና ትካላት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዕቱብ ብምሓዝ ንጥፈታተን ዝሓዝኦ ፕሮ ክትታት ከስዕቦ ኣብ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ምልላይን ምእላይን ከተኩራ ኣለወን። ኣገዳስነት ብኣፍልጦ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ናቱ መምርሒን መትከላትን ንግድን ሰብኣዊ መሰላትን (Guiding Principles on Business and Human Rights) ኣስሚሩሉ ይርከብ። እዚ ከኣ ብሰፊሑ ከም ርትዓዊ ዝዀነ ሓላፍነታውያን ናይ ንግዲ ትካላት ዝጥቀማሉ መሰረታዊ መምርሒ ስራሕ እዩ። ፕሮ ክትታት ምስ ተ መሩ ኩባንያታት ፕሮ ክትታተን ብናይ ኣስገዳድ ጕልበታዊ ስራሕ ይኹን ካልእ ግፍዕታት ይምዕብል ከይህሉ ናብቲ ናይ ስራሕ ሜዳ ጠመተአን ከዛይዳ ኣለወን። እተን ኩባንያታት ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ ምስ ኣብ ዕደናታተን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ክራኸባ መሰል ክህልወንን፡ ግፍዕታት ዘካይዱ ደቂ ሃገር ኮንትራክተራት ድማ ካብ ስራሕ ከባርራ መሰል ክህልወን ክምጕታ ኣለወን።


ሃገራውያን መንግስታትን ዓለምለኻውያን ናይ ዕደና ኩባንያታትን ንኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ልዑል ሓደጋ ምግሃስ መሰላት ዘለወን ሃገራት ሃገራውያን ኩባንያታት ዘተግብርኦ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ብሓባር ሕግታት ከርቅቓን ክቆጻጸራን ኣለወን ይብል ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት። እተን መንግስትታት ነዘን ሃገራውያን ኩባንያታት ብውዱዓዊ መምዘኒታት ክምእዘዛን ኣብ ናይ ወጻኢ ዝገበርኦ ስራሓተን ዝተኸሰስኦ ምግሃስ እንተሎ እውን ንክጻረን ጸቅጢ ክገብራ ኣለወን። ኣብዚ እዋን እዚ ኩባንያታታ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝገብርኦ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እትቆጻጸር ሃገር የላን፣ ብዘይካ ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ዝዀነ ኩነታት፡ ንኣብነት ንወፍሪ ኣብ ሃገረ በርማ ብዝምልከት።


“ኣብ ኤርትራ ናይ ኣስገዳድ ጕልበታዊ ስራሕ ከምዘሎ ዝዝንግዓ ኩባንያታት ዕደና ዘይግዱሳት ክዀና ኣለወን። ኣብ ወጻኢ ዘመዝገብኦ ሰነዳት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓጸረ ንመንግስትታተን ናይ ውሽጢ ሻቕሎት ከምዘስዕበለን እውን ዘይምዝንጋዕ።” ይብል ኣልቢን-ላከይ።


“እኩይ ነገር ኣይትስማዕ፤ ስራሕ ብኣስገዳድን ጉጅለኣዊ ሓላፍነትን ኣብ ትካል ዕደና ኤርትራ” (“Hear No Evil: Forced Labor and Corporate Responsibility in Eritrea’s Mining Sector”) ኣብዚ ዝስዕብ ወብሳይት (ድረገጽ) ይርከብ፡http://www.hrw.org/reports/2013/01/15/hear-no-evil-0

ንብዛዕባ ኤርትራ ዝምከት ጸብሳባት ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብዚ ወብሳይት እዚ ተወከሱ፡ http://www.hrw.org/africa/eritrea

ንናይ ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ንግድን ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ጸብጻባት፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ወብሳይት ተወከሱ፡ http://www.hrw.org/topic/business http://www.hrw.org/sites/default/files/related_material/Eritrea%20-%20ForcedLabor%20Tigrinya.pdf

ንተወሳኺ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ፡
ኣብ New York, Chris Albin-Lackey (English, French): +1-212-216-1865      ; or  1-347-886-7733      (mobile); or This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ኣብ Amsterdam, Leslie Lefkow (English): +31-6-21-59-73-56       (mobile); or This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ኣብ Ottawa, Felix Horne (English): +1-514-894-8629       (mobile); or This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...