ደፋር ኣብ ጥራይ መዓኮሩ ጃህራ

ዝሓዞ ዘይብሉስ ንምዕባለ ወፈራ

ቑለቱኒ እናበልካስ ክትዕረ ኤርትራ

ውሽጥኻ ንዘይትፈልጦ ከተዳናግራ

ህግደፍ መታለሊ ጉልሓይ ዓዲ

ኣብ ባዶ ምሕደራ ምዕባለ ከናዲ

ካብ ዝተገራሃሉ ክኣኻኽብ ሰልዲ

ኣጻሪዩ መሪጹ ዝተረግሙ ብወለዲ

ዋዕላ ደቅ ሰብ ድዩስ ዋዕላ እንስሳ

እንታይሞ ፈሊጥና ኩላ ተሓዋዊሳ

ብደገ ሰብ ክትመስል ባኖኣ ለቢሳ

እርይራይ ንግደ እምሩ ወፍሪ ዓሻ

ዘይሓስቡ ብስሚዒት ዝመሽመሹ

ክበርሃሎምዩ ቦቶኦም ምስተመልሱ

ኣይንጠራጠርን ዛጊት ከም ዝጣዓሱ

ንመን ኢሎም ኢዮም ገንዘብ ከፍስሱ

ንሃገር እኽለማይ ከቕርብ ዘይበቅዕ

ብዓያሹ ጥሪቱ ክጽግኖ ንዘለዎ ነቓዕ

ቁጠባና ላዕሊ ዝብል ዝነበረ ከዋቕዕ

ዕድል ምስ ሳኣነ ኽሕሱ ንኸጉባዕብዕ

ክብል ጀመረ የብልናን ዝስተ ዝብላዕ

ወሰኽ ደሞዝ ክበሃል ንዓመት ዓመታ

ናይ ዕስራ ዓመት እታሓሶት.ኳ ሞይታ

ዓሊ ዓብዱ ምስ ከደ ዓለሙ ጸልሚታ

ጭንቀት ኣሕዲሩ መልሓሱ ተለኺታ

ብዘይኮነ ነገር ኣልዒሉ ዝምሕለሉ

ኣብ ዓለም ዘየለ ሓሶታት ዝምህዘሉ

ኣብ ብርኩ ዘተንፍስ እናለ ዝዋጥየሉ

ሰነፍ ፍጡር ሰብ ምው.ቓዕ ዝኣመሉ

ስደት ሲሒኑዋ ሕማቕ ግዜ ኣርኪቡሉ

ክመኽረኩም ነጋዶ ሓደስቲ ኣውፋሮ

ከይውሕጠኩም ዒላ ህግደፍ ዝፈሓሮ

ብራሃጽ ዘጥረኹሞ ብዙሕ ዝተጻዕሮ

ቀደም ዝተዘምቱ ይኹንኹም ተመኩሮ

ህግደፍ እኽለማይ ከቕርብ ዘይካአለስ

ብገንዘብኩም ጌሩ ክዋራዘ ክንቀሳቐስ

ኣብ እዋን ዕርበቱ ብኣኹም ክፍወስ

ንግዚኡ ክሳብ ዝዳሎ ተመሰለ ልስሉስ

ኣይትረስዑ ጸኒሑ ተንኮሉ ከምዘሐድስ

በሉስከ እንታይ ዋሕስዩ ዘለኩም?

ዘይማዕበለ ማፊያ እንተጠለመኩም

ብዙሓት ኣዋፊሩ ኣሎ ዘራሳስኑኹም

ኖርወይ ዝነብሩ ተሓዊሶም ምሳኹም

ብኣለቃሓና ዝነብሩ ከየዳናግሩኹም

መባዝሒ ክኾኑ ህግደፍ ዝዓደሞም

ኣብ ቲቪ ኤረ ክራአዩ ንመጽረፊኦም

ብሌብነት ዝፍለጡ ዕዳ ዝተጻዕኖም

ሰብ ክመስሉ ምስ ጥዑያት ተሰሪዖም

ንመፋቐዲ ነዚኦምዩ ኣለዉና ዝብሎም

ኽሳራኹም ዋላ ሓደ ሰብ ዝምነ የለን

ግን ክኸውን ኣለዎ ንራህዋ ንምዕባለን

ጭኩን ህዝብና ተጠቒሙ ዝሕጎሰሉን

ዓበይቲ ብነጻ ጸሊዮም ምስ ዝምሩቑን

መንእሰይ እናተሃድነ ንመን እዩ ዎፍሪ

ኩሉ ሃገሩ ገዲፉ እናኸደ ካበዩ ክኣራሪ

ጥሪት ህግደፍ እናጣቑዑ ዘእተዉላ ቁሪ

ንኸምዚ ነገር ገንዘብካ ምድርባይ ነውሪ

ሓሶት ህግደፍ መርዛም እዝንኻ ዝኾኺ

ዝረሃጽኩሉ ገንዘብ ደርብየ ካብ ዝበኪ

ልቢ ግበሪ ነብሲ መን ኣሎ ዝግድደኪ

በዞም በላዕተኛ ዝግራህ ዓሻድየ በራኺ

ኣብ ቁዋም ዘይብሉ ዓዲ

ኣይትደርቢ ንኾንቱ ሰላዲ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዳዩሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...