እትው ምስ በለ ቁሩብ ጸኒሑ

 

ትስፍው ህዝብና ከሎ ብገርሁ

ንሱ ብጉርሑ፡

ዝተፈላለየ ባዕዳዊ ስርዓት

ንዘይ ተንከፎ ትሕዝቶ መሬት

ካብ እዋን ጥንቲ ብሕጊ’ቦታት

ዝተደወበ በብ ዓድታት፡

ኣዋጅ ኣዊጁ መሬት መንግስቲ ባዕሉ ጌርዎ

ጸኒሑ ድሓር ዝረኽቦ ረብሓ ስለዘለዎ፡

እቲ መደቡ ምስ ተሓንጸጸ

መሰል ናይ ህዝቡ ኣናረገጸ፡

እንካብቲ ዓዃይ እንካብ ዋንኡ

ቃሕ ዘሎ መሬት ባዕሉ መንዚዑ፡

ሳንቲም ከይሃበ ንደቂ ዓዲ

ካብ የማነ ጸጋም ክእክብ ሰልዲ፡

መውዓል እንስሳ ዝሰፍሐ ሻኻ

እኽሊ ዝኹመር ባዕኸል ዋላኻ

ጣፍ ዝሕፈስ ጸባርያ ዱኻ፡

ገዛ ስኢኖም ደገ ዝነብሩ ዓቕሎም ዘጽበቡ

ባዕሉ ሒዝዎ መሬት ዘይረኸቡ፡

እንካብ ወጻኢ ዝሓተትዎ

ኣሽሓት ዶላር-ኤሮ ንኽኸፍሉዎ

እናመተረ ባዕሉ ሸይጥዎ፡

ኣብተን ቁሸታት እቲ ዝነብር

ጠዓሞት መሬት 500 ትርብዒት ሜተር

ተዋሂብዎ ንሐደ ገባር

ገንዘብ ዘይብሉ ጾሙ ዝሐድር

በተኽ’ዩ ድኻ እንታይ ክገብር፡

ነታ መሬቱ ከይሸጣ ፍርቃ

በተን ዋግኣ ጌሩ ከይነድቃ፡

በቲ ዘላሚ (መላኺ) ስርዓት ናይ ሳሕል

ሓንቲ ከይገብር ዉጉዝ’ዩ ክልኩል፡

መስኪናይ ህዝቢ ፍትሒ ስኢኑ

ሽግር ሃሲዎ ክሳብ እዋኑ፡

ገለ ካብ ውሽጡ

ፍርቂ ሎትኦም እቶም ዝሸጡ፡

ገዛ ሰሪሖም

ንዝነበሮም ሽግር ፈቲሖም፡

መላኺ ስርዓት መሬት ገቢቱ ብኡ ከይዕገስ

ፍትሒ ከይልግስ፡

ንምንታይ ሼጥኩም ጤሳ እና’ለ

የጓጥጠሎም ሕንኽ ከይበለ፡

ክልተ ሸሓኒ ኣይትብልዑ

ኢሉ ዝዛረብ ኣፉ መሊኡ፡

መን ከም ዝኾነ ትፈልጥዎዶ

ህዝቡ ክጠሚ ኣብ ዘዝኸዶ

ቅጭጭ ዘይብሎ ዋላ ይግደዶ?

መዘና የብሉን ብዘይካ ሰይጣን

ከም መሳርሒ ንናቱ ስልጣን

ጌሩ ዝወስዶ ንጥሜት ዕርቃን፡

ሓድሽ ወለዶ ልዑል ትምህርቲ

ኣትዩ ክወስድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ

ዓቕሉ ዝጸቦ ዘይቀስን ለይቲ።

ህዝቢ ነጊዱ እንተ ሃብቲሙ

ዕሙር ትካላት እንተ ኣቚሙ፡

ኣብ ክንዲ ባህታ ጭንቀት ዝሓድሮ

ሜላ ዝጣበብ ድኻ ክገብሮ።

ሃረርታ ፍትሕን ሓቅን ዲሞክራስን ዘለዎ ኤርትራዊ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...