ከምቲ ኣቦታትናመላጸ ኣይሕበጥ ንዝሓበጠ ክጠብሕዝብልዎ ዘረባ: ሎሚ እዚ ኣበሃህላ ምስ ኣከያይዳ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክርስያዊ ለውጢ ብዝያዳ ሓቅነቱ እናተራእየኒ ይኸይድ ኣሎ። ከመይ እንተበልኩምሲ እዚ ነቲ ብህግደፍ ዝሓበጠ ኣካላት ሃገርና ኤርትራ ንክጠብሕን ራህዋ ህዝብና ከበስርን ዝተጸበናዮ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: ኣብ ካልኣይ ምዱብ ኣኼብኡ ብዘይተጸበናዮ ምኽንያት ሓቢጡ ተፈላልዩ ስለ ዝተበተነስመላጸ ኣይሕበጥንክብል ኣገዲዱኒ።

ሃገራዊ ባይቶ ኣብ መስራቲ ዋዕላ ኣዋሳ ልዕሊ 600 ዜጋታት ኤርትራ ዝተኻፈልዎ ብልዑል ወጻኢ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጋብአ ዋዕላ ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ባይቶ ንክሕይል ካብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ከኣ፣ ብሓልዮት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምሁራት ሰሚናር ተጋቢኡ ከም ዝነበረ ኩሉ ዚዝክሮ ሓቂ ኢዩ። ከምዚ ምስ ተረኽበ ኢዩ ድማኒዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ግን ከፊእዎ ኣሎዝበሃል። እቶም ህዝቢ እናተበተነን ህግደፍ ከኣ ክሳብ ደቂ 65 ዓመት ዘዕጥቐሉን ዘሎ ዘየላቡ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ዘራጊቶ ክረአ እንከሎ፤ እቶም ኣብ ኣዋሳ ይኾኑናዮም ብምባል ህዝቢ ዝመረጾም መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ንብላሽ ኮይኖም ርኢናዮም።

እዚ ባይቶ ምስ ኩነታት ጸላኢና ህግደፍ: ምስ ኩነታት ስደተኛ ህዝብናን ምስ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብምዝማድ ኢዩ እቲ ዝበዝሕ ሰብ ዝተኸተሎ። ብሓቂ እንተነይሩ ግን ብሃይማኖታዊን ብሄራዊን ሸነኻት: ብኣውራጃዊ ኮነ ብፖለቲካዊን ቁጠባዊን መልክዓት ሙሉእ ብምሉእ ንምስሊ ሃገርና ኤርትራ ዝውክል ባይቶ ኣይንበረን። ካልእ እንመርጾ ባይቶ ስለዘይነበረ ግን ኣብ ጉዕዞ እናተዛነቐን እናተወሃሃደን ክኸይድ ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል እምንቶ: ኣዒንትና ሰም ኣቢልና ኢና ዝተቐበልናዮ።

ግና እቲ ዝነበረ ጉድለታትን ሸራፋትን ምስ ግዜ ክመዓራረ ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል ተስፋ ኢና ርዒምናዮ። ካብ ምምራት ባይቶ ክሳብ እዚ ናይ ምብታን ጉባኤ፣ ኪዳን ክገብሮ ዝጸንሐ ምስንኻላትን ሽኩሽኳን ድማኒ ካብ ኣዒንቲ ኤርትራውያን ዝተኸወል ኣይነበረን። እዚ ምስ ብዙሕ ሓላፍ-ዘላፍ መንገዱ ብምሉእ ህዝቢ ኤርትራ መሰጋገሪ ድልድል ንክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ባይቶ ቁዉም ነገር ብዘይብሉ ንእሽቶ ነገር ብዘይ ስምምዕ ተበቲኑ ክበሃል እንከሎ ድማ ዓገብ ኢዩ። ድኻም ሃገራዊ ባይቶ: ብፍላይ ድማኒ ድኹም ምምሕዳር እቶም ንህዝቢ ክመርሑ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣቦ መንበር ሃገኣዊ ባይቶን ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ብዝምልከት ስክፍታ ጸኒሑና ኢዩ። ኮነ ድማ ኣብቲ ኪዳን ዝኣጎድዎ ጓይላ ክላሃዩ ከም ዝቐነዩ ሰሚዕና።

ካብ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን: ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ዘርኢ ከይዘርኡ ኢዮም ናብ ባዶ ዓውዲ ክጓየዩ ዝተራእዩ። ነታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ተባዕ መራሒ ዝነበረ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ተኺሉ ዘረከቦም ተኽሊ ወይኒ፣ ማይ ኣስትዮምን ተኸናኺኖምን ፍሬኣ ክርእዩን ንህዝቢ ክምግቡን ኣይከኣሉን።

ከምቲደም ስኒ ካብ ጡፍ ትብሎ ትውሕጦ ይበዝሕዝበሃል: ካብ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ እዚ ናይ ትማሊ ዝነበረ ርክብ ንብዙሕ ምኽንያት ልቢ ኣዕቢና ትም ብምባል ኢና ጸኒሕና። ጽፉፍ ኣከያይዳ ብዘይ ምንባሩ ክንስከፍ ብዝጸናሕናዮ ድማ: እነሆ እቲ ኣነውን ምስ ምሉእ ባህገይ ዝተሳተፍኩሉ ምስረታ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ከምቲ ብተደጋጋሚ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ኣከያይዳ እቲ ኣኼባ: ብሓደ ጉዳይ ጥራይ ዕንክሊል ክብል ምጽንሑ ዘሕዝን ኢዩ።

ጉዳይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ መመሳመሲ ንምብታን ደኣምበር ጠንቂ ኮይኑ ኣይስማዓኒን ኢዩ። ምኽንያቱ ውድብ ዲምሓኩኤ ወይ ኣቦ መንበሩ ቀርነልዮስ ዑስማን ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ብዘውጽእዎ መግለጺ መበተኒ ክኸውን ኣይነበሮን። ጌጋ ኢዩ ነይሩ ዝብል ርእይቶ እንተነበሮም ድማኒ ኣብ ክንዲ ንጌጋ ካብኡ ብዝዓቢ ጌጋ ጌርካ ክትእርሞ ምፍታን: ወይ ንውድብ ኩናማ ካብ ባይቶ ምግላልን ምድስካልን: ብልዝብን ምንቕቓፍን ክፍታሕ ምነበሮ። ምድስካል፣ እታ ኢሰያስ ንነዊሕ ዓመታት ዝጥቀመላ ዝነበረ በትሪ፤ መሪሕነት ባይቶ እውን ገና ከይተበገሱ እንከለዉ ንውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ንብሄር ሙሉእ ንከደስክሉ ውሳኔ ኣሕሊፎም።

እቲ ዘጋጠመ ምስሕሓብ ብቅልጡፍ ኣይፍታሕን ኢዩ እንተተባህለ ድማኒ ከም ካልኣይ ጉዳይ ተታሒዙ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ለባማትን ሽማግለታትን ወሲኽካ ክፍታሕ: ወይ ከኣኒ ክሳብ መሰረታዊ ፍታሕ ዝረክብ ተወንዚፉ ክጸንሕ ምተገብአ። ኣይኮነን ሓደ ብሄር ወላ ሓደ ቀቢላ ወይ ወረዳ እውን ዘይተሳተፎ ባይቶ ቅቡል ኣይኮነን። ኤርትራ ድማ ብሄር ኩናማ ዘይብላ ኤርትራ ኣይኮነትን። ነዞም ቀንዲ መበቆልን ደቀባትን ምድረ-ባሕረ ነጋሲ ዝኾኑ ደቂ ኩናማ ኣግሊልካ ብትውልዶም ዘይፍለጥን ድርብ መንነት ዝሓዙ መጀነስ ዝኾኑ ሰባትን ጌርካ ንኢሰያስ ንምእላይ ዝግበር ፈተነ ድማኒ ዕዉት ኣይክኸውንን ኢዩ።

ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ: ታሪኹ ብንጹር ከም ዝሕብረና ንፍሉይ ሃይማኖት ወይ ብሄር፣ ወይ ንፍሉይ ኣውራጃ ናጻ ከውጽእ ኢሉ ኣይኮነን ኣብ ኣዳል ብረታዊ ተጋድሎ ዝጀመረ። ዓዋት መስራቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ: ናትና ናይ ምሉኣት ደቂ ኤርትራ መለለዪ ሕላገት ደኣምበር ንሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር ወይ ኣውራጃ ብፍሉይ ዝብጽሖ ሰብ ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ሓለይቲ ኢና ዝብሉ ሰባት ልዕሊ መን ኮይኖም ኢዮም ንዓዋተ ናትና ኢዩ ስለዝተኾነነ ንባይቶ ከነፍርስ ኢና ዝበሉ?

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግዜ እንታይ ገበሩ? ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንምስታፍ: መንእሰያት ደቅና ንምብርባር ኣበርክቶኦም ከመይ ነበረ? ብዘይካ ምልኻዕን ምጉጅጃልን ከኣ ንስርዓት ህግደፍ ጽንጽያ ዓይኑ ከንፍሩሉ ኣይተራእዩ። ሓወልቲ ዓዋተ ኣብ ሃይኮታ ኣሎ። ብድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ እዚ ታሪኻዊ ሓወልቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ኢዩ ክተኽሎ: ከመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኢዩ ክኽትል ንህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ። ታሪኹ ድማኒ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ኣስላማይን ክስታናይን ተሰኒዱ ክነብር ኢዩ።

ኣብዚ ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶና ነቲ ህዝቢን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ከመይ ኣቢልና ነውድቆ ዝብል ምኽሪ ክምከር ምተገብአ። መመሊሱ ህዝቢ ዘጥፍእ ጸላኢ ኣቐሚጥካ ባይቶኻ ምዝራግ ግን መራግእትኻ ናብ ሑጻ ምኽዓው ጥራይ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ከምቲ ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንጉዳይ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ማእከሉ ኮይንና ክንከታተሎ ዝጸናሕና: ካብ ግዜ ምሕዝነት ውድባት ናብ ደረጃ ኪዳን ደይቡ። ኣስካላ ብኣስካላ እናኸደ ድማኒ ንሓደ ጥሙር ሃገራዊ መርሆ ንምብጻሕ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ዝነበሮ ሃገራዊ ኮሚሽን ቆመ። ከም ሕጋዊ ኣሰራርሓ: ምሕዝነት ሓላፍነቱ ንኪዳን ምስ ኣረከባ ኣብቂዑ ኢዩ። እቲ ስራሕ: እቲ ስምን ኩሉ ጉዳያትን ድማኒ ብመሰረት እቲ ዝነበረ ሕጋዊ ኣከያይዳ ብኪዳን ጥራይ ኢዩ ዝተጸውዐ።

ኮሚሽን ተልእኾኡ ወዲኡ ምስ ኣብቅዐ ከኣ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ኢዩ ዝሰዓበ። ብሕጊን ብልምዲን: ከምኡ ድማኒ ብከምቲ ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዝነበረ መንገዲ ሃገራዊ ባይቶ ምስ ቆመ ምቕጻል ኪዳን ወላ ንሓንቲ መዓልቲውን ኣድላይነት ኣይነበሮን። እንተኾነ ወላ ባይቶ 80% ካብ ኣባላት ኪዳን ዝቖመ እንተነበረ: እቶም ቀንዲ ወነንቲ ኪዳን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ዝተዋህቦም ዓቢ ተራ ናይ ባይቶ: ንበይኖም ተፈንጪሎም ኢዮም ዝኸዱ ዝነበሩ። ብዙሕ ዘረባን ትዕዝብቲን ጸኒሑና ኢዩ: ኮይኑውን ውጽኢቱ ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጸን።

መላጸ ኣይሕበጥ ንዝሓበጠ ክጠብሕ ከኣ ኮይኑ እቲ ውዕሎ ሃገራዊ ባይቶ። እቶም ብምኽንያት መግለጺ ቀርነልዮስ ዑስማን ባይቶ ንምብታን ዝዓጠቑ መራሕቲ ኪዳን ኢዮም። ዕንወት ባይቶ ጥራይ በዚ ድማኒ በቲ ዝወሰድዎ ኣዕናዊ ስራሓት ተሰከምቲ ዕዳ መጻእቲ ወለዶታት ምዃኖም ክስቆሮም ይግባእ። ብሓቂ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱ ነይሮም እንተዝኾኑ በቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ካላሽናቶም ገይሮም ንህግደፍ ክሃርሙ ምተገብአ። ንሳቶም ኣቕራሽ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናበልዑ: ካልኣይ ናይ ሱዳን ዜግነት ሒዞም ከኣ ኣብ መስቱራን ከሰላን: ኣብ ገዳርፍን ወዲ ሸሪፈይን ምስ ራሻይዳ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኢዮም ደቅና መንእሰያት ኣብ ሲናይ ዝሽየጡን ዝልወጡን ዘለዉ።

ኣባላት ኪዳን ሃገራዊ ባይቶ ንምፍራስ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ እዚ ሎሚ ዝወሰድዎ ተግባራት ህያው ምስክር ኢዩ። ኣብታ ኩሉ ግዜ ሃንቀው እንብላ ሓራ ኤርትራ ጥቕሚ ከም ዘይብሎም ኢዮም ነጊሮምና። ዲሞክራስያዊት ሃገር: ብቅዋም እትመሓደር ኤርትራ: ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ማዕርነት ዝተረጋገጸላ መሬት ናይ ምርኣይ ባህጊ ከም ዘይብሎም ካብ ብቃላት ብግብሪ ኢዮም ነጊሮምና ዘለዉ።

ስለዚ ጅግና ኤርትራዊ መንእሰይ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝባንካ ኢዩ ዘሎ ናብ ወሳኒ ንቕሎኻ ተበገስ። እዞም ሰባት ቆርበት ተቓለስቲ ተኸዲኖም ንምትላልካ ክሰርሑ ኢዮም። ድሮውን ንርእዮም ከም ዘለና: ንዓኻ ንምትላል ወፍሪ ጀማሚሮም ኣለዉ። ሒጂውን ኣባላት ኪዳን፣ ባይቶ ብድሕሪ ምፍራሶም እቲ ብድሕሪኡ ከፍርስዎ ዝደልዩ ዘለዉ ምትእኽኻብ መንእሰያት ኢዩ ኣስተውዕል! ሰላዪ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ንምብታን ከም ንፋስ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣሎ ክበሃል እንከሎምበኣር ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኮይኑ ይስማዓኒ። ከመይሲ ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፣ ሃገራዊ ባይቶ ንምብታን ካብ ውሽጢ እቲ ባይቶ ንፋስ ህግደፍ ከም ዘይተፈልየ ተገንዚብና ኣለና።

ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና። ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ: ኣነ ካብ ዘርከብኩሉ ግዜ ንደሓር ጥራይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሰለስተ ወለዶታት በጺሑ ኣሎ። ካብ ንእስነተይ ክሳብ እዚ ዘለኹዎ ዕድመ ኣንጻር ኢሰያስ ተቓሊሰ እየ። ሎሚ ውን ከም ኩሉ ግዜ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጣዊን ግዳማዊን ጸገማት ተኸቢቡሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ምሳኹም ምስ ሓቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ኣለኹ።

ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።

 

 

ሃብተማርያም ኣብራሃ

ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...