ኣቐድም ኣቢለ ኣብ መላእ ዓለም ዝረከብ ህዝብና ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክገብረልና ይምነ። ቀጺል ሕርኽርኽ ንዝብል ዘርባ መኤረምታ ዘድልዮ ኾይኑ ስለዝተሰማዓኒ፡ ስቕ ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን እሞ፡ ንፈልጦ ዝነበርና እንተድኣ ብጌጋ ተማሂርናዮ ኮይኑ ድማ፡ ካብ ድንቑርናና ንኽንወጽእ ዝፈልጡ ፍልጠቶም ንኽልግሱልና የማሕጽን።

ስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ እድሪስ ዓወተ፡ ቅድሚ ብረቱ ኣልዒሉ ናብ ስርዓት ኢትዮጵያ ምቅናዑ፡ ብቕድሜኡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብኢትዮጲያ ሃገርና ኤርትራ ክትግዛእ ዘይድግፉ ከምዝነበሩ ክዝከር ይግባእ።ኣብ ኩሉ ሃይማኖቶ ዝኣምኑ ክርስትያን፡ ኣስላምን፡ ናይ ተፈጥሮ ኣመንትን፡ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ሕልሚ ዝነበሮም ሓርበኛታት ዜጋታት ሰብ ቆላ ካብ መታሕት፡ ሰብ ደጋ ካብ ከበሳ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና።

ከም ኡውን ብምንቅስቓስ ዝተሰዉኡ፡ ከም ኣዝማች በርሄ ባዓል ዳምባ፡ ደቡብ፡ ሰራየ።ኣቶ ኢብራሂም ከቢረ ጀበርቲ ኣስመራ፡ ከም ዝተሰዉኤ ታሪኽ ይነግረና።

ዝተገፍዑ፡ ዝተሓየሩ፡ ስራሕ መንግስቲ ኮነ ንግዳዊ ስራሓትን ንኸይቑጸሩ ኣብ ማእከል ዓዶም፡ ዝተሳቐዩ ከም ብዓል፡ ብላታ ገርዝጊሄር ገብረሚካኤል ቤት ገብሪኤል እንዳ ኣዝማች ዑቕቢት ማይጻዕዳ ሰራየ። ንምጥቃስ ይካኣል።

ኣብ ግዜ ዓደይ ዓደይ 1940ታት ብምጉስጓስ፡ ህዝቢ ምልዕዓልን ምምራሕን ዝፍለጡ ራእሲ ተሰማ፡ ኣቶ ወልደ ኣብ፡ ሸኽ ኢብራኢም ሱልጣን ከም ኡውን ብዙሓት ክጥቀስ ዝግብኦም ኣለዉ።

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ወይ ድማ ብዓረብኛ ሓራካት ዝብሃል ንህዝብና መጀመርያ ፖሊቲካ ትምህርቲ ይፍለጥን፡ ይጽገብን፡ ስዒቡ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ይጅምር፡ ዝብል ትምህርትን ስርርዕን ሒዙ ዝተበገሰ ማሕበር ነበረ።

ማሕበር ሸውዓተ ቆይሙ እንከሎ እናፈለጡ እዮም ኣብ ካይሮ ኣኼባ ጌሮም ተሓኤ ዝመስረቱ፡ ንዓዋተ ዘዕመቑን፡ እንታይ ማስጢር ከም ዝነበሮ ህዝብና ከይፈለጦ ንሓምሳ ዓመት ተጓዕዘ።

ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ፡?

ኣብ ካይሮ ኣኼባ ኣይነበረን፡ ከመይ ኢሉ ድኣ ተላዕለ? ባዕሉ ካብ ኣእምሩኡን፡ ሃገራዊ ስሚዒቱ ደሪኽዎ ድዩ ዝተበገሰ? ወይስ ንዓድኣ ብረት ምትኳስ ዘዕበየካን፡ ሙያኻን፡ ትፈልጦን ጉዳይ እዩሞ፡ ክስብ ግዜ ሞትካ መጓዕዝቲ ዝኾነካ ስራሕ ረኺብናልካ፡ እንሆ ኣማዕብሎ፡ ኣስዕብ ኣቢልካ ድማ ታሪኽ ገዲፍካ ትኸይድ ተባሂሉ፡ ንዝተወስደ ሃገራዊ ሓልፍነት፡ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ሕልፈቱ፡ ናብ መሎኮት ከመይ ኢሉ ተቐየረ? ዝብል ሕቶትታት ብቕንዕና ክምለሽ ይግባእ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተመስረተ፡ ቁጽሮ 28 ሰባት፡ ተመሃሮን ሰብ ሙያን ተኣኪቦም ከምዝመስረትዎ፡ ኩሎም ብሃይማኖቶም እስልምና ኣመንቲ፡ ትውልዶም ደቂ ባርካን ሰማሃርን ብንባሮም፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝመሃርና ታሪኽ የረጋግጽ።

ካብዞም ጉባኤ ዝተኻፈሉ ሓደውን ብረት ሒዙ ጀማሪ ክኸውን ዝተሰለፈ የልቦን፡ እንታይድኣ፡ ብረት ዝስከም ዕሉል ተኳሲ ኣለና ኢሎም ተሰማምዑ።

ድሕሪ ኣኼባ ካይሮ ብረታዊ ቃልሲ ከመይ ጌርና ንጀምር? ዝብል ሕቶ፡ ድሓን ንሓውና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ንለምኖ ንሱ ተመኩሮ ናይ ብረት ስለዘለዎ ታሪኽ ግበር ኢልና ነተባብዓዮ ዝብል ስምምዕ ተበጽሔ።

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ቅድሚ እዚ ጻዋዒት እዚ ኣበይን መዓስን ፖለቲካ ምንቅስቃስ ከም ዘካየደ፡ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ክሳብ ሎሚ ኣይረኣናን። ድሕሪ ኣኼባ ካይሮ ግና፡ ንዝተገብረሉ ጻዋዒት ከም ዝተቐበሎን ብሓደ መስከረም 1961 ኣብ ጎቦ ኣዳል ጥይት ተኩሱ ብቃልሲ ነናጽነት ኤርትራ ይመጽእ ኢሉ ኣበሰረ።

ሕሉፍ ታሪኹ ኣብ ግዜ ጣልያን ዓስከር ምንባሩ፡ ከም ኩሎም መናእሰይ ኤርትራ ዕስኩር ነበረ። ድሕሪ ጣልያን ሽፍታ ምንባሩ፡ ምስ ህዝቢ ኩንማ ብዓልደም ምንባሩ፡ ዘይተዛዘመ፡ ቃልሲ ምኻኑ ታሪኽ ኤርትራ እዩ። ኣብ ዓመት ዘይመልኤ ዕድመ ቓልሱ ከም ዝተሰውኤ ድማ ታሪኽ ይገልጽ።

ሓድጊ ዓዋተ መን እዮም? እንታይከ ኣውረሶም?

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ሕልፈቱ፡ ብዓል ራእይ፡ ስምዒት ሃገራውያን ኣለዓዓሊ፡ ብዓል ጽቡቕ ሕልሚ፡ ኮታ፡ ነብዪ ክብሃል ይከኣል፡ ዝብሉና ሃዋርይታት ዓዋተ ብጠጠውና ከለና ሓዲሽ ታሪኽ ክንሰምዕ ንርኢን ስለዘለና ብጽሞና ነስተውዕል፡ ናበይ ንምብጻሕ እዩ ኢልና ድማ ንሕተት?

ሓድጊ ዓዋተ፡ (መሪሕነት ተሓኤ) እንታይ ከ ገበሩ ብድሕሪኡ? ድሕሪ መስዋእቲ ዓወተ! ከም ዝተሰውኤ ንነዊሕ ግዜ ንህዝቢ ከይነገሩ ሓቢኤሞ ከም ዝነበሩ ዝዝከር ሓቂ እዩ። ብድሕሪ ዓዋተ 1962 ክስብ 1967 ዝተሰርሔ ሓቅታት ንመልከት?

1. መጀመርያ ንኣባላት ሓራካት ወይ ኣባልት ማሕበር ሸውዓተ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ስጉምቲ ወሲዶም ቀንጸልዎም።

2. ክርስትያን ደቂ ከበሳ ብስራሖም ሓሚቖም ዘይኮነስ ስል ክርስትያን ኣመንቲ ብምኻኖም ብዙሓት ተቐንጸሉ። ስርያ ኣዲስ ብዝብል ዝስየሙ ልዕሊ 100 ተጋደልቲ ተርሽኖም ዝብሃል ኣሎ። ተድጋጋሚ ኣሉታ ብሳልሕ ቓዲ ከም ዝተዋህበሉ ንዝክር። ወልዳይ ኪዳን ኣባልት ቤት ጽሕፈት ከሰል ሱዳ ተሓሪዶም ኣብ ክሻ ከም ሽጉርቲ ብታክሲ ሒዘሞም ክኸዱ ከም ዝተኸሽሑ ታሪኽ ይምስክር።

3. ሳዕቤን ዘኸተሎ ድማ 1967 መምህር ወልዳይ ካሕሳይ መራሒ ክፍሊ ሓሙስተ ምስ ኩሎም ሰዓብቱ 58 ዝቑጽሮም ተጋደልቲ፡ ኢዶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቡ ተገደዱ። ብብሓደ ዝሃደሙ ብዙሓት ምንባሮ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

4. ሓረስቶት ክርስትያን ስለምንታይ ተቐትሉ፡ ገዛውቶም ስለምንታይ ነደደ?፡ ሰላማዊ ህዝቢ እንታይ ገበረ? ኣብ ታሕታይ ዓንሰባ፡ ኣብ ቖላ ሰራየ፡ኣብ ቖሓይን ሰራየ፡ ዓዲ ወይባን ዓዲ ሓንሰን፡ እት ስሙ ግኑን ወዲ ስላምሳ ወዲ ቆሓይን፡ ኣሕዋቱ ስለ ዝመትዎ፡ ንተሓኤ፡ ይቕረታ ከይገበረላ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኑ እናተውግኤ ክሳብ ግዜ ሞቱ ቀጸለ። ኣብ ቆላ ሃዘሞን፡ ኣብ ድጋ በርሂነትን መንደፈራን ከባቢ ሓላይ፡ ከም ኡውን ኣብ ሞንጎ ጽንዓደግለን ቶርዓን ዝነበረ ዛይምቅዳው ኣብ ኣከለጉዛይ፡ ተሓኤ፡ ኢድ ከምዘእተው፡ ዝገበርዎ ተግባር ዓድታት ብሓዊ ኣንደዱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ድማ መቕተልቲ ከም ዝተፈጸመ፡ መዝገብ ታሪኽ ደቂ ዓወተ ምኻኑ ይነግረና።

5. ካብ 1967 ክስብ 1975 እንተ ተመልከትና ጉባኤ ኣደቡሓ ከምይን እንታይ ኣበርኪቱ? ጉባኤ ኣደቡሓ 1969 ክግበር እንከሎ 38 ዝኣባላቱ መሪሕነት መረጸ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ከይመልኤ ድማ ኣብ ምእሳርን ምሽቑራርን ምስ በጽሔ ፋሕብትን ኣተዎ። ደቂ ላዕላይ ባርካ ብዑበሊን ዝፍለጡ ተፈልዩ፡ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ብህዝባዊ ሓይልታት ስም ተፈልዩ፡ ደቂ ከበሳ ብስም ሰልፊ ነጻነት ዝብል ስም ተፈልዩ።

6. እዚ ብወረስቲ ዓወተ፡ ዘፍረይዎ ፍርያት እዩ። ምትእኽኻብን ምጥርናፍን ዘይኮነስ መቕዘፍትን ማእሰርትን ትምክሕትን ደቂ ዓዋተ ብግልጺ ኣርኣዩ።ሃይማኖትን፡ ልዕልነትን፡ ደቂ ባርካ ዋንነት

ቃልሲ ንሕና ኢና ካብ ዝብል ኣምር ወይ እምነት እዩ።

7. ደቂ ዓዋተ፡ ዓቢ ህያብ ንዕንወት ንህዝቢ ኤርትራ፡ንኢሳያስ ኣፈወርኣቂ ኣሰልጢኑ ካራ ኣዕጢቑ ኣፋነዎ። ኢሳያስ ዝተማህሮ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ንሕናን ዕላማና ኢሉ ተላዕለ፡ ህዝቢ ደገፎ ክነግስ ከኣለ። እዚ ብመሰረቱ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ወረስቲ ደቂ ዓዋተ እዮም።

8. ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኤርትራ ህርፋንን ትምኒትን ስለ ዝነበሮ ዝኾነ ዋጋ ንምኽፋል ቅሩብ ብምንባር ተስፋ ከይቆረጸ ምስ ደቂ ዓዋተ ምቅላስ ኣይቀበጸን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከም በጊዕ እናተጎተ፡ ንመሰሉ ኣጥቢቑ ከይ መጎተ፡ ድሓን እስከ ሕጂ ኽእረሙ እዮም፡ ድሓን ዕድል ንሃቦም እናበለ ቐጸለ። ካብ 1975 ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ተሓኤ ኣብ ክንዲ ንዓዋት ዝእምት ጉባኤኡ ንጥፍኣት ወይ ንድሕሪት ዝእምት ኮይኑ ተረኽበ።

9. ንሕቶን ርእይቶን ዘቕርቡ ንዝነበሩ ሓደሽቲ ተጋደልቲ ብጥርጠራ ዓይኒ ይረኣዩ ነበሩ።ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጃንሆይ ምውዳቕ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ናይ ካልኣይ ደረጃን ንሜዳ ዝመጹ መንእሰያት ብሃንቀውታ ዝተጸበይዎ ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ጉዕዞኦም ዝተፈላለይ ጸገማት የጋጥም ምንባሩ፡ ምስ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ጥርጠራን ፍርሕን ዘይምትእምማንን ተራእየ። በብግዜኡ ዝስማዕ ዝነበረ ቃላት ካብ ደቂ ዓዋተ ናስ ሃይለስላሴ፡ ናስ ቢቢሲ፡ሕቡሽ ዝብሃል ከምዝነበርና ንነገር። እዚ ምጥርጣራት እናበርቶዔ ምስ ከደ ኣብ ሶርያ ዓብደላ ኢድሪስ፡ መሓመድ ናስር፡ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ካልኦትን ዘለውሉ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ዶክተር ዮሱፍ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓዋተ እዚኦም ክጠፍኡ ኣለዎም ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ዝበለ ተኣማንነት ከሕድር ዝገበሮ ሕልና ምሻጥ ነበረ። በዚ መሰረት ብምግባር ፋሉል ከዳዓት ተባሂሎም፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ከበሳ ተኣወጀ። ፋሉል ብዝብል መጸውዒ ኣብ ተሓኤ ናይ ምርሻንን ናይ ምእሳርን ውሳኤ ተወስደ። ኣብዚ እዋን እዚ ደቂ ዓዋተ ዝኾነ ዳግማይ ግርጭት ብብረት ምፍታሕ ስለዝለመዱ ልምዶም ዜጋታት ምጽናት ፈጸሙ።

10. እቲ ኣንጊሁ ካብ ቅያዳ ኣልዓማ ዘምለጠ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡1970 ህዝባዊ ሓይልታት/ግንባር ሓርነት ኤርትራ ፈጢረ። ብደቂ ዓዋተ ዝተማህሮ መጀመሪ፡ ህዝቢ ጎስጊሱ እኹል ዕጥቅን ሰራዊት ሒዙ ደልደለ።ኣዋጅ ደቂ ዓዋተ ኣብ ሜዳ ኢርትራ ካልኣይ ኣይጸውርን ንዝብል ውሳኔኦም ተጻሪሩ ብምባል፡ ጸረ ገድሊ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ናይ ሕድሕድ ኩናት ተጀመረ። ካብ 1970 ክስብ ታህሳስ1974 ቀጻሊ ኩናት ነበር። ቀጺሉ 1977 ክሳብ 1981 ንደቂ ዓዋተ፡ በቲ ዝመሃርዎ መሰረት ብምግባር፡ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ካብ ኮነ፡ በሉ ንዑ ኢሉ ንደቂ ዓዋተን ሰዓብቶም ካብ መርየት ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣባረሮም።

11. 1974 ካልኣዊ ግርጭት ብልዝብ ንምንታይ ዘይፍታሕ? ኢሎም ሕቶ ንዘልዓሉ 47 ተጋደልቲ ደቂ ከበሳ ነበሩ። መልሲ፡ ካብ ደቂ ዓዋተ ዝተዋህበ ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ክቕንጸሉ ኣለዎም፡ እዚኦም ሰውራ ምዳዳ ወይ ጸረ ገድሊ እዮም ኢልካ ተወሰነ። ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ሜዳ ብምንባሩ፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣኼባ ሩራ መንሳዕ ንክልተ መዓልትን ለይት ዝወሰድ ኣኼባ እዩ ንሱ ድማ፡ ነዚ ውሳኔ ነጸጎ፡ እዚ ብምርሻን ኣይኮነን ዝፍታሕ ኣነውን ነዚ ሓሳቦም ይቕበሎየ ኢሉ ካብ ምርሻን ኣድሓኖም። ስዒቡ ግና ፋሉል ተባሂሎም ንኽጠፍኡ 1977 ፈረድዎም።

ሓድጊ ዓዋተ፡ ኣሰር ዓዋተን፡ ውርሻ ዓዋተን፡

ሳልሓውያን ግና፡ ኣብ መርበብ ዓዋተ ፍሉይ ታሪኽ የስምዑና ኣለዉ። ከመይ ኢሉ መለኮት ክኽእውን ከኣለ? ኣብ ሓደ ዓመት ዘይኣክል ዕድሜኡ ዝተሰውኤ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ከምይ ዝኣመሰል ሰብ ነበረ?፡ እዚ እከይ ግፍዕን ብስም ሰውራ ወይ ተጋድሎ ንነጻነት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ጭካነን ኣረመንነትን ክወስዱ ዝኸኣሉ። ከመይ ዝበለ ትምህርቲ ስል ዝመሃሮም ንደቁ እዩ?

እቶም ሓደ ክርስትያን ዘይነበሮም ኣብ ካይሮ ጉባኤ ዘካየዱ 1961 ዝሓንጠጥዎ ንመጻኢት ኤርትራ፡ ኣብ ምስልምና ዝተመስረተ ሃገራዊ ቃልሲ ምንባሩ፡ ብምስጢር ዝተታሕዘ ስለዝኽዕነ ድማ፡ ኣብ ኩሉ ስራሓት ቃልሲ ተጻዋርነት ከርኢ ኣይካኣለ። ምኽንያቱ ሃይማኖት ምስ ዲሞክራሲ ክተሓዋወስ ኣይክእልን ስለዝኾነ እዩ። ሕቶ ዲሞክራሲ ሕቶ ክርስትያን ገርካ እናወስድካ ክርስትያን ከበሳ ጸነተ።

ነዚ መረጋገጺ መርብ ጅሃድ ኣል ኢስላም ኤርትራ ዝተዋህበ መልሲ መረጋገጺ ክኸውን ይኽእል። (Eritrea Islamic Jihad Movement google it) ሸኽ ኸሊል ሞሓመድ ዓምር ሓላፊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኢስላማዊ ጅሃድ ከም ዝበሎ ኣብ ሕቶን መልስን ኣብ ቑርኣን ወይ ሸርዕያ ናይ እስልምና ሃይማኖት ዝተመስረተ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክንተከል ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣልከ ብዙሕ ከምዘለካ፡ ካብ ቀደም ኮነ ኣብዚ ዘለኻዮ እዋንን ዕንክሊል ዘብሉኻ ዘለዉ ኣተኩርካ ተመልከቶ።

ዲሞክራሲ ኣብ ተጻዋርነት፡ ማዕርነት፡ ምክብባር፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምቅዋም፡እምነትካ ብሕጊ ዝተሓለወ ኮይኑ ከይፈርሕካን ከይተሸቑረርካ ምንባር ይፈጥረልካ።

ብኣንጻሩ፡ ሃይማኖት ተጻራሪን፡ ስስዑነትን፡ ናተይ ይበልጽ፡ ኣነ ይጸድቕ፡ ንስኻ ትሓጥእ፡ ስለ ዝብል ተኻኣኢልካ ምንባር ኣይፈቅድን ስለ ዝኾነ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ወይ ክተሓናፈጽ የብሉን።

መራሕ ሓሳብ ተዳሙ ወይ ጂሃድ ኤርትራ ሳልሕ ቓዲ ከዕለብጥ ዝርኤ ዘሎ ጸገሙን ጸገም ደቂ ዓዋተ ሃይማኖት ስለዝኽነ እዩ።

ሳልሕ ቓዲ፡ ኣፈኛ ጂሃድ፡ ተጋዳላይ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ስውእ ጅግና ኣይኣኽሎን፡ እዚ ድፍረት ንቓልሲ ኤርትራ እዩ እናበለ ክምህረና ኸሪሙ።

ሓበሻነት፡ ሓበሻ ዘርኢ ወይ ዓልየት፡ ድኣምበር ናይ ፖሊቲካ መምዘኒ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣስዕብ ኣቢለ ክብሎ ዝደሊ ሳልሕ ቓዲ ሓበሻነቱ ቐልጡ ክድርብዮካ እንተድለየ፡ ኣብ ጅዳ ኮነ ኣብ ኩወት እንከሎ ሕቡሽ ይባሃል ከምዝነበረ ኣይርስዖን እዩ።

ነብዩ መሓመድ ኣብ ህወት ኣብ ዝነበረሉ ዘመዝገቦ ኣብ ልዕሊ እስልምና ንዝተቐበሉ ሓበሻ ብመልእኽቲ ዝኣመኑ ብጹኣት እዮም ድኣ በለምበር ዓርብ ክትኮኑ ኢኹም ኣይበለን፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተወከሱ።

ደቂ ዓወት፡ ንመሰሉ ዝሓተተ ወዲ ከበሳ፡ ሕቡሽ ወይ ዓስከር ሃይለስላሴ እና በሉ ስል ዘፈራርሕዎ፡ መሰሉ ኣትሪሩ ንኸይሙግት ይድህልዎ።

ሓድጊ ዓዋተ ወይ ውርሻ ዓዋተ እዚ ካብ ኮነ፡ ከመይ ገርካ ናብ መለኮትነት ክበጽሕ ተደልየ? ሳልሕ ቓዲ ምስ ሰዓብቱ ኣብ ጉባኤ ሃዋሳ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ይፈልጡ እዮም። 22 ኣስላም 5 ክርስትያን ኣብ ኣካያዲት ጉባኤ ተመርጼት።

ነዞም ደቂ ልቢ ገርሃ ደቂ ከበሳ ወይ ክርስትያን ከመይ ጌሮም ከም ዘዔሽውና ስለ ዝፈልጡ፡ ናታቶም ተምጻደቅቲ ኣስማት ክርስትና ዘለዎም፡ መሰሎም ኣጥፊኦም፡ መሰል ዜጋኦም ኣሕሊፎም ዝህቡ ከምዘለው፡ ዘርኢ ሓበሻ ዝኾኑ ወይ ክርስትያን፡ እሞ ኸድኣ ሕጂ ህግደፍ ክሕጎስ ተፈላሊና ክንወጽ ኣይግባእን፡ ሕዝብና ሞራሉ ከይወድቕ፡…ወዘተ። ንግበሮ ኣይነጸብቆ ዝስራሖም ንማሕበር ጂሃደ ዝኾኑ፡ ንደቂ ዓዋተ ኣረከብናዮም

ብድሕሪ ኣዋሳ፡ ሳልሕ ቓዲ ኣፈ ጉባኤ ተዳሙ፡ ጉባኤ ጽቡቕ ተዛዚሙ ኢሉ ከምዘይጸሓፈ፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ባይቶ መኤከብ ኣናጹ ኮይኑ ኢሉ ምስ ጨደረ፡ መራሕቲ ተዳሙ ዓሻክሮም፡ንምኽሩ ሰሚዖም፡ ንተኽላይ ኣብራሃ ኣደስከልዎ።

ውድብ ምንቅስቓ ህዝቢ ኩናማ፡ ጅግና ተጋዳላይ ዓዋተ ንቕበል ኣቦና ዓውተ፡ ወይ ኣርማ ኤርትራ ግና ኣይትበሉና፡ ሰብ ቂም ኢና እንተበሉ፡ ሰማይ ፈረሰ ኢልካ፡ ሳልሕ ቓዲ ዝመራሒኦም፡ ኣቦና ዓዋተ ዘይበለ ድፍረት ንጀጋኑ ስዋትና እዩ ዝቑጸር፡ ስውኣትና ተደፊሮም፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተደፍረ ኢልካ ህዝቢ ኩሊቱ ኣብ ዝሽየጠሉ እዋን ኣርኪቡም፡ ታሪኽ ክኾሓሕል ባይቶ ኤርትራ ነበረ ገበርዎ። ካብ ባይቶ ክድስክል ኣለዎ ዝብል ነጋሪት ተወቕዔ። ባይቶ ኤርትራ ነበር ንኹናማ ከድስክል ከሎ መዓልቱ፡ ሓልፍነት ህዝብን፡ ከምዘይብሉ፡ ንህዝቢ ተቓላሳይ ከምዘይ ኮነ፡ መሪሕነት ቓልሱ ኣኸተም።

ዶክተር ዮሱፍ ከምቲ ብ1977 ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ተጋደልቲ ደቂ ከበሳ ከዳዕት ፋሉል ክጠፍኡ ኣለዎም ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ቃልሲ ህዝቢ ኩናማ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣብቲ ባይቶ ኤርትራ ነበር ጨደረ። ንባይቶ ኤርትራ ድማ ሒዝዋ ኣብ ገድል ኣተወ።

ኣብ ካይሮ ዕስራን ክልተን መዓልቲ ዘግብር ስራሕ ነይሩ ድዩ? ብሓቂ ወይስ ኣብቲ ሓደ ክርስትያን ዘይነበሮ ዕዶት ካይሮ ብስም ባይቶ ዝተገብረ ብወርሒ ሕዳር 2012 ከምቲ ኣመሳርታ ተሓኤ 1961 ዝገበርዎ ኣኼባ ቀጻልነት ከምዘለዎ የመስክር፡ ጥሩፍነት ኣል ኢስላም ኣብ ካይሮ ካብ ነገሰ ቃል ኪዳና ምስ ኣሕዋት እስልማና ነደልድል ካብ ማዃን ሓሊፉ ካልእ ከምዘይኮነ ከይተሓልመ ዝተፈትሔ ሙኻኑ ህዝቢ ኤርትራ ተገንዘቦ።

ደቂ ዓዋተ ኣብ ልዕሊ ዮሴፍ ገብረሂወትን፡ ኣብ መርበብ ኣስማሪኖን ስእላዊ መግለጺ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝገለጹ፡ ካብ ሳልሕ ቓድን ሰዓብቱን ናይ ማሕበር እንድነት ስም ተዋህቦ። ዮሰፍ እንተኾነ ደጋፊ ዘየድልዮ መምህርን፡ ፈላስፋን፡ መጓትን ሙኻኑ ኣብ ዝጽሕፎን ዝዛረቦን ዘመስከረ ተባዕ ዜጋ፡ ብኤርትራዊነቱ ዝኾርዕ ዜጋ እዩ።

ሳልሕ ቓዲ ንወዲ ሓወብኡ ዓሊ ዓብዱ ምኒሰተር ዜና ኤርትራ ነበር ክሕከም ምምጻኡ ከምዝፈለጠ ሓቢሩ ኽድዓቱ ግን ኣይኮነን ኢሉ ንኣማኑኤል ኢያሱ ዘውረዮ እዩ ኢሉ ክምጉት ዘይኮነስ ከናእስን ከጸልምን ፈተነ።

ኣሰና ፋውንደሽን መሳርሒ ገበርቲ ሰናይ ኢሉ ኣጸለም፡ ሳልሕ ቓዲ ካብ ሙጃሂድን ከንዘብ ምቕባል ግና ሓጥያት የብሉን ሓላል እዩ ይብለና።

ደቂ ዓዋተ፡ ተዳሙን ዝደልዩዎን ዝፈትዉዎን ንዘይገበር፡ ከዳዕ ዘይሃገራዊ፡ ናይ ኣንድነት፡ እንበሉ ኣስማት እናኣውጽኡ፡ ከነኣእሱ ከይደቀሱ ይሓደሩ ኣለው። ኣብ ልዕሊ መርበብ ኣሰና ዝወሰዶ መርግጽ፡ ኣምኑኤል ኢያሱ ኣብ ኣኼባ ኣዋሳ መልክዕን፡ ማዕርነትን ሕዝቢ ኤርትራ ይርኢ የለኹን ኢሉ ምስ ሓተተ፡ ሳልሕ ቓዲ ኣዕለበጠ። ካብቲ ግዜቲ ንደሓር ኣሰና ፋውንደሽን፡ ከምቲ 1975 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝብሃል ዝነበረ ናስ ሃይለስላሴ ኣል ሕቡሽ ሕጂ ክደግሞ ይረኤ። ሳልሕ ቓዲ ነጥቢ ኣለካ መጉት። ደቂ ዓዋተ ዝፈተውዎ ሕጊ ክኸውን እንከሎ፡ ካብኡ ፍልይ ኢሉ ንዝሓተቶም ከም ድፍረት ክሕደትን እናቖጸርካ ንዘልኣለም ኣብ ምድንጋር ኣይንበርን። ዘበን ተቐይሩ ከምዘሎ፡ እቲ መጋረጃ ተቐንጢጡ ከምዘሎ ዝፈለጡ ኣይመስለንን።

ሓድጊ ዓወትን፡ ውርሻ ዓወትን፡ ኣብዚ ሓምሳ ዓመት ስራሖምን ተጋባሮምን፡ ኣብ ምዝራግን ኣብ ምብትታን፡ ኣሪጎም፡ ዘእርጉ ምኻኖም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ኣመስኪሮም። ባይቶ ናይ ኤርትራ ነበር ምኻኑ ዘንጊዕም ብጉባኤ ስም ንምንቕስቓስ ህዝቢ ኩናማ ኣደስኪልናዮ ክብሉ ከለዉ መንነቶም እምነቶም ስራሖም ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይ ኮነ ገሊጹ። ኤርትራ ናይ ብዙሓት ሃይማኖትን፡ ናይ ብዙሓት ዓልየትን ሙኻና ረሲዖም፡ ምጽውዋርን፡ ምክብባርን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘይኣምኑ ምኻኖም ኣረጋጊጾም።

ሓድጊ ዓዋተ ኣብ ሓምሳ ዓመቱ መንነቱ ተርጋገጸ።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት!!!!!!

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 28 ታህሳስ 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...