ይመልኣዮ ጥራይ’ምበር 2013’ሲ ናይ ለውጢ ዓመት’ያ ትመስል ዘላ። እንዳ ዝናን-ባህታን፡ እንተስ  ምስ’ዛ ሓዳስ ዓመት ናይ ምሕዳስ ኣማራጺ ተበሪህዎም፡ እንተስ ንባጽዕ ገጾም ክወርዱ እንከለዉ ክሳብ ሎሚ ዘየስተባሃሉሉ ናይ ዓርበ-ሮቡዕ ጸድፊ (? Cliff) ዝመስል ናይ ንግስነቶም መፈጸምታ፡ በለጭ ኢሉ ተራእይዎም፡ ኣብ ላዕላይ ሰማይ ዓራቶም ከንጽፉ ኣባት-ነፍሲ ሃሰስ ክብሉ ፍኒሕኒሕ ዝጀመሩ’ዮም ዝመስሉ ዘለዉ።    … ዘይረኣይዎ’ፍጠረሎም!

ዘይኣመሎም፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ካብ ዝሓለፈ (ጌጋና???) ክንመሃር እስከ ንመዓዓድ ዝኣንፈቱ ጉባኤ፡ ብስም ኢንቨስትመንት ድምጾም ኣዋሕሊሎም፡ ዓበይቲዓድን ሊቃውንትን ሃብታማትን፡ ባይቶ ክወርዱ ዓዲሞም፡ ኣኼባ ክመርሑ ዝደፈሩሉ ብልሓት ከምዘቃልሑ ዘይሰምዐ ሰብ ዘሎ’ይመስለንን።

እንተኾነ ግን ብግስ ከይበሉ ማያትን፡ ዓሳታት ቀይሕ ባሕርን፡ ኣሰር ኤርትራውነት ክስዕቡ፡ ካብ ጂቡቲ ክሳብ ላሙ፡ ሞምባሳ፡ ሓርጌሳ ክሳብ ፖርትሱዳን፡ ፋሕ-ብትን ኢሎም፡ ዑቕባ ዝሓተቱ መሲሉዎም ግዲኾይኑ፡ ወይ’ውን ዛርቲ ዝናን-ባህታን ተመሊሱ ወቓሕ ኢሉዎም፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንባህርያዊ ትዕድልቲ ኣገልግሎት ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ኣምኪኑ ዘሎ ምኽንያት ክፈትሑ ሃሰስ ክንዲ ዝብሉ፡ እዛ ተካሊት ባሕሪ’ዚኣ ንርብዒ ዘመን-መመላእታ ዝገደፈትልና የብላን።

ናይ ኢድናን ናይ እግርናን ኣንጊፋትና’ያ። ናብኣ’ቢልኩም፡ ቁሊሕ ከይትብሉ ብዝዓይነቱ ተስፋ ቑርጸት፡ ንናይ ንግስነቶም ክሳራ ብዝሕብር ምስክርነቶም፡ ክሳብ መወዳእታ ክልወጡን፡ ኣኻይዳኦም ክልውጡን፡ ብቕዓት ከምዘይብሎም፡ ብመረረ ከቃልሑ ተሰሚዖም። “ወይ’ዙ ዓሻ ከዐሽወኒ ጣፍ ነቒዙ’ብለኒ።” (ምስላ)

ምኽንያቱ ብዘየገድስ ቀዳማይ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ፡

“ኣቶ ተድላ ባይሩ ኣብ ሲነማ ካፒቶል ህዝቢ ኣኪቦም፡ 07/29/1955፡ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኾይነ ዝተቐበልኩዎ ከቢድ ሓላፍነት ንምፍጻም ዝዕንቅጽ፡ ብዙሕ ጸገም ስለዘጋጠመኒ፡ ንቕድሚት’ውን ክሰርሕ ከምዘይክእል ስለዝተረድኣኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ንስልጣነይ ብፍቓደይ እሓድግ ኣለኹ። (6, 470)

እናበሉ ዝወሰዱዎ ኣብነታዊ ስጉምቲ ብምኽታል ንእብረ ክንዲ ዝርዕሙ፡ ክሳብ ሕጂ ዘደለሓቑ ኣደላሒቖም ከይኣኽሎም’ሲ፡ ንመጻኢ’ውን ባሕሪ ኤርትራስ ንኢንቨስትመንት ኣይትበቅዕን’ያ’ሞ፡ ኣብ ኤሪተል ብርኪ ዓዲግኩም ገንዘብኩም ኣዋፍሩ ትብል ማዕዳ ክደጋግሙ ደፊሮም። … ይዘግሑ።

ቅሙጥ ዓቕምን ባህግን ኤርትራውያንስ ይጽናሕ’ሞ ደሓን፡ ዘውድን ደርግን ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ትንታኔን ኩነኔን ብዛዕባ ባሕሪ ኤርትራ እንተዝሰምዑስ፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ጎላጉልን ጎቦታትን ኤርትራ ምእንቲ ቀይሕ ባሕሪ ዘካየድዎ ኲናት፡ ዘፍሰስዎ ደም፡ ዘጥፍእዎ ሃብትን ሂወትን ዘኪሮም፡ እንታይኮን ምበሉ?

ኣይትርብሑ ዶ’ምበሉ ኣይትብዝሑ?

ወይ’ውን ንስኹምን ኣተሓሳስባኹምን’ሲ፡ ኣብ’ታ ካብ ንፋስ ዛ’ዓለም ዕዳጋ ተዓቢጥኩም ክትንየቱ ዘእረገትኩም ማፍጢ ክሳብ ሎሚ እንተትጸንሑ ምሓሸኩም ኔሩ፡ ክሳብ ምባል ምበጽሑ?

ዝኾነ ኾይኑ እንዳ ዝናን ባህታን ሎምስ ይጣርዑ’ለዉ። ምናልባት “ኤርትራ ብዘይካ ኢትዮጵያ ብአኮኖሚ ከም ሃገር ሂወት ክትረክብ ኣይትኽእልን’ያ ” ዝብል ብላይ ብሂል ከም ኣማራጺ ተጠቒሞም፡ ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሕ ራዕድን ፍርሃትን ክዘርኡ እንተደልዮም ከኣ ንርኢ።

ኣንተዘይኮነ ግን ክሳብ ትማሊ-ትማሊ መወዳድር’ቲ’ብልናን። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንኻልኦት ኣርኣያ ዝኸውን ናይ ሜዳ ተመኩሮ ዘለዎ ብልጫ’ለና፡ ናይ ኣፍሪቃ ሲንጋፖር ከነርእየኩም ኢና፡ እናበሉ ብኸበሮ እዝኒ ሰማዒ ከምዘ’የደንቆሩ፡ እነሀ ሎሚ፡

“ሆስፒታል ቶኲኑ፡ መድሓኒትን ንመጥባሕቲ ዝሕግዝ መደንዘዝን ተሳኢኑ፡ ማይ ሩባ ጨኒቑዎ፡ ናየ’ስቢዳለ ሽቓቕ ተኾሚሩ’ውዕላ’ሎ። ዝብል ድምጺ ህዝቢ ብጂራ ፊዮሪ’ቢሉ። ከምኡ’ውን ምጣነ-ሸርፊ ኣብ ባንክ 15 እንከሎ፡ ኣብ ሹቕ  ኣርብዓታት እኮ’ዩ በጺሑ  ዘሎ፡ ኣንቱም ሰባት ሓቂ ዘይንዛረብ … እዚ ምምሕዳር’ዚ’ኮ ኣናርኪኮ’ዩ። ዝብል ስምዕታ ድምጺ ህዝቢ ብኾብሽታቶ’ቢሉ፡ ክጣራዕ”

ክሰምዑን ምስ ጠለባት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክዋስኡን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ክብሉ ምፍታኖም’ሲ ናይ ልቢ ዶኾን’ኸውን?

ዝኾነ ኾይኑ ሕጂ’ውን ከምኣመሎም፡ ካብ ትጽቢት፡ ተስፋን፡ እምነትን፡ ናይ ህዝቢ ክብለጽ ዝዕልም ፖለቲካዊ ጸበሎም ክነጽጉ እነተኾይኑ ጻዕሮም?

ወይ’ውን ነቲ ዘሪኦሞ ዘለዉ ሕማምልቢ ብዝሒደም ሽኮርያ ጭንቀት ብስጭት ስደት ድኽነት ዝፍውስ ፕላሲቦ ብምዕዳል፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን ክጥብሩ የምባሁቑ እንተ’ልዮም፡ ውጽኢቱ ንግዜ ዝግደፍ ዛዕባ’ዩ።

መን’ፈልጥ ናይ ልቦም እንተኾይኖም ግን፡ ኣጆኹም ዝንፈጎ ኣንፈት ኣይመስለንን። ህዝቢ መሃርን መሓርን ስለዝኾነ። ምኽንያቱ’ሲ እዚ ጅማረ’ዚ ናይ ጸልማት መጋረጃ ቀንጢጡ፡ መንገዲ መስተርሆት ከስፍል ይኽእል ይኸውን’ዩ።

ብዘይ ኣጋንኖ እዚ በ’ስቢዳለ ከረንን ብጉባኤ ኢንቨስትመንት ናየ’ስመራን ኣቢሉ ዝተሰምዐ ስምዕታ ድምጺ ህዝቢ ብዘይ መተናፍሶ እንተተዓፊኑ ግን፡ ሓደ መዓልቲ መንግስቲ’ይኮነን ዶባትን ጎቦታትን’ውን ቦርቊቑ ብክሊፍ! ከጽድፍ ዝኽእል ናይ ለውጢ ማዕበል ከባርዕ ይኽእል’ዩ።

ካልእስ ይጽናሕ ደሓን፡ ንግዜኡ ነዞም ሎሚ ጸሓይ ደሞክራሲ ናይ ስደት እናማሞቑ፡ “ጸማም ሓደ ደርፉ ኮይኖም” (ምስላ)፡ ንኢሳያስ መጋድልትና ስለዝነበረ፡ ካብ ቀደሙ ንፈልጦ ኢና። እዚ ትርእይዎ ዘለኹም ናይ ሎሚ ኣመሉ ጥራይ ከይመስለኩም። ቀደም ክንቃለስ እንከለና’ውን፡ ምሳሎም ክዛረቡን፡ ንለውጢ ክጣበቑን ንዝፈተኑ ናይ ገድልን ምግዳልን ብጾትና፡ በብሓደ ክቕንጽልን ክሓርድን እንከሎ ዝተዓጠቕናዮ ኣርፒጂን ካላሽንን ተተርእሲና ነጣቕዓሉ ኔርና ኢና’ሞ፡ እቲ ዓይንና ዝረኣዮ፡ ናይ ትማሊ ውዕሎና ከነዘንትወልኩም ጽን ኢልኩም ስምዑና።

ዝብል ናይ ትማሊ ውዕሎኦምን ሕማሞምን፡ ንሎምን ጽባሕን ከልግቡለን ዒሕ ዝብሉ ዘለዉ፡ ናይ ትማሊ ተረባሕትን ሓዋርያትን፡ ነቲ ብኢዶም ጠፍጢፎም ምስሰርሕዎ፡ መዋርዶ ኣብ ዘይቀረቡሉ ጸድፊ ብጣቕዒት ዝሰቐልዎ ቅዲ ኣመራርሓ ሎሚ፡

1. ብሞያ ከምዝሞተ፡

2. ኣብ ናይ ህልኽ ኲናት ከምዝተሳዕረ፡

3. ገንዘቡ መቐረቱን ተቐባልነቱን ከምዝሓሸሸ ምሰ’ረጋገጹ፡

ጸሪፎም ምጽጋብ ክሳብ ዝስእንዎ በብተራ ዘንጸባርቕዎ ዘለዉ ስምዒታዊ መንገዲ፡ ይኣክል ብምባል፡ ሕማም ኢሳያስ ሓሚሞም ከምዝጸንሑ ተገንዚቦም፡ ዝብላዕ ክዛረቡ’ሞ፡ ንሎምን ንጽባሕ ናብ ዘርብሕ፡ ተስፋ ዘተንብህ፡ ዛዕባ ከዘንብሉ የበራብሮም’ኸውን’ዩ።

ሃለዋት ሕማምን መድሓንቲን ኣብ’ዛ ናይ ሕጂ ኤርትራ ካብ ተላዕለ’ሞ፡ ምናልባት ትርጉምን መቐረትን ናይ መዋእል ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ በጺሑዎ ዘሎ ህሉው ኩነታት ምስ ናይ ኤርትራና ምንጽጻር እንተተደፊሩ ከኣ፡ እቲ ፍልልይ ዝእመን ኣይኮነን።

ዝገርም’ዩ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ሓኪም ስኒ ከይደ’ሲ፡ ዶቶረ ምስ መሳርሕቱ፡ ንኣይ ኣብ ዓራት በጥ ኣቢሎም፡ ብርቱዕ መብራህትን ካመራታትን ናብ ገምበረይ ወሊዖም፡ መራፍእን ካልእ በብዓይነቱ  ናውቲ መሳርሕ እና’ዋደዱ፡ ሙውቕ ዕላሎም ቀጸሉ።

ዕላሎም ብዛዕባ ኣብ ተለቭዥን ዝረኣይዎ ፊልም ባስከት ቦል ፉት ቦል ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዝበልዕዎ ዓይነት ምግቢ ዝተናኽፍ’ዩ ኔሩ። ስለ’ዚ ብዙሕ’ኳ እንተዘየቕለብኩሉ፡ ኣይጸላእኩዎን። ኣብ መንጎ ዕላሎም ድማ፡ ከመይ ይስመዓካ’ሎ እናበሉ ከምዘይረስዑኒ የዘኻኽሩኒ ኔሮም።

ኣነ ግን ብዛዕባ ዘምጽኣኒ ጉዳይ ምሕሳብ እንተዘይኮይኑ፡  ብዛዕባ ብዝሕን ዓይነትን ኣርእስቲ ዕላሎም ብዙሕ ኣይተገደስኩን። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ መንጎ’ቲ ሙዉቕ ዕላል ሓንቲ ነርስ ነቲ ሓኪም፡ ሎሚ ንግሆ ደኣ ደሓን ዲኻ፡ ደንጒኻ ናብ ስራሕ ኣቲኻ ክትብል ሓተተቶ።

ሓኪም ድማ፡ እወ ሓቅኺ ኢኺ። እቲ ከልበይ ኣሪጉ’ሲ ሽንቱ ምቁጽጻር ስኢኑ’ሎ። ስለ’ዚ ትማሊ ምሸት ካብ ስራሕ ንገዛይ እናኸድኩ ንእግረመገደይ ዝገዛእኩሉ ፓምፐር ጸቢቡዎ፡ ሎሚ ንግሆ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምምጽአይ ናብ’ቲ ዝዓደግኩሉ ዎል ማርት መሊሰ፡ ካልእ ግፍሕ ዝበለ ኣቐይረዮ፡ ክብል ኣዘንትወላ።

ሽዑ ፓምፐር ንኸልቢ ዝዕደገላ፡ ዝጸበበ ናይ ከልቢ ፓምፐር ዝቕየረላ፡ ዓለም ዕዳጋ ኣገሪማትኒ፡ ሓከምተይ ክሳብ ዝድነቑ ክርትም ኢለ ሰሓቕኩ።

እዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ኣኽላባትን ደማሙን፡ ብብዝሒ ደም ብሽኮርያ ብቕርጥማት፡ ሕማም ልብን ኩላሊትን፡ ብሕማም ጭንቀትን ፍርሃትን …. ተሓኪሞም፡ መዋእሎም ዘስተማቕሩላ ዓውዲ ክሳብ ምዃን ምብጻሓ’ዩ ኣደኒቑኒ ሰሓቕ ዝሰዓረኒ።

ትማሊ ድማ ኣብ ስራሕ እንከለኹ፡ ናይ እንስሳ ሕክምና ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ናይ ሓኪም ወረቐት፡ ብመሳርሕተይ ሓሊፋ ኣባይ በጽሐት። ሽዑ እቲ ንኣይ ዝምልከት ክፋል ምእንቲ ክፍጽም ነታ ናይ ሓኪም ወረቐት ተዓዘብኩዋ’ሞ፡

1. ስም ተሓካሚ፡ ሽኮሪና   2. ዕለተ-ልደት፡ 01/01/12   3. ዓይነት ተሓካሚ፡  ኣንጭዋ

4. መድሓኒት - ባክትሪም ሽሮፖ፡ ዝብል ጽሑፍ ኣንበብኩ። ደጊመ ድማ ኣንበብኩዎ። ሽዑ ንዘምበብኩዎ ምእማን ኣጊሙኒ፡ መሳርሕተይ ክሳብ ዝድነቑ ሰሓቕኩ።

እወ ኣብ ካልእ ጫፍ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ደማሙን ኣናጹን ኣብ ሪጋ እንዳሓኪም ከይተረፈ ይራኸቡ፡ ኤርትራዊት ኣደ ድማ ብመጥባሕቲ ንኽትሓርስ ንና’የስቢዳለ ጀነረይተረ ዝኸውን ናፍታ ካብ ሹቕ ዓዲግኩም ኣምጽኡ ዝብል ብኽያት፡ ኣብ’ቲ  ጥቓ ጂራ ፊዮሪ፡ ዝርከብ ኣስቢዳለ ናይ ከረን ጻዕዳ ተነቢዑ ተባሂሉ። ኣቤት እቶም ጂራ ፊዮሪ ዝሃነጹ ፈረንጅን፡ ኣብ’ቲ ፎርቶ ዝነበሩ ጦር ሰራዊትን ኣይስምዑ።

ዝኾነ ኾይኑ እዚ ፈኸም ዝብል ዘሎ ናይ ተሓድሶ ልምምድ ካብ እንዳ ዝናን ባህታን ናይ ብሓቂ ብዝጀመሮ እንተቐጺሉ፡ ብኡነት ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዘይተዋዕለ ብምባል ኣይምተሓሰምናዮን። ጉዳይ ህዝቢ ንህዝቢ እንተተገዲፉ ማለተ’የ። “ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት።” (ምስላ)

እንተኾነ ግን ሕጂ ዓይኒ ብርኪ ምስ ጠለመ፡ እዝኒ ምስ ጸመመ፡ እንግድዓ ምስ ሓጎበ፡ ላዕላይን ታሕታይን ምስ ሸየበ፡ ክፍተን ዝመስል ዘሎ ምትዕጽጻፍ፡ ልስልስ ዝበለ እንግድዓ-ንእስነትን ሓዲሽ ሓሳብን እንተዘይተወሃሂዱዎ፡ ን’ንግድዓ ዝናን-ባህታን’ሲ ሰላሊዑ ምስ ንፋስ ክብቁጾ’ዩ። ….. ሰኣን እሂን-ምሂን በታ ክሊፍ ተተሓሒዝና ከይንሃትፍ፡ የቕልልሎ ጥራይ።

ኮይኑ ግን ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምጥርጣር ጽቡቕ’ዩ። ምኽንያቱ ጸበልን ፕላሲቦን’ሲ፡ ንኣማኒ’ምበር ንጠርጣሪ ኣየርብሑን’ዮም’ዩ ዝብል ሳይንስ። እንዳ ዝናን ባህታን እምበኣርከስ ናይ ብሓቂ ንስሓ ተራእይዎም እንተኾይኑ፡ እስኪ ሃየ ንእሱራቶም ብምፍታሕ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ሓደ … ብምባል ጣዕሳኦም ኣመስኪሮም፡ ንተጠራጠርቲ ዜጋታቶም ከእምኑ ይፈትኑ።

ምናልባት እምነት ኣመንቶም ንምጽናዕ እንተኾይኑ ናይ’ዚ ሓዲሽ ሜላኦም ዕላማ ግን፡ ዘረብኦም መጽምኢ ማይ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ። ኢንቨስትመንትስ ይትረፍ ርብዒት ማይ’ኳ ኣየቕድሕን’ዩ።

ከመይ’ሲ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እሱራት ክሳብ ክንደይ ከምዝበጽሑ እንዳ ዝናን-ባህታን ይፈልጡ’ምበር፡ ብቐሊሉ ዝግመት ህዝቢ’ይኮነን ኣብ ኢዶም ዝማስን ዘሎ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ዘለዉ እሱራት ብኣብነት ምንጽጻር እንተተደልዩ ድማ፡

“ካብ 100,000 ሰባት  ኣብ ኣመሪካ 760፡ ኣብ ፈረንሳይ 96፡ ኣብ ጀርመን 90፡ ኣብ ጃፓን 63፡ ናይ ቤት ማሕቡስ እሱራት’ዮም ይበሃል።” (2, 44)

ስለ’ዚ እንዳ ዝናን ባህታን ካብ ልቦም ከምዝተነስሑ ምንቲ ከብርሁ፡ እሱራቶም ብምፍታሕ  እንተጀሚሮሞ፡ ሽዑ ጉዳይ ኢንቨስትመንት እቲ ዝምልከቶ ተረባሓይ ከርክበሉ’ዩ።

ከመይ’ሲ ኢንቨስትመንት ሃገራዊ ስምዒት ወይ ድማ ናይ እሙናትን ሓፋሽ ውዱባትን ዕዮ ገዛ’ይኮነን። ናይ ሃብቲ፡ ናይ ውልቅን ናይ ረብሓን ጉዳይ ኢዩ።

ይኹን ደኣ’ምበር እንዳ ዝናን ባህታን፡ ንጠለባት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከምድላዮምን ከምባህጎምን ክጥምዝዝዎ እናፈተኑ፡ ፈቐዶ ክሳድ ተተቐልቂሎም ምንቅስቓስ ኣእጋር ኣውፈርቲ ርእሰማል ክቛምቱ ዝደፍሩ እንተኾይኖም ከምኣመሎም፡ ንጉስ ዕዳጋ በታ ዝፈልጡዋ፡ ካብ ጥቢቆኦም ሓሊፋ፡ ቆርበት-ዝባኖም ትመልጦም ዘላ ስላዕ እናራዕርዐ፡ ሽፋ’ግበረልኩም፡ ምርጫኹም እንተኾይኑ’ሲ ሃየ ሕራይ ድኽነትኩም ኣስተማቕሩ ክብሎም’ዩ። …. ንጉስ ዕዳጋ ንስሓ ዝቕበል ኮይኑ’ምበር፡ ንሕስያ’ብሉን።

ዝኾነ ኾይኑ እዛ ኩልና ኤርትራውያን ኢደ-ኢድና ተቐባቢልና ዝቐብቀብናያ’ሞ፡ ንእንዳ ዝናን ባህታን ሰማይ-ሰማይ ጸምበለል ተብል ዘላ - ባብል - በብቑሩብ ድያ ክትዘልቕ ወይስ ቶግ ኢላ’ያ ክትትኮስ እንድዒ። ምሒር ተወጢራስ፡ ለይትን ቀትርን’ያ ተዕለብጥ ዘላ።

እወ መበቆል ናይ’ዛ መዓልቦ ጨኒቑዋ ተንከራሩ ዘላ ባብል፡ ባብል ዝናን-ባህታን፡ ኣብ ታሪኽ እንተ’ልዩ፡ ሃሰስ ንምባል’ምበኣርከስ፡ እነሆ ሳልሰይቲ ዛዕባ፡

ስምብራት ትግራይ-ትሪኚ።

እዚ ድሕሪ ናጽነት ዝርአ ዘሎ ናይ ሃገርን ዜግነትን ምብራስ ከዛርብ እንተኾይኑ፡ እሞ ድማ ካብ’ዚ ህሉው ኩነታት ተበጊሱ፡

ብቐደሙ’ውን ብንግሁኡ’ሲ፡

i) ትርጉምን መቐረትን ናይ ናጽነት ሰኣልቲ፡

ii) ኣንፈትን ኣገባብን ናይ ቃልሲ ኣመምቲ፡

iii) መልክዕ ናይ ዜግነት ሃንደስቲ፡

iv) መጻኢ ዕድል ናይ ህዝቢ ሓንጸጽቲ፡

በዓል መን ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ሃሰስ ምባል ምስዝፍተን ቀሊል መልሲ ዝርከበሉ ምስጢር ኣይኮነን።

ስለዝኾነ ድማ፡ ብዘይቃልዓለም ህሉው ኩነታት ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን’ሲ ብሽፍትነት ኢሳያስ ወይ ድማ ሽፍትነት ናይ ዓዋተ ጥራይ ክምኽነየሉ ዝኽእል ኣይኮነን።

እንተስሓሚቕና እንተስተታሊልና፡ ግራትና ግራት ግብርና፡ ጎረባብትናን መወዳድርትናን እናተማስሕዎ ብወረ’ኳ ኣብ ዘይንሰምዓሉ ጉድጓድ’ዮም ዓቢጦሙና ጸኒሖም እንዳ ዝናን-ባህታን።

ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ታ ቀንዲ ዛዕባይ ክምለስ።

ስምብራት ትግራይ-ትግሪኚ።

“ኣብ መንጎ መሳፍንቲ ትግራይን መሳፍንቲ ሸዋን ብዝነበረ ሕዱር ናይ ስልጣን ውድድር፡ ብፍላይ ምስ ምስዕራር ንጉስ ምንሊክ(ሸዋ) ኣብ ልዕሊ ሃጸይ ዮውሃንስ(ትግራይ) እቲ ስልጣን ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ናብ ሸዋ’ቢሉ ዘዘየ። ንጉስ ምንሊክ ምእንቲ ረብሐኦም (ናይ ፖለቲካ አኮኖምን ወተሃደራውን) ምስጥልያንን፡ ምስ’ቶም ንነዊሕ እዋን ኣንጻር ሃጸይ ዮውሃንስ ዝዋግኡ ዝነበሩ ግብጻውያንን፡ ናይ ሱዳን ማሕዲስታውያንን፡ ብምስጢር ንዘይምጽብባእ ተሰማምዑ’ሞ፡ ሓይሎም ኣደልዲሎም ናይ ንጉሰ ነገስትነት ዘውዲ ካብ ትግራይ ናብ ሸዋ መንጢሎም ኣግዓዙዋ። (5, 41)”

“እዚ ኩነታት’ዚ ነቶም ናይ ሓበሻ መንነት መሰረት፡ ናይ ዘውድን ስልጣንን ዋንነት፡ ናይ ትግራይ ኢዩ ዝብል ሓበን ዝስምዕም ናይ እዋኑ መሳፍንቲ ትግራይ ኣይተዋሕጠሎምን(5, 44)።”

ጭራሽ …. ንጉስ ምንሊክን መሳፍንቲ ሸዋን ግዝኣትና ሸይጦሞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ግዝኣትና ንኽንጸል ኣምሓሩ፡ ከመይ’ሎም ተሰማሚዖም? ብዝብል ህልኽ ከስቆርቁሩ፡ ውሳኔታት ንጉስ ምንሊክ ብይቕረታ ዝሕለፍ ዛዕባ ኣይኮነሎምን።

“ዝገደደ’ኳ ደኣ ብዂናት ዶግዓሊ ጉንደት ጉራዕ ዝምስከር ደምና ዘፍሰስናሉ ዘሐብን ታሪኽ ዘለዎ ግዝኣትና (7, 135) ከመይሉ ብኢድ ነገስታት ሸዋ ንጥላያን ይወሃብ፡ ብምባል፡  “ራእሲ ኣሉላን ተሓጋገዝቶምን ብዛዕባ ናጻ ትግራይ ምስትንታን ጀመሩ።” (5, 45)

በዚ ኩነታት’ዚ ዘንጸርጸሩ ፖለቲከኛታት እንዳ ሃጸይ ዮውሃንስ እምበኣርከስ፡ ብተግባራት ናይ ሸዋ ፖለቲከኛታት፡ ኣዝዮም ድቃስ ሰኣኑ’ሞ፡

ሀ) ልዕሊ ኹሉ ቡቕሊ እንግሊዝ ዘለዎ፡

ለ) ቀጺሉ ድማ ሸዋ ዝገበሩና ዝብል ህልኽ ዝዓብለሎ፡ ናይ ትግራይ-ትግሪኚ ፖለቲካዊ ጥጅእ፡ ካብ ሸዋ/ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ኣንፊቶም፡ ከሳውሩ ከምዝጀመሩ ድሙቕ ታሪኽ’ዩ።

“ፖለቲካ ትግራይ ትግሪኚ፡ ስቲፈን ሎንግሪግ ዝተባህሉ ናይ ዘመን እንግሊዝ በዓል ስልጣን’ዮም (chief administrator) ጀሚሮሞ። ከም ሓሳቦምን፡ ምእንቲ ረብሐኦም ምእንቲ ረብሓ እንግሊዝን፡ ዓሌት ቋንቋ ባህሊ ፖለቲካዊ ተመሳሳልነት መንጸፍ ብምግባር፡

ሀ) ካብ ኢትዮጵያ ንኽፈለ-ሃገር ትግራይ ፈሊኻ፡

ሁ) ምስ ትግርኛ ተዛረብቲ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ኤርትራ ሓዊስካ’ሲ፡

ጥጡሕ ባይታ ዘለዋ ሃገር ምምስራት ክከኣል’ዩ፡ ክብሉ’ዮም ነዚ ዝምባለ’ዚ ዘስፈልዎ። እዞም ናይ ምምሕዳር እንግሊዝ በዓል ስልጣን፡ ነቲ ብሂሎም ኣብ እዋኑ ንትግራይ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣ ዝድግፍዎን፡ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ሰበስልጣን ከድህቡሉ ዝጀመሩ ሓሳብ’ዩ ብምባል፡ መርትዖ ይጽብጽቡ። (1, 40) (3, 23)

(WO 230/168, Longrigg to Chief Civil Affairs Officer, Civil Affairs Branch, Middle East Forces, Cairo, Asmara, 12/10/1944”  (1, 40 )

“ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም ኣምሓራ ኣሽንኳይዶ ክገዝኡኻስ ክትገዝኦም’ኳ ወዮ ኢዩ፡ በለ። ናይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ፖለቲካዊ ማሕበር መስሪቱ ከኣ ዋና ፕረሲደንት ብሙዃን መርሖ።” (7, 147)

ራእሲ ተሰማ ከም’ዚ ዘበሎም ም’ሰምሓራ ዘሕለፍዎ ፍሉይ ተመኩሮ እንተ’ልዩ፡ ንሊቃውንቲ ታሪኽ ዝግደፍ’ዩ። ምናልባት ግን ክሳብ ስግር ሩባ መረብ ኣግፍሕ ኣቢልካ፡ ብመንጽር መንፈስ ትግራይ-ትግሪኚ ክርአ ዝኽእል ኣበሃህላ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

“ፕሮግርሲቭ ፓርቲ (Liberal Progressive Party) ዓባይ ትግራይ ትበሃል፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነብሩ ትግሪኛ ተዛረብቲ ዝውንንዋ ሃገር ንምፍጣር ዝጣበቕ ውድብ፡ ብስቲፈን ሎንግሪግ ተፈጢሩ፡ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ 1947 ብወግዒ መደቡ ከሳልጥ ምንቅስቓስ ጀመረ።”

The Liberal Progressive Party that campaigned for the creation of a united Tigrai – an organization allegedly created by Stephen Longrigg – came into open air in the early months of 1947. (1, 23)

እዚ ብእንግሊዛውይን ሊበራል ፕሮግረሲቭ ፓርቲ (ኤል.ፒ.ፒ.)ብዝብል ስም ተጠሚቑ ዝተፈጥረ ውድብ፡ ቅንይ ኢሉ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ስም ብኣባላቱ ተዋህቦ። እንተኾነ ግን ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕን፡ ንእንግሊዝ ባህ ምባልን እንተዘይኮይኑ ንጹር ዕላማ ኣይነበሮን።”

(The opposition movement, which came to be known as the Separatist Movement (and later the Liberal Progressive Party or Party of Eritrea for Eritreans (1, 40) had no clear goal but was known to be anti-Ethiopian and pro-British (Trevaskis, 1960:62) (1, 28)

ዝኾነ ኾይኑ ፖለቲካ ትግራይ ትግሪኚ ወይ ድማ ፖለቲካ ኤል.ፒ.ፒ (L.P.P) ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ምስ ተራ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝተኣሳሰር’ዩ። ምኽንያቱ ኣቶ ወልደኣብ ኣብ መስመር ፖለቲካ ትግራይ-ትግሪኚ፡ መስራቲ፡ ሓንጻጺ፡ ጸሓፊ፡ መምህር ተባሂሉ ክዝከር ዝኽእል ድሙቕ ተራ ኔሩዎም’ዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ’ዛ ሓዳስ ኤርትራ፡ ምስ ናጽነት ተላጊቡ ዝንጸባረቕ ጽቡቕ ዝና ከምዘለዎም እንተዘይኮይኑ፡ ምስ’ዚ ካብ ኢትዮጵያ ምርሓቕ ጥራይ ሓላል’ዩ ብዝብል ህቦቡላ ተጨውዩ መዓልቦ ጨኒቑዎ ዘሎ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ናይ ህልኽ ጎንፊ፡ ብጊደኦም ዝገደፍዎ ስምብራት፡ እንተስ ብጉርሓት እንተስ ብፍርሓት ዕሽሽ ተባሂሉ ክሕለፍ’ዩ ተለሚዱ ዘሎ።

ከም ርኢቶይ፡ ካብ’ቶም ቀንዲ መራሕቲ ናይ ናጻ ኤርትራ፡ ካብ ወልደኣብ ክሳብ ኢሳይስ መበቆሎም ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን እንከሎ፡ ስለምንታይ ህሉው ኩነታት ናይ ኤርትራ፡ ብመንጽር ናጽነት ይኹን፡ ብመንጽር መጻኢ ዕድል፡ ከምኡ’ውን ዝምድንኡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ናብ’ዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ፡ መዓርፎ ዘይብሉ ዕንክሊል ዝመስል፡ ኢድ ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ወዲቑ ዝብል ሕቶ፡ ንግዜ ዝግደፍ’ዩ።

እንተኾነ ግን እዋን ትልወጥ’ያ ዘላ። ትጽቢት ይነውሓ’ሎ። ህዝቢ ይጸንታ’ሎ። እንዳ ዝናን-ባህታን ድማ ካብ ኢትዮጵያ እንታይ ከምዝደልዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዝደልዩ’ውን ክሳብ ሕጂ ዓቢ ምስጢር’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

እወ ብዘይቃልዓለም ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ካብ ኢትዮጵያን ካብ ህዝቢ ኤርትራን’ሲ እንታ’ዩ ትጽቢቶም?

ታሴራ ፈኸራን ጥረራን’ዩ እንተዘይተባሂሉ፡ እዛ ዘመናዊት ዓለምና “ብናይ ኣገልግሎት አኮኖሚ (service economy) ኢያ ትህነጽ ዘላ። ቀደም ኣብ ሓምሳታት ናይ ፋብሪካ ሰራሕተኛታት’ዮም ብዓብላልነት ኣብ ምዕቡል ዓለም፡ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝረኣዩ ዝነበሩ። ሎሚ ግን ካብ ናይ ስራሕ-ዓይነታት፡ 80% ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ካብ ሃገራዊ ምህርቲ (G.D.P) ናይ ኣመሪካ ድማ 80% ናይ ኣገልግሎት አኮኖሚ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።” (8, 1)

ዓንዲ ሕቖ ሃብቲ ኤርትራ’ውን፡ ናይ ኣገልግሎት አኮኖሚ’ዩ። ኣገልግሎቱ ድማ ብዘይቃልዓለም ልዕሊ ኹሉ ንኢትዮጵያ’ዩ። ስለ’ዚ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ’ቲ ባህርያዊ መሰረት ዘለዎ ታሪኻውን አኮኖምያውን ናይ ሓባር ረቛሒ እንተተረጊጹ’ዩ ንኹልና ዘርብሕ።

ብኣንጻሩ መራሕቲ ኤርትራ ከም በዓል ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካብ ኢትዮጵያ ወይ ድማ ካብ እንዳመዓለቦኦም፡ ከመ’ዓልካ ክሳብ ዘጥፍእ ርሕቀት-ምርሓቕ ስለምንታይ መሪጾም?

ብፍላይ ብዛዕባ ኣቶ ወልደኣብ፡ ነዚ ክብል ዘድፈረኒ፡  “ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ገረግሽ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ኣቶ ተድላን ኣቶ ወልደኣብን ካብ ዘርኣይዎ ምትህልላኽ፡ ኣቶ ወልደኣብ ሓድነት ብውዕል ዝብል ሓዲሽ ሓሳብ ሒዞም ይቐርቡ’ሞ፡ ኣቶ ተድላ ንምዃኑ ናይ ትውልዲ ዓድኹም ኣበይ ኢዩ? ክብሉ ይሓትዎም’ሞ፡ ኣቶ ወልደኣብ ድማ፡ ትውልደይ ኣብ ጥቓ ኣኽሱም ትርከብ፡ ዓዲ ኽልተ ትበሃል ዓዲ ኢያ በሉ። ካብኡ እሞ ትውልድኹም ኣኽሱም እንተኾይኑ ደኣ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ከመይ’ሉ’ዩ ዝምልከተኩም ክብሉ ኣቶ ተድላ ሕቶኦም ቀጸሉ። ሽዑ ኣቶ ወልደኣብ ሕርቃን ብዝተሓወሶ ስምዒታዊ ኣዘራርባ .. ኣይኮነን ኣነ ኣኽሱም ዝሃገረይ፡ ቦኽሪ ለሚን ዝሽትት ትውልደይ’ሲ፡ ካብ ናይጀርያ ዝመጽአ ጀዓሊ፡ ካብ የመን ዝመጽአ ጀበሊ’ኳ፡ ኣብ ኤርትራ ተቐሚጠ’የ ብምባል፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክዝቲ በቒዑ’ሎ፡ ኢሎም መለሱ (6, 392)።” ዝብል ታሪኽ ምሰ’ንበብኩ’የ። (ክቕጽል’ዩ።)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ።

References:-

1. Ethiopia and Eritrea The Federal Experience:  Dr Tekeste Negash

2. The Saturday Evening Post 01-02/2013

3. የኤርትራ መዘዝ - ኣምሳሉ ገብረዝጊ

4. ሳሃራ (ዲ.ቪ.ዲ)  - በረኸት ክብሮም

5. ኩርኮራ - ዘሪሁን ተሾመ

6. የኤርትራ ጉዳይ - ዘውዴ ረታ

7. ዛንታ ኤርትራ  - ፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ራካ

8. Uncommon Service - Frances Frei & Anne Morris

NB: Placebo – an intervention that has no physical effect. (ፈውሰይ ፈውሲ ዓሻ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...