ህዝቢ-ኤርትራ ንቓልሲ ደቁ ንቓልሲ’ሕዋቱ

 

ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም በብክእለቱ

ተበጅዩልዩ ገንዘቡ ሂቡ’ተላይ ህይወቱ፡

ምስ ናቶም ሰውራ ዝተወደቡ

ንጸላኢኦም ምስጢር ከይሃቡ፡

ሰራዊት ደርጊ ባሕሪ-በረኻ እንከይ ወፈረ

ዘመተ ናቱ እንከይተነግረ፡

ንናቱ ውጥን ኔሮም ዘፍሸሉ

ናብ ደጀን ሰውራ ሓያል መልእኽቲ ዘቀባብሉ፡

ዝተቐጥቀጡ ዝተረሸኑ ወይ ዝተኣስሩ

ዘደንቕ ቅያ’ቶም ዝገበሩ

ብናቶም ሞያ ዘይተዘከሩ፡

መንከ ዘይሰርሐ ንኤርትራና ባሕሪ ሕዛባ

ዓዲ ሕውነት ዓዲ መርሓባ

እንኳንዶ ሰባስ ኣድጋ ገጪባ፡

ብጻዕሪ ህዝባን መስዋእቲ ደቃን፡ ኤርትራ ናጻ ወጺኣ

ብኽቱር ሓጎስ ውኒኣ’ጥፊኣ

ኣብ ጎደናታት ህዝባ ሳዕሲዓ፡

እንተኾነ ግን ህዝባ ኣይከምቲ ባህጉን ከምቲ ትጽቢቱን

ኣይ ከም ድልየቱን ከምቲ ትምኒቱን፡

ብምስሉይ ቃሉ ቅኑዕ ዝመስል

ማዕከን ናይ ተንኮል

ህውከት ሸቐልቀል

ስእነት ሰንፈላል

ጥልመት ምትላል

ቅንኢ ስስዕቲ ዝኸፍአ ኣመል

ስኽራን ዓወልወል

ሒዙ መጺ’ዎ ዲክታተር ሳሕል፡

ብዙሕ ከይጸንሐ ነዊሕ ከይከደ

እከይ ተግባሩ’ቲ ዝገደደ

ኣብ ምሕደራኡ ዛጊት ተጋህደ፡

ዕሸላት ቆልዑት እንታይ ክበልዑ

ኢሉ ከይሓስብ ፍትሒ ረሲዑ፡

ናይ ነዊሕ ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ

ዘለዎ ዜጋ ንወዲ ዓዲ

ስራሕ ዘይከልኦ መንግስቲ ባዕዲ፡

ዲክታተር ሳሕል ከም ኦም ጸልጸሎ

ስራሕ የብልካን ኪድ ጥፋእ በሎ፡

እቲ ብመደብ ገንዘብ ዘዋህልል

ካብ ክራይ ገዛ ነጻ ክወጽእ ነዊሕ ዝጋደል

ህርኩት ህዝብና ጽቡቕ ዝባህጉ

ነቲ ሸንዳሕዳሕ ኩሉ ሓዲጉ፡

ጡጥን መርፍእን እናላገበ

ገንዘብ ብዓቕሙ ምስ ኣኻኸበ፡

ኣብ ባንክ ከይዱ ለቓሕ ሓቲቱ

ኣብ’ታ መሬቱ ሰሪሑ ቤቱ፡

ኣብ ወርሒ መጸ ወለድ ዝያዳ

ነቲ ዝኽፈል ናይ ባንኪ ዕዳ፡

ፍርቂ ሚልዮን ዕዳ ክኸፍል

‘ተዘይከፈለ ክስንዶ’ብጎልጎል

ኢሉ ኣዚዙ ጎይታ ናይ ሳሕል፡

ብዙሕ ጠሪዖም ፍትሒ ስኢኖም

ዲክታተር ሳሕል እዝኑ ዓጺሎም

ግድን ኮይንዎም ግጉይ መቕጻዕቲ ዕዳ ኸፊሎም።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...