ኣብ’ዚ እዋን’ዚ በብከባቢኡ ናይ ‘መንእሰያት’ ምጥርናፍ እናዓበየ ክኸይድ ይርአ ኣሎ። እዞም ዝጥርነፉ ዘለዉ ‘መንእሰያት’ በቲ ዝነብርሉ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ብኣረኣእያ’ውን ክፈላለዩ ግድን ኢዩ። ኣነ’ውን ንባዕለይ ኣብ መጋርያ ፖለቲካዊ ህይወት ኢየ ዓብየ። ገና’ውን ካብቲ ጽልዋ ኣይተገላገልኩን። ስለዚ ከኣ ኢየ ብዛዕባ’ዚ እንርእዮ ዘለና ምጥርናፍ ‘መንእሰያት’ ቁሩብ ክዛረብ ዝደለኩ።

ኣብ ኣርእስተይ ብመጀመርያ ዝሓለፈ ፕለተካዊ ተቓውሞን ብድሆታቱን ብዝተጾምቈ መንገዲ ከቕርቦ ኢየ። ቀጺለ “መን’ዩ መንእሰይ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ናይ ገለ ምሁራት መጽናዕቲ ብምዝማድ፣ ብዛዕባ ንእስነትን ብጽሕናን ምስ ፍሉይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምዕባለ ከዛምዶ ክፍትን ኢየ። ኣብ መወዳእታ ህልዉ ኩነታት ኢርትራዊ መንእሰይን ምስዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ግቡኣት ብምዝማድ ከጠቓልሎ ኢየ።


ኣርእስትና ፖለቲካ ኢዩ። ተግባርና’ውን ተቓውሞ። ተቓውሞ ነቲ ዘይኣመንናሉ ሕማቕ ምሕደራ።  ስለዚ ብቐዳምነት ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ንምንታይ ፖለቲካዊ ተቓውሞ? ዝብል ኢዩ። ፖለቲካዊ ተቓውሞ ብቐጥታ ምስ መሰልን ማዕርነትን ካልእ ወጽዓታትን ይተኣሳሰር። እዚ ንባዕሉ ምስቲ በትረ-ስልጣን ዝሕዝ ኣካል (መንግስቲ) ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሃገር ንኩሉ ህዝቢ ብማዕረ ዘገልግል መንግስቲ ክህሉ ከምዘይክእል ኩሉ ዝሰማማዓሉ ይመስለኒ። እቲ በትረ ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ብልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ዝተወከለን፣ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ መሰል ናይቶም ውሑዳን ዝሕሉ እንተድኣ ኮይኑ ደሞክራስያዊ ኢዩ። እዚ ክልቲኡ እንተዘይተማሊኡን መሰል ናይ ምዝራብን ምውዳብን (መሰል ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሰልፊ ክሳብ ምምስራት) እንተዘይሃልዩ ግን እቲ ኣይዓገብኩን ዝብል ኣካል ብግሁድን ብስዉርን ክንቀሳቀስ ይጅምር። እዚ ኣብቲ “ናጽነት ንምምጻእ” ዝግበር ቃልስን፣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ሕማቕ ምሕደራ ንምቕያር ዝግበር ቃልስን፣ መልክዑ ደኣ ኢዩ ዝፈላለ’ምበር፣ እቲ ክሓልፎ ዘለዎ መድረኻት ዳርጋ ተመሳሳሊ ኢዩ።


ኣብ መጀመርታ እቲ ስርዓት ነቶም ዘይዕግበቶም ከስምዑ ዝፍትኑ ወገናት፣ ብስዉርን ብታሕቲ-ታሕትን ከሕቅቖም ኢዩ ዝፍትን። እዚ ንባዕሉ ኣብቲ ህዝቢ ተወሳኺ ምጥርጣር (discontent) ስለዝፈጥር፣ እቲ ተቓውሞ እናዓበየን እናሰፍሐን ይኸይድ።ግፍዕታት ናይቲ ስርዓት ድማ በብቁሩብ ናብ ግሁድ ይልወጥ። እቲ በትረ-ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ንተግባራቱ ምኽኑይ ንምግባር ነቶም ናይ መሰል ድምጺ ዘስምዑ ወገናት “ትሕተ-ሃገራውያን፣ ፈጠርቲ ራዕዲ፣ ወገናውያን፣ ሃይማኖታውያን ወዘተ” ዝብል ስም የጠምቖም። እዚ ኣብ ኩለን ኣብዛ ዓለምና ዝተገብሩ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቃሳት ተደጋጊሙ ዝተራእየ ኢዩ። ኣብ ሃገርና’ውን ጎሊሑ ተራእዩ ኢዩ።ብኸምዚ ከኣ ኢየ መድረካት ፖለቲካዊ ተቓውሞን ግዜ ንእስነትን ምስቲ ዝሓለፍናዮ ጭቡጥ ተመክሮና ኣዛሚደ ከቕርቦ ዝፍትን ዘለኹ።


እቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገራዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ኤርትራውያን ኣብ በረኻታት ኤርትራ ምንቅስቃስ ምስ ጀመሩ፣ ስርዓት ኢትዮጵያ፣ ብናይ ውሑዳት ኣስላም ሽፍትነት ከጸልሞም ፈቲኑ። ቀጺሉ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ብኤርትራውያን ንምሕቃቑ ናይ ኮማንድስ ሓይሊ መልመሉ። ሓይሊ ናይ ኮማንድስ ኣብ ኤርትራ’ምበር ኣብ ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣይነበረን። ነቲ ብናይ ውሑዳት ኣመንቲ ምስልምና ሸፋቱ ዘጠመቖ ውልዶ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቕ ዝተመልመለ ሓይሊ ከኣ ኢዩ። እዚ ነቲ ኣብ መፋርቕ ናይ 60ታትን መጀመርያ 70ታትን ዝነበረ መድረኽ የንጸባርቕ። ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 70ታት ኣብተን ቀንዲ ከተማታትን ከባቢኤንን ባርዕ ክልብልቦ ምስጀመረ ግን “የዓረብ ቡችሎች’ የፐትሮ ዶላር ቅጥረኞች” ዝብል ስም ብምልጣፍ ነቲ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ብሃገራት ኣዕራብን ሃገራት ኣስላምን ዝተደፋፍአ’ምበር ዝኾነ ሃገራውነትን ህዝባውነትን ዘይብሉ ከምዝኮነ ገይሩ ክቕርቦ ፈቲኑ። እዚ መድረኽ’ዚ ብሓርፋፍ ኣዘራርባ ካብ 1973 – 1976 ዝነበረ እዋን የጠቃልል።


ኣብ ከባቢ 1977 ውድባት ኤርትራ ከተማታት ክቆጻጸር ምስጀመረን እቶም ዝዋግእዎ ዝነበሩ፣ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝመጹን ወይ ኣመንቲ ምስልምና ጥራይ ዘይኮኑስ ካብ ኩሎም ወገናት ኤርትራ ምዃኖም ኣብ ሰራዊቱን ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ምስተፈልጠ ግን “ተገንጣዮች” ዝብል ቅጽል ስም ሂቡዎም።

እዚ ኣብቲ ሃገር ንምምጻእ ዝተኻየደ ቃልሲ ኮይኑ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ክካየድ ዝጸንሐ’ውን ቃላቱ ደኣ’ኢዩ ዝፈላለ’ምበር ተመሳሳሊ ኢዩ። ኣብቲ መጀመርያ ነቶም “ናይ ባዕልና ሰልፊ ክንምስርት ይፈቐድልና” ዝበሉን ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ውክልና ናይ ኩሎም ወገናት ዝጠለቡን፣ “ናይ ቅያዳ ኣል ዓማ ትርፍራፍ” ኢሉዎም። ንገለ ወገናት ድማ ብስርዓት ቱራቢ ዝተመልመሉን ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ምስልምና ንምልዋጥ ዝተዓጥቁን ምዃኖም ኢዩ ከእምነና ፈቲኑ። ዳርጋ ንኩሎም ድማ ‘ብትሕቲ ሃገራውነት’ ኢዩ ከሲሱዎም። እቲ ዘይዕግበት ኣብ ህዝቢ ፈኸም ክብል ምስ ጀመረ ድማ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ፣ ‘ብኣስጋእነት እስላማዊ ጥርኑፍነት’ ከእምነና ብለይቲ ንኣመንቲ ምስልምና ጥራይ ፈልዩ ዝጨወየሉ እዋን’ውን ነይሩ ኢዩ። ‘ፕረዚደንት ኣስላማይ ክኸውንን ሕጊ ሸሪዓ ክነግስን ኢዮም ዝደልዩ’ ኢሉ ከእምነና’ውን ፈቲኑ። በዚ ድማ ብኣስጋእነት እስላማዊ ጥርኑፍነት ምድንጋጽ ናይቲ ክርስትያናዊ ወገን ከጥሪ ጽዒሩ። እቲ ሽርሕታት ግን ኣብዚ ዘብቅዕ ኣይነበረን። እቲ ዘይዕግበት ኣብ ኣፍ ደገ ቤት-ጽሕፈቱ ክኩሕኩሕ እንተጀሚሩ ድማ፣ መንነት ናይቶም ሰባት ብዘየገድስ፣ ብኩሉ ዓቅሙ እቲ ምልዕዓል ናይ ደቂ ሓንቲ ኣውራጃ ጥራይ ምዃኑን፣ ዕላምኦም ድማ “ናይ ኣውራጃኦም ልዕልና ንኸረጋግጹን ነቲ ካልእ ወገን ክጭፍልቑ ዝደልዩን ኢዮም” ክብል ጎስጒሱ። ተገንጸልቲ’ ንምባሎም ንእሽቶ ኢያ ተሪፋቶ። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክርስትያናዊ ወገን’ውን ምድንጋጽ ናይ ገለ ወገን ከረጋግጽ ፈቲኑ።

ኩሉ’ቲ ፕሮፖጋንዳ ግን ተራ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ኮማንድስ ኣብ ጎኒ ጦር-ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ኣሕዋቶም ብዙሕ ሃስያ ፈጢሮም ኢዮም። ኣብዘን ስርዓት ኢትዮጵያ ኣቃጺሉወን ዝበሃላ ዓድታትን ዝተዘምታ ከብቲ መታሕትን ኢድ ኮማንድስ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። እዚ ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሴ ኮይኑ፣ ኣብ ዘመነ ደርግ‘ውን ተመሳሳሊ ፈተነ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መፋርቕ 80ታት ስርዓት ደርግ ንህዝቢ መታሕት ኤርትራ ፈልዩ ብምዕጣቕ፣ ደቂ ከበሳ ካብ መሬት መታሕት ክወጹ ዝጠልብ ብስም ‘ቆላማ’ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኣቚሙ። እቲ ብቆላማ ዝፍለጥ፣ ደርግ ዘዕጠቖ ሓይሊ’ውን ኣብ ገለ ኣብ መታሕት ዝነበሩ ደቂ ከበሳ ሃስያ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ሰውራ ኤርትራ ንቕድሚት ደፊኡ ንመብዛሕትኡ መሬት መታሕት ክቆጻጸር ምስ ጀመረ፣ እቲ ናይ ቆላማ ዕጡቕ ኣብቲ ኲናት ሓቒቑን ተበታቲኑን ስለዝተረፈ፣ እቲ ዝገደፎ በሰላ ምስቲ ናይ ኮማንድስ ዝመጣጠን ኣይነበረን። እንተ ሳዕቤናት ናይቲ ሕጂ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ከፋፋሊ ሜላታትን ውጽኢቱን ግን ህያው ስለዝኮነ ንኩሉ ተዓዛባይ ክገድፎ መሪጸ። እቲ ዘግድስ ዝኾነ ጨቋኒ ስርዓት፣ ባዕዳዊ ይኩን ወዲ ሃገር፣ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ንምንዋሕ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከፋፋሊ ጎስጓሳት የካይድን ነቲ ዘካይዶ ጎስጎሳት ዘሰኒ ግብራዊ ስጉምትታት ይወስድን ምዃኑ ንምዝክኻር ኢዩ። ሎሚ ህዝብና ነዞም ኣብ ገዛእ ነብሱ ዝተፈጸሙ ገበናት ተመሊሱ ክርእዮምን ክመሃረሎምን ይግባእ። እምቢ ንምፍልላይ ዝብል መልሲ ምሃብ ክለምድ ኣለዎ።


እዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርኩዎ ገዛእቲ ስርዓታት ዕድሚኦም ንምንዋሕ በብመድረኹ ካብ ዝገብርዎ እከይ ተግባራት ንጣብ ማይ ካብ ባሕሪ ኢዩ። ማዕረ- ማዕረ’ዚ እቶም ንመሰል ዝቃለሱ ወገናት’ውን ቃልሶም ፍትሓውን ህዝባውን ምዃኑ ንምእማን ዝገብርዎ ቃልሲ ብመድረኻት ዝተኸፋፈለ ኢዩ። ንኣብነት ኣብቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ፣ ሸፋቱ ምዃኖም ክጉስጉስን ንምጭፍላቖም ድማ ኮማንድስን ነጨ-ለባሽን ከሰልጥን ከሎ፣ ኤርትራውያን ሃገራውያን፣ ካብ ኩሉ ወገን፣ እቲ ምንቅስቃስ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ምዃኑን፣ እቶም ኮማንድስን ኣብ ምሉእ ኤርትራ ተዘርጊሖም ዝነበሩ ነጨ-ለባሽን’ውን ግዳያት ናይቲ ስርዓት ምዃኖም ከእምኑ ሓያል መስዋእቲ ከፊሎም ኢዮም። እቲ ናይሽዑ ቃልሲ በቶም ብረት መግዛእቲ ዓጢቆም ዝነበሩ ይኹን በቶም ምእንቲ ሃገር ዝቃለሱ ዝነበሩ ወገናት፣ ህልኽ ዝተሓወሶ ቁርቁስ ስለዝነበሮ፣ ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞ ምንባሩ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዝዝክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ግን፣ ኤርትራውያን ሃገራውያን፣ ኩሉ’ኳ እንተዘይበልና ዝበዝሐ ብረት ኣንጻር መግዛእቲ ኣብ ምዕጣቕ ስለዝተዓወቱ ሃገራዊ ናጽነት ተረጋጊጹ።

እቲ ዝሓለፎ መድረኻት ግን ከመይ ይመስል? እቶም ንመትከል ሃገራዊ ናጽነት ኣሚኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ወገናት ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ በብማሕበራዊ ሓይሉ ይጉስጉሱ’ኳ እንተነበሩ፣ ኣተኩሮኦም ብቀንዱ ኣብ ተማሃሮን መንእሰያትን ዝዓዘዘ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጎስጓስ ድማ መግዛእታዊ ስርዓት ይፈጠሮ ኣብ ዝነበረ ግፍዕታትን ሜላታቱ ኣብ ምቅላዕን እምበር፣ ኣብ ሓጥያትን ጉድለታትን ናይተን ውድባት ዘተኮረ ኣይነበረን። እተን ውድባት’ውን ጽፉፋትን ሓጥያት ዘይብለንን ኣይነበራን። እኳ’ድኣ በዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ግዕዘያት ዝተሓመሳ ኢየን ነይረን።  ከምኡ ስለዝተገብረ ከኣ ኢዩ ኩሉ መንእሰይ ነነጢሩ ነናብ ዝቐርቦ ውድብ ዝተሰሊፈ። ኣብኡ ምስ ኣተወን፣ ከም ኣባል ምስ ተጸንበረንን ድማ ዝያዳ ሓይሊ ከም ዝድልባ ገይሩወን ጥራይ ዘይኮነ መስመር ናይተን ሃገራውያን ውድባት ኣብ ምትዕርራይ’ውን ዕዙዝ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ኣባል ናይ ሓንቲ ውድብ ቅድሚ ምኳኑ ግን ከጸልመንን ክዘልፈንን ዝተራእየሉ እዋን ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል። እንተ ነይሩ’ውን ኣብታ ‘ትውክለኒ ኢያ’ ዝብላ ውድብ ምስተወደበ ወይ ምስተሰለፈን ውሽጣዊ ፖለቲካ ናይታ ውድብ ምስ ቀሰመን ኢዩ። ብዛዕባ ንእስነት ንዛረብ ካብ ሃለና ግን መን’ዩ መንእሰይ ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ድማ ነዚ ክምልስ ክፍትን ኢየ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...