ማሕበርነታዊ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ

ቲ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ኰይኑ ብምስጢር እናተዋስአ  ወሳኒ ተራ ክጻወት ብጥንቃቐ ዝቖመ ሰልፊ፡ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ዝምራሕ ጸጋማዊ ሰልፊ'ዩ ኔሩ። እዚ ሰልፊ'ዚ፡ ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ "ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ (ኤ.ህ.ሰ.ሰ.)" ብዝብል ስም'ኳ ይጽዋዕ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ኣብቲ ብ1987 ዘቃንዖ ካልኣይ ጉባኤኡ "ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኤርትራ (ማ.ሰ.ኤ)" ዝብል ስም'ዩ ለዊጡ። እዚ ስም'ዚ፡ እቲ ንዕላማታቱ ብልክዕ ዘንጸባቕ ስም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ክሳብ ዝፈርስ ሒዝዎ ዝጸንሐ ስም ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባኡ ኣብ  እንረቚሓሉ ወይ እንዝትየሉ ብኣሕጽሮት "ማሕበርነታዊ ሰልፊ"  ወይ ከኣ  ብሓደ ቃል "ሰልፊ" ብምባል ክንጠቕሶ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ "ሓርነታዊ ግንባር" ዝብል ሓረግ ወይ ከኣ "ግንባር" ዝብል ቃል፡ ብሓባር ንተ.ሓ.ኤን ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዝምልከት'ኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ህ.ግ.ሓ.ኤ እንዝትየሉ ዘሎና ኣርእስቲ ግን ብፍላይ ንህ.ግ.ሓ.ኤ  ጥራይ ዝምልከት ብምዃኑ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጡ ሓዚልዎ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፊ ንምፍላይ ተጠቒምናሉ ኣሎና። ቅድሚ 1971፡ እቲ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት (ብኢሳያስ ዝምራሕ ዝነበረ ኣብ ዓላ ዝቖመ ጕጅለ)፡ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ (ካብ 1970-1971) ብዝብል ስም እውን ይጽዋዕ ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ቀንዲ ድሕሪ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምቛማ ዝተወልደ ማሕበርነታዊ ሰልፊ (ወይ ኤ.ህ.ሰ.ሰ) ክደናገር የብሉን።

ልክዕ ከምቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ እቲ ሓርነታዊ ግንባር (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ብግብሪ ዝኽተሎ ዝነበረ ስነ-ሓሳብ እውን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብምንባሩ፥ "ንምንታይ ምስጢራዊ ሰልፊ ምቓም ኣድልዩ? " ዝብል ሕቶ ምስ ዝለዓል፡ ኣማን-ብኣማን መስመሩ ዝሓለወ ሕቶ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ነዚ መስመሩ ዝሓለወ ሕቶ'ዚ ብዕገብትን ብርድየትን ንምምላስ፡ ብዝከኣል መጠን መዓስን ብመንን ከም ዝቖመ፣ ዝቖመሉ ዕላማ እንታይ ከም ዝዀነ፣ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ንጥፈታቱ ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ የሳልጥ ከም ዝነበረ፣ ከምኡ'ውን ስለ ምንታይ ብምስጢር ክንቀሳቐስ ከም ዝተደልየን  ኣነጺርካ ምግላጽን ምትንታን የድሊ።

ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ በቶም ማርክሳዊ ጽልዋ ዝነበሮም ካብ ተ.ሓ.ኤ ዝተፈልዩ መስረቲ ኣባላት ቀዳመይትን ካልኣይትን ወገናት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኣብቲ ብ1971 ኣብ ስዱሕዔላ (ደንከል) ተኣኪቦም ዘካየድዎ ምስጢራዊ ኣኼባ'ዩ ቆይሙ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ እቲ ነዞም ዝተረቚሑ መስረቲ ኣባላት ምስጢራዊ ሰልፊ ከቑሙ ዝደረኾም ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣሉታዊ ተሞክሮ ሳልሳይ ሓይሊ ኢዩ። ንሱ ድማ፡  እቲ "ዕላማታት ሳልሳይ ሓይሊ ዝፈሸለ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ሓደ መሪሕ ኰይኑ ዝኣሊ ጽኑዕ ጠርናፊ ምስጢራዊ ሰልፊ ከነቐውም ብዘይምኽኣልና 'ዩ" ዝብል ኣብ መንጎኦም ሰፊኑ ዝጸንሐ ሓባራዊ ኣረኣእያ ኢዩ። እዚ ኣረኣእያ'ዚ፡ ብመሰረቱ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ዘጋጠሞም ኣሉታዊ ተሞክሮ (ምቕንጻል) ዝመንጨወ'ኳ እንተዀነ፡ ብርግጽ ነቲ "ድሕሪ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ጕዕዞ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ካብቶም ምሳና ክቃለሱ ኣብ ግንባርና ዝተጸንበሩ ነባራት ይኹኑ ሓደስቲ ኣባላት፡ ንስነ-ሓሳብና ዝጻረር ተጻባኢ ሓይሊ ከይቅልቀል፡ ዘተኣማምን ውሕስነት ዝህበና ምስጠራዊ ሰልፊ ከነቐውም ኣለና" ዝብል ኣብ ውሽጦም ሰሪጹ ዝነበረ ናይ ስግኣትን ጥርጣረን መንፈስ ዘንጸባርቕ ኢዩ። እዚ መንፈስ'ዚ ግን ጠንቂ ዝዀኖ ታሪኻዊ መበገሲ ይሃልዎ ድኣ'ምበር፡ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘይጻወር ኣሉታዊ መንፈስ ኢዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ፍጥር ካብ ትብል ኣትሒዛ፡ ንዝዀነ ንኣከያይዳኣን ኣመሓዳድራኣን ዝተቓወመ ባእታ ይኹን ጕጅለ ከየናሕሰየት ትደቕሶ (ተጽንቶ) ዝነበረትን ገና'ውን ዘላን፡ መራሕታ በዚ ኣሉታዊ መንፈስ'ዚ ተመጪኖምን ተኸስኲሶምን ስለ ዝዓበዩ ድኣ'ምበር፡ ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ዘይተቐልዐ ስዉር ነገር ብምህላዉ ኣይኰነን። እቲ "ስነ-ሓሳባዊ መትከላት ውድብና ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት፡ ፍጹም ፈልከት ዘይንብለሉ መግለጺ መንነትና'ዩ" ዝብል ናይ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ጭርሖ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ጒሉሕ መርኣያ ናይዚ ዝተጠቕሰ መንፈስ'ዩ ኔሩ። ብርግጽ፡ ነቲ "ማሕበርነታ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘይጻወር ኣሉታዊ መንፈስ ኔርዎ" ዝብል እንምቶ ዝጻረር ወይ ዘፍርስ ፡ "ኣብቲ ጽንኩር ናይ ሞት ወይ ሕየት ኩነታት ዝተወልደ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ንከጋንፎ ዝኽእል ሓያል ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጻብኦታት ኣብ ግምት ብምእታው ብምስጢር ክንቀሳቐስ ብምውሳኑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ሰሪጹ ዝነበረ 'ናይ ስግኣትን ጥርጣረን መንፈስ' ዘንጸባርቕ'ዩ ተባሂሉ ክትርጐም ቅኑዕ ኣይኰነን" ዝብል ተቐናቓኒ ሓሳብ፡ ብዝዀነ ሸነኽ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ።  እንተዀነ፡  ምጕት ናይዚ ተቐናቓኒ ሓሳብ'ዚ ተሰማዕነት ኰነ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ጕዕዞ ታሪኹ ንዝተቐልቀሉ ንስነ-ሓሳቡ ዝብድሁ ምንቅስቓሳት ክጻውሮም እንተ ዝርአ'ዩ ኔሩ። ይኹን'ምበር፡ ኲሉ ከም ዝፈልጦ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ተ.ሓ.ኤ ብዘይፍለ፡ ኣብ ጕዕዞ ታሪኹ ኣብ ውሽጡ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘሎዎም ባእታታት ይኹኑ ጉጅለታት ተጻዊሩ ኣይተጓዕዘን። ልክዕ ከም ተ.ሓ.ኤ፡ ንዂሎም ኣብ ውሽጡ ዝተላዕሉ ንስነ-ሓሳቡ ዝቃወሙ ወይ ዝነቕፉ ውሽጣዊ ምንቅስቓሳት፡ ከም ንህላወኡ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ንዓለሙ ኣዕነውቲ ምንቅስቓሳት ብምኽሳስ፡ ብዘይንሕስያ ንብምሉኦም ብሓይሊ'ዩ ኣጽኒትዎም። ክልተ ካብቶም ብሓይሊ ዘጽነቶም ምንቅስቓሳት ንኣብነት -- ናይ 1973 ናይ መንካዕ ምንቅቓስን፡ ናይ 2001 ናይ ጉጅለ-15  ምቅንስቓስን ኢዮም።

ብዝዀነ፡  እቲ  ንመስረቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ  ምስጢራዊ ሰልፊ ንከቑሙ ዝደረኾም ውድዓዊ ረቛሒ፡  እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተገልጸ ኣሉታዊ ተሞኲሮ ሳልሳይ ሓይሊ ይኹን ድኣ'ምበር፡ ነቲ  ዘቖምዎ ምስጢራዊ ሰልፊ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ  ከም ዝምራሕ ክገብርዎ ዝደረኾም ባዕላዊ ረቛሒ፡ እቲ ኣቐዲሙ ምስ ማርክስነት ዝጸንሖም ሌላ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም መስረቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ምስ ማርክስነት ዝተላለዩ ቅድሚ ንሜዳ ምስላፎም'ኳ እንተዀነ፡ ገለ ካብቶም ጸኒሖም ዓበይቲ መራሕቲ ኰይኖም ዝወጹ መስረቲ፡ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንወጻኢ ተላኢኾም ብዝወሰድዎ ምልመላን ብዝደልብዎ ተሞኲሮን ንማርክሳዊ ኣረኣእዮም ከዕምቕዎ ዓቢ ዕድል ረኺቦም ኢዮም።  ንኣብነት፡ ኢሳያስን ኢብራሂምን ሮሞዳንን፡ በቲ ቺናን ኩባን ንተ.ሓ.ኤ ንዋታዊ ሓገዝ (ኣጽዋርን ግንዘብን) ንኽህባኣ፡ ኣቐዲማ ካብ ሓሙሽቲኣን ክፍልታት ዝዕለሙ ካድረታት ክትልእኽ ንዘቕረባላ ቅድመ-ኩነት ንምምላእ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ መሰረት፡ ናብ ክልቲኣን ማሕበርነታውያን ሃገራት ብምኻድ፡ ዝቐሰምዎ ተወሳኺ ግብራዊ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ክልሰ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ትምህርትን (ኣብ ተራ ማሕበርነታዊ ሰልፊን ኣገዳስነት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ናይ ደባይ ቅደ-ኲናትን ዘተኰረ)፡ ነቲ ምስ ማርክስነት ዝነበሮም ሌላ መሊሱ ከም ዝዓሙቕ ብምግባር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ነባሪ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም ኢዩ።

ብመሰረት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ እቲ መሰረታዊ ማሕበራዊ ለውጢ ብምምጻእ ዝምስረት "ገስጋሲ ስርዓት" (ከከም መድረኹ፡ ኣብ ፋልማይ መድረኽ ፥ "ደሞክራሲያዊ ስርዓት"፣ ኣብቲ ካልኣይ ዝለዓለ መድረኽ ከኣ፥ ማሕበርነታዊ ስርዓት) ክምስረት ዝኽእል፡ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ምስ ዝምራሕ ጥራይ ኢዩ። በዚ መሰረት'ዚ፡ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ብባህርዩ ብሓደ-ሰልፋዊ ስርዓት (single party system) ጥራይ ዝኣምን፡ ንኻልእ ስነ-ሓሳብ ፈጹሙ ዘይጻወር ማለት ዘይቅበልን ዘየፍቅድን ዓይነት ሰልፊ ኢዩ። ማሕበርነታዊ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ብምስጢር ክንቀሳቐስ ዝተገደደ ንውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታት ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ ተባሂሉ ይመኽነ ድኣ'ምበር፡ ብመትከል ብሓደ-ሰልፋዊ ስርዓት ጥራይ ብዝኣምን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ይምራሕ ስለ ዝነበረ፡ ዓይኒ ዘንቚር ሓሶት ክትሕሱ እንተዘይኰንካ፡ "ንስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘይጻወር ኣሉታዊ መንፈስ ኣይነበሮን" ኢልካ ከተመኽንየሉ ወይ ክትሽፍነሉ ከቶ ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ፡ እቲ "ድሕሪ ናጽነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ከቕውም ዘይከኣለ፡ ኣምባገነን ኢሳያስ ንመብጽዓታት ሰውራ ጠሊሙ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ስለ ዘቖመ'ዩ"፡ ዝብል ኣብ ኣሉታዊ ተራ ሓደ መራሒ ጥራይ ዘተኰረ መልሲ ክከሓድ ዘይከኣል ግሁድ ሓቂ'ካ እንተዀነ፡ ዝተማልአን ዘዕግብን መልሲ ግን ኣይኰነን። ምኽነያቱ፡ እቲ ንኣምባገነን ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብምቛም፡ ነቲ ዝነበሮ ድጉል ሕልሚ ገሊሁ ናብ ክዉን ሓቂ ክልውጦ ዝሓገዞን ዘኽኣሎን፡ እቲ ንሓቀኛ ውልቃዊ ባህርዩ ዘንጸባርቕ ኣምባገነናዊ ተግባራቱ ጥራይ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ብዓቢኡን ብቐንዱን እቲ ሓብሒቡን መጪኑን ዘዕበዮ ሓርነታዊ ግንባር ኰነ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ውልድ ካብ ዝብል ኣትሒዙ ናብ ውልቀ-ምልኪ ብዘምርሕ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ዘይደሞክራሲያዊ ምልካዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራን ይምራሕን ይመሓደርን ስለ ዝነበረ ኢዩ። "ዘይዘራእካዮ ኣይዕጸድን" ከም ዝበሃል፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ኣምባገነን ኢሳያስ ዘቖሞ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ፈልሱ ድሕሪ ናጽነት ተተኸሉ ብቛሕሰም ኣብ እዋን ናጸነት ዝበቖለ ዘይኰነ፡ ፈልሱ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተተኸሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት እናተዀስኰሰ  ቦቒሉ፡ ድሕሪ ናጽነት ንዓጺድ ዝበጽሐ ኢዩ። ንዓጺድ ዝበጽሐ ዘራእቲ ከምቲ ዝድለኻዮ ምስ ዘይከውን፡ ናብቲ ዝደለኻዮ ዓይነት ክልወጥ ይከኣልዶ? ንምዃኑ፡ ዝደለኻዮ ዓይነት ዘራእቲ ብዘይምርካብካ ብሓላፍነት ክሕተት ዘሎዎ መን ኢዩ? ጉድለቱኸ ኣብ ምንታይ'ዩ ዝርከብ? -- ኣብ ኣፈላልስኡ? ኣብ ኣተኻኽልኡ? ኣብ ኣኰሳዂስኡ? ኣብ ኣበቓቕልኡ?  ወይስ ኣብ ዓጻዲኡ?

ብመሰረት ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ከም ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ዘሰላሰል ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ናብ ክልቲኡ ሽቶታቱ (ምጕንጻፍ ናጽነትን ምህናጽ ማሕበርነትን) ብውሕስነት ክበጽሕ ዝኽእል፡ ማርክስነት ብዝእምነቱ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ምስ ዝምራሕ ጥራይ ኢዩ። መሪሕ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ከከም ኲነታቱ ወይ ብጋህዲ ወይ ብስዉር ተጠርኒፉ ክቃልስ ይኽእል ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ እቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ብማርክስነት ከም ዝምራሕ ብጋህዲ ኣዊጁ መንነቱ ከፍልጥ ናይ ውሽጥን ናይ ውጻእን ኩነታቱ ዘየፍቅደሉ ምስ ዝኸውን፡ ከም ኣድላይነቱ  ግሉጽ ዘይኰነ መጸውዒ ኣስማት ብምሓዝ ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ ከየነጸረ ብምስጢር ሰልፋዊ ንጥፈታቱ ከካይድ ይኽእል ኢዩ። በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ነቲ ብዕሊ ብ1971 ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር እናተዋስአ ንክልቲኡ ቃልስታት -- ነቲ ናጽነት ንምጕንጻፍ ዝካየድ ሓርነታዊ ቃልስን ነቲ ማሕበርነት ንምህናጽ ዝካየድ ማሕበራዊ ሰውራን -- ብምምራሕ ወሳኒ ተራ ክጻወት ብጥንቃቐ ዘቖሞ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ብሰንኪ'ቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ናይ ከባቢና ሓገዝቱ ሃገራትን ብርቱዕ  ተቓውሞን ተነጽሎን ክገጥሞ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡  ነቲ ሰልፊ ምስጢራዊ ክኸውን ኣብ ርእሲ ምውሳኑ፡ መጸውዒ ስሙ ቆላሕታ ዘይስሕብ ከም ዝኸውን ንምግባር "ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ" (ኤ.ህ.ሰ.ሰ) ኢሉ'ዩ ሰምይዎ። ኣቐድም ኣቢሉ ከም ዝተጠቕሰ፡ እዚ ሰልፊ'ዚ "ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኤርትራ" ብዝብል ስም ተሰምዩ ብንጹር "ማሕበርነታዊ ሰልፊ" ምዃኑ ዝነግር ስም ዝሓዘ፡ ጸኒሑ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ምስ በጽሐ ማለት ኣብቲ ብ1987 ዘካየዶ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ ጥራይ ኢዩ። ማሕበርነታዊ ሰልፊ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ መወዳእታ 1989 ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ከም ዝዝሕተልን  ጸኒሒ ኸኣ ከም ዝቕህምን'ዩ ተጌሩ። ኣብቲ ብ1994 ድሕረ ናጽነት ዝተጋብአ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ (ግንባር) ኸኣ ብዕሊ ንኣባላት ሰልፊ ከይተሓበረ ከም ዝፈረሰ ተነጊሩ።  ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንምንታይ ኣብ ድሮ ናጽነት ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ከም ዝዝሕትልን ዝቕህምን ተጌሩ? ንምንታይከ ብዘይ ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን ንኣባላት ሰልፊ ከይተነግረ ብሃንደበት ከም ዝፈረሰ ኣብ ሳይሳይ ውድባዊ ጉባኤ (ግንባር) ተገሊጹ? ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ፡  ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ብኢደ-ወነኑ ነቲ ሰልፍን ነቲ ግንባርን ከፍርሶ እንከሎ ተቓውሞ ዘይገጠሞ፡ ተጋባእቲ ጉባኤ  -- ተራን ሓለፍትን -- ብሕርዚ ውልቀ-ኣምልኾ ኣምባገነን ኢሳያስ ስለ ዝዓንዘዙ ድዩ? ወይስ ብዘይግብራዊ  ሃንቀውታ ገነታዊ ሕብረተሰብ ( ናይ ሰብ -ብሰብ  ምዝመዛ ዘይብሉ  ማሕበርነታዊ ስርዓት) ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣስወንዊኖም ስለ ዝዓወኑ ኢዩ? ድሕሪ ምፍራስ ሰልፍን ግንባርን ተጠርኒፎም ዝቃልስሉ ባይታ ከም ዝስእኑን ብውልቀ-መላኽን ሰዓብቱን  ብቐሊሉ ክጥቅዑ ከም ዝኽእሉን ንምግንዛቡ እንታይ'ዩ ሓርቢትዎም?  -- ክቱር እምነት ውድብ? ረዚን ሕድሪ ሃገር? ወይስ ዕዉር ፍቕሪ  ኣምባገነን ኢሳይስ?

ቅድሚ ነዞም ኣገደስቲ እዋናውያን ሕቶታት ምምላስና ግን፡ ነቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝጻወቶ ዝነበረ ወሳኒ ተራ ብምግቡእ ንምርዳእ፡ እስከ ቀጺልና ቅድሚ ምፍራሱ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር እንታይ ዓይነት ተራ ከም ዝነበሮ፣ ሰልፋዊ ምምሕዳራዊ ቅርጹ እንታይ ዝመስል ከም ዝነበረ፣ ፍሉይ ሰልፋዊ ዕላማታቱ እንታይ ከም ዝነበረ፣ ከምኡ'ውን ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ ሰልፋዊ ንጥፈታቱ ምስቲ ግንባራዊ ንጥፈታት ብምውህሃድ የሳልጥ ከም ዝነበረ ዘርዘርና ንመልከቶ።

ዕላማ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከምቲ ስሙ ዝሕበሮ ምህናጽ ማሕበርነታዊ ሕብረተሰብ ኢዩ። ብኣረኣእያ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ ማሕበርነታዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝከኣል ኩሉ'ቲ ማሕበርነታዊ ስርዓት ንምህናጽ  ዘድሊ ቅድመ-ኩነት (ንኣብነት፡ ምህናጽ ኣዝዩ ምዕቡልን ብልጹግን ቊጠባ) ምስ ዝማላእ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ መስርሕ ምህናጽ ማሕበርነት ክልተ መድረኻት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብቲ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ዝተሰምየ ቀዳማይ መድረኽ፡ እቲ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ  ጥራይ ዝቐውም ውልቀ-ሰልፋዊ ስርዓት፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብምቛም ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ መዳያት  ናብቲ ዝቕጸል ማሕበርነት ዝምስረተሉ ካልኣይ መድረኽ ንምስግጋር ዘድሊ ቅድመ-ኩነት'ዩ ዘማልእ። ብመሰረት ማርክስነት፡ ማሕበርነታዊ ስርዓት ደርብታት ዘይብሉ ሕበረተሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ምንጪ ናይ ሰብ ብሰብ ምዝመዛ ዝበሃል ብሕታዊ ዋንነት ንብረትብጎነጻዊ ደርባዊ ቃልሲ ብዝካየድ ማሕበርነታዊ ሰውራ ኲሉ'ቲ ብብሕቲ ዝውነን ዝንበረ ንብረት ከም ዝህገር ወይ ዝምሕበር ተጌሩ፡ ብመንግስቲ ብዝማሓደር ሓባራዊ ዋንነት ንብረት'ዩ ዝትካእ። ስለዚ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እተሰላስል ሃገር፡ ዕላማ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ነቲ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ብምምራሕ፡ ሃገራዊ ናጽነት ምጕንጻፍን ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምቛምን ኢዩ። እዚ ዕላማ'ዚ፡ እቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ብሃገር ደረጃ ክትግብሮ ዝቃለሰሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብትሕዝቶኡ ኰነ መንፈሱ ኸኣ ካብቲ ዕላማታት ናይቲ ግንባር ዝፍለ ኣይኰነን። ዕላማታት ናይቲ ሰልፊ ካብቲ ዕላማታት ናይቲ ግንባር ዘይፍለ ካብ ኰነ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሰልፊ ድኣ እንታይ ካልእ ካብዚ ዝፍለ ዕማም ኔርዎ? ንምንታይከ ንዕማማቱ ብምስጢር እናተዋስአ ክዓሞ መሪጹ? ወይ ብኻልእ ንጽር ዝበለ ኣበሃህላ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ

ንምንታይ ክልተ ተደራራቢ ኣገባብ ኣሰራርሓ (ጉሁድ ግንባራውን ሕቡእ ሰልፋውን) ጎኒ-ንጎኒ ክህሉ ተደልዩን ተፈቒዱን?  እዚ ክልተ ተደራራቢ ዝዀነ ኣገባብ ኣሰራርሓ'ዚ፡ ኣብ ኣመሓዳድራን ኣተኣላልያን ናይቲ ውድብ  እንታይ ዓይነት ኣዎንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናት ኔርዎ? ኣዎንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱኸ  ንመጻኢ (ኣብ ድሕሪ ናጽነት) ዝገደፎ  ኣሉታዊ ሓድጊ ኣሎዶ?

ቅድሚ ነቲ ካልእ ዘልዓልናዮ ሕቶታት ምምላስና፡ "እቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግንባር እንታይ ፍሉይ ዕማማት ኔርዎ?" ንዝብል ሕቶ ምስ እንምልስ፡ ዕማማቱ  ብኣውራኡ ኣብዞም ዝስዕቡ  ሓሙሽተ ነጥብታት ተጸሚቑ ክግለጽ ይከእል ኢዩ፦

ቀዳማይ፡ ኣብ ውሽጢ ግንባር ብዝዀነ ባእታ ይኹን ጉጅለ ንዝለዓል ንስነ-ሓሳብን መደባትን መምርሕታትን ውድብ፡  ወይ ከኣ  ንኣተኣላልያን ኣመራርሓን ኣፈጻጽማን መራሕቲ ዝቃወምን ዝነቅፍን ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ተቓውሞኡ ኰነ ነቐፌትኡ ንምእራም ዝነቐለ ይኹን ኣይኹን፡ ከምኡ'ውን ጽልዋኡ ኰነ ተቐባልነቱ ሰፊሕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ብቐረባ ተኸታቲልካ ሓበሬታ ንዝልምከቶ ኣካል ብኡንብኡ ብምምሕልላፍ፡ ብዕሸሉን ብኣግኡን ንምድቋስ ኣድላዪ  ስጉምቲ ከም ዝውሰዶ ምግባር፣

ካልኣይ፡ ህላወን ቀጻልነትን ውድብ ንምርግጋጽ፡ ኣባላት  ግንባር ኣሰርካ ስዒቦም  ንመደባትን መርምርሕታትን ግንባር ብኣድማዕነት ኣብ ግብሪ ከም ዘውዕሎዎ ንምግባር፡ ብሓፈሻ ኣብ ኲሉ መዳያት ብፍላይ ከኣ ኣብ ወተሃደራዊ ኲናትን ማእቶታዊ ስራሕን ማሕበራዊ ናብራን፡ ኣርኣያን ኣብነትን ኰንካ ብተወፋይነትን ተበግሶን ትግሃትን ምምራሕ፣

ሳልሳይ፡ኣብ መንጎ ኣባላት ግንባር ብማርከሳዊ ስነ-ሓሳብ መሰረት፡ ጽኑዕ ስነ-ሓሳባዊ ሓድነት ንምፍጣርን ንኣባልነት ሰልፊ ሕጹያት ዝዀኑ ብቑዓት ካድረታት ንምምልማልን ከምኡ'ውን ብዘይምውልዋል ንፖለቲካዊ መርገጻትን መትከላትን ውድብ ከም ዝቕበልዎን ከም ዝድግፍዎን ንምግባር፡ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ጐስጓስ ምክያድ ፣

ራብዓይ፡ ንስነ-ሓሳባዊ መትከላት ሰልፍን ግንባርን ዝጻረር፡ "ድሑር ወገናዊ ዝንባለታትን" (ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወይ ከኣ ኣውራጃዊ) "ዘይሰውራዊ ውልቃዊ ጠባያትን" (መስፍናውን ርእሰማላውን ባህርያት) ንዘለዎም ኣባላት ግንባር ብሕቡእ እናሰለኻ ብምዕዛብን ምክትታልን ምጽናዕን ኣለሊኻን መሚኻን፡ ነቶም ኣስጋእቲ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ከይጥርነፉን ሰዓብቲ ከይጥርዩን ናብ ሓድሽ ቦታታት ብምምዳብ ከም ዝበታተኑ ምግባር (ነቶምኣዝዮም ዘስግኡኻ ኸኣ ምቕንጻል)፣ ከምኡ'ውን

ሓምሻይ፡ ዓብላልነት ሰልፊ ንምውሓስ፡ ሓለፍቲ ግንባርን ወኪላት ጉባኤን ብዝከኣል መጠን ብምልኦም እንተ ዘይተኻእለ ኸኣ ዳርጋ ኲሎም ኣባላት ሰልፊ ከም ዝዀኑ ብምግባር፡ መሪሕነት ግንባር (ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈትን) ካብ ኢድ መሪሕነት ሰልፍን  ኣባላት ሰልፍን ንኸይወጽእ ምርግጋጽ።

ካብዚ ክዝርዘር ዝጸንሐ ሓሙሽተ ዕማማት ክርዳእ ከም ዝከኣል፡ ማሕበርነታዊ ሰልፈ ዝቖመሉን ምስጥራዊ ዝዀነሉን ምኽነያት፡ ብኣውራኡ  ኣብ ውሽጢ ኣባላት ግንባር ኰንካ ብስዉር ንዂሉ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ብምስላይ፡ ንዝኣከብካዮ ሓበሬታታት ኣብ ምስጢራዊ ሰልፋዊ ኣኼባታት ብምቕራብ፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ግንባር ንዝለዓል ንስነ-ሓሳብ ወይ መሪሕነት ናይቲ ግንባር ዝቃወም ወይ ዝነቅፍ ዝዀነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ብግስ ከይበለ እንከሎ ብቐረባ ተኸታቲልካ ከይዓበየን  ከይሓየለን ከም ዝምህምንን ከም ዝቕህምን ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ። መሪሕነት ግንባር፡ ኣብ ውሽጢ ግንባር ንዝለዓል ናይ ተቓዎሞ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ብግንባር ደረጃ ብጋህዲ ንኽቃልሶ ዝዓግቶ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ኰይኑ ዘይተጸበዮ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከየኸትለሉ  ብቕጽበት ኣድላዪ ስጉምቲ ወሲዱ ከም ዘሰንፎ ውሕስነት ክረክብ ዝኽእል፡ ብስዉር ተኸታቲሉ ኣቐዲሙ መን ከም ዘበገሶን፡ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑን፡ ቀንዲ ሓይሉ ኣበይ ከም ዝርከብን፡ ከምኡ'ውን እንታይ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ከም ዝኽተልን ብደቂቕ ብዓንቶብኡ ምስ ዝፈልጥ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ንምንታይ ክልተ ተደራራቢ ኣገባብ ኣሰራርሓ -- ግንባራዊን ሰልፋውን-- ክህሉ ከም ዝተደልየ ብግቡእ ንምግንዛብ ዝከኣል፡ እቲ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡  መሪሕነት ግንባር ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ኢዱ ንኸይወጽእ ዘተኣማምን ውሕስነት ንኽረክብ ዝመሃዞ ፖለቲካዊ መሳርሒ ወይ ተወሳኺ ናይ መቃልሲ መድረኽ ምዃኑ ምስ እተስተውዕለሉ ጥራይ ኢዩ።ምኽንያቱ፡ ንኣድላይነት ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንምምኽናይ፡ ናይ ሓዋሩ ዕላምኡ ምህናጽ ማሕበርነት ምዃኑ ከይሓብአ ዘፍለጠ ከም ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝኣመሰለ "ገስጋሲ" እየ ዝብል "ጸጋማዊ" ውድብ፡ ብዓወት ናብ ሸቶኡ ክበጽሕ ዝኽእል "ሓርነታዊ ቃልሲ ብማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብዝመራሕ ማሕበርነታዊ ሰልፊ  ምስ ዝምራሕ ጥራይ'ዩ" ዝብል ምጕት'ዩ ዘቕርብ።

ይኹን'ምበር፡ እቶም ነዚ ምጕት'ዚ ኣልዒሎም ንኣድላይነት ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንምምኽናይ ዝጣበቑ ወገናት፡ እቶም ገስገስቲ ኢና በሃልቲ መስረትን ወነንትን ከምኡ'ውን ኣካየድትን ኣመሓደርትን መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ (ከምኡ'ውን ናይቲ ግንባር) ኢዮም። እዞም ወገናት እዚኣቶም፡ ንምጕቶም ንምድጋፍ፥ "ማሕበርነታዊ ሰልፊ በቶም ንክመርሑ ዝለዓለ ብቕዓት ዘሎዎም ዝበለጹ ኣባላት ሕበረተሰብ ዝቖመ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንክመርሕ ፖለቲካዊ ዓቕምን ክእለትን ፍልጠትን  ዘሎዎ መተካእታ ዘይርከቦ ፍቱን ፖለቲካዊ ሰልፊ ንሱ ጥራይ ኢዩ" እናበሉ'ዮም ዝምድሩን ዝጣበቑን። ነዞም "ፍሉያት ፍጡራት" ኰይኑ ዝስምዕም መራሕቲ፡ ኣባላት ማሕበርነታዊ ሰልፊ እቲ ንሳቶም ዝብልዎን ዝኣምንዎን ብዘየገድስ፡ ነንሓድሕዶም ብምስጢር ተመራሪጾም፡ ብህዝቢ ከይተወከሉን ከይተመረጹን ብርኡይ ሸፈጥ ባዕላቶም መራሕቲ ህዝቢ ኰይኖም፡  ብዘይገለ ዓይነ ሕፍረት --  "እቶም ዝለዓለ ብቕዓት ዘሎዎም ዝበለጹ ኣባላት ሕብረተሰብ ንሕና ኢና"  ዝብሉ ርእሰ-ወደስቲ ተበለጽትን ርእሰ-ኣጠበርቲ ጐሓላሉን ዶ ኣይኰኑን?  ዝብል በዳሂ ሕቶ ምስ  እተቕርበሎም፡  እቲ ነዚ በዳሂ ሕቶ'ዚ ንምምላስ ዘቕርብዎ መልሲ ወይ ምስምስ፡ "ኣባላት ሰልፊ ደርባዊ መበቆሎም ከዲዖም፡ በቲ ንውጹዓት ደርብታት (ሓፋሽ) ዝውክል ስነ-ሓሳብ (ማርክስነት) ብልቢ ብምእማን፡ ማሕበርነት ንምትካል ብጽንዓት ዝቃልሱ ካብ ዝዀነ ኣባል ግንባር ንላዕሊ፡ ብዝያዳ ትጉሃትን ውፉያትን ንቑሓትን ዝዀኑ "ሰውራውያን" ኢዮም" ዝብል ኢዩ። እዞም በቲ ንሓፋሽ ዝውክል ስነ-ሓሳብ ስለ ንኣምን፡ ናትና ሰልፊ ጥራይ'ዩ ክመርሕ ዘለዎ ብምባል፡ መንግስታዊ ፖለትካዊ ስልጣን ንምሓዝን ንምብሓትን ዝዕላምኦም "ፍሉያት ፍጡራት"፡ ነቲ ምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዘቖምዎ፡ ከምኡ'ውን  ነቲ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ከም መምርሒኦም ዝመረጽዎ፡  ብሓቂ  ነቲ "ሓፋሽ" ዝሰመይዎ ንምርባሕ ብመትከል ዝቃለሱ "ሰውራውያን" ስለ ዝዀኑ ዘይኰነ፡ ነቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊን ነቲ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ከም መጥረነፍን መለዓዓልን  ተጠቒምካ፡ ብህዝቢ ከይተመርጽካን ከይተወከልካን መንግስታዊ ስልጣን ንምሓዝ ኢዩ። ብሳዕቤን'ዚ፡ እቶም መራሕቲ ነቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኰነ ነቲ ሓርነታዊ ግንባር ናብ ስልጣን ንምድያብ ከም መሳልል'ዮም ዝጥቀምሉ ኔሮም እንተተባህለ፡  ድሕሪ ናጽነት ብተግባሮም  ዘረጋገጽዎ  ዘይማትእ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ንሓቅነት ናይዚ  ታሪኻዊ ተርእዮ'ዚ  ዘመስክር ክትሃድመሉ ዘይትኽእል መርትዖ ኢዩ።

ንስልጣን መራሕቲ ሰልፊ፡ ምስ ስልጣን መራሕቲ ግንባር ብምንጽጻር ምስ እትመዝኖ፡ እቶም ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም መራሕቲ ሰልፊ ስለ ዝዀኑ፡ ሰልፋዊ ንጥፈታት ብታሕተዎት መራሕቲ ግንባር ከይዕንቀፍ ብቐጥታ ብኣባላት መሪሕነት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት'ዩ ዝእለ ኔሩ። ኲሉ ሰልፋዊ ንጥፈታት ክዕወት እንተዀይኑ፡ ብኣባላት ግንባር ከይተፈልጠን ከይተጠርጠረን ክካየድ ስለ ዝነበሮ፡ ብምልኡ ኣቐዲምካ ዝጥዕም ግዜን ቦታን ብምጽናዕ ብልዑል ጥንቃቐን ጽኑዕ (ጥብቂ) ምስጥራውነትን'ዩ (መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሌባ ሰላሕ ኢልካ ብከውታ ለይቲ) ዝሰላሰል ኔሩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይቲ ሰልፊ ካብቲ ናይቲ ግንባር ኣይፈለ ድኣ'ምበር፡ ታሕተዋይ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይቲ ሰልፊ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ዝተወደበ'ዩ ኔሩ። ዝነኣሰ ኣሃዱ ናይቲ ሰልፊ፡ እቲ ሰለስተ ዝኣባላቱ ዋህዮ ከይኑ እቲ ብልዕሉኡ ዝርከብ ጨንፈር ከኣ ብወገኑ ብሰለስተ ዋህዮታት ብዝቖሙ ሰለስተ ንኡስ- ጨናፍራት ዝቖመ'ዩ ኔሩ። ከም ኣድላይነቱ ጨንፈር ንባዕሉ  በብሰለስተ  ኣብ ትሕቲ ንኡስ ዞባ፡ ንኡስ ዞብ እውን ከምኡ በብሰለስተ ኣብ ትሕቲ ዞባ ዝተጠርነፈ'ዩ ኔሩ። እቲ ናይ ዞባ ሓላፍነት ወሲዱ ዝመርሕ ዝነበረ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰልፊ ኢዩ። ዋህዮታት ሰልፊ ኣብ ክፍልታትን ሓይልታትን ከምኡ'ውን ሓፋሽ ውድባትን ተዋፊረን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ከም ናይ ስላያ ትካል ኰይነን ብቐረባ ንናይ ነፍስወከፍ ኣባል ግንባርን ኣባላት ሓፋሽ ውድባትን ዕለታዊ ምንቅስቓስ ብምክትታል፡ ሓበሬታታት ዝእክባን ዘመሓላልፋን ዝነበራ ዝነጠፋ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ኢየን። ነቲ ዝጻወትኦ ዝነበራ ወሳነ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እድን እግርን  ጥራይ ዘይኰነ፡  እንተላይ እዝንን ዓይንን ናይቲ ሰልፊ እየን ኔረን እንተተባህለ፡ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ዕማም ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ዋህዮ፡ ኣብቲ በብግዜኡ ዝካየድ ምስጥራዊ ኣኼባ ሰልፊ፡ ኣብ ኣሃድኡ ናይ ዘሎዉ ኣባላት ግንባር ዝርዝራዊ ጸብጻብ ምቕራብ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዘቕርቦ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ዘተኲረሉ ነገራት፥ ዘይንቡር ማለት ዘጠርጥር ፖለቲካዊ ምጥርናፍ፣ ንውድባዊ መትከላት (ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ) ዝጻረር ኣረኣእያታት፣ ኣብ ወገናዊ ዝንባለታት (ንኣብነት፡ ሃይማኖታዊ ወይ ብሄራዊ) ዝተመርኰሰ ምጥርናፍ፣ ንኣባላት መሪሕነት ግንባር ዘነውር ዘለፋታት፣ ኣብ ዕላል፡ ጸወታ፡ ዋዛ፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ውግእ፡ ወዘተ. ዝንጸባረቕ ኣሉታዊ ጠባያት (ንመስፍናዊ ወይ ርእሰማላዊ ባህልታት ዘድንፍዕ)፣ ከምኡ'ውን ንናይ ምግዳል መንፈስ ዘዳኽም ስምዒታት ዝኣመሰሉ "ዘይሰውራዊ ባህርያት" ኢዮም።

ብመሰረት መምርሕታታት ሰልፊ፡ ኣባላት ግንባር በቶም ከም ሰላዪ ብዘይምቊራጽ ዝከታተልዎም ካብኣቶም ብዝዀነ መንገዲ ዘይሕሹን ዘይበልጹን ኣብ ኣሃድኦም ምስኦም ዝንበሩ ብኣባላት ሰልፊ መቃልስቶም'ዮም ዝግምገሙን ዝፍረዱን ኔሮም። ነገራቱ ይትርፍ ንኽትኣምኖ፡ ንኽትጸውዮ'ውን ዘስደምም ኢዩ። ብዝዀነ፡  ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ንዓኣቶም (ብጾቶም ኣባላት ግንባር) ፍጹም ከይተወከሱን ከይፈለጡን ብሕቡእ ዘካይድዎ ሰልፋዊ ኣኼባታት፡ ይዋኣት ኣባላት ግንባር  ብመሰረት ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ተገምጊሞም፡ ኣብ ሽድሽተ ምድባት ተኸፋፊሎም ኢዮም ዝምደቡ። ሰለስተ ካብቶም ምድባት ነቶም ደሞክራሰያውያን ተባሂሎም ዝተገምገሙ ዝምልከቱ ክዀኑ እንከሎዉ፡ እቶም ዝተረፉ ሰልስተ ምድባት ከኣ ነቶም ኣድሓርሓርቲ (ዘይደሞክራሲያውያን) ተባሂሎም ዝተመደቡ ዝምልከቱ ኢዮም። ንሳቶም ከኣ ከከም ደረጃ ደሞክራሲያውነቶም ካብቲ ዝላዓለ ጽፍሒ ክሳብ'ቲ ዝተሓተ ጽፍሒ ከምዚ ዝስዕቡ'ዮ ኔሮም፥ (1) ንጡፍ ደሞክራሲያዊ፣ (2) ልኡም ደሞክራሲያዊ፣ (3) ተጐታቲ ደሞክራሲያዊ፣ (4) ንጡፍ ዝምቡል፣ (5) ድጉል ዝንቡል፣ ከምኡ'ውን (6) ተጐታቲ ዝንቡል። እቶም ንኣባልት ሰልፊ ዝሕጸዩ፡ እቶም ብቐጻሊ ከም ንጡፋት ደሞክራሲያውያን ዝተገምገሙ ክዀኑ እንከሎው፡ ብኣንጻሩ ኸኣ፡ እቶም ከም ጸረ-ሰውራ ተቖጺሮም ብዓይኒ ጠርጠራ እናተራእዩ ደቂቕ ምክትታል ክግበረሎም ዝተፈርዱ፡ እቶም ንጡፋት ዝንቡላት ተባሂሎም ዝተመደቡ ኢዮም። እቶም ኣብዚ ምድብ'ዚ፡  ብደረጃ ደሞክራሲያውነቶም ልኡማት ወይ ድጉላት ተባሂሎም ተመዲኦም ዘሎዉ፡ ሓቀኛ ባህርዮም ዘየርኣዩ ወይ ንምግላጾም ዘጸገሙ ኢዮም። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ብደረጃ ደሞክራሲያውነቶም ተጐተቲ ተባሂሎም ተመዲቦም ዘሎዉ፡ ዝዀነ ካብኣቶም ልዕል ዝበለ ፖለቲካዊ  ንቕሓት ዘሎዎ ባእታ ብቐሊሉ ናብ ዝንባለኡ ከስልሎም (ክኸስቦም) ዝኽእሉ ተባሂሎም ዝተመደቡ ኢዮም።

እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ሽድሽተ ምድባት ብግልጺ፡ መሪሕነት ግንባር ነቲ ምስጥራዊ ሰልፊ  ኣብ መንጎ ኣባላት ግንባር ንዝኽተልዎ ዝነበሩ ስነ-ሓሳብን ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ኣገባብ ኣመሓዳድራን ዝቃወም ወይ ዝነቅፍ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንኸይለዓል፡ ብቐረባን ብደቂቕን ንምክትታል ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ብጭቡጥ ዘረድእ መረዳእታ ኢዩ። ንኣድላይነት ናይቲ ብኣባላት ሰልፊ ዝከየድ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ኣባላት ግንባር ብዝምልከት፡ ንኣባላት መሪሕነት ግንባር "ንምንታይ ኣባላት ግንባር ከይፈለጡ ብሕቡእ ደሞክራሲያውነቶም ብኣባላት ሰልፊ ይግምገም ኔሩ? ንኣባላት ሰልፊ ኰነ መሪሕነት ሰልፊ (መሪሕነት ግንባር) ነዚ ዕማም'ዚ ንኽዓሙ መን ስልጣን ሂብዎም? ኣባላት ግንባር ብእምነት ግቡኦም እናፈጸሙ፡  ከይፈለጡ ብሕቡእ ብዝኣመንዎም መቃልስቶም ኣባላት ሰልፍን ብእምነት ዘንበርሉ መሪሕነትን  ክግምገሙን ክፍርዱን  እንከሎዉ፡ ብደውካ ሞት ወይ ከኣ ብህይወትካ ምሻጥዶ ኣይኰነን? ዝብል ክትሃድመሉ ዘይትኽእል ኣዋጣሪ ሕቶታት ምስ እተቕርበሎም፡ መእተወኦም ጨኒቕዎምን ነብሶም ከድሕኑ ወይ ኢዶም ክሓጽቡ ዝህብዎ መልሲ (ምስምስ) እንተልዮ፡ ከምዚ ዝስዕብ ማይ ዘየዕቊር መልሲ ኢዩ፥ "ዕላማና ናይ ሰብ ብሰብ  ምዝመዛ ዘይብሉ ማሕበነታዊ ሕብረተሰብ  ምህናጽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ናብዚ ዕላማ'ዚ እንበጽሕ በቲ ከይተሓለልና እነካይዶ ማሕበራዊ ሰውራ ኢዩ።  ማሕበራዊ ሰውራ ዝካየድ  ከኣ በቲ ኣንጻር ኣድሓርሓርቲ ባእታታት ብቐጻልነት ዝሰላሰስል ደርባዊ ቃልሲ ስለ ዝዀነ፡ ዕላማ ናይቲ ብኣባላት ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዝግበር ዝነበረ ፖለቲካዊ ገምገጋም ኣባላት ግንባር፡ ንኣድሓርሓርቲ ባእታታት ዓቢ ዕንወት ከየውረዱልካ ኣቐዲምካ መሚኻ ብምውጻእ ብደርባዊ ቃልሲ ከም ዝውገዱ ንምግባር ኢዩ" ዝብል ኢዩ። እዚ ምስምስ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሰልፊ ዝግበር ዝነበረ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምኽዋል ዝቐርብ ወግዓዊ መልሲ ይኹን ድኣ'ምበር፡ነቲ ሓቀኛ ምኽንያት ብልክዕ ዝገልጽ ኣይኰነን። ፖለቲካዊ ገምጋም ኣባላት ግንባር ዝካየደሉ ዝነበረ ምኽነያት፡ ንስነ-ሓሳብን ኣመራርሓን ግንባር ዝቃወምን ዝነቅፍን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘለዓዕሉ ደሞክራሲያውያን ባእታታት ከይቅልቀሉን ከይጥርነፉን ብኣግኡን ብዕሸልሉን ተኽታቲልካ ምዕንቃጹን ምውጋዱን ካብ ዝብል ኣብ ነብስኻን ቅንዕናኻን ካብ ዘሎካ ዘይምትእማን ዝተበገሰ  እከይ መንፈስ ኢዩ።  ንከምዚ ዝኣመሰለ "ደርባዊ ቃልሲ" እናበልካ ብምውርዛይ ዝካየድ ዝነበረ ደቂቕ ምክትታልን ምጽንጻንን፡  ብቃጻ ዝውደ ናይ እከያት ወዲት ካብ ምባል ሓልፍካ እንታይ ክበሃል ይከኣል?  ካብዚ ሓሊፉካ፡  ካልእ ዝወሃቦ መመላኽዒ ምኽንያት  እንተሎ፡  ፈጺሙ ጣቋ ዘይብሉ ሽሕጣን ኢዩ።

ኣብ ሰውራና ኰነ ኣብ ካልእ ሰውራታት ዓለም (ንኣብነት፡ ካምቦድያ፣ ቺና፣ ቪትናም፣ኩባ፣ሩማንያ፣ ዩጎዝላቭያ፣ፖላንድ፣ኢትዮጵያ (ኣብ እዋን ደርግ)፣ምብራቕ ጀርመን፣ደቡብ የመን፣ ከምኡ'ውን ሕብረት ሶቭየት)

ደጋጊሙ ከም ዝተረጋገጸ፡ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኰነ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ፡  ውሑዳት ሰባት ወይ ጉጅለታት፡ ብኢደ-ወነኖም ከይተመርጹን ከይተወከሉን ብስም  "ሓፋሽ ህዝቢ" እናሸቀጡን ንገበናቶም ብጉልባብ "ደርባዊ ቃልሲ" እናመኽነይዩን  ወከልትን ተሓለቕትንን ብምዃን፡ ገድብ ዘብሉ ስልጣን ብዘይተሓታትነት ብምግባት፡ ኣብ ዕጹው ቦታ ብሕቡእ ዕድል ሚልዩናት ንምውሳን ዝተጠቕሙለን፡ ኣዕነውትን ኣደናገርትን ናይ ፖለቲካ መጋበርያታት ኢየን። ማንታ መለየዪታት ናይዘን መጋበርያታት እዚኣተን ሚስጠራውነትን ጎነጽን ኢየን።    እዘን ክልተ ማንታ መለየዪታት ብዓመጽን ብዘይቀይድን ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምድያብን ንዝጨበጥካዮ በትረ-መንግስቲ ንምዕቃብን ዘኽእላኻ ፍቱናት መሳርሒታት ስለ ዝዀና፡ ከም ኢሳያስ ዝኣመስሉ ብባህርዮም ኣምባገነናዊ ባህርይ ዘሎዎም ውልቀሰባት፡ ሓንጎፋይ ኢሎም ብምቕባል ንዘይሕጋዊ ውሳኔታቶም ሕጋዊ መልክዕ ንምልባስን "ገስገስቲ" ንምምሳልን ብዘይንሕስያን ብውሕልነትን ኣዘውቲሮም ዝጥቀሙለን መሳርሒታት ኢየን። ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብመሰረት ማሕበርነታዊ ኣረኣእያኡ፡ በብግዜኡ ዝካየድ ምርጫ ስለ ዘየፍቅድን ንሃገራዊ ቊጠባ ብመንግስቲ ከም ዝበሓት ስለ ዝገበርን፡ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከም ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንዘልኣለም ገዛኢ ደርቢ ከይኑ ንኽገዝእ  ብትሪር ዝጣበቕ  ከም ምዃኑ መጠን፡  ክዂነን ዝግብኦ ሓደገኛን ኣዕናውን ስነ-ሓሳብ ኢዩ።

ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንምስጢራዊ ሰልፋዊ ንጥፈታቱ ብዘይ ገለ ጸገም ምስቲ ግንባራዊ ንጥፈታት ብምውህሃድ ንከሳልጥ ዝሓገዞን ዘኽኣሎን፡ ብሰልፋዊ ምምሕዳራዊ ቅርጹን መዝነት ላዕለዋይ መሪሕነቱን ዝመጸ፡ ካብቲ ናይቲ ሓርነታዊ ግንባር ብዙሕ ስለ ዘይፍለ ኢዩ። ከምቲ ናይቲ ሓርነትዊ ግንባር፡ እቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ እውን  ዝለዓለ  ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሎዎም  ፍሉይ ሓጋጊ ኣካልን ፈጻሚ ኣካልን ኣሎዎ።፡ እቲ  ሓጋጊ ኣኣካሉ፡ ኣብ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝተምርጸ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ክኽውን እንከለሎ፡ እቲ ፈጻሚ ኣካሉ ኸኣ  እቲ ብኣቦ-መንበር ሰልፊ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰልፊ'ዩ ኔሩ። ብምልኦም ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ግንባር፡ ኣባላትፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ሰልፊ እውን ይንበሩ ድኣ'ምበር፡ ብምልኦም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ግን ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ኣይነበሩን። ቊጽሮም ምጥን ዝበለ ኣብ መንጎ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባር፡ ንኣመራርሓን ኣተኣላልያን  መሪሕነት ናይቲ ግንባር ዝነቕፉ ዝነበሩ፡ "ዝንቡላት" ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሓድሓደ ገዳይም መራሕቲ ስለ ዝነበርዎም፡ እዞም ገዳይም መራሕቲ እዚኣቶም ኣብቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣይተመልመሉን። ናብ ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ዝተመርጹ፡ "ጎሲኻዮም እንተድኣ ሓሊፍካ፡ ብገዲምነቶምን ብቕዓቶምን  ከምኡ'ውን ተቐባልነቶምን ተሰማዕነቶምን፡ ኣብ መንጎ ደገፍቶም ተራ ተጋደልቲ  ዘይድለ ኣሉታዊ ስምዒታት ክፈጥሩ ይኽእሉ'ዮም" ንዝብል ፖለቲካዊ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ።

ሓርነታዊ ግንባር (ህ.ግ.ሓ.ኤ)፡ ንዂሎም ሃገራውያን ዜጋታት ብዘይኣፈላላይ ኣብ ሓደ ውድብ ጠርኒፉ ብምቅላስ ብዕጥቃዊ ተቓውሞ ሃገራዊ ናጽነት ንምጕንጻፍ ዝቖመ ይኹን ድኣ'ምበር፡ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ መሪሕነቱ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ውድባዊ ጉባኤ ዝተመርጸ ኣይነበረን። እቲ ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ ኰነ ኣብ ክልቲኡ ውድባዊ ጉባኤታቱ (ናይ 1976ን ከምኡ'ውን ናይ 1987ን) ዝቖመ መሪሕነቱ፡ ብሸፈጥ ማለት ቅንዕና ብዘይብሉን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝዀነን ኣገባብ ኣደናጊሩ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ'ዩ ኔሩ። ከመይ ጌ ሩ?  ንዝብል ሕቶ መልሱ፥ "ነቲ ምስጥራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም" ዝብል ኢዩ ።

እቲ "ንምስጢራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም" ዝብል ሓጺር መልሲ፡ ብልክዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ንዂሉ ብዘይ ገለ ጽልግልግ ርዱእ ምእንቲ ክኸውን እስከ  ቀጺልና ኣተኲርና ንመልከቶ።

እቲ ግንባር በቲ ሰልፊ ተመሪሑ ስለ ዝኸይድ፡ ቅድሚ ጉባኤ ናይቲ ግንባር ጉባኤ ናይቲ ሰልፊ 'ዩ ዝቃናዕ። ኩሉቲ ኣብ ናይ ግንባር ጉባኤ ዝሓልፍ ውሳነታት፡ ዝጸድቕ መደባት፡ ዝእወጅ ብይናት፡ ዝትለም  ሜላታት፡ ዝውሰድ ስጉምታት፡ ከምኡ'ውን  ዝምረጹ ኣባላት መሪሕነት ኣቐዲሙ ብስቱር ኣብ ናይቲ ሰልፊ ምስጢራዊ ጉባኤ ቀሪቡ ብዝርዝር ተዘትይሉ ዝተወደአ ኢዩ። እቲ ብስም ውድባዊ ጉባኤ ዝተጋብአ ክልተ ናይ ግንባር ጉባኤታት ንኣብነት፡ (ብ1977 ከምኡ'ውን 1987)፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጋብአ ናይ ሰልፊ ጉባኤታት ( ብ1976 ከምኡ'ውን 1986) ወግዓውን ሕጋውን መልክዕ ንምልባስ ዝዓለመ እምበር፡ ብሓቂ ብዘይተጕላባ ዝተቓንዐ ውድባዊ ጉባኤታት ኣይኰነን። መሪሕነት ግንባር፡ ነቲ ምስጥራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምድያብ ከም መሳልል ኣብ ርእሲ ምጥቃሞም፡ ንዘንተ-እለት ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጽናሕ ከም ዕርዲ'ዮም ዝጥቀምሉ ኔሮም። ናይ ዝዀነ ውድብ

መራሕቲ ኣብ መሪሕነት ከይተቐየሩ ክጸንሑ ዝኽእሉ፡ ኣብቲ በብግዜኡ ዝካየድ ውድባዊ ጉባኤታት ብዘይምቍራጽ ምስ ዝምረጹ ጥራይ ኢዮም። መሪሕነት ግንባር ኣብ ጉባኤታት ብቐጻሊ ከም ዝምረጹ ንምግባር ነቲ ሰልፊ ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኢዩም ዝጠቀብሉ ኔሮም? ዝብል ሕቶ ምስ እነልዕል፡ መልሱ ቅድሚ ውድባዊ (ግንባራዊ) ጉባኤ ፡ ሰልፋዊ ጉባኤ ብምክያድ፡ ኣብቲ ናይ ግንባር ጉባኤ ክፍጸም ንዝተደልየ ነገራት ብምልኡ ብዓንቶብኡ ኣብቲ ናይቲ ሰልፊ ጉባኤ'ዩ ዝውዳእ። በዚ መሰረት'ዚ፡ እቲ ጉባኤ ግንባር ዝከየድ ዝነበረ ነቲ ቅድመ-ውዱእ ነገራት ወግዓዊ መልክዕ ንምልባስ ዝካየድ ዝነበረ ድራማ ኢዩ።

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ውድባዊ ጉባኤ፡ ብማእከላይ ሽማግለ ውድብ ዝቖመት ትኹን ድኣ'ምበር፡ ኣባላታ ብምሉኦም ወይ ዳርጋ ዂሎም ኣባላት ሰልፊ ከም ዝዀኑ ይግበር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ንሳ ዘውጽኣቶ ናይ ምርጫ ሕጊ ዝበዝሑ ሕጹያት ኣባላት ሰልፊ ንዝዀኑ ዝድግፍ ኰይኑ ዝተሓገገ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቶም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ኲሉ ምርጫ ዘካየድሉ ከባቢታት፡ መነ-መን ኣባላት ሰልፊ ምዃኖም ኣቐዲሞም ብሕቡእ ይሕበሩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምርቋሕ ሕጹያት ብዝያዳ ንኣባላት ሰልፊ 'ዮም ኰነ ኢሎም ዝያዳ ዕድል ዝህቡ ኔሮም። እዚ ኸኣ እቲ ምርጫታት ናጻን ፍትሓውን ከም ዘይነበረ ዘረጋግጽ መርትዖ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ 550 ዝኣባላታ ብርጌድ፡ ብመሰረት ሕጊ ምርጫ  ንውድባዊ ጉባኤ 6 ወኪላት ክትመርጽ ምስ ዝውሰነላ፡ ካብቶም 6 ዝመረጹ ወኪላት ኣባላት  መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ከም ዝዀኑ ንምግባር፡ እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዘይ ክትዕን ዘተን ካብቶም 6 ወኪላት 2 ከይተመርጹ ዝሓልፉ ሓለፍቲ ንክኾኑ ኣቐዲማ ብዘውጽኣቶ ሕጊ መሰረት፡ መራሕ ብርጌድን ምክትሉን ከይተመርጹ ከም ዝሓልፉ ብምግባር፡ ቊጽሪ ናይቶም ዝምረጹ ወከላት ካብ 6 ናብ 4 ከም ዝጎድል'ዩ ዝግበር ኔሩ። ከምዚ ዝግበረሉ ዝነበረ ምኽንያት፡ መብዛሕትኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣባላት ሰልፊ ስለ ዝዀኑ፡ ብዝከኣል መጠን ቊጽሪ ናይቶም ንጉባኤ ዝተመርጹ ወኪላት ብኣባላት ሰልፊ ዝተዓብለለ ከም ዝኸውን ንምግባር ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምርጫ፡ ኣብቲ ቅድሚ ምርጫ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ምስ ኣባላት ሰልፊ ዝተኻየደ ምጠራዊ ኣኼባ፡ ኣብቲ ብርጌድ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ መነ-መን ምዃኖም ፈሊጦሞምን ተላልዮሞሞን ስለ ዝጸንሑ፡ ነቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ወከላት ንምምራጽ ኣብ ዝገበር ምርቋሕን ክትዕን ካብተን ዊጥ ዝበላ ብዙሓት ኣእዳው፡ ነተን ኣእዳው ናይቶም ኣባላት ሰልፊ መሚዮም ብኣድልዎ ዝብዝሐ ዕድል ኢዩም ዝህብወን። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣባላት ሰልፊ ካብቶም "ንጡፋት ዝንቡላት" ተባሂሎም ዝተመደቡ "ደርባውያን ጸላእቲ"፡ ኣብቲ ብርጌድ ሰፊሕ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ምስ ዝህልዎም፡ ብሳዕቤኑ ድማ ካብ ሃበባኦምን ዝናኦምን ዝተላዕለ ክምረጹ ልዑል ተኽእሎ ኣሎዎም ዝብል ግምት ምስ ዝህልዎም፡ ተወዳዲቦም መጺኦም እናተቐባበሉ ንናእሽቱ ዝዀነ ፖለቲካዊ  ትሕዝቶ ዘይብሎም ውልቃዊ ጉድለታት ብምምዝማዝን ምግናንን፡  ስሞም ብምብልሻው  እናዘለፉን እናወቐሱን ከም ዘይምረጹ ንምግባር ኢዮም ዝህቅኑ። ብስሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ዘይደሞክራሲዊ ተግባራት፡ ብውሕዱ 2 ካብቶም 4 ወኪላት ኣባላት ሰልፊ ከም ዝምረጹ ብምግባር፡ ብድምር ካብ 6 ወኪላት 4 ኣባላት ሰልፊ ከም ዝዀኑ ይግበር ኔሩ። ካብቶም ኲሎም ብኸምዚ ዝተገልጸ ኣገባብ ዝተመርጹ ወኪላት ጉባኤ፡ ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ከም ዝዀኑ ይግበር ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ውድባዊ ጉባኤ ብዘይገለ ጸገም ኣብቲ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት ደጊሞም መሪሕነት ግንባር ከይኖም ይምረጹ ኔሮም። ስለዚ፡ እቲ "ብደሞራሲያዊ ኣገባብ ውድባዊ ጉባኤ ተኻይዱ ብዓወት ድማ ተዛዚሙ" ዝበሃል ዝነበረ ልክዕ ኣይኰነን። እቲ ልክዕ መግለጺኡ፡ "እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ምስጥራዊ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝተዳለወ ናይ ጉባኤ ትያትር ኣብ ጉሁድ ውድባዊ ጉባኤ ንህዝባዊ ምርኢት ቀሪቡ" ዝብል መግለጺ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኲሉ'ቲ  ናይ ውድባዊ ጉባኤ ሃበስቀደስ፡ ንየዋሃት ንምትላል ዝቐርብ ዝነበረ ፈጺሙ ሓቅነት ዘይነበሮ ድራማ ኢዩ ኔሩ። ድራማ ብድራማኡ ኣዝዩ ዘሕዝን ድራማ!

ኣብ መደምደምታ፡ ምስጥራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊን እቲ ዝምራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ምስ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምምትእስሳር ምስ እንመዝኖ፡ንመሪሕነት ግንባር እንታይ ጥቕሚ  ወይ መኽሰብ ኣበርኪትሎም ዝብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ምስ እነልዕል መልሱ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል ኢዩ፦

· ገድብ ዘይብሉ ስልጣን ብምግባትን ብምብሓትን፡ ብዘይ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ንምስራሕ፣

· ኣብ ዕጹው ማዕጾ፡ ዕማኾ ዘይኣኽሉ ሰባት ዕድል ናይ  መላእ ህዝቢ ከይተወከሉን ከይተመርጹን ንምውሳን፣

· ብዘይክትዕን  ብዘይዘተን፡ ብቐሊሉ ዝደልኻዮን ዊን ዝበለካን ውሳነ ከተበዳህካ ንምሓልፍ፣

· ብዘይተቓውሞ፡ ንውልቃዊ ረብሓኻ ዘገልግል ስጉምቲ ንምውሳድ፡ መድብ ንምውጻእ፡  ከምኡ'ውን ሜላ ንምትላም፣

· ንዝፈጸምካዮ በደላት ከይተፈልጠ ንምሽፋንን፡ ብሓልፍነት ከይትሕተተሉ ኣመኻኒኻ ንምስጋርን፣ ከምኡ'ውን

· ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምድያድብ  ከም መሳልል፡ ንተግባራትካ ሕጋውነት ንምልባስ ከኣ ከም መመኽነይታ ንምጥቃም።

ጕዕዞ ታሪኽ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ብቐጥታ ምስቲ ውድዓዊ ኩነታት ናይቲ ብምስጢር ዝዋሳኣሉ ዝነበረ ሓርነታዊ ግንባር ዝተኣሳሰረ ብምንባሩ፡ ጸገም ዘይብሉ ሰለል ዝበለ ጕዕዞ ዘይኰነ ክብ ለጠቕ ዝሓዘለ ጽንኩር ጕዕዞ'ዩ ኔሩ። ብ1971 ክምስረት እንከሎ፡ ኣብ ኣዝዩ ዘየተኣማምን ናይ ሞት ወይ ሕየት ኩነታት (ንህላወኡ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኲናት ሓድሕድ) ስለ ዝተወልደ፡ ክሳዕ 1973 ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ዝለዓል ንሰልፋዊ ንጥፈታቱ ብምልኡ ብምዝሕታል ነጢፉ ይዋሳእ ኣይነበረን። ይኹን'ምበር፡ ኣብ 1973 ኣብ ውሽጢ'ቲ  ብምስጢር ዝዋሳኣሉ ዝነበረ ሓርነታዊ ግንባር መላእ ኣባላት ግንባር ዝተሳተፍዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዂሉ ውድባዊ ዕማማት ደው ከም ዝብል ዝገበረ ሰፊሕ ምስ  ሕቶ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝተላዕለ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ብኣድማዕነት ንምብዳህን ንምፍሻልን ከም ብሓድሽ ተወዲቡ ንምስጢራዊ ሰልፋዊ ንጥፈታቱ ብምብርባር ካብ ሽዑ ንደሓር እናሓየለን እናደንፈዐን ከም ዝኸይድ'ዩ ጌርዎ። ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ "መሪሕነት ግንባር ንሰብኣዊ መሰላት ተጋደልቲ ኣየኽበርን'ዩ፣ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ የብሉን፣ ኣቦ-መንበር (ኢሳያስ) ገደብ ዘይብሉን ተሓታትነት ዝጐደሎን ስልጣን ሒዙ ኣሎ" ዝብሉ ደሞክራሲያዊ ጠለባት ብምቕራብ'ዩ ተላዒሉ። ደሞክራሲያዊ ጠለባቱ ኣብ መንጎ ተራ ተጋደልቲ ናይቲ ግንባር ሰፊሕ ደገፍን ምዉቕ ተቐባልነትን ይንበሮ ድኣ'ምበር፡   ፍንዉን ዘይተጠነፈን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ዝኣልዮ ዝተወደበ መሪሕ ኣካል ስለ ዘይነበሮ፡  እቲ ሽዑ ከም ብሓድሽ ዝተወደበ ምስጠራዊ ሰልፊ ኣብ መንጎኡ ኣባላቱ ሰሊኹ ብምእታው ከም ዝጐጃጀል ብምግባር፡  "ብድሑር ዝንባለታት ዝተጠቕዑ ጥሩፋት ባእታታት ዘሳወርዎ ኣዕናዊ ምንቅስቓስ'ዩ" ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ሸቶኡ ከይወቕዐ ከም ዝፈሽል'ዩ ጌርዎ። እቲ "ንመባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከይተርፈ ብምግሃስ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጥርጡራት ተጋደልቲ  ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዝፍጽም ናይ ጸጥታ ኣካል'ዩ" ዝብል ኣዝዩ ሕማቕ ስምን ዘጸይፍ ዝናን ዘሎዎ "ሓለዋ ሰውራ"፡ ኢስያስ ኣብቲ እዋን'ቲ ንቀንዲ መራሕትን ኣንቀሳቐስትን ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ንምቕጻዕ ዘቖሞ ኢዩ። ድሕሪ ናይ መንካዕ ምንቅቓስ ቀጺሉ ዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ ብ1975 ዝተቐልቀለ "ብየሚን" (ሕሉፍ የማናዊ) ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኢዩ። እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ግን ከምቲ ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ሰፊሕ ደገፍን ምዉቕ ተቓባልነትን ዝነበሮ ምንቅስቓስ ኣይኰነን። ብናይ ህዝቢ ተባዕ ናይ ዕርቂ ተበግሶ፡ እቲ ንሰልስተ ዓመታት መመልእታ ዝተካየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ደው ምስ በለ፡ ክልቲአን ሓርነታውያን ግንባራት (ጀብሃን ሻዕብያን) ብረተን ናብ ጸላኢ ብምቕናዕ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሃገርና ክነጥፋ ስለ ዝጀመራ፡ በቲ ዘካይድኦ ዕዉት ጎስጓስ ካብ 1975 ንደሓር ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሓደስቲ ተጋደልቲ ከስልፋ በቐዐን ኢየን። እዚ ሓድሽ ኣዎንታዊ ተርእዮ'ዚ፡ ንወተሃደራዊ ዓቕመን ጥራይ ዝፍታሕ ዘይኰነ ንፖለቲካዊ ኣረኣእየአን እውን ስለ ዝጸለዎ ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ብልዝን ብሰላም'ዩ  ብዝብል ሓባራዊ እምነት መሰረት ኣብ ናይ ሰላም መስርሕ እየን ኣተየን።

ካብቶም ኣብቲ ብተዛማዲ ርጉእ ናይ ሰላም እዋን ኣብ ህ.ግ.ሓኤ ዝተሰለፉ ሓዳስቲ ተጋደልቲ፡ ብርክት ዝበሉ ካብ ከተማታት ዝመጹ ብምንባሮም፡ እቶም ኣብ ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉን ብስቱር ገና ዝድግፍዎን ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነቲ ብሓይሊ ዝተደቚሰ ምንቅስቓስ   እንተድኣ ጠለባቱ ደሞክራሲያዊ ከም ዝነበረ ተሓቢሮም እንደገና ከተስእዎ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል እምነት፡ ኣብ እግሪ ተኽሎም ብምስጢር ክምልምልዎም 'ዮም ሃቂኖም። እቶም  ዕላማ ናይዚ ሃቐነ'ዚ ናብ ምንታይ  ዝተኣመተ ምዃኑ ቀልጢፎም ዘስተውዓልዎ ጸኒሖም ብየሚን ዝተፈልጡ ባእታታት፡ ነቶም ብዛዕባ ደሞክራሲያዊ ጠለባት ናይ መንካዕ ምንቅቓስ ምስ ተገልጸሎም፡ ብገርሂ "ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተደቚሰ ፍትሓዊ ምንቅስቓስ'ዩ ኔሩ" ዝብል ርእይቶ ዝሃቡ (ኣብ  ውልቃዊ ዕላላቶም) ፡ "ናይ መንካዕ ሕማም ደጊስዎም" ብዝብል ክሲ እናኸሰሱ ብምስርጣይ፡ ብናታቶም ክሳራ ንሳቶም "እሙናት ተቓለስቲ" ተባሂሎም ስም ከጥርዩን ዝና ከትርፉን ህርድግ ይብሉ ኔሮም። ኣብቲ እዋን'ቲ ብዙሓት ንጹሃት ሓደስቲ ተጋደልቲ ብሓንቲ ብገርሂ ዝሃብዋ ቃል፡ ዘንቢሎም ተባሂሎም ምእሳሮም ከይኣክል፡ ብዝንባለኹም እንተ ዘይኣሚንኩም ብሞት ክትቅጽዑ ኢኹም ብዝብል ታህዲድ ከይፈተዉ ከም ዝዘንበሉ ብምእማን ንካልኦት መለበሚ ክዀኑ እናዘሩ ከም ዝሰብኩ ይግበር ኔሩ። ይኹን'ምበር፡ እዞም ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋደልቲ ብዓቢ ገበን  ዘሕትት ኣካላውን ዘይሓዊ ኣእምራዊን ማህሰይቲ ዘውርዱ ዝነበሩ ባእታታት፡ በቲ ትከታተሎም ዝነበረት ምስጥራዊ ማሕበርነታዊት ሰልፊ  ከም ኣስጋኢ የማናዊ ጉጅሊ ተኸሲሶም ሓዳብሓደ እናተለቕሙ ተቐንጸሉ። በዚ ኸኣ እቲ ናይ የሚን ዝበሃል ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝዀነ ዓይነት ጽልዋ ከይገደፈ ኣብቀዐ ።

ካብ 1973 ክሳዕ 1983 ምስጢራዊ ንጥፈታት ማሕበርነታዊ ሰልፊ እናዛየደን ቊጽሪ ኣባላቱ እናወሰኸን'ዩ ከይዱ። እንተዀነ፡ ድሕሪ 1983 ንጥፈታቱ እናዛሕተለ ብምኻድ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ከኣ እቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ከም ዘለዎዶ ይቐጽል ወይስ ይፍረስ ዝብል ኣከራኻሪ ክትዓት ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነቱ ስለ ዝተላዕለ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሉ ሓዲኡ ክሳዕ ዝውሰን ቅሂሙ ክጸንሕ ኣብቲ  ብ1989 ኣብ ኣፍዓበት ዝተገረ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ተበየነ። እቲ ንማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ነቲ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ቅሂሙ ንክጸንሕ ዝበየነሉ ምኽንያት፡ ንዝተፈላለዩ ነንሓድሕዶም ዝተዋሰቡ ግዳማውን ውሽጣውን ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። እዞም ረቛሒታታ እዚኣቶም ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘጠቓልሉ ኢዮም፦

· ኣብ መንጎ ሰልፍን ግንባርን ዝነበረ ስነ-ሓሳባዊ ጋግ  ኣናጸበበ ስለ ዝኸደ  ፍሉይ ምስጥራዊ ሰልፊ ክህሉ ኣድላይነት  የብሉን ዝብል ኣረኣእያ ኣብ መንጎ መሪሕነት ሰልፊ እናዓብለለ ብምምጽኡ፣

· ገሊኦም ሓደስቲ ኣባላት ሰልፊ ብዘይግቡእ ኣገባብ  ማለት ብሻርነትን ኣድልዎን ክምልመሉ ስለ ጀመሩ፡  ንዓይነት ናይቲ ሰልፊ ኣብ ርእሲ ምጕዳሎም፡ ንስምዓቱ እውን ብምብልሻዎም፣

· ኣብ መንጎ ኣብላት ሰልፊ፡ ብብግዜ ዝቀላቐል ዝነበረ ውልቃዊ ምስሕሓብ ዘዕግብ ፍታሕ ከይረኸበ እናገደደ ብምኻድ  ንሓድነት ሰልፍን ንሰልፋዊ ንጥፍታትን ዕንቅፋት ይፈጥር ምንባሩ፣

· ብዝሒ ዝምልመሉ ዝነበሩ ሓደስቲ ኣባላት ሰልፊ እናበዝሐ ብዝኸደ፡ ምስጠራዊነቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐልዐ ይኸይድ ምንባሩ፣ ከምኡ'ውን

· ገሊኦም ብቕዓት ዘይነበሮም ብጉቡእ ከይተመመዩ ዝተጸንበሩ ኣባላት ሰልፊ ንኣባልነቶም ከም ዕርድን ድርዕን ብምጥቃም፡ ነቲ ሰልፊ ከም መጥቅዕን መከላኸልን ውልቃዊ ረብሓታቶም ብምውሳዶም።

ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ  ኣብ ኣፍዓበት ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ንጥፈታቱ ክዝሕትል'ኳ እንተተወሰነ፡ ንምፍራሱ ግን ውሳነ ኣይሓለፈን። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ጥሪ 1994 ኣብ  በለዛ ኣብ ዝተኻየደ ምስጢራዊ  ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰልፊ፡ ንመጻኢ ዕድል ሰልፍን ግንባርን ዝምልከት ሰለስተ ምርጫታት ቀሪቡ ምይይጥ ተገብረሉ። እቶም ሰለስተ ምርጫታት፥ (1) እቲ ሰልፊ ፈሪሱ ምስ ምምስራት ካልኦት ሓደስቲ ሰልፍታት ከም ብሓድሽ ክህነጽ፣ (2) እቲ ሰልፊ ምስቲ ግንባር ተጸንቢሩ ክሳብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ዘብቅዕ ክቕጽል፣ (3) ከምኡ'ውን ክልቲኦም ሰልፍን ግንባርን ብሓባር ፈሪሶም፡ ብሓድሽ ንዂሉ ዜጋ ክፉት ዝዀነ ሰፊሕ ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክትካእ ዝብሉ ኢዮም። ካብዘን ሰለስተ ምርጫታት፡ ሳልሰይቲ ምርጫ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበት እቲ ሰልፍን እቲ ግንባርን ብሓባር ፈሪሶም ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝበሃል ሓዲሽ ሰልፊ ክትክኡ ተወሰነ። ኣብዚ ኣኼባ'ዚ፡ ከም ልሙድ እቶም ኣብቲ ዝካየድ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ንኣባልነት ላዕለዋይ መሪሕነት (ፈጻማ ኣካል) ዝተሓጽዩ መነ-መን ምዃኖም፡ ኣቐዲሙ ኣስማቶም ብኢሳያስ ተረቚሐ። እዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ እቲ ካብ ዝምስረት እትሒዙ ከም ቅቡል ተወሲዱ ከይተበድሀ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዘይደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኢዩ። እዚ ዘይደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ'ዚ፡ ፈጹሙ ንርእይቶ ናይ ኣባላት ግንባርን ሰልፍን ኣብ ግምት ዘየእቱን  ብቐጥታ ዘይሳትፍን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ገደብ ዘይብሉ ስልጣን ዝገበቱ ዕማኾ ዘይኣኽሉ ላዕለዎት መራሕቲ ኣብ ሕቡእን ዕጹዉን ቦታ ብዘይግሉጽነትን  ብዘይተሓታትነትን ዓበይቲ ውሳነታት ዘሕልፍሉ ዝነበሩ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ያታ  ህ.ግ.ሓ.ኤ ኢዩ።  እዚ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ያታ'ዚ ብዘይጥርጥር ሓደ ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም መንገዲ ዝጸረገ ረቛሒታት ኢዩ። ከም ግቡእ ኣባላት ሰልፍን ግንባርን ከይፈለጡን ከይተነግሮምን  ከምኡ'ውን ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን ከይተገብረ ክልቲኦም ውድባት ክፈርሱ ግቡእን ቅቡልን ሕጋውን ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ካብ ኣባላት ሰልፍን ግንባርን ብዙሕ ብገበን ዘሕትት ረባጽን ኣዋጣርን ሕቶታት ከየልዕል ስለ ዝተፈርሐ፡ ብዘይ ወግዓዊ ኣኼባ ሰልፍን ግንባርን ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ክልቲኦም ውድባት ከም ዝፈረሱን ብህ.ግ.ደ.ፍ ከም ዝተተክኡን'ዩ ብሃንደበት ተኣዊጁ። ኣባላት ግንባር ንመጀመሪያ ግዜ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ከም ዝነበረ ሽዑ ስለ ዝሰምዑ፡ ጋን'ዩ ኰይንዎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ንዝነበሮም እምነት ኣብ ርእሲ ምድኻሙ ንፍናኖም ኣዝዩ ተንኪፍዎ ኢዩ። ነዚ ኣሉታዊ ተርእዮ'ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ንምምሕልላፍ ዝስለሰል መስርሕ ከቀላጥፎን ከነጣጥፎን ምተገብአ።

ግና ከምኡ ኣይተገብረን። ንምንታይ?

መልሲ ናይዚ ኣገዳሲ ሕቶ'ዚ፡ ኣብቲ ዝቕጽል  ምጕጅጃል መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤን  ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓትን ዝብል ክፋላት ናይዚ  ተኸታታሊ ዓንቀጽ ስለ ዝርከብ፡  ጸኒሕንና ክንዳህሰሶ ኢና።

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...